ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

ሳልሳይ ምዕራፍ

ቀዳማይ ክፋል

ቅድሚ ኣብ’ቲ ሳልሳይ ምዕራፍ ምስግጋር፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ ኣብ በለዛ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣቦና ዝጽሓፍዋ ደብዳበ ከቅርበልኩም መብጽዓ ኣትየ ስለ ዝነበርኩ፡ እንሀት ንሎሚ እታ ብሰኑይ ዕለት 14 ሰነ 1993፡ ካብ ኢድ ነፍስሄር ቀሺ ኣርኣያ ዝተዓደለትና፡ ናይ መሰናበቲት ደብዳበ ክተንብብዋ ከም ዘላታ ቀዲሐ የመሓላልፈልኩም። እዚ ቀጺሉ ትርእይዎ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ዝጽሕፍክዎ ሓጺር ታሪኽ ናይ ዶ/ር ሎንግስትሮም ወይ ሲግሩድ ኒይስትሮም ብኢዶም ዝጸሓፍዎ፡ ንኸቅርበልኩም ዝኣተኽዎ ቃል’ዩ።

ዝምድና መንግስታት ክቀያየር ይኽእል’ዩ፡ ዝምድናታት ኣሕዛብ ግን ፈጺሙ ክቅየር ኣይክእልን’ዩ። ብፍላይ’ኳ እቲ ኣብ ታሪኽ ሓባራዊ ዝምድናታት ዘመዝገበ ህዝቢ። ህዝቢ ሽወደን፡ እቶም ብቀረባ ንኤርትራ ዝፈልጡ፡ ኣብ ህዝባን ኣብ’ታ ሃገርን ሎሚ’ውን ካብ’ቲ ናይ ቅድም ዝወሓደ ፍቕርን ዝምድናን ሕውነትን የብሎምን። ከምይስ ነቲ ሕሉፍ ዝምድናታቶም እንዳሓብሓብዎ ክኸዱ ስል ዝጸንሑ። ንዝምድናታቶም ብኽብሪ ዓቒቦም ክኸዱ ስለ ዝጸንሑ።

እዚ ክብርታት ዝምድና’ዚ ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተመሓላለፈ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ በጺሑ። ህዝቢ ሽወደን ንመንግስቱ ስለ ዝገንሕ፡ ንመንግስቱ ዝጠርዕ፡ ብጉዳይ ኤርትራ ንዝምልከት ብዙሕ’ኳ ደኣ ኣይብሃልን’ምበር፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ሰልፍታት ንኤርትራ በጺሖም፡ ምስ ምልካዊ ስርዓት ተዘራሪቦምን ዘትዮምን’ዮም።

ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን ሽወደን፡ ኩነታት ዝምድናታት ናብ ዝሓሸ ንኽምለስ ጻዕርታት ኣካይዶም’ዮም። ነዚ ብዝምልከት ቲቪ ዘተ ሽወደን ንህዝቢ ክዝርግሕዎ ዝመደብዎ፡ ኣብ ናይ ዕለት 13 ሰነ ፈነወ ቃል ኣትዮም ነይሮም’ዮም።

ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ብመንግስቲ ሽወደን ንወደብ ባጽዕ ንምትዕርራይ ልዕሊ 150 ሚሊዮን ክራውን ባጀት ከም ዝመደቡ፡ ኣብ’ቲ ግዜ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ተሓቲቱ መልሲ ዝሃበሉ ነበረ።

እዚ ኩሉ ናይ ኣባላት ባይቶ ሽወደን፡ ኣባላት ሰልፍታት ሽወደን፡ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛ፡ ውልቀ ሰባት፡ ከይተረፉ ንኤርትራ ዝውሕዙ ዝነበሩ ሽወደናውያን ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይነበረን እንታይ ደኣ እቲ ጸኒሕ ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ’ዩ። ሽወደናውያን ንኤርትራ ምዃድ ከም ተራ ሱረት መገሻ ዝርእይዎ ኣይነበሩን፡ እቶም ግዱሳትን፡ ሰብ መዝን ብሓልፍነት ዝርኣይዎ ጉዳይ ኤርትራ ብቀረባ ንምዕዛብን ንምፍላጥን፡ ነቲ ዝምድና ኣጽኒዕኻ ማለት ኣደልዲልካ ንምሓዙ ዝዓለመ ነበረ።

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ነዚ ክንርታት ክናቢ፡ ነዚ ዝምድናታት ክሕሉ ዝተፈጠረ ስርዓት ስለ ዘይኮነ፡ ብተደጋጋሚ ግዜ ምስ መንግስቲ ሽወደን ክናኸስ ጀመረ። ነቲ ህዝቢ ከኣ ብዙሕ ቅሚታ ኣሕዲርሉ።

ተመክሮ

ኣብ 1993, 1994 ምልካዊ ነተን ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ናይ ተራድኦ ማሕበራት፡ ብዘይቅድመ ኵነት ካብ ኤርትራ ክወጻ ክእውን ከገድድን እንከሎ፡ ሓደ ናይ ዘይምንግስታዊ ትካል ኣካያዲ ብቀረባ ናይ  SIDA Manager  ዝነበረ፡ ነዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ  NGO  ዝወሰዶ ስጉምቲ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ ናይ ረዲኤት ትካል ዝወሰዶ ናይ ምስጓጕ ስጉምቲ ኤርትራ ኣብ ክትወጾ ዘይትኽእል ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሓደጋ ምውዳቓ ዘይተርፍ’ዩ ክብል ነቲ ናይ ሲንዲካል ዝተባህለ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወርሓዊ መጽሔት ቃል ሂቡ ከም ዝነበረ ክዝከር ይኽእል።

 ኣብ መግለጺ ናይ’ቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ሽወደን SIDA ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣካያዲ፡ ዝበሎ፡ ዘይመንግስታዊ ትካል ብዓይኒ ምስ ሕማም፡ ጥሜት፡ ባህሪያዊ ናይ ዝረአ ሓደጋታት ዝግበር ሓገዛት ጥራሕ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ሓደጋታት ዝረኣየሉ ግዜ ዝተፈላለያ ሃገራት ነቲ ዝረአ ጸግማት ነናተን መፍትሒ ይኸውን ኢለን ብዝሕንጽጽኦ መደባት፡ ናይ ዝተፈላለየ ሓገዛት፡ ናይ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ተሳትፎ፡ ኣብ ዝተፈላልየ ጽፍሒ ክልተኣዊ ሃገራዊ ህዝባዊ ዝምድናታት ዕድል ዝፈጥር’ዩ። ብሓቂ ከኣ እዚ ኣብ ሙሉእ ዓለም ክስርሓሉ ዝደንሐ መተካእታ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ክልተ ኣህዛብ’ዩ ክብል ገሊጹ። እቲ መተካእታ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ዝበሃል ዘሎ እንታይ’ዩ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ዝምድና ምስ ዘቋርጽ። ወይ ዝምድና ምስ ዝበትኽ፡ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝግበር ምትሕግጋዝን ተራድኦን በቲ ፖለቲካ ከየተጸልወ ክቅጽል ምግባር’ዩ። እቲ ኣብ ምንጎ ክልተ ኣህብዛ ክህሉ ዝኽእል ዝተሓተ ህዝባዊ ዝምድናታት እንተተበቲኹ ግን ምሕዝነት፡ ዝምድና ክልተ ሃገራት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቀ’ዩ ክብል ገሊጹ።

እዚ ሓላፊ ዘይመንግስታዊ ትካል SUDA ዘቕረቦ ትንታነ ዝምድና ክልተ ኣህዛብ፡ ብሰንኪ ምሕደራ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕ ዘይተዓዘብን ዘይተመልከትን ኤርትራዊ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን። ህዝቢ ኤርትራ እንዳጠመየ፡ እንዳሓመመ፡ ናይ ረዲኤት ማሕበራት ካብ ኤርትራ ክስጎጓ፡ ብኡ ኣቢሉ እቲ ዝምድናታት ክድስክልን ክብተኽን፡ እዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘሎና ደረጃ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራ’ዩ።

ዝምድና ኣብ ቅድሚ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ቝማር’ዩ፡ ከምይስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከሲቡን ከሲሩ ዝናብዮ ዝድምና የብሉን። ርሑቕ ከይከድና ካብ ምስ ኣህዛብን መንግስታትን ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበረ ዝምድናታት ብቀረባ እንተረኣና፡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ቅልጣፈ ምቅይያር ዝምድናታቱ ከም ሁቦብላ ንፋስ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመን፡ ሊብያ፡ ኣሜሪካ፡ እስራኤል፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ኣራብ ሊግ፡ ወዘተ ውጽኢት ናይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክብርታት ዝምድና ናይ ምዕቓብ ስንኵፍና’ዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ሕሰም ማሕበራዊ ፍትሓዊ ናብራ ከኣ ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረ ቅልውላው ካብ’ቲ ርእሰ ተኣማንነት ዘጥፈአ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተበገሰ እዩ።

ይቕጽል

2 ሓምለ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1337

Posted by on Jul 4 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net