ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

ፍሉይ ሕታም

ቀዳማይ ክፋል

ቃል መሕተት

ምስ ጋዜጠኛን ሰኣላይን ቡ በቨንስታም

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

 

እምበኣር ካብ’ዚ ቀጺልና ሓደ ናይ’ዚ ዘሎና እዋን ብፍላይ ናይ ሰብኣዊ ሕቶ መሰል ኣብ ኤርትራ ንዝምልከት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን ንሰብኣዊ መሰል፡ ንፍትሒ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ክጽሕፋ ጸኒሐን፡ ከም መቀጸልታ ናይ’ዚ፡ ነቲ ብመዲያ ሽወደን ዝተባህለን ዝተጻሕፈን ከም ግብረ መልሲ፡ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን በቲ ንሳቶም ዝብልዎን ዝርድእዎን ገምጢሎም ንህዝቢ ንምቕራብ ህዝቢ ሽወደን፡ ጋዜጣታት ሽወደን ህዝቢ ኤርትራ የጸልሙ ኣለዉ’ሎም ክስታት ከቅርቡ ጸኒሖም’ዮም። ንድሕሪት ተመሊስና ዝምድናታት ኤርትራን ሽወደን ከመይ ነይሩ፡ ጸርፊ ነይሩ ኣይነበረን፡ ንዝብል ሎሚ ምስ ሓደ ጋዜጠኛን ሰኣላይን ተንቀሳቃሲ ፊልም፡ ቡ በቨንስታም ቃል መሕተት ክንገብር’ና እሞ ክትከታተሉና ተስፋ ንገብር።

ሰላም ቡ በቨንስታም

በቨንስታም ሰላም ንዓኻ ይኹን

ሕቶ. ቡ በቨንስታም መን’ዩ ? ክትላለየናን ብዛዕባ ሂወትካ ክትገልጸልና ዶ ትኽእል?

መልሲ. እወ፡ ኣነ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ተወሊደ ዓብየ፡ ዝበዝሕ ክፋል ሂወተይ ፊልም ኣብ ምቕራጽ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ፡ ብፍላይ ዓብይ ተገዳስነት ዘሕደርኩሉ ኤርትራ ተዋፊረ ኣብ ናይ ሽወደን ተለቪዥን ይሰርሕ ዝነበርኩ’የ። ንኤርትራ ደጋጊመ በጺሐ’የ። መጽሓፍ’ውን ጽሒፈ።

ሕቶ. ክንደይ ግዜ ንኤርትራ መገሻ ኣካይድካ ?

መልሲ. ሰለስተ ግዜ ገይሸ

ሕቶ. መጽሓፍ ጽሒፍካ ነይርካ ? ሰለስተ መገሻ ንኤርትራ ትብል ኣገዳስት መጽሓፍካ ኣንቢበያ፡ ኣብ ጽሑፍካ ጽንኵር እዋን ምንባሩ ገሊጽካ፡ ኣብ’ቲ ግዜ ንዓኻ ንኤርትራ ክትጓዕዝ ዝደረኻ እንታይ ነይሩ ?

መልሲ. እወ፡ እዚ ጉዳይ ክንደይ ክንዛረበሉ ንኽእል ? ብሓጺሩ ተገዳስነት ናይ’ቲ ቦታ፡ ተገዳስነት ናይ’ቲ ዞባ ነይሩ፡ ወዲ 11 ዓመት ኣብ ዝነበርክሉ ጣልያን ንኢትዮጵያ ወሪሮም፡ እዚ እዚ ናይ ኵናት ወራር ዜና ንዓይ ዓብይ ተገዳስነት ኣሕዲሩለይ፡ ካርታ ስለ ዝነበረና ከኣ ነቲ ኩሉ ብመርፍእ እንዳኣመልከትኩ ነቲ ቦታ ይላለዮ ነበርኩ፡ ኣብ’ቲ ግዜ ኵናት ጸግዒ ንጉስ ነይረ። ምኽንያቱ ንጉስ ሃይለስላሴ ጅግና ይበሃሉ ስለ ዝነበሩ። እንተዀነ ድሒረ ከም ዝበጻሕክዎ ንጉስ ሃይለስላሴ ከም ዝተጸበኽዎም ኣይነበሩን። ሓያልን ጸቓጥን ንጉስ’ዮም ነይሮም። ንህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮኑ ንህዝቦም’ውን። ኣብ 60ታት ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እኹል ኣፍልጦ ነይሩ’ዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ሽወደናውያን ምስ’ቲ መንግስቲ ዝተሓባበሩ ከም ኣባላት ሓይሊ ኣየር፡ ፖሊስ ወ.ዘ.ተ ኣብ’ቲ ቦታ ስለ ዝነበሩ። ኣብ 60ታት ነቐፌታት ክለዓል ጀሚሩ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ስሉስ ዓለምን እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ኣፍልጦ ነይሩ፡ ጉዳይ ኤርትራ ግን ኣይተላዕለን።

ሕቶ. ኣብ መጽሕፍካ፡ ንኢትዮጵያ ከም ዝበጻሕካ ትሕብር፡ መገሻኻ እንታይ ዝዓለመ ነይሩ፡ ከም’ቲ ናይ ኤርትራ ድዩ ?

መልሲ. እወ፡ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ’ዩ። ቅድሚ ንኢትዮጵያ ንኤርትራ በጺሐ ምስ ተ.ሓ.ኤ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1969 ተራኺበ ነይረ። ኣብ ኤርትራ ሓደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ክካየድ ከም ዝጀመረ ፈሊጠ፡ ሕጂ ንጉስ ሃይለስላሴ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እንታይ ከም ዝብሉ ንምፍላጥ’ዩ ነይሩ’ቲ መገሻ። ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ከኣ ቃል መሕተት ኣካይደ፡ እቲን ንጉስ ዝሃብዎ መልሲ፡ ልክዕ እንታይ ክብሉ ከም ዝደለዩ ኣቀዲመ ዝፈለጥክዎ ነበረ። እቲ ዝሃብዎ መልሲ ከኣ፡ ” ንሳቶም ውሑዳት ሸፋቱ’ዮም፡ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ኣለዎ፡ ንዓይ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኮነን በሉ” ።

ሕቶ. መገሻ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ኤርትራ ተፈጺሙ ማለት ድዩ ? ኣብ ኤርትራ ሃ.ሓ. ቃልሲ ከም ዝተጀመረ ፈሊጥካ ነይርካ ?

መልሲ. ከመይ ደኣ፡ ኣነ ልክዕ ከም’ቲ ንጉስ ዝፈልጦ ይፈልጥ ነይረ። ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ሓደ ኣፍልጦ ነይሩና። ግን ኣነ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ኤርትራ ከም ዝኸሓድዎን፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕባስ ሓደ ብፊልም ዝተሓዝ ይደሊ ነይረ።

ሕቶ. ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ኣብ ዝቀጸልካሉ፡ ነቁጣታት፡ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ርኢኻ ?

መልሲ. ኣይፋሉን፡ ቅድም ንኤርትራ በጺሐ፡ ሽዑ ተሓቢእካ ብለይቲ’ዩ ንኤርትራ ዝእቶ ዝነበረ። ካብ ኤርትራ ምስ ተመለስኩ’የ ንኢትዮጵያ ዝኸድኩ። ካብ ኢትዮጵያ ድማ ንዓደይ ተመሊሰ።

ሕቶ. ሕራይ ቅሩብ ናብ’ቲ ተርኽቦ 1969 ክንቀራረብ፡ ኩነታት ከመይ ነይሩ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ ምስ ኣተኻ ብሓፈሻ ከምይ ረኺብካዮ ?

መልሲ. ዝፈልጦ ብዙሕ ኣይነበረን፡ ጉዕዞይ ኣብ ምዕራባዊ ቦታታት ኤርትራ ዝተሓጸረ’ዩ ዝነበረ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ገና ኣብ ዕሸሉ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ዝተጋነነ ጥንቃቐታት ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ። ምኽንያቱ ኣነ ፊሊም ቀሪጸ ንህዝቢ ከምሓላልፎ ይደሊ ስለ ዝነበርኩ ዕድል ዝህብ ኣይነበረን። ኵናት ብቀረባ ርኤ ኣይብልን።

ሕቶ. ሱዳን ኣብ ከመይ ኵነታት ነይሮም፡ መንግስፍቲ ሱዳን ከመይ ነይሮም ?

መልሲ. ሱዳን ብኑሜሪ’ያ ትምራሕ ዝነበረት፡ሱዳናውያን ምስ ደቡብ ኣብ ገገለ ስምምዕ በጺሖም ምንባሮም እቲ ኩነታት ደሓን ነይሩ፡ ተ.ሓ.ኤ’ውን ጽቡቕ ዝምድና ክህሉ ኣኽኢልዋ። ብተወሳኺ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ጽቡቕ ኣይነበረን።

ሕቶ. ኣነ ከም ዝተረዳእክዎ፡ ንሱዳን ብፍላይ ኣብ ከሰላ ብዙሕ ምንቕስቓስ ከም ዘይነበረካን፡ ካብ ሆቴል ንኸይትወጽእ ከም ዝተነገረካ’የ ዝፈልጥ ?

መልሲ. እወ ይዝከረኒ፡ ግን ብዙሕ ግዜ ንሱዳን ስለ ዝገሽኩ፡ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ዝተፈላልየ ኩነታት ኣጋጢሙኒ ኣሎ።

ሕቶ. ኣብ መጀመሪያ ጉዕዞኻ ካብ ሆቴል ንኸይትወጽእ ዝተዋህበካ መምርሒ፡ ኣብ ከሰላ ሰላማዊ ሰልፊ ይካይድ ዝነበሩሉ እዋን ?

መልሲ. ይዝከረኒ፡ ናይ ኢድ ተተኳሲ እወ፡ ይዝከረኒ።

ሕቶ. ንሜዳ ኤርትራ ምስ ኣቶኻ፡ ምስ ተጋደልቲ መራኸቢ ቋንቋ ኣይነበረኩምን ? ብኸመይ ትረዳድኡ ነይርኩም ? እንታይ ስምዒታት ነይሩካ ? ብኸመይ እምነት ኣንቢርካሎም ?

መልሲ. ዝመርጾ ኣይነበረንን፡ ኣነ ግድነት ክኣምኖም ነይሩኒ። ብካልእ ንዓይ ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕለይ ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ኣሎ ኢለ ክሓስብ ዝደፋፍኣኒ ምኽንያት ኣይነበረን። ምእንቲ’ዚ ስቕ’ልካ ጉዕዞ ምዃድ ጥራሕ’ዩ ዝነበረ። ደሓር ግን ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝዛረቡ ረኺበ። ምስኣቶም ክዛረብን ድሌት ክገልጽን ጀሚረ። ኣብ’ቲ ማእከል ናይ’ቲ ስርሒት ክኸይድ ድማ ይደሊ ነበርኩ። ከም’ቲ ዝደልዮ ግን ኣይነበረን።

ሕቶ. ሓደ ዝገረመካ ጉዳይ ነይሩ፡ ንሱ ከኣ ንባዕላቶም ንዓኻ’ውን ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ምስ’ቲ ኵነታት ዝጠልቦ ኣካይዳ ክትመሳሰል ገይሮም ?

መልሲ. ዝምድናታቶም ምስ ህዝቢ’ዩ። ተጋደልቲ ምስ ህዝቢ ዝዛረብዎ እንታይ ከም ዝነበረ ክርድኦ’ኳ ዘሸግረኒ እንተነበረ፡ ብውሽጦም ጽቡቕ ምርድዳኣ ከም ዝነበሮም’ዩ። ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ቀጻልነት ክህልዎ ዘኽእል ከኣ ንሱ’ዩ ዝነበረ።

ሕቶ. ፖለቲካዊ ኩነታት ከመይ ነይሩ፡ እቶም ተጋደልቲ ነቲ ጸይሮሞ ዝነበሩ ኣጽዋር ንምትንታይ ምዃኑ ንቕሓቶም ሓቲትካ ዶ ?

መልሲ. ፈቲነ ነይረ፡ ኣብ መጀመሪያ ናይ ቋንቋ ሽግር ነይሩ። ብሰንኪ’ዚ ከኣ ናተይ ኣፍልጦ ላህመታዊ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ሕቶ. መዓስ ኢኻ ፖለቲካዊ ኩነታት ሜዳ ኤርትራ ቀሪብካ ዘልዓልካዮን፡ ትጽቢትካ ዝመዘንካሉን ?

መልሲ. ኣብ ካልኣይ ጉዕዞ’ዩ ነይሩ፡ ኣብ ካላኣይ ጉዕዞይ ኣብ ሜዳ ክልተ ወርሒ ገይረ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ጽቡቕ ዝረዳድኡ ሰባት ረኺበ፡ ክትዓት ዘካየድናሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።

ሕቶ. ሓደ ኣገዳሲ ነገር ተቒስካ፡ እቲ ነገር ሎሚ’ውን ከም ቀደም ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ፡ ንሱ ከኣ ጉዳይ ሓድነት ኤርትራውያን’ዩ፡ ተ.ሓ.ኤ ንሃገራዊ ስምረት ሓይልታት ጽዕሪ ተካይድ ምንባራ ?

መልሲ. ህ.ሓ.ኤ ንዓይ ሓደሽቲ’ዮም ነይሮም። ብዛዕብኦም ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ግን ክበሃል ዝሰማዕኽዎ፡ ህ.ሓ.ኤ ካብ ክርስትያን ዝቆመ ምንባሩ፡ ተ.ሓ.ኤ ከኣ ካብ እስላም ጥራሕ ዝብል’ዩ። ግን እቲ ኣነ ዝተዓዘብክዎ፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ እስላምን ክርስትያን ከም ዝነበሩ። እቶም እስላም ንሜካ ገጾም ገይሮም ክሰግዱ ክጽልዩ ተጻብኦ ኣይረኣኹን። እቶም ክርስትያን ዝጽልዩ ኣይመስሉን ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ፍልልይ ዝረኣክሉ ዝነበረ ኣይኮነን።

ሕቶ. ተ.ሓ.ኤ ብኣስላም ጥራሕ ዝቆመት ምንባራ ማዕረ ክንደይ ሓቂ’ዩ።

መልሲ. ተ.ሓ.ኤ ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ዝተመስረተት ብምንባራ ተሳትፎ ዝበዝሑ ኣስላም ነይሩ። እቲ ኣነ ዝነበርኩሉን ዝረኽበክዎም ግን ኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት ዝሓቆፈት’ያ ነይራ።

ሕቶ. ኣብ ካልኣይ ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሳቲፍካ ዶ ነይርካ ?

መልሲ. ዕድመ ተላኢኹለይ ግን ኣይተሳተፍኩን፡

ሕቶ. ኣብ 1974/1975 ኣብ ኤርትራ ከም ዝነበርካ ኣብ መጽሓፍካ ሰፊሩ ኣሎ ? ኣብ ሜዳ ዝረኣካዮ ለውጢ እንታይ ንይሩ ?

መልሲ. ኣብ ምንጎ 1969 – 1974 ማለትካ ድዩ ? ዘገርም ለውጢ’ዩ። ኣብ ብዙሕ ቦታት ተዘዋዊረ ርአ፡ ክሳብ ንኸበሳ ደይበ፡ ትግራይ ሰጊረ መራሕቲ ናይ ተ.ሓ.ት ረኺበ፡ ካልእ ዝተዓዘብክዎ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ሕልክምና፡ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ቨትረናር( ናይ እንስሳ ሕክማን) ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ።

ሕቶ. ዝምድና ህዝቢን ተጋደልትን ከመይ ነይሩ ?

መልሲ. ኣብ ዝኣቶናዮ ዓዲ ገዓት ይቅርቡልና፡ ዝስተ ይህቡና፡ ማለት ኣብ ከባቢ ዓዲ’ና ነዕርፍ፡ ኣብ ሑጻ ኮፍ ንብል እቶም ሰብ ዓዲ ከኣ ተቐቢሎም የዕንግሉና ነበሩ፡ ብድሕሪኡ ዕላል ይጅመር፡ ሓበሬታ ይወሃሃቡ፡ ኣነ’ኳ ዝርድኦ ኣይነበርኩን ግን ብሓቂ ጽቡቕ መንፈስ ዝነበሮ ዝምድና ምዃኑ ይርዳእ ነይረ።

ሕቶ. ኣብ ካልኣይ ጉዕዞኻ፡ ብዙሓት ተመሃሮ ዝነበሩ ተጋደልቲ ረኺብካ ? ነቲ ንስኻ ትደልዮ መልሲ እንተዘይተባህለ፡ ዘዕግብ ገለጻ ዶ ረኺብካ ?

መልሲ. እወ ብሓቂ ክረዳድኡ ዝኽእሉን ብዙሓት ረኺበ፡ ካብ’ቲ ዝገርም ንምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ትምህርቶም ገዲፎም ኣብ ቃልሲ ክስለፉ ኣዝዩ ከቢድ ውሳኔ ቆራጽ ስጉምቲ ዝወሰዱ’ዮም ዝነበሩ።

ሕቶ. ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ እቶም ዝረኸብካዮም ተጋደልቲ፡ ኤርትራ ነጻ ኣውጺኦም ሃገር ክመርሑ ይኽእሉ ነይሮም ዝብል ዕግበት ነይሩላ ዶ ?

መልሲ. ኣዝዩ ሓያል ዕግበትን እምነትን ነይሩኒ። ምኽንያቱ እቶም ዝረኽበክዎም ብእተሓሳስብኦም በላሕትን ውሳኔታቶምን ቀንዲ ምልክት ክበጽሕዎ ዝደልዩ ዕላማ ዘረድእ። ደሓር ኣብ 1977 ከኣ’ሞ ፈጺሙ ነቲ ዝነበረኒ ዕግበታት ኣሕይልዎን፡ ጉዳይ ነጻነት ኤርትራ ካብ ናይ ገገለ ኣውርሕ ዘይበዝሕ ግዜ ከም ዝተረፎ ዝብል እምነት ሒዘ’የ ተመሊሰ።

ሕቶ. ንሽወደን ኣብ ዝተመልስካሉ ግዜ፡ ሓደ ጉጅለ ብዛዕባ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ኤርትራያን ዝዝቲ ነይሩ። ከመይ ተመስሪቱ ? መን መስሪትዎ ?

መልሲ. ኣብ ምምስራት’ኳ ኣይነበርኩን፡ ከም ዝመስለኒ ኣብ መፋርቕ 60ታት ተማሃሮ ኣርጂተክት ኒትዮጵያን ንኤርትራ እንዳኸዱ ቤት ትምህርትን ሕክምናታትን ዝሰርሑ ዝነበሩ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተንከፎም ጀሚሮሞ፡ ኣነ ከኣ በቲ ድሮ ሓዲሩን ዝነበረ ተገዳስነት ተጸምቢረዮም። ብዙሕ ንጥፈታት ነይሩ፡ መጀምሪያ ግዜ እዝከረኒ ሻንጣታት ንሕክምና ዘገልግለ ምስ ትሕዝትኡ ንተ.ሓ.ኤ ሊእኽና፡ ኣብ ኤርትራያን ግሩፐን ሓኻይምን ነይሮምና፡ ኣብ ሜዳ ዝተላለናዮም’ውን ሓኻይምን ነይሮም፡ ንኣብነት ከም ዶር/ የሱፍ ብርሃኑ። እዚ ጉጅለ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝደጋገፍን ምስ ህዝቢ ሽወደን ዘራኽብ’ዩ ዝነበረ። ግን ደሓር ኤርትራውያን መጺኦምና፡ ንሕና ከኣ ኣብ’ቲ ማሕበር ኣይትኣትዉን ክንብሎም ኣይከኣልናን። ኤርትራውያን ክጽንበሩና ምስ ጀመሩ ከኣ ጸገማት ክቀላቐሉ ጀመሩ። እቲ ጸገም ከኣ ኣብ መንጎ ተ.ሓ.ኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝብል ፍልልያት’ዩ ዝነበረ። ቀስ ብቀስ ከኣ እቲ ማሕበር ዛሕቲሉ። እቶም ካብ ቅድም ዝጀመርና ግን ብካልእ መንገዲ ከም ጉጅለ ሕክምና ወይ ብሕክምናዊ መዳይ ዝደጋገፍ ማሕበር ኮይና ቀጺልና።

ሕቶ. ኤርትራን ግሩፐን ጋዜጣታት መጽሔታት ይዝርግሕ ነይሩ፡ ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፋት ንመን ክበጽሕ ተገይሩ ?

መልሲ. እዚ ንኩሉ ግዱስ ዝዀነ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ምፍሕፋሕታ፡ መግዛእታዊ ጉዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ክፈልጥ ንዝደሊ ዝበለ’ዩ።

ሕቶ. መልእኽትኹም ተቐባልነት ነይርዎ ዶ ? ዝጻረሩ ኸ ነይሮም ዶ ?

መልሲ. ኣይፋሉን፡ ብሓቂ ጽቡቕ ነይሩ፡ ኣብ መጀመሪያ ግን በቲ ኣብ መንጎ ሽወደንን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዓሙቕ ዝምድናታት፡ እቲ ንንጉስ ሃይለስላሴን ኢትዮጵያን ዝቐንዔ ነቐፈታ ህዝቢ ኣሰንቢዱ ነበረ። ኣቦይ ከየተረፈ ንኢትዮጵያ ክበጽሕ ዕድመ ተገይርሉ ዝነበረ እዋን’ዩ።

ይቕጽል ……….

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1329

Posted by on Jul 11 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net