ደርጊ ዝናፈቐ ደራፋይ

“ብመዓር ዝተላዕጠጠ መርዚ”

እታ ደርፊ ዜማኣ ኣዝዩ ጥዑም’ዩ፡ ኣብ’ቲ ውሽጣ ሒዛቶ ዘላ ፍረ ናይ’ቲ ደርፊ ግን ” ብመዓር ዝተላዕጠጠ መርዚ’ዩ። እቲ ፍረ ነገር ገና’ዩ ገና’ዩ እቲ ጉዕዞ እንዳበለ’ዩ ነቲ ደርፊ ይጅምሮ ደራፋይ፡ ኣየና ጉዕዞ’ዩ ገና ዘይጀመረ ? ነቲ ሕቶ ዘንቀለ ስልጣን ዘደልድል ስዒቡ ዝመጸ መልእክቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም’ዚ ይብል…

ገና እንድዩ እቲ ጉዕዞ ኣበይ ከ ተፋሪቝ

እቲ ጫፍ ደረት ትሪእት’ዩ ፍለጦ እቲ ሓቝ፡

  ብልብኻ ጠምት ሃይካ’ዩ ዓይኒ

  እግሪ ንዝኸዶ ብዙሕ’የ ዘመኽኒ፡

ለማጽ ኣይትጸበ ኵርዃሕ’ዩ እቲ መንገዲ

ሓሞት ከይዝረግ ገጥ ኣብላ ከብዲ፡ ……… ወ.ዘ.ተ

መንቐሊ ናይ’ዚ “ብመዓር ዝተላዕጠጠ መርዚ” ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ ምዕቡል ናይ ግዜና ቴክኖሎጂ፡ ቴሌፎም ክትድውል እንከላ ዝጥቀምሉ ደወል ወይ ቃጭል’ዩ ኣብ ቴሌፎኖም ብዘይ ኣቓልቦ ክጥቀምሉ ምዕዛብ’ዩ። ዝገርም’ዩ። እቶም ዝበዝሑ በቲ መርዛም ፖለቲካ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተለኸፉን፡ ኣብ መርዚ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ህ.ግ.ዲ.ፍ ክነብሩ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ስርዓት ብዓብዩ ድማ ንስራ ቤቶም ሃገሮምን ጠንጢኖም ዝመጹ፡ ነዚ ብመዓርን ላዛን ዜማ ዝተቓመመ መርዛም መልእክቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቂቕ ትድውል ተንቀሳቓሲት ቴሌፎን ክትሰምዕ፡ ንዝወረዶም ግፍዕ ዝምርቝ ኮይኑ ይስምዕኻ።

እንተ’ቲ ደራፋይ በቲ ላዛ ዝመልኦ ዘማ ጥራሕ፡ ኣብ ህዝቢ ዘሕደሮ ጽልዋ ተኣሚንሉስ፡ መልእክቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምትሕልላፍ ድሮ ኣብ ወጻኢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ብትብዓትን ጅግንነትን፡ ነዚ መርዛም ደርፉ ክንደይ ናይ ዝተወጽዑን ግዳይ ናይ’ቲ መርዚ ዝዀኑ ዜጋታት መንኵብ ኣወዛዊዙ’ዩ።

እቲ ቀንዲ ዘሕዝን ከኣ ሰባት፡ ሰባት ምዃኖም ተሪፉ፡ ብዛዕባኦም፡ ኣብ ሂወቶም፡ ታሪዀም፡ ቤት ሰቦም፡ ዓዶም ዝውርድ ሃሰይታ ብዘየገድስ፡ ብዝሰምዕዎ ላዛ ዜማ፡ ብዝርእይዎ ብጸሊም ኣስፋልት ዝተለጠፈ ጽርግያ፡ ዘብለጭልጭ ባራትን፡ ቤት ሳሂን ሆቴላትን፡ መግለጺ ዕብየት ሃገሮም፡ ስልጣነ ሕብረተ ሰቦም ቆጺሮም ገና ምስ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ተጓዛጕዞም ጉዕዞ ዘየተወደአ ቃልሲ ክኸዱ ምዕዛብ’ዩ።

እምበር ኣደ ሽዱሽተ፡ ኣደ ሓሙሽተ፡ ኣደ ኣርባዕተ፡ ኣደ ሰለስተ፡ ኣደ ክልተ፡ ኣደ ሓደ ስውኣት፡ ጉዕዞኤን ኣኽለን’የን። ኣቦታትን ኣህዋትን ኣሓተን ናይ’ዞም ስዉኣትን ኣካለ ስንኩላትን ጉዕዞኦም ኣእኺሎም’ዮም። ተወዲኡ፡ ካልእ ጉዕዞ ብሰላም ናይ ምኻድን፡ ናይ ሕግን ስርዓትን ናይ መሰልን ክብርን ሓርነት’ዩ ተሪፉ፡ ነዚ ጉዕዞ’ዚ ከኣ ብዓይኒ ጠምት፡ ብልቢ ብዙሕ ዘሰክፍ የብሉን። ከመይስ ልቢ ዝሓስቦ ዓኒ ዝርእዮ ዝሰመረን ዝተጠመረን ሓድነታዊ ስራሕ ስለ ዝዀነ።

ደራፋይ ዘይተወጨረሰ ስራሕ ይብል፡ እወ ቀደምስ ጎይቶት ንዝገዝእም ጊሎት፡ ናይ ነጻነቱን መሰሉ ምኽባር ኣብ ትሕቲ እቶም ጎይቶት ስለ ዝነበረ መወዳእታ ነጻነት ናይ’ቲ ጊላ ምስ ሂወቱ ዝተኣሳሰረ’ዩ ዝነበረ፡ ሎሚ ድማ ነጻነትን ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዕድመ ሂወቱ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ነዚ ደራፋይ ደጋፊኡ ስለ ዝዀነ ልዕሊ ኩሉ ቦታ ሂቡ ነቲ ብለውጥን ስርዓትን ሕግን ዝሓሰብ ዜጋ በዚ ደራፋይ ኣቢሉ ከብጽሖ ንዝደሊ መልእክቲ ኣመሓላሊፉ፡ በቲ መዓር ዝተሓወሶ መርዚ ከኣ ወዮ’ዪ ዕላማ ናይ’ቲ መልእኽቲ ዝዀነ ሰብ ጉዕዞ ሞቱ ትቅጽል ኣሎ’ምበር፡ ድሕነት ከም ዘይርከቦስ፡ ከም’ቲ ንስርዓት ደርጊ እንዳተቃለስና ንብሎ ንጭርሖ ዝነበርና ” ቃልስና ነዊሕ’ዩ ዓወትግን ግድን ” ሎሚ ከኣ ኣብ ብኵራት ደርጊ ገገለ ደርፍቲ ነዚ 18 ዓመት ዕድመ ዘቁጸረ ደርፊ ደጊሞ ከም ጀጋኑ ክደርፉሉ፡ ደርጊ ምንፋቕ፡ ንዓይ ዓብይ ሕፈረት ኣብ ታሪኽና’ዩ እየ ዝብል።

እዚ እዩ ከኣ እቲ መብጽዓ ስዋኣትን፡ መብጽዓ ውጉኣት ሓርነት፡ መብጽዓ ጅግና ተቃላስይ ህዝቢ ኤርትራ ተጠሊሙ ዘብል።

ኩሉ ይብጻሕ’ዩ ስኒ እንተተነኺሱ

ወርሒ’ኳ ተበጺሑ ጠፈር ተጣሒሱ …ይብል ደራፋይ

ወይ ጉድድድድ…. ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ኮፍ ዝበሎ ዘይተሰአስ፡ ጥር ኢልካስ ጠፈርን ወርሕን ተጣሒሱ ይበሃለለይ ዝገርም’ዩ። ሓውና ክንደይ ግዜ ኤርትራዊ ስኒ ክንከስ፡ ናይ’ቶም ስኒ ነኺሶም ዝተቃለሱ’ኳ ኣስናን ጎሪፉስ፡ ናይ’ቶም ደቂ ደቆም ስኒ ከኣ ይረግፍ ኣሎ ማለት ሓቦን ኒሕን ኩሉ ተስፋይ ዘይብሉ ተወዲኡ። ኣየና ስኒ’ዩ ክንከስ። ማለት ሰብ ተቃሊሱ ተሰዊኡ ሰንኪሉ፡ ሎሚ መን ክስዋእ መን ክስንክል’ዩ ዝድለ ዘሎ ማለት’ዩ። ጠፈር ዝበጽሑ’ኳ ብሕግን ስርዓት ተመሪሖም’ምበር ከም ህ.ግ.ዲ.ፍ ንሃገር ሙሉእ ኣብ ሳዋ ጂሆ ሒዙ ኣይኮነን። ንስኻ ከም ደራፋይ ኣብ ድላይካ ወዘን ዘን እንተበልካ ንህዝቢ ኤርትራ ከም’ቲ ንስኻ ናይ መድረኽ ነጻነት ውሱን ነጻነት ዘሎካ ግን ነጻ ዘይኮንካ፡ ኣብ መድረኽ ወጺእካ ወዘን ዘን ትብሎ ናይ ህዝቢ ነጻነት ከምኡ ኣይኮነን።

ቀጺሉ…

ራእይ እንተተሓዲሱ

ዓለም ጸቢባ ውቕያኖስ ተጣሒሱ፡

እዚ ኣዛረበካ፡ ራእይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ ግዜ መንካዕን፡ የማናውን፡ ጃሱስን ተሓዲሱ፡ መንእሰይ ንስደት እግህሩ ዝመርሖ ክጓዕዝ፡ ኣብ ዘይፈልጥ ባሕርን ውቕያኖስ፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ህንዲ ውቕያኖስ፡ ኣትላንቲክ ውቕያኖስ ጥሒሱ ክኸይድ፡ ገገለ ኣብኡ ክተርፍ ንዓኻ ደርፊ ንካልእ ከኣ ናይ ሂወት ሕቶ ኮይኑ ኣሎ።

ሓውና ደራፋይ ንስኻ ስንኻ ንኸስ፡ ንሕና ግን ሎሚ ብሕግን ስርዓትን’ምበር ብስኒ ምንካስዶ፡ ብናይ ብርኪ ትኪትን ንኸዶ ንተርፎን ጉዕዞ የብልና። ብዓይንና ንርእይ ንብርክና ንመርሖ ጉዕዞ’ዩ ተሪፉና ዘሎ። ዕጫ ናይ’ቶም ደቕና ከኣ ብሕግን ስርዓትን’ምበር፡ ብኻልእ ከም ዘይኮነ፡ ነቲ ብመዓር ዝተላዕጠጠ ምስ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝቕበር ደርፍኻ ብዙሕ ኣይትነየተሉ፡ እቶም ኩሉኹም መርዚ ጸይርኩም ትኸዱ ዘለኹም ከኣ ኣስተውዕሉ እንዳበልኩ መእኽተይ ኣብ’ዚ ይድምድም።

28 ሰን 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1346

Posted by on Jun 28 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net