ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

ሳልሳይ ምዕራፍ

ካልኣይ መወዳእታ ክፋል

ዝኽበርኩም/ን ኤርትራውያን ደቂ ሃገር፡ ኤርትራዊ ባህላዊ ክብርታት፡ ኤርትራዊ ታሪኻዊ ክብርታት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ክብርታት ተደማሚሩ ነጻነታዊ ክብሪ፡ ሃገራዊ ክብሪ ዘረጋግጽ በቲ ሓያልን ጽንዑን ቃልስኹም ግዜ ዘይዓግቶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናህሪ እንዳወሰኸ ዝውንጨፍ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታት ንህ.ግ.ዲ.ፋዊ መርዚ ዝተኸላኸለ ድሕነት ሃገሩን ህዝቡን፡ ታሪኹን ዝምድናታቱን ዘመስክር ብቀሊሉ ዘይግመት ዓቕምን ክእለትን እኹል ናይ መኸተን ቅሩብነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ ዘየጠራጥር’ዩ።

ዝምድናታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአ፡ ጠቕምን ረብሓን ናብ ዘይብሉ መኣዝኑ ክጠዋወ፡ ክሳብ ዓብይ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ዘግሃደ ደረጃ ምዕባለ ክበጽሕ ርእይና ሰሚዕና።ብዙሓት ወጻእተኛታት መሓዙ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ውልቃውን፡ ውድባውን ኣበርክቶ ዝነበሮም ነገራዊ ሞራላዊ ደገፋቶም ዝምድናታቶም ብሰንኪ ምሕደራዊ ኣካይዳ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ቀስ ብቀስ እንዳስሓቡ፡ ካብ’ቲ እሳተ ጎሞራዊ ረምጺ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክርሕቝን ተሳታፍነቶም ከደስክሉ፡ ንጥፈታቶም ፈጺሙ ጠጠው ከብሉ ዝተገደድሉ ሰዓት በጺሑ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ ብቀሊሉ፡ ሎሚ ዝጀመረ ኣይኮነን። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ በቲ ዘይምሕር ውሳኔታቱ ካብ ምድሪ ቤቱ ዝጀመረ’ዩ። ድሮ ነጻነት፡ ነቲ ወርቕኻን ሽልማትካን ሃባ ዝብሎ ዝነበረ ሓፋሽ ውድባቱ ምስ ኣደስከለ፡ ምስ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ መድረኽ መወዳእታ 80ታት ድልዱል ዝምድናታት ዘጥረየ ህ.ወ.ሓ.ት፡ ኣብ ድሕሪ ነጻነት ካብ ዝተጠረዩ መሓዙት ህዝቢ ኡጋንዳ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ሞሶቪኒ፡ ኣብ ሕቁፎ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝዓበየ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛን ዳን ኮኔል፡ ሓንደብታዊ ፍትሕ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን 1994፡ ኵናት ደሴታት ሓኒሽ ታሕሳስ 1996፡ ኵናት ሱዳን ኤርትራ 1997፡ ዓለም ዘሰምበደ ዶባዊ ኵናት ኤርትራ ኢትዮጵያ 6 ግንቦት 1998፡ ወ.ዘ.ተ ብሰንኪ ብዝሒ መእሰሪ ዘይብሎም ተርኽቦታት’ዮም። ታሪኽ ግን ታሪኽ ምዃኑ ስለ ዘይተርፎ መዝገቡ ሃህ ኣቢሉ ይጽብጽብ ኣሎ።

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብተናጽልን ይኹን ብእኩብ ምስ ዘይተታዀቦ ስርዓት ይኹን መንግስቲ የብሉን። ህ.ግ.ዲ.ፍ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ምስ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ምስ ዓራብ ሊግ፡ ምስ ኢጋድ፡ ምስ ኮሜሳ፡ ብዓብዩ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ከኣ ምስ ቀበሌታትን ክሳብ ዝተሓተ ደረጃ ኣቋውማ ሕብረተ ሰባት ምስ ኣባላት ስድራ ቤታት ከይተረፈ ዝምድናታቱ ዝበተኸ ስርዓት’ዩ። ንስድራ ቤታት ዘይሓቁፍ መንግስቲ ከኣ ንሃገር ክሓቍፍ ስነ ሞጎት ዘለዎ ኣይኮነን።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ህዝቡ ቅሱን ርጡብ ዝምድና ዘይብሉ መንግስቲ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ምስ ማዕዶ ውቕያኖስ ዘለዋ ሃገራት ዝምድና ክናቢ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ምስ ኩለን ሃገራት ክናኸስን፡ ክተሓናፈጥን 18 ዓመት ሓሊፉ።

ሎሚ ከይዱ ከይዱ ኣጽፋር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ሽወደን በጺሑ ኣሎ። ሽወደናውያን ክምስሉ ” ዝደቀሰ ድቢ ኣይተተስእ” ይብሉ፡ እዚ ማለት ምስ ዘይመናግርትኻ ኣይትናገር ማለት’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ዓለም በቲ ንሳቶም ዝሃንጸጽዎ ሕግን ስርዓትን ዝካየድ መስሊዎም፡ ከም’ቲ ህዝብና እንዳተጨፍጨፈ ሽቅ’ሉ ዘሎ፡ ካልኦት’ውን ስቕ ዝብሉ መሲልዎም፡ ካብ ንውሓት መጽዓን ዘለዎ መልሓሶም ግን ሓቂ ዘይብሉ ዘረባታት፡ ክብሪ ካልኦት ምትንኻፍ ምስ ጀመሩ፡ እዚ ክሳብ ሎሚ መወዳእታ ዘይብሉ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ክሳብ መዕለቢ ዝረኽብ ወይ ክሳብ መፍትሒ ዝረክብ ኣብ መራኸቢ ሽወደን መዓልታውን ቆዋሚ ሕቶን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ሎሚ ኣብ ዓለምና ውሩያትን ፍሉጣን ዝዀኑ ናይ ኪነት ጥበብ ተዋሳእቲ ባእታታት ከም ቤኒይ ኣንደርስሶን፡ ቡሩስ ስፕሪንግተን፡ ሂይደን፡ ማዶና፡ ገና ክሳብ ሕጂ ኣበይ ክወድእ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ጉዕዞ ጠለብ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ኣሎ።

ህዝቢ ሽወደን ብሕግን ስርዓትን ዝናበር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ግሉጽነት ምሕደራ መንስግቲ ማእከላይ ሓይሊ ሕጊ ዘሎ ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ሽወደን ንክብሩ፡ ንመሰሉ ተምበርኪኹ ዝጽበ ህዝቢ ዘይምዃኑ ማንም ዝፈልጦ’ዩ። ይትረፍ ህዝቢ ሽወደን እቶም ኣብ ስደቶም ኣብ ትሕቲ ዕቍባ መንስግቲ ዝናበሩ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ንህዝቢ ሽወደን ከጸልሙን፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝምድናታት ክኽሕዱ፡ ናታቶም ይትረፍ ናይ ደቆም …….. ጸሪጕ ዘናብሮም መንግስቲ ሽወደን ክጸርፉ ከም ውሁብ መሰሎም ተቆጺሩ ክብልዎ ንዝደለዩ ቆለኦም ክሳብ ዘውጽኡ ከጉሮዑ ዘፍቐደሎም ሃገር’ዩ። መንግስቲ ሽወደን እዚ’ዩ።

ህዝቢ ሽወደን ይኹን መንስግቲ ሽወደን ዘኽብሮ እንተዘይኮይኑ፡ ዝፈርሖ መንግስቲ የብሉን። ብክልትኣዊ ውዕላት ዝቕየድ ስርዓት’ውን’ዩ። ህዝቢ ሽወደን ወትሩ ኣብ ዓለም ንዝርእዮ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ምስ ተቃወም’ዩ።

ከም’ቲ መራሒ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝብሎ ብኣሜሪካ ዝምርሑ ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ፡ ሽወደናውያን ኣንጻር ቬትናም ዝተቃወሙ፡ ኣንጻር ፈላላይ ዓሌት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዓለም ዝያዳ ግደን ተሳታፍነትን ዝነበሮም ሽወደን ምዃኖም ኩሉ ዝምስክሮ’ዩ። ሽወደናውያን ኣንጻር ኣሜሪካዊ ጸቕጥታት ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ዝተቃለሱን ድምጾም ዝሃቡን’ዮም።

ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፈለስጢናን፡ ንነዊሕ ዓመታት ንፍትሓዊ ዕርቂ ዝተቃለሱን ዝቃለሱ ዘለዉ ህዝቢ’ዮም። ብዙሓት ጋዜጠኛታት ጸግዒ ፈለስጢን ወሲድኩም ተባሂሉም መሬት እስራኤል ንኸይረግጹ ዝተኣገዱ ኣለዉ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ልክዕ ከም’ቲ መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሓዙት ህዝቢ ፈልስጢና፡ መሓዙት ህዝቢ ናሚብያ፡ መሓዙት ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ወ.ዘ.ተ ተባሂሎም ዝፍለጡ መቁጸሪ ዘይብሎም ብደገፍ መንግስታዊ ሓገዝ ዝካየዱ ማሕበራት ኣለዉ። ህዝቢ ሽወደን ዝፈርሖ እንተሃለወ ካብ ሕጊ’ምበር ካብ ካልእ ኣይፈርሕን።

ኣብ ጉዳይና ክንምለስ፡ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ጉዳይ ስለ ዘይብሎም እታ ጸጸኒሖም ዘጉርዕዋ ጓይላ ተጻዊቶም ገገዝኦም ተፈዲሶም ኣለዉ። እቶም ሰብ ሕግን ስርዓትን ግን ቅድሚ ጓይላ ህ.ግ.ዲ.ፍ ጀሚሮም፡ ጓይላ ህ.ግ.ዲ.ፍ ተወዲኡ ምስ ተፈደሰ’ውን ገና በቲ ዝጀመሮ ቁም ነገርን ስርዓትን ይቅጽል ኣሎ።

መንግስቲ ሽወደን ንህዝቢ ዝፈጸሞ በደል፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝፈጸሞ ጌጋግ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ቀሪቡ ይቕረታ ዝሓትትን ጌግኡ ዝእርም ህዝብን መንግስት’ዩ።

ኣብነት

ናይ ስቶክሆልም ከንቲባ ዝነበረ፡ ብሽም ስቶክሆልም ዝተወሃበካ ናይ ባንኪ ሕሳብ ንውልቐኻ ተጠቒምካሉ ተባሂሉ፡ እቲ ክሲ ሓቒ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታት፡ ነቲ ዝተዋህቦ ናይ ባንኪ ሕሳብ መንቀሳቐሲ ካርድ ብመቐስ ቆሪጹ፡ ደርቢይዎ፡ ንሱ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ነቲ ዝመረጾ ህዝቢ ተቐማጢ ስቶክሆልም ክብሪ ክብል ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ተኣልዩ። ካልእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትስር ሽወደን ዝነበረት ሕጂ ኣብ ምምራሕ ሰልፊ ሶሺያል ዲሞክራሲ እትርከብ ብተመሳሳሊ ክሲ ካብ ናይ ሃገር ምምራሕ ውድድር ከም ዝሰሓበትን ብጌጋኣ ከም ዝኣመነት ብግልጺ ተዛሪባ፡ ድሕሪ ስታት 8 ዓመት ደጊማ ካብ ህዝቢ ዝተገብረላ እምነት እንሀት መራሒት ሰልፊ ኮይና ትርከብ።

ኣብ ሽወደን ንከም ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ኣተሓሳስባ ዝኣመሰሉ መንስግታዊ ቅዲ ዝመርሑ፡ ናይ ጥቆላን፡ ሎተሪያን ኣይኮኑን። ብሕግን ስርዓትን ብእንካ ሃባን ዝምርሑ፡ ፍሉጥ ንጹርን ዝምድና ህዝብን መንግስትን ዘለዎም’ዮም።

መራኸቢ ብዙሓት ሽወደን ካብ ምስ መንስግቲ ዘለዎ ዝምድና ምስ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና ይድልድል፡ ምኽንያቱ ቀጻልነቱ ናይ ህዝቢ ተሳታፍነት ስለ ዝዀነ ብዝበዝሕ ካብ’ቲ ካብ ህዝብን ዕዳጋን ዝረኸቦ እቶት ስለ ዝካየድ። ምእንቲ’ዚ ሽወደናውያን ጋዜጣታት ኣብ መንጎኤን ውድድራት እንተሃለወ፡ ኣብ መንጎኤን ናይ ሰነ ሓሳብ ፍልልይ እንተሃለወ መዕለብኤን ህዝቢ’ዩ። እዚ ስለ ዝኰነ ከኣ ሓቂ ከም ጽላል ቢሑቕ፡ ሓቂ ጽላል ቢሑቕ ላዕሊ  ጸለል ክብል ዝጽዕራ’ምበር ንጌጋታት ናይ’ቲ ዝኣምናሉ ስነ ሓሳብ ክከላኸላ ኣብ ምጎተ ዝዓርበን ኣይኮናን።

በዚ ምኽንያት ከኣ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ይኹን ሰብኣዊ መሰል ሕቶ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለያ ጋዜጣታት ሽወደን ክለዓል እንከሎ፡ እቲ ሕቶ ሕቶ ህዝቢ ሽወደን ምዃምኑ ኣይተርፎን’ዩ። ዕርፊ ዘጽነዐ መራኸቢ ብዙሓት ሽወደን ከኣ፡ ዝራብዕ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናብ ዘበለ እንተበለ ናብ ዝኸዶ ከም ዘይብሉ ዘረድእ ዓቢ ፖለቲካዊ ታሪኻዊ ተርኽቦ’ዩ።

ኣብ መወድእታ ሓንቲ ከበስረኩም እፈቱ፡  ንሱ ከኣ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝገልጽክዎ  ናይ’ቲ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ጋዜጠኛን ሰኣላይ ቡ በቨንስታም ብቋንቋ ሽወደን ዝተኻየደ ቃል መሕተት’ዩ። ቡ በቨንስታም ብ1969 ንሜዳ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ገሊጸ ነይረ፡ ነዚ ብዝምልከት ዝተገብረ ቃል መሕተት ኣብ Youtube.com/ kerkebet ወይ ከኣ ኣብ  bliv.tv.com Demoselam ኣቲኹም ክትርእይዎ ትኽእሉ። ንዝያዳ ምርድኡ ተተርጕሙ ክወጽእ’ዩ ተኸተተኣሉ።

ፍትሒ ይንገስ

8 ሓምለ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1333

Posted by on Jul 8 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net