“ዋዕላ ብራስለስን ድቡቕ ፖለቲካዊ ኣንፈቱን ኣመኻኽትኡን”

ብጊላይ ቃሉ /ወዲ-ቃሉ/

ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

4.ተራ ስቪካዊያን ማሕበራት፡- ስቪካዊያን ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ኣብ ደምበ-ተቓውሞ ርኡይ ፖላቲካዊ ተሳትፎን ዝርኤ ኣወንታዊ እጃምን እናበርከታ ከምዝመጻ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። እቲ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ክጻወቱ፡ ከበርክቱ ዝበቕዑ ድማ “ስቪካዊያን ማሕበራት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ስለ ዘይብለን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኻትን ዋዕላታትን ክሳተፋ የብለንን…” ዝብል ዓበይቲ ዕንቅፋታት ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት ብምብዳህ፡ ስለዝኾነ ዓቢ ግምትን ኣድናቖትን ክወሃቦ ዝግባእ ተራን ኣበርክቶን እዩ በሃላይ እየ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ንደምበ-ተቓውሞ /ንቓልስና/ ዝፈታተን ብመንገዲ ዋዕላ ብራስላስ ኣቢሉ ኣብ ዘጋጠመ ህሞት ድማ ብትብዓት ዝመከታን ዝምክታ ዘለዋ እየን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ብሕቡእ ናብ ዋዕላ ብራስለስ ዘምርሑ ውልቀ ኣካላተን፡ ከምዘይውክልወን ብወግዒ መግለጺ ብምውጻእን ቅልጡፍ /ዕቱብ/ ናይ ዲስፕሊን ስጉምቲ ምውሳደን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትና ብጭቡጥ ኣብ ኤ.ዲ.ኪ. ዘይተረእየን ዘይተወስደን ናይ ምእራም ስጉምቲ ምርኣየን ዝተባባዕ ነገር’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ዕላምአንን፡ ኣሰራርሐአንን ጽኑዓት ምዃነን ዝገልጽ ስነ-ምግባር እዩ። ስለዝኾነ ክድገፍን ክበራታዕን ብኻልኦት ተቓለስቲ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ናይ ቓልሲ ኣሰራርሓ ባህሊ ክኸውን ዘለዎ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሃለወ፡-

  1. ወደብቲ ዋዕላ ብራስለስ ዝመጽእዎ ፖለቲካዊ ተርእዮ ዕላምኡ ብኣንፈት ደረጃ ክርአ ከሎ፡ ብጣዕሚ ሓደገኛ ስለዝኾነ በዚ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ መኸተ ዝተሳዕረን ኣብፈቱ ዝለወጠን ስለዘይኮነ፡ እዚ ፖለቲካዊ ባእታ’ዚ ማዕረ ማዕረ ቃልስና ክጓዓዝ ዝኽእል ዕላማ ዘለዎ ስለዝኾነ፡ ከም ወቕታዊ ስራሕ ከይርኣና ምእንቲ ሃገራዊ ሓድነትናን፡ ፍትሓዊ ዕላማናን ክንብል፡ ብእስትራተጂካዊ ኣገባብ ቃልሲ ክስዓር ከምዝኽእል ኣሚና ክንቃለስ ኣለና ይብል።
  2. ነቲ ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ኣዛራቢ ዛዕባ መዕለቢ ንምግባር፡ ኣብ ዝተፈተነ ኣገባብ ኣቀላልሳ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና ብመርበብ ኢንተርነት፡ ፓልቶክ ኦፍ ሩምስን ብስቱር ጥራሕ ስለዝነበረን ዘሎን፡ ዋላ’ኳ ከበርክቶ ዝጸንሐ ናይ ብድሆ ተራ ልዑልን ዝጠቅም እንተኾነ፡ ቦታ ናይ እሩምን ግሉጽን ኣገባብ ኣቀላልሳ ዝትክእ ስለዘይኮነ ግን ውሱንነት ኣለዎ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ተረኽቦ ጥራሕ ዝተሓጽረ ስለ ዝኾነ፡ ብኣንፈት ደረጃ’ውን ዓቢ ጉድለት ኣለዎ እዩ። ስለዝኾነ ቃልስና ኣብ ውሱናት ተረኽቦታት ከይተሓጽረ፡ ንኩሉ መዳያዊ ቃልስና ዘማእዝን ብኣንፈት ደረጃ’ውን ኣማዕድዩ ዝረኣየ ክኸውን ይግባእ በሃላይ እየ።
  3. ኣብ ምሕደራ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብዝምልከት ኣብ ምክብባርን ምቅብባልን ዝተሰረተ ንጹር ዝምድናን ምዕቡል ፖለቲካዊ ባህሊ ክህልወናን ክኽእል፡ ካብ ምሽፍፋንን ምንሕሓፍን ናጻ ዝኾነ፡ ብርእሰ-ምትእምማን ብግሉጽ ባህሊ ናይ ቃልሲ ከነማዕብልን ከነደልድልን ኣለና። ውልቀ-ሰባት፡ ውድባት ከይኩርዩ፡ ከይቅየሙ ወይ ዕንቅፋት ከይፈጥሩልና…ወዘተ ብምባል /ክኽበሩን መሰሎም ክሕለወሎምን ዝግባእ እኳ እንተኾነ/ ልዕሊ ናይ ህዝብን ሃገርን ዕላማን ጠቕምን ክረኣዩን ክኽበሩን ግን ዝግባእ ከምዘይኮነ፡ ኣብ ሂወት ቃልስና ኣቓልቦ ክረክብ ዝግበኦን ብተግባር ክንሰርሓሉን ኣለና። ግጉይ ርእይቶ ንዝሓዙ ወገናት ግሉጽ መረዳእታ ክንህቦም ኣለና፡ ኣብ ጉጉይ ርእይትኦም እንተድኣ ጸኒዖም ድማ እምነታት ተነጺሩ ክቕመጥ ምግባርን  እሩም ቃልሲ ከካየደሉን ኣለዎ ይብል።
  4. ኣብ ውድባትና ብሰንኪ ዋዕላ ብራስለስ ዝፈጠሮ ግጉይ ኣገባብ ኣተዓዳድማን፡ ምስጢራዊ ፖለቲካዊ ትሕዝትኡን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይን፡ ምስሕሓብን መዕለቢ ክረክብ ይኹን፡ ክእለ ዝከኣል፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዘለዎ ኣሉታዊ ኣሰር /ንሕጂ ይኹን ንመጻኢ/ ብግልጺ ምርድዳእን፡ መፍትሒ ክረክብ ወይ ተነጺሩ ክቕመጥ ዘኽእል ንቃልስና ዝጠቅም ክፋት መድረኻት ምኽፋት ቅኑዕ ስለዝኾነ፡ ካብ ብመርበብ ኢንተርነትን ካልእን ብምጥቃም ሰለማዊ ኲናት ምክያድ ሓሊፍና፡ ናብ ክፉትን ሓላፍነታውን ድሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ክንሰጋገር ይግባእ። ካብ’ዚ ወጸኢ ከምዝቐነናዮ ምቕጻል፡ ንቃልስና ምብዳልን እሱራት ናይ ፍሉያት ተርእዮታትን ምኻን ስለዘስዕብ፡ ሓፋሽ ህዝቢ’ውን ቅኑዕ ርእይቶ፡ ነቲ ዕላማ ዝጠቅም ፈልዩ ክርእን፡ ብምሉእ ሓይሉን ብነፍሰ-ምትእምማንን ክቃለስ ስለዘየኽእሎን፡ እሱራት ናይ ተረኽቦታት ክንከውን የብልናን። ኣብ ኩሉ መዳያዊ ቃልስና ዓቢ ትኹረት ጌርና ክንቃለስ ኣለና። ከምኡ ክንገብር እንተዘይኪኢልና ግን ኣደዳ ግጉያት ርኢቶታትን ኣካላትን ኮይና ክንዕነድ ስለዝገብር ተመራጺ ኣይኮነን ይብል።
  5. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ መንጎ ኣባላቱ ኣብ’ዚ ወቕታዊ ፖለቲካ ኮይኑ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ጉዳይ፡ ብዝተነጸረ ክግምግምን መፍትሒ /መወገኒ/ ክገብረሉን ይግባእ። በዚ ዘለዎ ዝተሓመሰ ኣገባብ ክቕጽል ግን ንቓልሲ ብዓቢኡ፡ ንደምበ-ተቓውሞ ድማ ብቀረባ ኣሉታዊ መንፈስ’ዩ ዝዘርእ ዘሎ። ካብዚ ንምልቓቕ ድማ ወላኳ ንኤ.ዲ.ኪ. ብቐዳምነት ዝምልከት እንተኾነ ብዕላማ ደረጃ ግን ንኹሉ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝቃለስ ዝምልከት ስለዝኾነ ብሓባር ሓጋዚ ቓልሲ ከነካይደሉ ዝጠልብ ሓባራዊ ውራይ ምኻኑ ኣቓልቦ ሂብና ክንቓለሰሉ ዘለና ጉዳይ እዩ።

ኣብዚ ካብ ጉዳይ ኤ.ዲ.ኪ. ከይወጻእኩ ኤዲኪ ክዉግኖ ዝግብኦ ውሽጣዊ ጉዳይ እንተሃለወ ኣብ ቀጽሪ ኤ.ዲ.ኪ. ዝርአ ዘሎ ውደባታት ናይ ሸነኻት ዝመስል ዘንጸባርቕዎ ዘለዉ ናይ ስኽፍታ ፖለቲካዊ መንፈሳት እዩ። ንሱ ኸኣ ኤ.ዲ.ኪ. ጽላል ብምግባር “ብስም ሓድነት ክንገብር ኢና” ብምባል ዝርአ ዘሎ ውድብ ምንቕስቓሳትን ኣብ ሕድሕዱ ዘርእዮ ዘሎ ምንሕናሕን ምትህልላኽን ዝፈጥሮ ዘሎ ስኽፍታን እዩ። ዝኾነ ውድብ ኣባል ኪዳን ምስዝመስሎ ውድብ ኣባል ኪዳን ይኹን ካብኡ ወጻኢ ንኻልኦት ውድባት ብዘይጻባእ ኣገባብ ሓድነት ክገብር ይኹን ናብኡ ዘብጽሖ ውደባ ክፈጥር ዘይጋሃስ መሰሉ እዩ። ይኹን’ደኣምበር ምስካልኦት መሓዙት ውድባት ዘለዎ ዝምድናን ስምምዕን ብዘይሃስን ብዘየዐንቅፍን ክገብሮ ይግባእ። ካብዚ ወጻኢ ንካልኦት መሀደድን መተናኸፍን ክጥቀመሉ ግን መሰል የብሉን።

እዞም ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ. ኮይኖም ፍሉይ ናብ ሓድነት ከብጽሖም ውዳባ ዝገበሩ ውድባት ብወግዕን ብቐጥታን፡ እዚ ብሎክ’ዚ ከምዚ ጌሩ ወይ ገሊጹ ኢልካ ንምዝራብ ዘጸግም እኳ እንተኾነ፡ ብዘይ ቀጥታውን ብተዘዋዋርን ብደረጃ ውልቀ ኣካላት ብስውርን ግሉጽን ኣገባብ ናብ ሕድሕድ ዝወናጨፍ ዘሎ ተኽታዂ`ፖለቲካዊ ርኢቶታት ዘይሓጋዝን እዩ። እዚ ተርእዮታት እዚ ክውገድ ዝሕግዝ ስራሕ ብኤ,ዲ.ኪ. ክወስድ ድማ ሓጋዚ ይመስለኒ።

ከምዚ ዘለዎ ክቕጽል ዕድል እንተተዋሂብዎ ግን ናብ ሕማቕ ደረጃ ከምርሕ ስለዝኽእል /ድሮ ኣብ ባይታ ኣሉታዊ ኣንፈት እናኣመተ ስለዝኾነ/ ንተመሓዘውቲ ውድባትናን ምሕዝነታዊ ቃልስናን ዘይሓጋዚ ስለዝኾነ በዚ ዘንጸባርቐሉ ዘሎ ደረጃ ክርአን ንምእላዩ ጻዕሪ ክካየደሉ ዘለዎ እዩ በሃላይ እየ። ኤ.ዲ.ኪ. ዓውዲ ናይ ተሃላለኽቲ ውድባት ክኸውን ኣይግባእን እዩ።

6. እዞም ልዕል ክብሉ ዝጠቐስኩዎም ነጥብታትን ካልኦትን እናሰላሰልና፡ ከም እዋናዊ ኣገዳሲ ዕማም ናይ ቃልሲ ተጌሩ ተታሒዙ ዘሎ ምግባእ ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ንኤ.ዲ.ኪ.ን ንስቪካዊ ማሕበራትን…ወዘተ ጥራሕ ዝምልከትን ንዓኣቶም ዝሕደግን ስለዘይኮነ፡ ኩሎም ኣብ ደምበ-ተቓውሞ ዓሲሎም በብዓቕሞም ጨቓኒ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝቃለሱ ዘለው ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ስንቅስቓሳት፡ ኣገደስቲ ውልቀ-ሃገራውያንን፡ ምሁራትን፡….ወዘተ ስለዝምልከት ሓቢርና ንምዕዋቱ ክንቃለስ ኣለና። ካብ ዝተፈላለየ ዕላማን ምኽንያታትን ብምብጋስ ክርአ ዝኽእል ዓንቃፊ ሓሳበት ብምስዓር ክንቃለስ፡ ሃገራዊ ዓቕምታት ተቐራሪቡን ተአማሚኑን ክቃለስ ዘብቕዖ ምሕዝነትን ምውህሃድን ከረጋግጽ ክኽእል ሎሚ ካብ ናይ ዝሓለፈ ግዜ ንላዕሊ፡ ርእሰ ነጻነትና ኣረጋጊጽና ዓቲብና ክንቃለስ ኣለና ይብል።

ሃገራዊ ዓቕምና ምጥርናፍን ምሕያልን ቀዳማይ ጻዕርና ይኹን

ጊላይ ቃሉ /ወዲ-ቃሉ/

Short URL: https://english.farajat.net/?p=139

Posted by on Dec 27 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net