ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

ቀዳማይ ምዕራፍ

ሳልሳይ መወዳእታ ክፋል

 

መእረምታ፡ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ክልተ ክፋል ብጌጋ ሰፊሩ ዝሎ ኣስማት ኣብ ክንዲ ዶ/ር ካርል ንይስትሮም ዶ/ር ካርል ዊንክቪስት፡ ኣብ ክንዲ ኣኔዝ ኒይስትሮም ከም ኤልሲ ዊንክቪስት ተባሂሉ ክንበብ ብትሕትና ክገልጽ እፈቱ። ናይ’ዞም ክልተ ስድራ ቤታት ጻዕርን ድኻምን ካብ ሓድሕዱ ታሪኽን ኣካይዳን ፈላሊኻ ክረአ ኣይክእልን’ዩ። ጻዕሪ ወ/ሮ ኣኔዝ ወ/ሮ ኤልሲን ማዕረ ማዕረ ዝተዋፈራሉ ስርሓት ብምንባሩ ብስርሓተን ንኽትፈልየን ኣጸጋሚ’ዩ። ወ/ሮ ኣኔዝ ድሕሪ ኣርባዓ ዓመት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሽወደን’የ ዓሪፈን።

 

ዕሸል ኤልሲ ዊንክቪስት

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት ብፍላይ ኣብ’ቲ ስእላዊ ሰነድ ዝቀረበ፡ ፍልይ ዝበለ ትዕዝብቲ ቀሪቡ ይኸውን ብዝብል ዕግበት፡ ክገልጾ ዝደሊ ኣሎ። ንኣብነት እቶም ሽወደናውያን እንተርኣኽዎም ኣብ’ቲ ስእሊ ሓደ’ኳ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ኮይኑ ክሰኣል ዝፈተነ የልቦን። ሰንድ ስእሊ ሽወደናውያን ኣብ ኤርትራ ብዘይካ’ቶም ሽማግለታት ዓዲ ምሁራትን ፈላጣትን ዝብልዎም፡ ንባዕሎም ከም ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ፡ ከም’ቲ ኣመሓደርቲ ጣልያን ይኹን ዓባይ ብርጣንያ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣይነበረን። ትሕትና ዝመልኦ ናይ ልዝብን ሰላምዊ መነገዲ ምንባሩ ጥራሕ’ዩ ዝሕብር።

 

ሽወደናውያን ብትሕትንኦም ዝተፈልጡ ምዃኖም፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ክፈልጡን ክመሃሩን ቋንቋ ጥራሕ ክጽሕፉን ከንብቡን ምትብባዕ ዘይኮነስ ካብኡ ሓሊፉ ቋንቋ ሽወደን ተማሂሮም ንህዝቦም ክምህሩን፡ ካብ’ቲ ሽወደናውያን ሒዞምዎ ዝመጹ ፍልጠት ኣተርጕሞም ንህዝቦ ፍልጠት ከካፍሉ ብማለት ንኣብነት ከም ሃይለሚካኤል ኣብ 1886 ንሽወደን በጺሖም ኣብ ዮሃንስሉንድ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ስቶክሆም ቋንቋ ሽወደን ክመሃር ገበሩ። ከምኡ’ውን ብ1911 ሃለቓ ተወልደመድህን ንሽወደን መጺኦም ተመሳሳሊ ትምህርቲ ወሲዶም፡ ግን ብፍላይ ሃለቓ ተወልደ መድህን ኣብ ዝመጽሉ ግዜ ቋንቋ ሽወደን ተማሂሮም ጥራሕ ዘይኮኑ ኤልሲ ዊንኪቪስት ኣብ ሽወደን ስለ ዝነበረት፡ ከም መምህር ቋንቋ ትግርኛ ኮይኖም ኣገልጊሎም’ዮም። እዚ ኩሉ ጻዕሪ ፍረ ዝተረኽቦ ግን በቶም ንህዝቢ ኤርትራ ሂወቶም ዝበጀዉ ሽወደናውያን ስድራ ቤት ካብ ወ/ሮ ኤልሲን ዶ/ር ካርል ዊንክቪስትን’ዮም።

 

 

መንእሰይ ኤልሲ ዊንክቪስት ምስ መሳርሕታ ሁልዳ ባህላዊ ጥልፊ ኤርትራ ለቢሰን ዘርኢ

እቲ ሽወደናውያን ኣፈላላይ ዘይምባሮም ዝሕብር ዶ/ር ካርልን ኤልሲ ብ1988 19 ጥሪ ካልኣይ ቆልዓ ወለዱ። እቲ ግዜ ኣዝዩ ሕማም ዝበዝሖ፡ ጥሜት ዝበዝሕ ግዜ’ዩ ዝነበረ። እዚ ስለ ዝዀነ ድማ  ኣብ’ቲ ግዜ ወ/ሮ ኤልሲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለ ዝነበረት እቲ ዝተወልደ ህጻን እኹል ጻባ ኣደ ይረክብ ብዘይምንባሩ፡ ንኣቶ ተኽሎም ዝተባህለ ሓጋዚኦም ጸገመሞ ነገርዎ’ሞ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዘይካ እስላም ካልእ ክርስትያን ከም ዘይቕመጥዎ ምንባሮም ሓበሮም። ንሳቶም ግን ኣደ ኩሉ ግዜ ኣደ’ያ ምእንቲ’ዚ ተጥቡ ኣደ ጥራሕ ደኣ ፍቓደኛ ትኹን’ምበር ንሕና ጸገም የብልናን በልዎ’ሞ፡ ሰብ ሓቲቶም ረኸቡ እታ ኤርትራዊት ኣደ ከኣ ፍቓደኛ ኮይና ሓደ ጡብ ንወዳ እቲ ሓደ ጡብ ከኣ ነቲ ጎርዶን ዝተባህለ ህጻን ወዲ ዶ/ር ካርል፡ ንክልቲኦም ኣጥበዎት። እዚ ካብ’ቲ ዝገርም ሰብኣዊ ተግባራት ናይ ሰብ ሕልና ምትእምማን ብምንባሩ’ዩ።

1988 እቲ ህጻን ካብ ዝውለድ ብዙሕ ከይገብረ ንጣልያን ከይዶም፡ ኣብ’ቲ ቦታ ከይጸንሑ፡ ካብ ኤርትራ ተግለግራም ተላእኹ ዶ/ር ካርን ንኤልትራ ብቅልጡፍ ክምለስ ከም ዘለዎ ዝብል ነበረ። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሕማን ኮሌራ ኣትዩ ሰብ የጽንት ብምንባሩ’ዩ። ወ/ሮ ኤልሲ ሓራስ ብምንባረን ኣብ ታልያን ተረፋ፡ እቲ ዶ/ር ካርን ንሽወደን ንምምላስ ዝነበሮ ሓንቲን ናይ መወድእታ ዕድልን ግን በዚ ንዓዱ ከየተመልሰ ተረፈ።

ወ/ሮ ኤልሲ ንጎርዶን ወደን ንሽወደን ኣብጺሐን ኣብ ዝተመለሳሉ ብግምት 1893 ክልቲኦም ትግረን ትግርኛን መሊዀም ክዛረቡ ጀመሩ።

 

 

መቓብር ዶ/ር ካርል ዊንክቪስት ኣብ በለዛ

ምስ’ቲ ኩሉ ላዕሊ ታሕቲ ሃለዋት ጥዕና ዶ/ር ካርል ኣዝዩ ኣብ ሕማቕ ወደቐ ክንቀሳቐስ’ውን ኣይከልኣለን፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ክልተ ሰብ ሓላፍነት ኣብ ወ/ሮ ኤልሲ ወዲቑ ብዙሕ ጾር ኮይንዋ ነበረ። ብ1904 ንሽወደን ክምለሱ ሓሳብ እንተቐረበ ዶ/ር ካርል ሓሚሙ ስለ ዝነበረ እቲ መደብ ክፍጸም ኣይተኻእለን፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ተረፉ። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ናይ ስቓይ ዓመታት ከኣ ዶ/ር ካርል ብ1909 ብዝሓደሮ ሕማም ዓረፈ። ኣብ በለዛ ከኣ ተቐብረ።

    

ወ/ሮ ኤልሲ ብድሕሪ ሞት ሰብኣያ ንሽወደን ተመልሰት፡ ንደቃ ኣመሓዲራ ከኣ 1930 ወርሒ ጥሪ ጓል 67 ዓመት ብ7 ሕዳር ካብ ጣልያን ብ23 ጥሪ ኣስመራ ኣተወት። እቲ ኩሉ ንሳን ሰብኣያን  ወንዚፈምዎ ዝነበሩ ስርሓት ኣብ ምትእርራይ እንከለዉ፡ ድሕሪ ኣስታት 5 ዓመት ብ1936 28 ታሕሳስ ምምሕዳር ጣልያን ካብ ኤትራ ክወጹ ትእዛዝ ሃቦም። ኣብ መጀመሪያ 1937 ንጣልያን ተመለሱ።

 

ኣብ ጣልያን ኮይኖም ከኣ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ከጽንዑ። ነቲ ካብ ኤርትራ ዝተማልእዎ ስራሓት ከሳልጡ ዕድል ረኸቡ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተምሃሮ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ቋንቋ ትግርኛ ፍልጠት ደለቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ኤርትራ ሓደ ተሓጋግዚኦም ዝነበረ ኣቶ እምባየ ንዓዲ ጣልያን ክመጹ ስለ ዝሓተቱ ኣቶ እምባየ ንዓዲ ጣልያ ቀኒዕዎም ስለ ዝመጹ፡ ነቲ ኩሉ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍቲ ይኹን ካልእ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝጠቐስክዎ፡ ነቶም ኣብ ቫቲካን ዝነበሩ ተመሃሮ እንዳተወከሱ ስርሓኦም ኣሳለጥዎ።

 

ደጊም ወ/ሮ ኤልሲ ብዛዕባ ኤርትራ ክሕሳባን ክሰርሓን ንወደን ጓለን፡ ከይረኣያ ነዊሕ ግዚ ሓሊፉ፡ ንደቀን ክየዕባያ ከይረኣያ ውሉደን ክሳብ መርዓን ደርዓን በጺሖም ነበሩ።

 

እቲ ግዜ ተቐያይሩ ብፈረስ ዝጎተት ሰረገላ ተሪፉ፡ መስመር ባቡራት ኣብ ኩሉ ከተማታት ተኣታትዩ። ተለግራም ተለፎን’ውን ኣተወ። ህዝባዊ መራኸቢ ከኣ ሰልጠነ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነፈርቲ ጀሚረን፡ እቲ ኣዋርሕ ዝወስድ ዝነበረ መገሻ ኣብ ሰዓታት ተቀየረ። ወ/ሮ ኤልሲ ካብ ጣልያን ብነፋሪት ንኤርትራ ኣተዋ ዓመቱ ከኣ 1947 ነበረ። ምምሕዳር ዓባይ ብርጣኒያ ድሮ ጉዳይ ኤርትራ ተረኪብዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ከኣ እቲ ብጣልያን ዝተወረሰ ንብረት ተመለሰሎም    

ወ/ሮ ኤልሲ ነቲ ሂወተን ዝወፈያሉ ከኣ ኣብ መወዳእታ ብሂወተን እንከለዋ ነቲ ኩሉ ናይ ትምህርቲ ይኹን ካልእ ክትርጎም ዝነበሮ ጉዳያት ኣጽፊፈን ምስ ወድኣ ብሰላም ዓሪፈን፡ ኣብ ጎኒ ሰብኣየን ዶ/ር ካርል ዊንኪቪስት ከኣ ኣብ በለዛ ተቐቢረን። ጥብቆ ስእሊ ተመለከት።

 

እዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ሳልሳይ መወዳእታ ክፋል ኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣብ’ቲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝቀጸለ መርገጽ ሽወደን እንታይ ከም ዝመስል፡ ክቀርብዩ።

 

ይቕጽል።

 

10 ሰነ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

    

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1322

Posted by on Jun 10 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net