ዋዕላ ልኡኽ ሓሊቦ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

13 ነሓሰ 2010

ቅድሚ እቲ ጉዳይ ዋዕላ፡ ወይ ኣብ ዋዕላ ዝተባህለን ዝተገብረን ፡ ሰባት ብዛዕባ ዋዕላ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍን ኣብ ፓልቶክን እንታይ ክብሉ ከም ዝጸንሑ ሓሳበይ ክገልጽ እፈቱ። ሕቶ ዋዕላ ሓምለ 2010 ሃንደበት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ሓድሽ ዓመት 2010 ኣዝዩ እንዳተወዓውዔ መጺኡ።

ጉዳይ ዋዕላ ንኩሉ መዳያዊ ፍታሕ ኣገዳሲ መድረኽ ሃገራውያን’ኳ እንተዀነ፡ ዋዕላ ንስለ ዝተግብረ ጥራሕ ኩሉ ፍታሕ ብተኣምራት ይመጽእ ማለት ከም ዘይኮነ ኩሉ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክጻሕፍ ዝጸንሐ ዝምስክሮ’ዩ።

ህዝብና ካብ ክቱር ናይ ሓድነት ድሌቱ ንዋዕላ ኣብ ዝነበሮ ትጽቢት፡ ነቲ ዝወናጨፍ ዝነበረ ንፋስ ዋዕላ ከም ህጹጽ ፍታሕ ዘምጽእ ገቢሩ ዝወሰዶን ዝተረድኦን ውሑድ ብዘይምንባሩ፡ ኩሉ ኣንፈቱን ቀልቡን ንዋዕላ ኰነ።

ሕራይ ንዋዕላ ኣንፈትናስ ንኺድ፡ ንዋዕላ ሒዝናዮ ንኸይድ ሓሳብን ምኽርን ከመይ ይኹን፡ እንታይ ይመስል፡ ኣገባብትና ከመይ ክስርዑ’ዮም፡ ንዛረበሎም ዛዕባታት ቅደም ተኸተል ከመይ ይኹን ሓንቲ ሓሳብ ዘይብሉ ንኺድ ጥራሕ ኰነ ነገር። ኣብ’ዚ መድረኽ ኣይፋሉን፡ ህድእ ኢልና ተላዚብናን ተረዳዲእናን ደኣ ንኺድ። ነቲ ዘሎ ስምምዓት ከኣ ነርግኣዮ’ሞ ብድሕሪኡ፡ ነቲ ግዜ ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ንህዝብና ኣዳሊና ጎስጓስ ዋዕላ ንእውጅ ዝብል ሓድሽ ሓሳብ መጸ’ሞ፡ እቶም ብድሕሪ ብጾቶም ማለት 4 ውድባት ዝበዀራሉ ዝተኻየደ ኣኼባ ኪዳን፡ ንሽማግለ ዋዕላ ዝመረጸ ኣኼባን ነቲ ዝተፈጸም ጌጋን ዝተጣሕሰ ስምምዕ እንዳኣመን ንድሕሪ ኣይንምለስን በለ።

ኣብ’ዚ ኣዋን ገገለ ሰባት፡ ውድባትን ማሕበራትን ብዕዉሩ ሕቶ ኣልዒሎም፡ ነቶም ኣብ ዋዕላ ኣይንሳተፍን ዝበሉ፡ ዘይፍትሓዊ ሓላፍነት ከሰክሙ ፈተኑ። ከመይ እዩ ዘይፍትሓዊ ሃላፍነት ዘሰክሙ ዝብል ሓታቲ ክህሉ ይኽእል። እወ እቲ ዘይፍትሓዊ ዘሰክምዎ ሓላፍነት፡ ቀዳማይ ነቲ ጉዳይ ከይመርመሩ ነቲ ከም ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን’ውን ንባዕላቶም ዝስከምዎ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣቐሚጦም፡ ብዘይፍትሓዊ፡ ነቲ ስምምዕ ዝተሓሰ፡ ኣገባብ ዝሰሓተ፡ ግዜ ዘተ የብለይን ዝበለ ዋዕላን ኣሰናዳእቱን ኣቀሚጦም፡ ነቶም ኣብ ዋዕላ ንኸይሳተፉ ዝወሰኑ ዳርባ ክስን ጸለመን ኮነ።

ካልኣይ እቲ ዋዕላ ዝኽተሎ ዘሎ ጥሕሳ ስምምዓትን፡ ዘይቅኑዕ ኣገባብን ስርርዓትን፡ ንድፊ ኣልቦ ሓላፍነት መን ክስከሞ’ዩ፡ ክምልሽዎ ዘይደልዩን ዘይፈትዉን’ዮም። እዚ’ዩ ከኣ እቲ ዘይፍትሓዊ ፍርድን ናይ ታህዋኽ ስርሓትን።

ሳልሳይ ሕራይ ሕጅስ ብሓላፍነት ስለ ዝተሓተትና ንዋዕላ ተሳታፍናዮ፡ ብድሕሪ’ቲ ዕላም ዘይብሉን፡ ዕላማ ዘየነጸረ ዋዕላ ከም’ዚ ሕጂ ኮይንዎ ዘሎ ኸ መን ሓላፍነት ይስከሞ’ውን ዝምልሱ ኣይኮኑን፡ ኣብኡ ንብጻሕ ጥራሕ ኮነ ዘረባ።

ነዝን ወዲ ከምዝን ዝኣመሰል ንጹር መልስን ፍርድን ዘይህብ ሕቶታት ከኣ ካብ ሓደ ሸነኽ ዝነቀለ ሕቶ’ምበር፡ ንሕብረትን ሓድነት ኤርትራውያን ተባሂጉ ከም ዘይነቐለ ፍሉጥ’ዩ ዝነበረ። ሓደ’ኳ ብማዕዶ እቲ ሽማግለ ኪዳንን ሽማግለ ዋዕላ ዝፈጸሞ ጌጋ፡ መሰረት ገይሩ ነቶም ኣይንሳተፍን ዝበሉ ሕቶኹም እንታይ’ዩ ዝበለ የልቦን ኣይነበረን ከኣ።

እቲ ኣነጺሩ ኣብ’ዚ ዋዕላ ከም ዘይሳተፍ ዝወሰነን ዝቆረጸን ግን፡ ነቶም ጌጋ ኣሎ ግን ንድሕሪ ምምላስ የልቦን ዝበሉን፡ ነቶም ላንጋ ላንጋ ኮይኑ ዋዕላ እንተተዓወተኸ እንዳበሉ ዝሓልሙ ከይገደፈ፡ ጉዳይ እምቢታ ዋዕላ ብትንተናን ሰነድን፡ ሞጎትኡ ብንጹር ኣንቢሩ ንዘለዎ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክስከም ፋይሉ ግሉጽ ኮይኑ ብጽንዓት ጠጠው ኢሉ መልሲ ኣብ ዝሃበሉ ግዜ፡ ንብዙሓት ገርሂ ልባን፡ ተደናገጽትን ማእከኣይ መርገጽን ኣብነት ብምዃኑ፡ ዳግማይ ነቲ ሕቶ ክምርምሩን ቀሪቦም ክሓቱን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ቅኑዕ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሕኡን፡ ብውሕዱ መሰላት ናይ’ቲ ስምምዕ ዝፈጸሙ ኣባላት ኪዳን’ኳ ሓድነት ክዕቅብ ከም ዘይከኣለ ዋዕላ ክርድኡን፡ ነቲ ንዋዕላ ዝነጸገ ወገናት ዘሰከምዎ ዘይፍትሓዊ ሓላፍነት ከልዕልዎን፡ ንባዕላቶም ኣካል ናይ’ቲ ቅኑዕ ዋዕላ ወከልንት ተጣበቕትን ክዀኑ በቒዖም’ዮም።

ሰባት፡ ነቲ ዝበሃልን ዝፍጸምን ስርሓት ተገንዚቦም፡ ሓቕነቱ ክረጋግጹን፡ ክምርምሩን ፍልልያት ክምዝግቡን ምሰረትን መንቐሊ ዋዕላ ትሕዝቶ ከንብቡን ይግባእ። በቲ ክልተኣዊ ግንዛበ ከኣ ነቲ ኣብ ግጉይ መስርሕ ዝሃልል ዘሎ ወገን ሓላፍነት ከሰክሙን ወይ’ውን ክነቕፉን ግቡእ እመስለኒ። ንባዕሎም ግን ፈረድቲ ኮይኖም፡ ማለት ዳኛታት ኮይኑ ዝስከምዎ ሓላፍነት ዘነጸሩ ኣይኮኑን። ክሳብ ዋዕላ ነቲ ንመስርሕ ዋዕላ ዝነቐፈ ሓላፍነት ከሰክሙ፡ ድሕሪ ዋዕላ ከኣ ነቲ ሽማግለ ዋዕላ ሓላፍነት ኣሰኪሞም ንባዕላቶም ሓራ ንምውጻእ’ዩ። እዚ’ውን ሓደ ካብ’ቲ ሜላታቶም’ዩ። 

ብናይ ሕጂ ንዛረብ

ዋዕላ ልኡኽ ሓሊቦ

ሽማግለ ዋዕላ፡ ንህዝቢ ኣጋቢኡ በቲ ዝገበሮ ስርሓት ካብ ሓላፍነቱ ተመሪቝ ክኸይድ ኣይደለየን። ብኣንጻሩ ንሕና ክንቀሳቐስ ስለ ዝጸናሕና፡ ነዚ ዋዕላ ክመርሑ ዝኽእሉ ባእታታት ስለ ንፈልጥ ኢሉ፡ ኣብታ ቦታ ሰክረታሪያት ተሓንጊጡ ክተርፍ ብዙሕ ፈቲኑ። ዋዕላ ግን ንስኻትኩምስ እንቛዕ ደኣ ኣብ’ዚ ኣብጻሕኹምና’ምበር ደሓር ደጊምስ መን ይመርሕ ባይቶ ኣለዎ ተባሂሎም።

እዚ ሓደ ዘምስክሮ ገደብ ስልጣን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ካበይ ናበይ ዝብል ሕቶ፡ ንድፊ ዘይብሉ ብምንባሩ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ምስሕሓባት ተበጺሑ። መን ይፈልጥ እቲ ሰንካም ሽማግለ ዋዕላ ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ዝገብሮ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒሙ፡ ነቶም ዝፈልጦም ኣብ ሰክረታሪያት ዋዕላ ኣቐሚጡ ሎሚ ባይቶ ኣቅ`ሙን መንግስቲ ኣብ ስደት ኣዊጁን ምስ ወጸ ነይሩ ግን ኣይተኻእለን።

ዋዕላ ንድሕሪ ሓደ ዓመት ኣመሓላሊፉ ሓደ 53 ዝኣባላቱ ኮሚሽን ዋዕላ መሪጹ ኣሎ፡ እዚ ብዝሒ ቁጽሪ ምስ ምንታይ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ክረደኣካ ዘይክእል ሕቶ ንግዜኡ ኣንጠልጢለ፡ ኣብ ካልእ ጉዳይ ክሓልፍ እፈቱ።

1 ዋዕላ ድሕሪ ዓመት ክኻይድ

2 ኮሚሽን ዋዕላ

3 ብሄራዊ ሃይማኖታዊ ሕቶን ተምክሮ ብረታዊ ተጋድሎን

4 ፍልልያት ተቃወምቲ ሓይልታት

5 ዜና ሓበሬታን፡ ዋዕላን

እዚ ኣርእስቲ ሓያልን ነዊሕን’ዩ፡ ግን ነቲ ጉዳይ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽን ነቲ ዘይቕኑ ዋዕላ ክምጎትን ክፍትን’የ።

1 ዋዕላ ድሕሪ ሓደ ዓመት

ዋዕላ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክካየድ ኣብ ባይቶ ተወሲኑ፡ እዚ ማለት ዋዕላ ቁጽሪ ክልተ እዩ። እዚ  ብዋዕላ ቁጽሪ ሓደ ዋዕላ ቁጽሪ ክልተ እንዳተባህለ ክኸይድ ምዃኑ እንተተፈሊጡ፡ ዋዕላ ቁጽሪ ሓደ ብህውከት ክትከል እቲ ቁጽሪ ክልተ ከኣ ክሃድእ ወይ ግዜ ክወስድ ናይ መን ሕጊ’ዩ ነይሩ። ብርእይቶ መበገሲ ዕድል ተዋሂብዎ ግዜ ዋዕላ ክነውሕ ንድፊ ምስ ጸደቐ ከኣ ካልኣይ ዋዕላ ክሓጽር’ዩ ዝግባእ እብል።እዚ ግን ከይተበገሱ ክጥቀምሉ ዝሓሰቡ ንፈልጦ ሽጥራ ስለ ዝዀነ ኣየጉህየናን። ከመይ ኣብ’ዚ ዋዕላ እቲ ክገብርዎን ክሰርሕዎን ዝደለዩን ንምጥፍጣፍ፡ ባይቶ ምምስራት፡ መንግስቲ ኣብ ስደት ምእዋጅ፡ ብድሕሪኡ ከኣ ነቲ ዝደለይዎ ብዘገምታ ንምብጻሕ ዝነበሮም ሓሳብ’ዩ። “ንዓይ ኣንጭዋስ ኣብ ለቆታ” ተባሂሉ ክምሰል ምስ መን እዮም ከምኡ ክገብሩ፡ ብዝዀን ኣይተዓወትሉን። ነዚ መጎት ወይ ሓሳብ ክድግፍ ዝኽእል ከኣ እቲ ሽማግለ ዋዕላ ኣብ ዋዕላ በጺሑ ነዚ ዋዕላ ክመርሑ ዝኽእሉ ንፈልጦም ንሕና ኣብ ምንቕስቓስ ዝጸናሕና ምባሉ እኹል ጭብጢ’ዩ።

2 ኮሚሽን ዋዕላ

ዘበን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ ኮይኑ’ምበር ካብ ስርሓት ሽማግለ ስርሓት ኮሚሽን ስለ ዝዓቢ፡ ቅድም ቀዳድም ኮሚሽን ዋዕላ ክምስረት ነይርዎ፡ ኮሚሽን ከኣ ኣብ ዋዕላ ምስ ኣብጽሓና፡ ኣብ ትሕቲኡ ሽማገልታት መሪጹ ናብ’ቲ ፍጹም ኣውራን ቀንድን ታሪኻዊ ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ከሰጋግረና ይኽእል ነይሩ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ። ኣብ’ዚ መስርሕ ክልተ ዕድላት ከጓንፍ ይኽእል ቀዳማይ ኣብ’ቲ ምምራጽ ኮሚሽን ዘይኮነ ኣብ’ቲ ከም’ዚ ሕጂ ብተገምጥሎ ኮሚሽን ዋዕላ ተዋሂብዎ ዘሎ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ህዝብና ዘሎ ኣረዳድኣ ዕድል ክህብ ስለ ዝኽእል ናብ ዝሓሸ ምርጫ ክስሕቦን ክኣልዮን ይኽእል። ካልኣይ እቲ ኮሚሽን ዘይኮነስ እቲ ህዝቢ ንኮሚሽን ክጸልዎ ስለ ዝኽእል ኣብ’ቲ ናይ ዝተናውሐ ግዜ ህዝባዊ ጽልዋ፡ ዲሞክራሲያዊ ጽልዋ ከንጸባርቕ ስለ ዝኽእል እቲ ኮሚሽን ሓቂ እንተደለየ ኣብ ፍትሓዊ ውሳኔ ክበጽሕ ይኽእል። ነዚ ብዝምልከት ኣብነት ክህበኩም፡ ኣብ ስቶልክሆልም ኣብ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ዝተመርጸት ሽማግለ ግዜ ሓጺርዋ ደኣ’ምበር ነቲ ጉዳይ በዲሃቶን ተቃሊሳቶን’ያ። ግን ብግዳም ዝመጸ ብዙሕ ጫውጫው ስለ ዝነበረ ምስ’ቲ ናይ ግዜ ሕጸረት እታ ሽማግለ ተሰማሚዓ ክትሰርሕ ኣይከእለትን፡ ዕለት ዋዕላ ከኣ ሓጺርን ገደብ ስለ ዝነበሮ እታ ሽማግለ ጉዳይ ኣብ ሓቂ ከየበጽሐት ፋሕፋሕ ኣትይዋ። እዚ ስእሊ’ዚ ናብ ኮሚሽን ዋዕላ ቅድሚ እንተሰራዕናዮ፡ ወይ እንተዝስራዕ ነይሩ ተመሳሳሊ ስእሊልን ተምክሮን’ዩ ክህበና ዝኽእል ነይሩ።

3 ሃይማኖታውን ብሄራውን ሕቶ ኣብ ቅድሚ ተምክሮ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ

  ኤርትራ

ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶን ተምክሮ ብረታዊ ተጋድሎናን፡ ኣብ ትሕቲ ልዑላዊት ኤርትራ ዝብል ሰለትስተ ዝተሕዋወሰ ጉዳይ ኣቕሪቡ( ውሳኔ ዋዕላ ቁ.3 9 ነሓሰ 2010 )። እዚ ሕቶ ንዓይ ጋሻ’ዩ

1 ሕቶ ብሄራትን ሃይማኖትን ኣብ ኪዳን ከመይ ከም ዝነበረን ዘሎን ንፈልጦ’ና፡

2 ተምክሮ ብረታዊ ተጋድሎና ኣብ ሓብራዊ ጉዳይ ዝሰረተ ምንባሩ

3 ኣብ ትሕቲ ልዑላዊት ኤርትራ ክሳብ ምንጻል መሰል ብሄራት ከመይ ክሰርሕ ይኽእል፡

ዋዕላ ነቲ ኣብ ቁ.3 ሓዋዊሱ ኣቐሚጥዎ ዘሎ ውሳኔ ስፕሪስ’ዩ። ነዚ ንምፍልላዩ ኣብ ሓደ ላባራቶሪ ክትኣቱ ኣሎካ። ይኹን’ምበር ቃልስናን ተምክሮናን ፊልተር ወይ ንቡር መሳርሒ መዅባዕቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ነገር ክንመምዮን ኣድራሻቱ ከነነጽሮን ይካኣል’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋን ጃንዳ ወይ ቲፎዙ ዓሊ ሳልም መን ከም ዝነበሩን፡ ቀንዲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝውደኽድኹን፡ ብዓብዩ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰፊሕ ኣካል ሕብረተ ሰብና ክኻየድ ዝጸንሐ ጸለምን ክስን ኣጽቒጡ ክኸይድ ምጽንሑ ንኩልና ርዱእ ኮይኑ ሕጂ ተመሊሱ ሓድነትን መሰል ሕብረ ብሄራዊ ጉጅለታት ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ’ዩ ይብል። ኪዳን ኣበይ ነበረ። ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኪቡ ነዚ ውሳኔ ኣጽዲቁ፡ ወይ ንሕና ኪዳን ኣይኮናን ነዚ ውሳኔ ኣሕሊፍናዮ ዋዕላ’ዩ ንባል። ብረታዊ ተጋድሎና ምስ’ዚ እዚ ሕጂ ኣብ ኪዳን ተጠርኒፉ ዘሎ ሓይልታት ፈጺሙ ዝሰማምዕን ዝቓዶን ኣይኮነን። መስመር ብረታዊ ተጋድሎና ፍሉጥን ንጹርን’ዩ ዝነበረ። ሕቶ ብሄራት ክሳብ ምንጻል ዝብሃል ተሰሚዑን ተዘሪቡን ኣይፈልጥን። ገገለ ብጭቕታ እንተነበረ ከኣ ግዜኡ ዝሓለፎ ብታሪኽ ዝተደምደመ’ዩ። 

ኣብ ኤርትራ ክንደይ ልዑላውነት’ዩ ክህሉ፡ ናይ’ታ ኤርትራ ዝብል ድዩ ልዕላዊ ሕጋዊስ ወይ ናይ’ቲ ክሳብ ምንጻል መሰል ዝተፈቕዶ ብሄር እዩ ? እዚ ዝተነጸረ ኣይኮነን። ክሳብ ምንጻል መሰል ዝሃትት ኣብ ኪዳን ዘሎ ብሄራዊ ሓይልታት ንጉዳይ ልዕላውነት ሃገር ዘገድሶ ኣይመስልን። ሎሚ ካልእ ዕግበት ተፈጢሩ እንተሎ ኮይኑ፡ ናይ’ቶም ብሄራት ዝብሃሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታቶም ዘፍረሱን በዚ ናይ ዋዕላ ዝቕየዱን ክዀኑ ክእውጁ ይግባእ። እዚ ግን ዘይመስል ሓቂ እዩ ምኽንያቱ ዋዕላ ክግበር ንኤርትራ ክንኣቱ ንቀራረብ ኣሎና ዝብል ወረ ምስ ተሰምዔ፡ ኣብ’ቶም ዝነበሩ ብሄራት ዓፋር፡ ኵናማ፡ ሎሚ ቤር ዓሳውርታ፡ ብሄር ትግርኛ፡ ብሄር ብሌን ክልኦት ዘይፈለጥናዮም ዋዕላ ክግበሩ’ና ንሰምዕ ስለ’ዚ ጉዳይ ዋዕላ ክንእምን እሪ ቅድሚኡ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ቤራዊ ውሳኔ ውድባትን ማሕበራትን ብድሌት ክስረዝ ኣለዎ፡ ብድሕሪኡ ብጉዳይ ሓድነታ ዘረጋገጸት ልዑላዊት ኤርትራ ክንዛረብ።

4 ፍልልያት ተቃወምቲ ሓይልታት

ፍልልያት ተቃወምቲ ሓይልታት ክጻበብ ዝድግፍ ዋዕላ ብጻልጥኡ ሓሶት’ዩ። ዋዕላ ይኹን ኪዳን ነቶም ዝተቀራረበ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ዝብል ስምምዕ፡ ኣዋጅ ኪዳን ሕጂ ድማ ናይ ዋዕላ ሓሶት’ዩ።

ነዚ ከብለኒ ዝኸኣለ ሓደ ጉዳይ ኣሎ ንሱ ከኣ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ክሳብ 1 ጥሪ 2010 ዝተኻየደ ሓድነት ኣርባዕተ ውድባት ንኪዳን ዝየሕጎሰ ተምክሮን ሓድነት ውድባትን’ዩ። ኪዳን ዘይሞጎሶን ዝየተባብዖን ዝየተሓባበሮን ሓድነት’ዩ፡ ከመይ’ሉ እዩ ሎሚ ተመሊሱ ብዛዕባ ዝተቐራረበ መደባት ናይዘለዎን ውድባት ዝሕለቕ። እተን ዝሕለቓን ነቲ ጉዳይ ኣብ ግብሪ ዝተርጎማ ቆራጻት ውድባት ኣብ’ቲ ዋዕላ ብዘይምርካበንን ኣብ ታሪኽ ነዚ ነጥቢ ብዝምልከት ብሓቂ ዘሕዝን’ዩ። ኣብ ብኵራተን ብዛዕባ ዝተግበርኦን ዝፈጸመኦ ውሳኔ ኪዳን ባህጊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዋዕላ ክሕሰመን፡ ኣብ ክንዱእ ብባጫ ከርምኡ ክባሃል ዘይግባእ’ዩ።

ቅድሚ መንፈቕ ነዚ ሎሚ፡ ፍሉጥ ብጨብጨባን ጣቓዒትን ዝሓለፈ ውሳኔ፡ ነተን ነዚ ውሳኔ ዘተግበራ ውድባት ጽባሕ ንግሆ ናብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክኣትዋ’የን ተባሂሉ፡ እዚ ምጥርናፍ ናይ ከበሳን ክርስይታንን ተባሂሉ፡ እዚ ነቶም ኣብ’ቲ ምጥራንፍ ዝርከቡ መቁጸሪ ዘይብሎም ወገና ኩሉ ሕብረተ ሰብና ዝውክሉ እንዳሃለዉ’ዩ። ስለ’ዚ ውሕስነት ናይ’ዚ ዋዕላ ካብ ዓንተቡኡ መዕቀኒ ዘይብሉ፡ ሕጂ ከኣ ብምንታይ ክዕቀንን ክግምገምን ይኽእል ዝፈልጦ የሎን። እቲ ጉዳይ ኣቦኹም ኣብ ዘሕደሩና’ዩ ክኸውን ነገሩ።

5 ዜና ሓበሬታን ዋዕላን

ዋዕላ ብዛዕባ ኣዋጃቱ ዝትርጉማ መርበብ ሓበሬታ ብደረጃ መግለዚ ጽሑፋት ዘርጊሑ። ከም’ቲ ንዓይ ዝርድኣኒ ዋዕላ በቲ ዘለዎ ጥርጣረታት እንተዘይኮኑ፡ ኣብ’ቲ ወግዓዊ መራኸቢ እንተውጺእዎ ካልእ ጉዳይ ንዋዕላ ዘይኮነስ ነተን ብሕታውያን ናይ ዜና ማዕከና ዝምልከት እመስለኒ፡ ክሳብ እተ ማዕከናት ሰነዳዊ ስምምዓት ዘይብለን። እዚ ሜላ ግን ንዓይ ቀዳማይ ኣንጻር ናይ መሰል ምዝራብ ምግላጽን ኮይኑ ይስምዓኒ፡ እዚ ማለት ግን ነቲ ዋዕላ ብጉጉ ዝገለጾ ኣይነቐፍ ማለት ኣይኮነኩን፡ እዚ ከኣ ኮሚሽን ዋዕላ ስርሐይ’ሉ ክዕጠቐሉን ክሰርሓሉን ከም ኣድላይነቱ መስሊ ክህበሉ ዝግባእ’ምበር፡ ከም ተምሳል መፈላልዩ ክጥቀመሉ ብደረጃ መግለጺ ክወጽእ ግቡእ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ መግለጺ ዘይተጠቕሳ ከ እንታይ እየን ብዓይኒ ዜናን ሓበሬታን ዋዕላን ? እንድዒ …..

መደምደምታ

ግዜ የጸብቆ፡ ግዜ ፈራዲ’ዩ ክበሃል ሰሚዔ፡ ግዜ ከም ዝፈርድ ከኣ ኣብ ሂወተይ ተሞኪረ። ግዜ ንኩሉና ከም ዝፈርደናን፡ ከም ዝምስክረልናን ፈሊጠ። ዕድመን ጥዕናን ንዝሃቦ ኩሉ ከኣ ግዜ ፈራዲ ምዃኑ ካብ ሓቂ ዘይሃድም ንዘበለ ኩሉ ገጽ ንገጽ ክራኸቦ’ዩ።

ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዋዕላን ድሕሪ ዋዕላን ዘሎ ፍርዲ በበይኑ’ዩ። ዋዕላ መንግስቲ ከም ዝእውጅ፡ ብዋዕላ ኣቢሉ ኤርትራ ከም ዝኣቱ ኣብምሲሉ ክዛረብ ከም ዘይጸንሐ፡ ዋዕላ ብሄራት ናይ ምንጻል መሰልን ተባሪኹለን ካብ ዋዕላ ክፍደሳ ከም ዘይተባህለ፡ በቲ ዝዝረብ ዝነበረ ገገሊኦም ተሰናቢቶም ኣብ ኣስመራ ክራኸቡ ከም ዘይከዱ ሎሚ ከም ልኡኽ ሓሊቦ ዝተባህለን ዝተዘርበን ዝተጻሕፈን ኣብ ሩባ ከም ዝተጻሕፈ፡ ኣብ ከውሒ ከም ዝተዘርኤ ንዓመት ተባሂሉ ዳግማይ መኸውሊ ፍሸለቶም ኮሚሽን ዋዕላ ኣቁኦምን፡ ገገለ ውሳኔታት ናይ’ቲ ክጽረፍ ዝጸንሐ ተባዕ ውድብ ሰ.ደ.ህ.ኤ ናይ ዘይእምእኩል ምሕዳራ ኣብ ዘይህላውነቱ መትከሉ ሰሪቆም ክእውጁ ተራእዮም። እቲ ኣብ ጸለመን ክስን ዝውዕል ዝሓድር ዝነበረ ውድብ ሎሚ መትከላቱን ዕላማታቱን ተሰሪቁ’የ ዝብል። ግን ከኣ በቲ ሓደ ወገን እንቛዕ ጸበሉ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ለኸዮም ዘብል ከኣ’ዩ።

እዚ ወደሓንኩም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1354

Posted by on Aug 14 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net