ምድስካል ብዓዲ ምድስካል ብባሕሪ።

ብኢሳያስ ኣስፍሃ

18-08 2010

 

መንቀሊ ናይዚ ጽሑፍ`ዚ ነoñ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት <ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኣደስኪሉ።> ዝብል እዩ። ምድስካል ዝብል ቃል ግደፍ ዶ ፖለቲካዊ ትርጉም ተዋሂብዎስ፡ ብተራ ዘረባ’ውን ንእዝንኻ ዝሕርኩኽ ሕማቕ ቃል ምኻኑ ብዙሕ ሰብ ዝሰማማዓሉ ኢዩ። ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ህግደፍ ግን እዚ ቃል እዚ ከም ልሙድ ተቖጺሩ ዳርጋ ብብዙሕ ሰብ፡ ብዘይካ እቲ ብቕጥታ ብሓለንጊ ስርዓተምድስካል ዝተገርፈ፡ ግምት ተዋሂብዎ ኣይፈልጥን። ብዘይ ኣፍልጦ ህዝብን ግሉጽ ኣሰራርሓን፡ ሰብ፡ እሞ ከኣ በዓል መዚ፡ ካብ ስራሕ ምድስካል ወይ ከኣ ምውጋድ ዲክታተርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ምድስካል ቀንዲ መሳርሒ ናይቶም ንብዙሕነት ሪኢቶ ክጻወሩ ዘይክእሉ ውልቀመለኽቲ ስለዝኾነ። 

ስለምንታይ ውልቀመለኽቲ ንምድስካል ከምቀንዲ መሳርሒ ይጥቀሙላ?

1.   ዝደስከለ ሰብ ኣብ ስራሕ ሰለዘየሎ ካብ ገጽ ህዝቢ ይኽወል። ምኽንያቱ ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ ስራሕ የብሉን። ካብ ገጽ ህዝቢ ዝተኸወለ ከኣ ካብ ልቢ ህዝቢ ብቐሊሉ ይወጽእ እሞ ሰዓቢ ህዝቢ (ፖወርበይዝ) የጥፍእ።

2.  ምድስካል ነቲ ብስራሕ ዝተጠርየ ዝና ናብ ዝተሓተ ደረጃ የውርዶ። ብኡ መጠን ከኣ ኣብቲ ዝደስከለ ሰብ ስነ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ፈጢሩ ናይ ምስራሕ ዓቕሙ የጉድል።

3. F—Dï ‰êDê ©öL ÃöF‘é„ê …mk ‰êDê …ŠEq K}´]oñ FGꠠ                     ‰êDê [mk Šmk \—kò|q M©ö]ŠF }MBªM o²š„ï |§oñ

    …©]ŠDï …ŠF ‰M›‰‘é} §²mkX;

4.  ኣብ መወዳእታ ኣብ ክንዲ መመንጨዊ ሓሳባት ሰዓቢ ሓሳባት ጥራሕ ኮይኑ ነብሱን ህዝቡን ይልክም::    

እምበኣር እቲ ጠንቂ ኣብ ቁጽሪ 4 እዩ ዘሎ። ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባትን ሪኢቶን ብምህላዉ ኢዩ። ምስ ካልእ ሰብ ክሰማማዕ ከኣ ናይ ግድን ኣይኮነን። ስለ ዘይተሰማመዐ ክድስክል ወይ ከኣ ካብ ስራሕ ክእለ እንተደኣ ኮይኑ ]²ÿLð’ውን ትኹን ክኽየድ ዝከኣል ኣይኮነን። ሓሳባትካ ከም ካብ ማና ዝወረዱ ገይርካ ኣብ ልቢ ሰባት ብሓይሊ ክትሰኩዕ ምፍታን ካብ ንኣድጊ ብዱላ ምዱግዳግ ብምንታይ ይፍለ።

ብዓለም ደረጃ ብዙሕ ኣብነታት እŠú ክጥቀስ እንተተኻእለ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ¹VI ብሰንኪ ጃንዳ ህግደፍ ዝተኸተሎ ሓሳድ ሜላ ኣብ ኤርትራ ዝተጠርየ ናይ ስርዓተምድስካል ተሞክሮ ቀሊል ኣይኮነን።  ከምቲ ጋዜጠኛ ኣማ{êኤል እያሱ ዝበሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዘይደስከለ ክፍሊ ናይቲ ሕብረተሰብ የለን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ እቲ ናይ ብሓቂ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ዝቕንዞ ለባም ኣብ ስልጣንን ስራሕን የለን።  <ጎብየ ኣርኪቡሉ >  እንዳተባህለ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ኣስመራ ዘወን ክብል ዝውዕል ሚኒስተር ነበር፡ ጀነራል፡ ኣካየዲ ስራሕ፡ ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ደራሲን፡ ካልእን መወዳእታ የብሉን። ስለዚ ኤርትራ ብዉሑዳት ሓሳብ ከመንጭዉ ዘይክእሉ ጉጅለ ትሕመስ ኣላ። እስኪ ንድሕሪት ግልጽ ኢልና  ናብ መጀመርታ ተስዓታት ንመለስ፡ እቶም ኣብቲ እዋን ንርእዮም ዝነበርና ልሙዳት ገጻት ኣበይ ኣለዉ? ብጀካ እቶም ብዕሊ ንፈልጦም ጂ15 (ንሳቶምውን ተኣሲሮም/መይቶም) ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ኣብ ገጽ ህዝቢ የለዉን። እቲ እንኮ  <ኣልፋን ኦሜጋን> ዝኾነ ስርዓት ኣልቦ ኢሳያስን ንበረልና ዝብሉ ሳዕሳዕትን ደረፍትን ኣብ ገጽ ህዝቢ ከሽኮንድሩ ይሓድሩን ይውዕሉን ኣለዉ።

ኣቱም ሰባት!  <ኣይፋልክን ግርህነተይ ይብል ደራፋይ> እቲ <ናይ ዓዲ’ስ ደሓን ፈሊጥናዮ> ኣለና፡  <ብሓባር ተቓሊስና ከኣ ከነርክበሉ ኢና> እንዳበልና ከለና፡ በዚ መጺኡ ዘይበሃል ሕዱር ሕማም ብባሕሪ ክመጸና ግን ተጸቢና ኣይንፈልጥን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግም ካብዚ ኣኺሉ ዝፈስስ ተመክሮ ንላዕሊ ኣየድልዮን ኢዩ። ሎሚ ዝተፈላለየ ሪኢቶ ከዳምጻ ዝኽእላ ኣእዛን እምበር ዝበልኩኻ ጥራይ ግበር ዝብላ መልሓሳት ንህዝቢ ኣየድልየኦን እየን። ገና <ንህዝቢ እንታይ ጽቡቕ ነገር ከምጽኣሉ እየን> ኢልና ሃንቀው ኢልና እንጽበየን ዘለና ዉድባትን ማሕበራትን ስርሐን ብምድስካል ክጅምርኦ ከኣ ኣይግድን። <ውሽጣዊ ኣሰራር|’£;> እናተባህለ ዝምኽነዮ`ውን ኣይኮነን። እቲ ብሓደ ሰብ ምድስካል ዝጀመረ ኣብ ዓዲ ዝመርሕ ዘሎ ህግደፍ ሎሚ ሃገር ሙሉእ ኣደስኪሉ ኣሎ። <ÒqU¥S‹ …}º}¨] ከይተረፉ።> }[é ‰§…‹D| ‹… †}C I®ð በዞም <ንኹሉ ስብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላትካ ንቃለስ ኣለና > ዝብሉ ሰብ ባሕሪ ብ<ውሽጣዊ ኣሰራርሓና ኢዩ> ተባሂሉ ዝምኽነ ዘሎ ምድስካል ዶ ምውንዛፍ ጽባሕ  ንግሆ ሳዕሪሩ ናብ ደገ ወጺኡ እንተለከመና ዝግበሮ የለን።  ስለዚ ገና ዕላል ካህንን ናዝን ከይኮነ ከሎ ብኣግኡ ክንምሕዎ ከኣ ናይ ኩልና ሓላፍነትን ስራሕን እዩ።  

ከምቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ብሓፈሻ ውልቀ-መለኽቲ ንብዙሕነት ሪኢቶ ክጻወሩ ከምዘይክእሉን ካብ ናቶም ዝተፈለየ ሓሳብ ከተኣናግዱ`ውን ባህሪኦም ከም ዘይፈቕዶን ታሪኽ`ውን ኢዩ ዝነግረና። ስለዝኾነ እምባኣር`ዩ እዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት`ውን ከም ኩሎም ናይ ዓለምና መለኽቲ እቲ ካልእ ኩሉ ውልቀ መላኺ ተግባራቱ ገዲፍና እዚ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ንምጥቃስ ነቶም ናይ መዋእል ብጾቱን መቓልስቱን ሃለዋትና ንገምግም፡ ነብስና ንፈትሽ ስለዝበሉ ጥራይ ኣብ ደልሃመት መናቕዕ ዒራዔሮ ብምድ¶ን ንገለ ብሞት ንገለ ብዑረትን መልመስትን ስንክልና ዳሪግዎም ዘሎ፡፡

ሕጂ ኽኣ< ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንጽየፎ ኢና፤፡> ሃየ!  <ንሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ኢና ቆይምና።>…..ወዘተ ዝብሉን  ብዘቑጸልጽሉ ቃላት ልቢ ሰብ ዝሰልቡ ሓደስቲ ናይ ባሕሪ ኣደስከልቲ መጺኦሙና እነሀለዉ። ስለዚ እዞም ናይ ባሕሪ ኣደስከልቲ`ውን ከምቶም ናይ ዓዲ ከም ካብ ሓደ ሩባ ዝተቐድሑ  ሓይልን ዓቕምን ድኣ ሲኢኖም`ምበር በትርን ስልጣንን እንተዝህልዎምስ ካብ ኣባጎብየ ብምንም ዘፍልዮም ኣይምሃለወን። እንcüዕ! ክኣ ኣይሃለዎም።

ካብዚ ቀጺለ <ተዛሪብካ እንታይ ኣምጻእካ> እንድዩ ብመሰረት እዚ ኣብ ላ—ሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣርእስቲ ኣmksï ›HDÊ e}¥q …mk F—D§ mk›o‘]© |§ M©ö]ŠF M‹}¥q ›‘à sò|} M]„ê o…\[ïT ŠF† –²mk }M©ö]ŠF ›mkDê ÃöGêÍq} M] osX´Gê mksêHq ©D§oñ ÏqI} Xq—} †}p§ oS‹k ‹mkDê ‰D‘é ²D ©²Ïoñ ‘éFc-KE‰ï ‘F©„ï¢[é] –LX} ¿ÏT} ›Œ{ê ‘éFc-[lq ´} mkÏE§ †Šú …mk ÒFr‹  mkM]M] <‘éa¸gñ …]VXH [FÌ’£> †|kDê ‰©|´T ]D›Ã}Gê †oñ Hcñ Kp} ‰êDê ‹ÊFº ·}cñ M‹}¥q K©]‰Dï Œ§{ê sD÷ cÃïDê ‹chXkF‰êM „N l—F‰êM ÏSªê;

}M©ö]ŠF M‹}¥q ›Œ{ ´DêÃö ©mkªkòpq;

 

                                                         31 ሓምለ 2010

ዝኸበርኩም ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤፤

ብመጀመርታ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ሙሉእ ጥዕናን ዕዉት ናይ ስራሕ ኣሳልጦን እምነየልኩም፤፤ ቀጺለ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕለት 28 ሓምለ 2010  ዓ.ም ብኣቦ መምበር ሰልፍና ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ክቐርብ ተባሂሉ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣቦ መምበርን ከምኡ ድማ ጸብጻባት ክፍልታት ሰልፍና ተላኢኹ ምምባሩ ዝዝከር`ዩ፤ ይኹን እምበር ኣብ ዝተላእኸ ጸብጻብ ኣቦ መምበር ንብዙሕ ኣርእስትታት ኣልዕሉ ዝዳህሰሰን ዝተንተነን እካ እንተኾነ ብወገነይ ክዛረበሉ መሪጸ ዘለኹ ግን ኣብቲ ጸብጻቡ፤ ኣብ ሰልፍና እኹል ዝኾነ ግልጹነትን ግሉጽ ኣሰራርሓን ኣሎ ተባሂሉ ዝጠቐሶ መበገሲ ብምግባር ንዓ ድኣ ኣይፋልካን ኢለ ክብድሆን እካ ድኣ ብኣንጻሩ ኣብ ሰልፍና ሚስጥራዊ፤ ጉጅላዊ ነጻልን ዝኾነ ኣሰራርሓ ብምስዕራሩ ዓቢ ብኩራት ግልጹነትን ግሉጽ ኣሰራርሓን ከም ዘሎ ምስናይ ጭብጥታቱ ከቕርብ ኢየ፤፤

ዝኸበርኩም ብጾት፤                                                                        

ቅድሚ ናብ ቀንዲ ዛዓባይ ምእታወይ ሓጺር መእተዊ ክገብር ክፍትን፤፤ ከምዝዝከር ኣብ ምጽንባራዊ ኮንፈረንስና ንኹሉ ጉዳያት ብዘይ ሓደ ሽግር ድሕሪ ምጽዳቕና ሓደ ካብ ቀንዲ ኣካራኻርን ነዊሕ ግዘ ዝወሰደን ነጥቢ እንተነይሩ ኣብ ዝመጽእ 18 ኣዋርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ውሳነታት ፈጻሚ ኣካል ብስምምዕ`ዶ ብድምጺ ብዝሒ ይሕለፉ ኣብ ዝብሉ ገቲሩ ዝሓዘና ክርክር ምምባሩ ተሰኒዱ ዘሎ ኢዩ፤፤ ኣብ መወዳእታ ክኣ ድሕሪ ክንደይ ክትዕ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም በሉ ድሓን ብሰንኪ እዛ ነጥቢ እዚኣ`ዶ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ክንበጽሕ ኮይና ክንማኸር ዕድል ሃቡና ድሕሪ ምባል ኣባላት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ነበር ተማኺሮም ድሕሪ ምምጻእ ሕጂ`ውን ብልሳን ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም በሉ ድሓን ምእማን እካ ኣይክንኣምነኩምን ኢና፤ እንተኾነ ግን ምእንቲ ሓድነት ተቐቢልናዮ ኣለና፤፤ ግን ክኣ ሓደራኹም ኣይንበዳደል ኣይንወጻጻዕ  ኢሉ ነይሩ እዚ`ውን ዝተሰነደ ታሪኽ ኢዩ፤፤ ስለዚ ካብ 18 ኣዋርሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ካብቲ ዝፈራሕናዮ ከይወጻእና እዚ ኹሉ ሓርጎጽጎጽ፤፤ ይኹን እምበር ብዘወሰድናዮ ተባዕ  ውሳነ ግን  ኣይንጥዓስን፤ እቲ ምንታይ ቃልሲ ስለዝኾነ፤፤

ናብ ቀንዲ ዛዓባይ ክምልስ እምባኣር፤ ብጩቡጥ ምዝራብ ስለ ዝቐልል ቃል ብቓሉ ኣቀራርባ ኣቶ ወልደኢየሱስ  ዓማር እዚ ዝስዕብ ኢዩ፤

(- ሰልፋዊ ሓበረታታት/ግሉጽነት፤

ብዘይካ’ቲ ናብ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት እተመሓላለፈ ሓያለይ ሓበረታታት፡ ቤ/ጽ ኣቦ መንበር ናብ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ 9 ናይ ሓበረታ መልእኽትታት ኣመሓላሊፉ። እዚ ሓበረታታት’ዚ ከኣ ብክፍሊ ስርርዓዊ ጒዳያት ከም ኣድላይነቱ ተኣሪሙ ናብ መሰረታት ይመሓላለፍ ነይሩ። ስለ’ዚ ኣብ ሰልፊ ኣኻሊ ግሉጽነት ኣሎ ክንብል ንኽእል።)

ዘገርም ኢዩ፤፤ ኣቶ ወልደኢየሱስ  ዓማር ኣብ ሰልፍና እኹል ግሉጽነት ኣሎ ይብለና ኣሎ፤፤ በሉስከ ድሓን ኣብ መሰረታትናን ካድራትናንስ ይትረፍ ኣብ መንጎ ፈጸምቲ ኣካል ውን ዘሎ ብኩራት ግሉጽነት መታን ብንጹር ክትርድኡ ነዛ ትሒታ ቀሪባ ዘላ ብዕለት 25 ሰነ 2010  (ክእረም ዝግብኦ ግጉይ ሓበረታ) ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብኣይ ዝተዳለወት ተዓዘቡ፤፤ ንሳ ብመንገድኻ ናብ ፈጸምቲ ኣካላት ክተብጻሓለይ ኢለ ዝልኣኽክሉ ኮይና ዛጊት ናብ ዝኾነ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ከይተላእኸት ተሪፋ ዘላ ኢያ፤፤ በሉስከ እዚ ድዩ ግሉጽነት?፤፤ 

እታ ዝተላእኸት`ሞ ተሓቢኣ ዝተረፈት ጽሕፍቲ ምስ መሰነይትኣ እዛ ትዕስብ ኢያ፤፤

ዝኸበርካ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር፤፤

ኣቐዲመ ናይ ቃልስን ጽን ዓትን ሰላምታይ እብጻሕካ፤፤ ቀጺለ ሙሉእ ጥዕናን ዕዉት ናይ ስራሕ ኣሳልጦን እናተመነኹ፤ ብ ዕለት 22-06-2010 ናብ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤ ብዝብል ንውጽኢት ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ሰልፍና ኢልካ ዝልኣኽካዮ በጺሑኒ፤እንተኾነ ኣብ ኣቀራርብኡ ብዙሕ ዘይቅቡል ነጥብታት ስለዘለዎ ተቓውሞይን ምሕጽንታይን በዚ ኣብ ጥብቆ ሰፊሩ ዘሎ ኣቢለ ናብ ዝምልከቶ ፈጻሚ ኣካል ሰልፍና አቕርብ ኣለኹ`ሞ ብመንገድኻ  ክብበጽሓለይእላበውካ፤፤

ሓይልና ንምሸቱ`ዩ!
ኢሳያስ ኣስፍሃ;;

ናብ ዝኸበርኩም ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።

ኣቐዲመ ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ሙሉእ ጥዕናን  ዕዉት ናይ ስራሕ ኣሳልጦን እናተመነኹ  ነዚ ቀጺሉ ዝስዕብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ እፈትዉ።

ብመሰረት ኣብ ዕለት 22 ሰነ 2010 ዓ.ም ብኣቦ መምበር ሰልፍና ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ብመልእኽቲ ኣ/መ ቊጽሪ 8 ርእሰ-ነገር፡ ጒዳይ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ: ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተዳልዩ ናብ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ተባሂሉ ዝተላእከ ዘዋሪ ጽሑፍ ምርኩስ ብምግባር: ኣብ ኣቀራርብኡ ዘለኒ ትዕዝብትን ተቓውሞን አቕርብ;; ከም ውጺኢቱ ክኣ ዝግባእ ምስትኽኻል ተገይሩሉ: እቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርገሐ ተሳሒቡ እቲ ቅኑዕ ሓበረታ ክልኣኽ ኣጥቢቐ እምሕጸን።

ኣብቲ ዝተላእከ ዘዋሪ ጽሑፍ: ንጉዳይ ኣወሳስና ዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ብፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣቦ መምበር ዘቕረቦ  እዚ ብሰማያዊ ሕብሪ ቀሪቡ ዘሎ ኮይኑ። ንሱ ይብል፡-

 

(ካብ ሓያለይ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ  ርእይቶታት ነይሮም።) ኢሉ ድሕሪ ምጅማሩ ቀጺሉ:-

– ( ዕቱብ ምድላዋትን ቅኑዕ ኣሰታትፋ ህዝቢን ዘይብሉ እሞ ኣዓዋቲ ኣብ ዘይኮነ ዋዕላ ሰልፍና ኣይሳተፍን ዝብል ናይ ብዙሓት ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን፤

 

– ሕጽረታት ናይ ምድላው ብዘየገድስ፡ ኣብ ዋዕላ ክንሳተፍ ኣሎና ዝብል ናይ ዝዋሓዱ ርእይቶን ኔሩ።) ክብል ገሊጽዎ። 

እንተኾነ ግን ናይዚ ዳሕረዋይ ብኣባሃህልኡ ናይ ውሑዳት ኢሉ ዝሰየሞ: መርገጺን ሪኢቶን ከምቲ ንሱ ዝጠቐሶ ዘይኮነ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

( ኣብዚ ዝዳሎ ዘሎ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ምስንዳኡን  ምድላዉን ጉድለታት እŠú እንተሃለዎ፤ እሞ ኽኣ ኣብ ኣቃውማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉድለት ከምዝገበሩ እውን ስለ ዝተኣመኑን፤ ንዝገብርዎ ጉድለት ኣመዝጊብና ኣብቲ ዋዕላ  ኣቲና ንኻልኦት ከሲብና ናብ ረብሓና ንቐይሮ ኢዩ ዝተባህለ። )

ድሒሩ ኣቦ መምበር ንናይ ዕለት 21/06/2010 ዓ.ም ኣኼባ እውን እንተኾነ ብኸምዚ ዝስዕብ ኢዩ ክገልጾ ፈቲኑ።

(ኣብ ናይ ዕለት 21/06/2010 ኣኼባ እውን እዞም ክልተ ርእይቶታት ቀጺሎም።

እቲ ናይ ብዙሓት ሸነኽ፡ ልኡኽና ነቲ ውሳኔ ሰልፍና ከቐይሮ ዝኽእል ኩነታት ስለዘየምጽኤ፡ ውሳኔና ኣብ ቦትኡ ኣሎ።) ኢሉ ድሕሪ ምቕራብ ቀጺሉ:-

( እቲ ናይ ውሑዳት ርእይቶ ከኣ፡ ኢትዮጵያውያን ኣቕሪቦሞ ዘለዉ፡ ክልተ ዋዕላታት ናይ ምግባር እማመ ሓዲሽ ርእይቶ ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ዋዕላዚ ክንሳተፍ ኣሎና ዝብል ነይሩ።) ክብል ገሊጽዎ።

ኣብዚ እውን እንተኾነ ከምዚ ኣቦ መምበር ዝበሎ ኣበሃህላን መንፈስን ዘይኮነ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝነበረ። ንሱ ኽኣ:-

ኢትዮጵያውያን ፈተውቲ ነቶም 10 ውድባት ዘርብሕ እንተዘይኮይኑ ሓድሽ ነገር ኣየምጽኡን እናተባህለ በቶም ብዙሓት ዝበሎም ይዝረብ ስለ ዝነበረ፡ በቶም ውሑዳት ዝተባህለ ክኣ:-

(ኣይፋልኩምን: እŠú ድኣ ኢትዮጵያውያን ፈተውቲ ከምዚ ኣብ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎን ፍታሕ ኢሎም ዘምጽእዎን ክልተ ዋዕላ ግበሩ ኢዩ። እዚ ናይ ሓምለ ከምቲ ኣብ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ ኣጽብብ ኣቢልኩም ግበርዎ። ድሓር ክኣ እቲ ንኹሉ ዘሳትፍ እትብልዎ ዘለኹም ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምስንዳኡ ጀሚሩ ብሓባር ትገብርዎ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። ስለዚ እዚ እማመ ናይ ፈተውትና ኢትዮጵያውያን ሓድሽን ዓራቕን ኢዩ እሞ እዚ  ዕድል እዚ ተጠቒምና ኣብ ውሽጡ ኣቲና ንዋሳእ። ኢዩ ዝተባህለ።)

ስለዚ ኣብ መደምደምታ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ: እቲ ዝነበረ ዘተን ፍልልዩን  ከምቲ ዝነበሮ ኣበሃህሉኡን መንፈሱን ገይርካ ድኣ ክቐርብ እግባእ እምበር ከከም ዝጥዕመካ ንሪኢቶኻ ብዘድምቕ ኣገባብ ገይርካ ከተቕርቦ ምፍታን ቅንዕና ዝጎደሎ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ዘተዓዛዝብ እውን`ዩ። ስለዚ ሕጂ እውን ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ እቲ ዝነበረ ውዕሎታት ከም ብሓድሽ ተስተኻኺሉ እቲ ቅኑዕ ሓበWታ ክመሓላለፍ ኣጥቢቐ እምሕጸን።

ሓይልና ንምሸቱ`ዩ!

ኢሳያስ ኣስፍሃ

25 ሰነ 2010

ኦሮማይ! ድሓን ኩኒ ግሉጽነት። 

እቲ ዘገርም ትዕዝብተይን ተቓውሞይን ናብ ፈጻሚ ኣካል ክንሱ፤ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ግን ኣብ በይኑ ሓዚኡን ሓቢኡን ብምድባቕ ብኣቃራጭ በዘን እትርእይወን ቃላት ጌሩ`ዩ መሊሱለይ።

Dear IA,

It is sad that you are addressing this message in this manner. I am sure there is no misleading information in my short update.

WA

መደምደምታ

ኣብ ሕቶ ብኩራት ግልጹነት ኮነ ተካይድዎ ዘለኹም ጉጅላውን ነጻልን ኣትሓሕዛ ዘለኒ ርእይቶ ብምቕራብ ክዛዝም ኢየ፤፤

* mk´] ‰§kF‰êM …²lmk …Š§ª‰êM ²é°E‘é} ´DêÃö{q ›µ©D÷} K銍ú{ê ድሮ ተገሊጺ ኣሎ; mk‰Msï ‹… ‰r [FÌ ‹q[XI s§‹…F „ï£;

* †oñ s²XM ‹\mk ‹}©§ }—chq} Šmk„ê …§IDË} ‹… }…‰òl L†‰E§ l§r ‰ïª} }…n KMkX} }…Ml\¬X …©öH~M ›‘é‹Dê olAðD÷M ›oHS£ {gñI †g} …mk L†‰E§ l§r ‰ïª} Œ§~M ›[XGê M‰êVq mkÅq H° –mk©F{êX} KŒ{} A§D †|AD’ H}oñ …ÏFº} oK‹Y} ‰ïª} s§mkDê …L{ê„íF Amko …kDê †|o‰ÏD ‘ée¥~] [²ïT ‹KÃö† ›o²mkS †oñ †M{q ]D›o\†{ ¬ Œ}’£? እዚ ጉጅላዊ ኣከያይዳኹም ከ ኣበይ ኢዩ ከብጽሕ?፤፤

* }‰ïª} mkKq‰F ‰{@mkqN} ‰{G§D÷} o[LLð—| ‰{mke— §‰ê}’MkX Gï›|¨ sD| …²lmk ‹Fo {}H©öIªê s§V‰mk „ï£; ]Dsï †oñ GêN sD‰êM …²lmk }‰ïª} sÏX]} sª‹M} ÃS …mk ‘é\{pq| schK¹|¨M Kq‰Eq’£; ]D›Œ{ ‹… Šmkoñ ›ÊVI|¨’‘é} …§‘Ć|}; †}o †oñ ©²ïM] …mk ‘éa¹| …†oñ|¨M „ï|’N …k§ ‰§kÃöGê ›mkF ]Lð–ðq †}oŒ§{ê ´} s§[XI ©ö‰êM …oH\]l} K}Ê]}’£;

* mk†M{q| |§ HlX H¥F [FÌ ‹}[XI †}o‰ò}| Šmk ²é°Egñ …[VXH ‘Ã }X†§r ‘éGêªq mkM‹lX} mkM†}³©ö}: ‰ï}„ê ©öL …mk …lEq} B›mk} ‘U©öŠ mk´DêÃö ‹qImkX M] †q‹†F’£; Šmk„ê HDïË †}o’oñ mk²éFlmk ©N‹V[ï¥gñ L†‰F{q †|kFŠ {oñ ²é°E‘é} {ÄF} …[VVH‰êM KB·U   ‹q¹cMDê †}o©ö… Šý}‰êM ´} e©öLð I®ð oÊoñ{ê ›Ê_D} ›kX–{} ]Foñ „N …§q©ö‰Ké;

ሓይልና ንምሸቱ`ዩ!
ኢሳያስ ኣስፍሃ;;

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1371

Posted by on Aug 19 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net