ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

መወዳእታ ካልኣይ ምዕራፍ

ራብዓይ ክፋል

Eritrean Gruppen i Sverige

(መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሽወደን)

 

1 ቡ በቨንስታም……. Bo Bjefvenstam

2 ክርስቲና ቢዮርክ…. Christina Björk

3 ሮልፍ……………… Rolf

4 ፕሮ. ቶማስ…………Pro.Thomas

5 ዮራን ኣስብሪንግ …..Göran Assbring

6 ማሪያነ ማተሊን…….Marian Mathelin

7 ኤቫ ያልማርስሶን……Eva hjalmarsson

8 ጉናር ስቴንስሶን……..Gunnar Stensson

9 ኤቫ ቡንደስታም ……Eva Bondestam

10 ከንት ሃልቱነን………Kent Halthunen

11 ሶርድ ፔርስሶን……..Thord Persson

12 ሶልቬግ ክርልስሶን….solveig Carlsson

14 ሌና ሂርቮነን………..Lenna Hirvonen

15 ፊሊፕ ጎትሌይብ……Philip Gothlieb

እዞም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ሽወደናውያን ብቀረባ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ክኽበር፡ ምስ ደቂ ኤርትራ ተቐመጥቲ ሽወደን ብምትሕብባር፡ ንመንግስቲ  ሃገር ሽወደን ከም ናይ ቀረባ ዕላም፡ ንኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ከኣ ኣብ ናይ ዝተናውሐ መደባት ኣብ መርገጾም ጸኒዖም ክሳብ መወዳእታ ሕቶታቶም ብምቅራብ ዝከኣሎም ሞራላውን ነገራውን ደገፋት ኣበርከቱ ተባዓት ዜጋታት’ዮም። እዞም ሕጂ ኣስማቶም ክዝክሮን ዝኸኣልኩን፡ ኣብ ገገለ ጽሑፋት ዝረኽብክዎ ጥራሕ ግን ኣይነበሩን፡ብዙሓት ኣስማቶም ዝየተጠቕሱ ካልኦት’ውን ምህላዎም ክዝከር ይግባእ።

ሽወደናውያን መሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ናይ ምውሳን ግደ ክህልዎ፡ ነጻነቱ ክረክብ፡ ሃገሩ ባዕሉ ክመርሕን ከመሓድርን ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ እንከለዉ፡ ብዝተወደብ ስሩዕ ኣኼባታት ብምክያድ፡ መደባት ሰሪዖም ካብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ ንዝመጽእ ጽሑፋት፡ ኣብ ሽወደን ንዝፈሪ ጽሑፋት ብቋንቋ ሽወደንን፡ ትግርኛን፡ ተንቀሳቓሲ ፊልም፡ ፖስት ካርድ ዝኣመሰሉ ብምድላው ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ዝገበርዎ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ኣብ ሃገር ሽወደን ጉዳይ ኤርትራን ተሰማዕነቱን ማእከላይ ደረጃ ዝሓዘ ምንባሩ ጻዕርን ድኻምን ናይ’ዞም ባእታታት ምንባሩ ፍጹም ዘየጠራጥር’ዩ።

እቶም ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ብረታዊ ተጋድሎ ተጸሚዶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሽወደናውያን፡ ንነጻነት ህዝብን መሬት ከዕውቱ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ዘይተኣደነ፡ ገደብ ዘይብሉ ስርሓት ኣሰላሲሎም’ዮም።

እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ዘልዓሎ ሕቶ ቀስ እንዳበለ ኣብ ኩሎም ብፍትሒ ዝግደሱ ሽወደናውያንን መራሕቲ  ኣባላት ባይቶን ክበጽሕ ከኣለ። ናይ’ዚ ዓይነት ስርሓት ውጽኢት ከኣ ሓንቲ ውርይቲ ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝዀነት፡ ጸኒሓ ናይ ሊበራል ሰልፊ መራሒትን፡ ብድሕሪኡኣብ ብራዚል ከም ኣምባሳዶር ሽወደን ኮይና ዝሰርሐት 

ማሪያ ለይስነር ዝተባህለት፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ዝተወደበ ኤርትራዊ ሰላምዊ ሰልፊ ፡ ምስ ኤርትራውያን ማዕረ ተሰሊፋ ኣብ ጎደናታትን ኣደባባያትን ስቶክሆልም፡ ንጉዳይ ኤርትራ ካብ ዝተጣበቁ ሓንቲ ምንባራ’ያ። ጥብቆ ስእሊ ርአ።

ሳላ’ዚ ሰናይ ድሌትን ገደብ ዘይብሉ ምድግጋፍ ሽወደናውያን፡ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክቃላሕ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከኣ ኣብ ህዝቢ ክፍለጥ ዝተገብረ ጻዕሪ ብቀሊሉ ዝግምገም ኣይነበረን፡ ሕጂ’ውን ድሕሪ 18 ዓመት ነጻነት ኤርትራ እቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ገምጋም ንሱ’ዩ። ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ ታሪኻዊ፡ ሂወት ሽወደናውያን ዝተኽፈሎ’ዩ።

እወ ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝተጠቕሰ፡ ሂወቶም ንኤርትራ ዝሃቡ ሽወደናውያን ውሑዳት ዘይምንባሮም’ዩ። ድሒሩ’ውን ኣብ 1986 ጋዜጠኛን ሰኣላይን ዮራን ኣስብሪንግ፡ ኣብ 1989 ደራሳይ ላርሽ ቡንደስታም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ እንዳሃለዉ ሂወቶም ዝሰኣኑ ሽወደናውያም ምንባሮም ምዝካር፡ ናይ’ቲ ሰነድ ሓቒ ንምጭባጥ ዝብል ኣርእስቲ ሕርሕራይ ገቢሩ ርትዒ ዘውሕስ ምስክር’ዩ።

ሓጺር ናይ ድሕሪ ነጻነት ተመክሮ

ሽወደናውያን ኣብ’ቲ ቅድሚ ነጻነት ብዘካየድዎ ቃልሲ ጥራሕ ዘይኮኑ ዘይኮኑ ዝልለዩ፡ ደገፋቶም ቀጺሎም’ዮም፡ ነቲ ኣብ መዋእል መሪር ተጋድሎን ሕሰምን ኩነታት ዘጥረይዎ ዝምድናታት፡ ነቲ ሂወት ዝኸፈሉሉ ዝምድናታት፡ ኣብ ግዜ ሰላም ነጻነት እንዳጓሰዩ ንመጻኢ ወለዶታቶም ስለ ዝተመሓላለፈን፡ ኣብ ካልኦት ውድባት ስለ ዝተመሓላለፈን እቲ ጉዳይ ቀጺሉ’ዩ። ኣብ መወዳእታው’ን መንግስቲ ሽወደን ይኹን ናይ ረዲኤት ትካል ሽወደን ንጉዳይ ኤርትራ ኣቃልቦ ክገብረሉ ጀሚሩ ከም ዝነበረ ኩሉ ክዝክሮ ይግባእ።

ሓደ ብ ሲንዲካሊት ዝጽዋዕ ማሕበር ካብ SIDA ብዝረኸቦ ደገፍ ምስ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ጥሪ 1994 ንኤርትራ በጺሖም ሓደ መጽናዕቲ ኣካይዶም ንዓዶም ተመሊሶም። ኣብ ኤርትራ ንኣስታት 3 ወርሒ ኣቢሉ ይኸውን ጸኒሖም። እዞም ብስንዲካል ዝጽውዑ ማሕበር ሰራሕተኛ ንኤርትራ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፡ ኣብ ከተማታት ጥራሕ ተሓጺሮም ኣይተረፉን፡ ክሳብ ሳሕል ባርካ በጺሖም ህዝቢ ተጋደልቲ ነበር ረኺቦም ኣዘራሪቦሞምን። ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ’ምበር ሓንቲ ካብ’ቶም ሽወደናውያን ምስ ሓደ ኤርትራዊ መርዓ ከም ዝፈጸመትን ከም ዝወለደትን ሓበሬታ ኣሎኒ።

ኣብ ጉዳይና ክንምለስ፡ እቲ ጸብጻብ  ዘቕረበ መንእሰይ ማግኑስ ሊንቶን Magnus Linton  ኣብ መጽሔት ሕታም ቁጽሪ 29.98 16 ሓምለ 2004 ከም ዘስፈሮ ኣብ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ’ቶም ዓብይ ተስፋታት ዝነበሮን፡ ሕጂ ግን ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ተመልሰ፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ተጠራጠርቲ መጻኢ ሰላምውን ዲሞክራሲያውን ምሕደራን ኤርትራ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ካልእ ፓትሪክ ቶሬል Patric Thorell ዝተባህለ ኣባል ናይ’ዚ መገሻ ዝነበረ፡ ብድሕሪ ጉዕዞ ንኤርትራ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጥ ይሓትት ስለ ዝነበረ፡ ናይ ካልኦት ውድባት ምንቅስቓስ ንምፍላጥ ይጽዕር ነበረ። ምስ ፓርቲክ ሃደበት ተራኺብና ኤርትራዊ ምዃነይ ምስ ፈለጠ ድማ ብዙሕ ሓተተኒ፡ ኣባል ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ ምዃነይ ሓበርክዎ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ምንቅስቓሳት ክፈልጥ ከኣ ደለየ፡ ልዕሊ 20 ዝኸውን ዝተፈላልየ ብፍላይ እቲ ብተ.ሓ.ኤ ሰ,ባ ወርሓዊ ዝሕተም ዝነበረ Eritrean News Letter  ሃብክዎ። ነቲ መጽሔታት ወሲዱ ተሞክሮታቱ ክድልብ ክኢሉ። ብግምት ኣብ 1995 1996 ዝነበረ ግዜ ከኣ ነቲ ናይ ኤርትራ ጉዕዞኡ ገምጋም ብምግባር ኣብ ቤት ጽሕፈት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ብምምጻእ ምስ ምምሕዳር ሽማግለ ዝነበሩ ኢዮብ ብስራትን፡ ደራሲ ናይ’ዚ ጽሕፉን ቃል መሕተት ኣካይዱ፡ ከምኡውን ኣብ ዑደት ዝነበረ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ስውእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ፍሉይ ቃል መሕተት ኣካይዱ፡ ነቲ ምስ ስውእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዘካየዶ ቃል መሐተት ከኣ ኣብ’ታ ዝሓተማ መጽሔቱ ካብ ገጽ 38 ክሳብ ገጽ 40 ከም መደምደምታ ኣስፊርዎ ይርከብ። ንሕቶታቱ ዘማልእ ስእሊ ስለ ዝረኽበከኣ ጉዳይ ኤርትራን መራሕታን፡ ብፍላይ ከኣ ንመራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንንጉስ ሃይለስላሴ፡ ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮሌ. መንግስቱ ሃይለማርያም ከም ቀዳማይ ጉጅለ፡ ኔልሶን ማንዴላ ፕረ.ሳሞራ ማሸል፡ ፕረ.ኢሰያስ ኣፈውርቒ ከም ካልኣይ ጉጅለ ዘለዎ ስእሊ ሓንቲ 40 ገጽ ዘለዋ መጽሔት ኣዳሊዩ ዘርጊሕዋ። እዚ መጽሔት ናይ’ቲ ናብ ኤርትራ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝነበሮ ትጽቢታት ዝበጽሕዎ ዕግባታትን ዝገልጽ’ዩ ነይሩ። ኤርትራ ምስ ከም በዓል መንግስቱ ሃይለማሪያም ድያ፡ ወይ ምስ ከም በዓል ኔልሶን ማንዴላዝገበርዎ ምምሕዳር ጉዕዞኣ’ያ  ኣብ ዝብል ፍርዲ ንኣንባቢ ዝገደፎ ዝመስል መጽናዕቲ ነበረ። ሕታም ቁ 7 1996 ስቶክሆልም ርአ። ፓትሪክ ቶሬል በዛ መጽሔት ምኽንያት ብዙሕ ዘለፋን ጸርፍን ከም ዝወረዶን፡ ብቀረባ ከኣ ንዓይ መጺኡ እታ መጽሔት ኣብ ኢድ ሓላፍነት ዘይስምኦም ሰባት ከይትዝርጋሕ ተማሕጸነኒ። ኣብ ኢድ ኣባላት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከይትወድቕ ማለቱ ምዃኑ በሪሁለይ። ነተን ዝሃበኒ 20 ዝዀና መጽሔታት ድማ ከም ሓደርኡ ፈጸምክሉ። ድሕሪ ቅሪብ ግዜ ተመሊሱ፡ ዘይዓደልካዮ መጽሔት እንተሃለወ ምዝርጋሕ ኣቋርጾ በለኒ። ብዙሕ ከኣ ሓዘንኩ፡ ኣነ ክሕግዞ ዘሎኒ እንተሃለወ’ውን ሓተትክዎ።

ፓትሪክ ቶሬል እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበሮ ሃንቀውታን ትጽቢትን፡ ልዕሊ ኩሉ ነቲ ብዓይኑ ርእይዎ ዝመጸ ህዝቢ ክትሓባባሮን ክተሓጋገዞን ንህንጸት ሰላም ዲሞክራስን ዝነበሮ ድሌት ክቅምስል፡ ካብ’ቲ ኣብ መጀመሪያ ዓመታት ሌላና ዝነበረ ትስፉው፡ ንጡፍ ድሌታቱ ኣዝዩ ጎደለ። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ከም’ዚ በለ ” ኣነ ነቲ ኣወንዚፈዮ ዝጸናሕኩ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተይ ክቅጽል’የ በለኒ” ካብ ስቶክሆልም ክግዕዝ ከም ዝዀነ ከኣ ሓበረኒ፡ ብድሕሪኡ ርክብ ኣይነበረን። 

መደምደምታ

ህዝቢ ሽወደን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ዝምድናታት፡ በዚ ሓጺር ጽሑፍ ዝውዳኣ ኣይኮነን። እዚ ሓደ ነፍሱ ዝኸኣለ ሓደ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። እዚ ምዕራፍ ታሪኽ ዝጀመረ’ምበር፡ ኣብ ሓደ ውሱን ጠጠው ዝበለን ዘቋረጽን’ውን ኣይኮነን። ሕጂ’ሞ ከኣ ብዝተፈላልየ መልክዑ ክግለጽ ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ጉዳያት ዝተሓውሶ ኣዝዩ ነዊሕን ድልዱልን ዝምድናታት ዘለዎ፡ ግን ንግዜኡ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ተደፊኑን ተቐቢሩ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና’ዩ። ኣብ ዝቅጽል ሳልሳይ ምዕራፍ ተኸታተል።

ህዝቢ ሽወደን ኣይገበርዎን’ምበር፡ ኣብ ምጽብጻብ እንተ ደኣ ኣቲዮም፡ ንኤርትራ ዝሰርሕ’ምበር፡ ኤርትራ ንሽወደናውያን ዝገበረትሎም ከም ዘይየሎ ፍሉጥን ርዱእን ምዀነ። ንሳቶም ግን በቲ ዘለዉዋ ደረጃ ዕብየት ምጣነ ሃብቲ፡ ምዕቡል ሕብረተ ሰብ ናብ ኤርትራ ዘጠምት የብሎምን። ከም ዓለሞም ግን ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝምድና ከም ዘለዉን ግድነት ክግበርዎ ዘለዎም ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ።

ይቕጽል………..

28 ሰነ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1341

Posted by on Jun 28 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net