ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

ካልኣይ ምዕራፍ

ሳልሳይ ክፋል

Eritrean Gruppen i Sverige

(ትርጕሙ መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሽወደን)

 

ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ዝተጠቕሰ ሕጅ’ውን ግደን ተራን ጋዜጠኛ ቡ በቨንስታም ንብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን፡ ንሕቶ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታን ኣፍልጦን ንምዝርጋሕ ማዕረ ክንደይ ኣስተዋጽኦ ዝተገብረሉ ጻዕሪ ኣውራ ኣብ’ቲ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሽወደን ክጥቀስ ዘለዎ’ዩ። ባዕሉ’ኳ ብተበግስኡ ናይ ሰለስተ ግዜ ጉዕዞ ንኤርትራ ዝብል መጽሓፍ ጺሑፍ፡ ተንቀሳቓሲ ፊሊም ሓቲሙስ፡ ነዚ ስርሒት ብረታዊ ተቃድሎና ዘድመቐን ዘብርሀን ንሕና ከኣ ኣጸፍኡ ክንዲ ክልቲኡ፡ ንዕኡን ንህዝቡን ነሞግስ’ምበር ካልእ ክንገብር ኣይንኽእልን። ንገባሪ ሰናይካ ከኣ ሞጎስን ክብርን ልዕሊ ኩሉ ነገራዊ ገጸ በረኸትን ህያብ ምዃኑስ ኩሉ ዝርድኦ’ዩ።

ቡ በቨንስታም፡ ኣብ ኢትዮጵያ በጺሑ ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ከም ዝተራኸበን፡ ንኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ ከኣ ብዙሕ ጸጥታዊ ጸገማት ጉዳይ ወታሃደራት ሓለዋን ከም ዝረኣየ፡ ኣዘንቲየልኩም ከም ዝነበርኩ ከዘኻኽር እፈቱ።

ቡ በቨንስታም ንሽወደን ምስ ተመለሰ ምስ መሓዙቱ፡ ከም ክርስቲና ቢዮርክ ዝተባህለት ክብርቲ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ’ውን ክብርቲ ሰብ፡ ምስ በዓል ቤታ ነዚ ናይ ማሕበር መሓዙት ህዝቢ ኤርትራ ኣበጊሶምዎ። ብድሕሪኦም’ውን ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ስዒቦም።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ሽወደን ተምክሮ ንዝነበሮም ከም በዓል ገብረ ሓጎስ ናሽሕ፡ ሓሚድ ዓብደላ ከምኡ ካልኦት ክሓትት ስለ ዝግባእ፡ ንሓሚድ ዓብደላ ብተደጋጋሚ ደዊለ ኣይረኽብክዎን፡ ኣብ ዝረኽብክዎ ግዜ ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝብሎ ኩሉ፡ መልእክቲ ዝፈልጦ ሓበሬት ሰኒደ ከም ዘምሓላልፎ ቃል እኣትወልኩም። ገብረ ሓጎስ ናሽህ ግን ኣብ ሓደ ሰልፊ ስለ ዘሎና ብዙሕ ስለ ንራኸብ በዚ ጉዳይ ዝፈልጦ እንተሎ ክሕብረኒ ሓቲተዮ።

ገብረ ናሽሕ ከም’ቲ ዝበልክኹም፡ ቅድመይ ዝነበሩ ስለ ዘለዉ ንዓዓቶም እንተተወከስኻ ዝሓሸን፡ ዝያዳ ሓበሬታ ትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ከም ዝበለኒ ክሕብር ይፈቱ፡ እቶም ዝፈልጡ ከኣ ኣብ’ቲ ልዕሊ ገብረ ናሽሕ ዝብሎ ክውስኹ’ምበር ስለ ዘይጉድሉስ ድሓን ንገረኒ ኢለ ኣገዲደዮ።

ሕቶ …. ብጻይ ገብረ ናሽሕ ብዛዕባ መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደናውያን Eritrean Gruppen i Sverige እንታይ ትፈልጥ፡ ወይ እንይታ ክትሕብረኒ ትኽእል ?

መልሲ …. እወ ከም’ቲ ዝበልኩኻ ብኣውራ ቅድመይ ዝነበሩ ሰባት ኣለዉ፡ ካልኣይ ከም’ቲ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ካልኣይ ክፋል ዘልዕላካዮ ቡ በቨንስታም ባዕሉ ስለ ዘሎ ናይ’ቲ ጉዳይ ወናታት ስለ ዝነበሩ ንዕኡን ንክርስቲና ብዮርክ እንተሓተትካዮም ዝበልጸ ይብለኒ።

ኣነ ግን በዚ መልሱ ስለ ዘይተሰማማዕኹ፡ ክሳብ ንሳቶም በቲ ዝተቋ`ጸርናዮ ግዜ ንራኽብ ከም ኤርትራዊ ዜጋ’ውን ከም’ዚ ናትካ ተምክሮ ተደላይነት ኣለዎ ምስ በልክዎ፡ ተምክሮኡ ቀጺሉ ይልግስ።

ገብረ ናሽሕ ከም’ዚ ይብል… ከም’ቲ ዝበልኩኻ ኣነ ካብ’ቶም ዳሕርዎ’የ ግን እቲ ዘርከብክሉ፡ ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብትብዓት ዝመከቱ ቡ በቨብስታም፡ ክርስቲና ብዮርክ በዓል ቤታን፡ ሕጂ ከም ፕሮፈሶር ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ቶማስ ዝተባህለ ናይ ሕክምና ምሁር’ዮም።

ጋዜጠኛ ቡ በቨንስታም ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ምስ ንጉስ ተራኺቡ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ተዘራሪቡ፡ ከም ጋዜጣኛ፡ ግን እቲ ካብ ንጉስ ዝረኽቦ መልስን፡ እቲ ቡ በቨንስታም ኣብ ኤርትራ ምስ ከደ ዝረኽበኦ ሓበሬታ ዝተፈላልየ ኮይኑ ረኺብዎ፡ ቡ በቨንስታም 1969 ዓ.ም እዩ ሜዳ ንኤርትራ በጽሑ፡ ምእንቲ’ዚ እቲ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚኡ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሐ ንከረን ገጹ ይጓዕዝ ኣብ ዝነበረሉ፡ ከም’ዚ ሎሚ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘዘውትሮ ዘሎ፡ ጸጥታን ሓለዋን፡ ሰራዊት ኣብ ዝዀነ ዓድታት፡ ከምኡ ብስርዓት ሃይለስላሴ ናይ ሕላፍ ሰዓት እቶ እቶ ( ኮፕሪ ፈኮ) ስለ ዝነበረ፡ ምስ’ቲ ቅድም ዝሰምዖ ዝነበረ ዘይተቓደወ ነገር ከም ዘሎ ብልክዕ ተረደአ።

ብድሕሪ’ዚ ኩነታታት፡ እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዖና ዝፈጸሞ ኣረሜናዊ ግፍዓዊ ተግባራት ኣብ ዓለም ምስ ተቓለዐ፡ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዝምቕማጦም ኤርትራውያን፡ ዓብይ ተቃውሞ ገይሮም፡ ንቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሽወደን ብጎነጽ ደፊኦም ኣትዮም፡ ባንዴራ ኤርትራ ብሞስኮት ኣንበልቢሎም፡ ሓደ ካብኣቶም ስዒድ ማርዮ’ዩ። እዚ ጉዳይ ኣብ ሽወደን ብፍላይ ንከም ጋዜጠኛ ቡ በቨንስታም፡ ንመሓዙኡ ንሳው’ን ጋዜጠኛ ክርስቲና ብዮርክ ነቲ ዝነበረ ጥርጣረታቶም ከዕብዮ ክኢሉ። ብድሕሪ’ዚ እዩ Eritrean Gruppen i Sverige  ክቐውም ክኢሉ፡ እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎና ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ገይሩ’ዩ። ንህዝቢ ሽወደን ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ዓለም’ውን ኣብ ቃልስና ቆላሕታ ክገብር ሓያል ጻዕሪ፡ ዓብህይ ስራሕ ሰሪሑን ኣካይዱ’ዩ። ቡ በቨንስታም ከም’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋክ ዝገለጽካዮ፡ ኣብ ኣገደስቲ መድረኻት ስለስተ ግዜ ንኤርትራ በጺሑ።

ከም’ውን ክርስቲና ብዮርክ ኣብ ኤርትራ በጺሓ፡ ሃገር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝኣርእስታ ተንቀሳቓሲ ፊልም ዝቕረጸት ግድስቲ፡ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ኣደ’ያ። ብሓቂ ነዚ ክትዝክር ብዛዕባ’ዞም ገበርቲ ሰናይ  በቲ ዝፈጸምዎ ስርሓት ክትዛረብ፡ ምዝካሮም ጥራሕ ክንደይ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ይስመዕካ’ምበር እንታይ ገቢርናሎም ኮይና።

ኣብ’ዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ክልተ ነገራት ኣሎ ይብል፡ ገብረ ናሽሕ፡ ቀዳማይ ብዛዕባ ክርስቲና’ዩ። እዚ እንታይ’ዩ ይመስለካ፡ ክርስቲና ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ምስ ብጾታ ሽወደናውያን ንኤርትራ በጺሓ’ያ። በቲ ዝገብረቶ ምብጻሕ ከኣ ኣብ’ቲ ህዝቢ ዓብይ ጦብላሕታ ፍቕሪ ሓዲርዋ ኣብ ደማን ዓጽማን ኣትዩ’ዩ። ሕጂ ማንም ካብ’ቲ ዝሓደራ ናይ ፍቕሪ ገነት ዘውጽኣ የብላን። ክርስቲና ብዮርክ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸገሙን ሓጎሱን’ያ ተፍቕሮ።

 ስለዝዀነ ድማ ሓደ መዓልቲ ከም’ዚ ትብል፡ ኤርትራ ገና ኣብ ቃልሲ እንዳሃለወት፡ ማለተይ’ዩ” ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ረኺቡ ክርኢ ዘሎኒ ሃረርታ መዕቐኒ የብሉን፡ ሓንቲ መዓልቲ ተዓዊቱ ነጻነቱ ረኺቡ ክርእን፡ እታ መሬት ጅግና ህዝቢ ክረግጻን ተስፋ እገብር፡ ነዚ ዕድል እንተዘይ ረኺበ ግን፡ ኣብ ናይ ሕድሪ መዝገብይ ንወደይ፡ እንተዘይኮይኑ ከኣ ንደቂ ደቐይ ኤርትራ ነጻ ኣብ ዝወጸትሉ መሬት ናይ’ዛ ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈላ ሃገር ክረግጹ ናይ ሕድሪ ጽሑፍ ክገድፍ’የ በለት” ይብል ገብረ።

ካልኣይ ናይ ቶማስ’ዩ፡ ቶማስ ሎሚ ፕሮፈሶር ኮይኑ ብሕክምናዊ ሞያ ዝሰልጠነ’ዩ። ቶማስ ንኤርትራ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ከተማታት ሓራ ዝወጸሉ እዋን ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ ንይሩ። በዓል ቶማስ ንሜዳ ኤርትራ ክኸዱ እነከለዉ፡ ካብ ሽወደን ሒዞሞ ዝነቐሉ ምዕቡል ናይ ሕክምና መሳርሒ ብፍላይ ከኣ ናይ መጥባሕቲ መሳርሒ ነይርዎም። ንተ.ሓ.ኤ ከበርክትዎ ሒዞምዎ ዝኸዱ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ እዋን ብሰላም ንሜዳ ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ነጻ ከተማ ተስነይ ነበሩ፡ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ተሰነይ ደብዳብ ስለ ዘካየዳ፡ ብዙሓት ተጋደልትን ገባራትን ኣብ ሓደጋ ወደቑ፡ ዝቆሰሉን ዝተሰውኡን ከኣ ነበሩ፡ ስውእቲ ሳዕዲያ ኣባል ሃገራዊት ክፍሊ ሙዚቓ ተ.ሓ.ኤ ‘ኳ ሽዑ ተሰዊኣ። ቶማስ ነቲ ምስኡ ሒዝዎ ዝኸደ መሳርሒ ክንደይ ከም ዝተጠቐመሉን ሂወት ተጋደልትን ህዝብን ከም ዘድሓነ እዝክር ይብል።

ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክርስቲና ብዮርክ ኤርትራ ነጻ ወጺኣ ክነሳ ክሳብ ሕጂ ንኤርትራ ኣይበጽሐትን፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኩሉ ግዜ ጠጠው ምስ በለት’ያ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መዓስከር ስደታኛታት ሽመልባ ኢትዮጵያ ከይዳ፡ ናይ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ጭካነ፡ ምልኪ፡ ኣረጋጊጻ ተመሊሳ’ያ። ብዛዕባ’ዚ ከኣ ንህዝቢ ሽወደን ብመንገዲ ፈነወ ረዲዮ P1 ኣብ መግለጺ ሂባ። ዝበለቶ ቃል ኣይዓጸፍትን።

ኣብ መወዳእታ እንታይ ክብልካ ደሊየ’የ፡ እቲ መበገሲ ናይ መሓዙ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደናውያን Eritrean Gruppen i Sverige ብኽመይ ከም ዝተበገሰ በቲ ዘሎኒ ኣፍልጦ እዚ ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝፈልጡ ሰባት’ውን ከም ዘለዉ ንምሕባር’ዩ።

እቲ ቀንዲ መሓዙ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዀኑ ዝደረዀም ከኣ ከም’ዝቲ ቅድም ዝገልጽኩልካ፡ እቲ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ምሕደራን ጎበጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ’ዩ። እዚ በዚኦም ምስ ተ.ሓ.ኤ ዝጀመረ ጻዕሪ ከኣ ወላ’ውን፡ ድሕሪ ሓድሕድ ኵናት፡ ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምሕዝነት ዝቀጸሉ ብኣመጻጽእኦም፡ ሌላ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ’ዚ ሽወደናውያን ጉጅለ ቡ በቨንስታም ዝነበሩ’ዮም። ብዝተረፈ ገለ ናይ’ቲ ዝደለኻዮ ሓበሬታ ረኺብካሉ ክትኸውን ተስፋ’ገብር።

መደምደምታ

የቐንየለ ገብረ ሓጎስ ናሽሕ፡ እወ ኣነ ብዙሓ ጠቓሚ ዝዀነ ሓበሬታ ረኺበ፡ ልዕሊ ኩሉ ብዙሓት መሰኻክር ዘለዉዎ ጉዳይ፡ ነዚ ኣሕዋትን ኣሓት ሽወደናውያን፡ ንምእንቲ ነጻነትና ዘበርከትዎ ደገፍ፡ ዝወፈይዎ ግዜን ጉልበትን፡ ብዝዀነ ይኹን ነገራዊ ትሕዝቶ ክትመን ዘይክእል፡ ክብርትን ምሕዝነትን፡ ሰላምዊ ምሕዝነት፡ ምሕዝነት ጽቡቕ ድሌትን ኣብ ታሪኽ ክዕቀብ እንተተኻኢሉ መጻኢ ወለዶ ክወርሶን ምስ እዞም ህዝቢ ከኣ ነቲ ሰናይ ዝምድና ኣኽቢሩ ዓቒቡ ክስዕብ ናይ ዝግበር ዋጋ’ዩ እቲ ዓስቢ። እንተ ተሸለሙ፡ ገንዘብ ኣምስያ ድኻሞም እንተተዋህቡ ክንዲ’ቲ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዝዕቀብ ነባሪ ህያብ ክብሪ ዘለዎ ኣይኸውንን።

ምንእቲ’ዚ ዝምድና ህዝቢ ሽወደን ከም’ዚ ገብረ ናሽሕ ዝገለጾ፡ ማዕረ ክንደይ ድልዱልን ሓያላን ምንባሩ በቶም ካልኦት ኣብ’ዚ ዝመጽእ ዝጸሓፍ ክበርህን ክግለጽን’ዩ። ብኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ከም ሓሞዅሽቲ በነን በነን ዝብልን፡ ከም ስንቒ እንዳሓደረ ዝፈኵስ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሽወደን ሕርሕራይ ገቢሩ ክሳብ ዝጋለጽ በዚ ይኹን በቲ ዝዕገትን ጠጠው ዝብል ኣይኸውንን።

ይቕጽል

22 ሰነ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1326

Posted by on Jun 22 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net