ሕጂ ሓሰር፡ ጽባሕ ክኣ ናይ ወድ-ሰብ በሰር ከም ትኪ ክበንን’ዩ

ታሕሳስ 13-2006 ረ.ክ.(ባሻይ)

ንህዝቡ ጠሊሙ ህግደፍ ዝመረጸ

ኣንጻር ወዲ ጅግና ኣንጻር ዝረሃጸ

ከተርክበሉ ኢያ ናይ ሓፋሽ መላጸ

      መገልገል ከድዓት ውሻል ናይ ሸፋቱ

      እንድዕልኩም ዝብል ንደቂ መሬቱ

      ቂም-ቂም ትብል ኣላ ናይ ውድቀት ስዓቱ

ብኸብዱ ዝግዛእ ንህግደፍ አሚኑ

ድራር ደቂ ስዉእ ዝበልዕ ደኒኑ

ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ትዕጸፍ ልሳኑ

      መንእሰይ ዘብረረ ዓበይቲ ዝድፈረ

      ምስ’ዚ ጨካን ስርዓት ከይዱ ዝመኸረ

      ወድቀቱ ነይተርፍ ተጀሚሩ ወረ

ክነድድ’ዩ ሓሰር ክቃጸል’ዩ ጎዶ

ሕልፍኝ ጨቃናት ክፈርስ’ዩ ኣጒዶ

ክብተኽ’ዩ መእሰር ናይ ከድዓት ማእዶ

      ግፍዒ ምስ ረኸበ መምህር ተመሃራይ

      ስላዕ ምልክቱ ጀሚሩ ሓረስታይ

      ኣርከብኩኻ በሎ ተበገስ ሸቃላይ

ኣብዚ ’ኔኻ ዕጥቂ ኣብዚ ’ኔኻ ስረ

ኣታ ብዓል መምረን ኣታ ብዓል ፍረ

ከም ኣርዑተ-ነዊት እሰሮም ’ምበረ

      ክንዲ ብኽብረቶም ሕጊ ዝኽተሉ

      ደፍረት ምዓርጎም ቆልዑ ዝምንጥሉ

      ኣንጸርጺረካ ’ምበኣር ስዓቱ ኣኺሉ

ክትግበር ’ዩ ኹሉ ናይ ውጹዓት ትንቢት

ናይ ቃልሲ ሕጊ’ዩ ክውላዕ ’ዩ ኽርቢት

ከም መስከብ ክቕበር ናይ ከድዓት ትጽቢት

      ክምለስ’ዩ መሬት ናብቶም ዋናታቱ

      ናብቶም ደቂ ሀገር ናብቶም ዝመስረቱ

      ድጒሪ ናብ ቅትርቱ ምሳር ናብ ልዓቱ

መጻወቲ ኰይኑ ዑና ወለድና

ምዓስከር ወናጭል መራሒአን ጋውና

ኣብ ገዛእ መሬትናስ ተኻረዩ ’ብሉና

      ዘይቀሃመ ጓህሪ ጀሚሩ ሃልሃልታ

      ተላዒላ ደጊም ኩላ ንመሬታ

      ተዘኪሩ ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ያታ

ምዓስ ርሑቕ ኰይኑ ትማሊ እንድኣሉ

ኣዘንጊዑና ’ምበር ህግደፍ ኣታሊሉ

ምስተን ኣዴታትና ከይዱ “ተማህሊሉ”

      ሕያዋይ ክመስል ዘለዎ ሃይማኖት

      መደናገር ህዝቢ ናይ ሓሰውቲ ጸሎት

      ሰይጣን ትሕዝቱኡ ናይ ህግደፍ ጸላሎት

ንህዝቢ ጠንጢኑ ናብ ጎረባብቲ

እንጥሾው ጀሚሩ ናይ ሰውራ ዓለቕቲ

ካቲማ የብሉን ጠበንጃ ሓሰውቲ

      ወይልኹም ጠላማት ብዶብ ተሳብቡ

      ህግደፍ ኣቐሚጥኩም ዘይከውን ተንብቡ

      ደጊም ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ

ንህብና በሪሩ ንባሕሪ ወሪዱ

ትኪ ምስ ትዓጥነ ሓሰርኩም ነዲዱ

ብዓል ዓቕሊ ዕጥቆም ኣጥፍኡዎ ኺዱ

      ቆልዓ ተረኺቡስ ክትሓዝልዎ ባባ

      ህግደፍ ክወርደልኩም ብልሳን ዘረባ

      ባይቶ ምድንጋር ዘይከውን ኣሬባ

ደርብይዎ ዝብል መንቀርቀር ’ተሓዝካ

ምኽሪ ኣላሻውያን ንጓህርስ ብኢድካ

ዓዃይ ተላዒሉ እምብለይ ኢሉካ

      ቆጽሊ ተምበርከኽቲ ጀሚሩ ክቕምስል

      ቀረባ’ምበር ኰይኑ ’ቲ ርሑቕ ዝመስል

      ንህብና ጀሚሩ አብ ’ውሊዕ ክዓስል

ኣታ ብዓል ርስቲ ኣታ ብዓል ግራት

ዓውድኻ ጀሚሩ ምህርቲ ደቀ-ባት

ሃል-ሃል ኣቢልካዮ ቅሚጦ ድኹማት

      “ብሰላም” እንዳሉ ተሓቢኦም ናብኣ

      ምዓልቶም ኣኺላ ጒዶም ተቐሊዓ

      ብሕብሪ ጌርካዶ እርጋን ተሓቢኣ!

ኣጻብዕ ውጹዓት ዘይድፈር ቅልጽሙ

ብራና ደብተሩ ዘይድምሰስ ቀለሙ

ክተክል’ዩ ባይቶ ስርዓት ናይ ቀደሙ

ስደት ኣይምሰልኩም መተካእታ ደሙ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1398

Posted by on Dec 13 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net