ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኸመይ ብመን ?

ቀዳማይ ክፋል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

21 ነሓሰ 2010

 

             ዛዕባታት

ሀ ጉዳይ ሃማኖታውን ብሄራውን ጉዳያት

ለ ሲቪካዊ ማሕበራት እንታ ይገብር ኣሎ ?

      ሐ ተሓታትነት ኮሚሽን ዋዕላ ከምይ ክኸውን’ዩ ?

ብመጀመርያ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዎ ሕቶታት ከቕርብ እነከለኹ፡ ከም ምእተዊ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኣብ ዋዕላ ዘሎኒ ተርድኦን ከስፍር እደሊ። ኣብ’ዚ ኣርእስቲ ጉዳይ ዋዕላ ኣልዒለ ክጽሕፍ እነከለኹ፡ ብመጀመሪያ ክጠቕሶ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። ዋዕላ ብመሰረቱ ሓደ ኣውንታዊ፡ ኣካቢ፡ ዘታዪ፡ ጸገም ፈታሒ እንተደኣኣ ኮይኑ ፈጺሙ ክንጸግን፡ ክኹነን፡ ክንቐፈን ዝግባኣ ኣይኮነን። ስም ዋዕላ ከኣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ብእኡ ስለ ንርድኦ፡ ሕቶ ዋዕላ ኣብ ዝስመየሉ እዋን ኩሉ ንዋዕላ ዘንቐለ ይኸውን። ልኽዕ’ዩ ጉዳያትካን ጸገማትካን ትፈትሓሉ መጋባእያ ብኣውንታዊ ዓይኒ ክጥመት ግድነት’ዩ። ግን፡ ግን ከኣ ኣብ’ዚ መዳይ ከነስትውዕለሎም ዝግባእ ኣሎ። ዋዕላስ ተቐበልናዮ፡ ዋዕላ እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ ኢልና ክንሓትት ግን ልዕሊ ኩሉ ግቡእ እመስለኒ። ምእንት’ዚ እዚ ዋዕላ ንስማዊ ዋዕላ ዘይኮ’ነስ፡ ትሕዝቶ ዋዕላ እንታይ’ዩ ዝብል ኣዝዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ብዛዕባ ዋዕላ ክንዛረብ ኣገዳስነት ዘለዎን ኩሉ ከኣ ርእይቶን ሓሳባትን ክህበሉን ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ እስማዓኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዝተወደአ ዝገልጽ፡ ኣዋጅን፡ ውሳኔታት ዋዕላን ብሰፊሕ ንህዝቢ ተዘርጊሑ። ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝሕለፎ ኣጠቓላሊ ክግምገም እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ውሳኔ ኣውራ፡ ዋዕላ ድሕሪ ሓደ ክግበር እዩ ዝብል።

ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዋዕላ ንድሕሪ ሓደ ዓመት ክግበር ዋዕላ ንዋዕላ ወሲኑ። እዋእ እዚ ዝተኻየደ ዋዕላ ደኣ ዋዕላ ዶ ኣይኮነን’ዩ ዝብል ሕቶ ከኣ ይስዕብ። ብዝዀነ እዚ ንሓሳባት ንምስፋሕን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተባህለ ኣገባብቱን ቅጥዑን ንዝምልከት፡ ብዝያዳ እቲ ሕቶ ንምንታይ ክምልስ ዝግባኦ ስለምንታይ ከም ዝተላዕለ ብውሕዱ ከብርሆ ዝኽእል መልሲ’ዩ።

ዋዕላ ንዋዕላ ወሲኑ ክበሃል እንከሎ፡ ሽማግለ ዋዕላ ካብ’ቲ ቅድም ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእክቲ፡ መብርሂ፡ ሓበሬታን ዝወሰዶ ተበግሶን ኣይሰማማዕን’ዩ። ብዝዀነ ኮይኑ ዋዕላ ተገይሩ ተባሂሉ’ምበር ገና ዋዕላ ኣብ ቅድሚ ምስንዳእ ዋዕላ ከም ዘሎ ዘረድን ዘመልክቶን ገና ነቲ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ዝተባህለ ዝደግም ምህላዉ እዩ። ንኣብነት እዚ ኣብ ዋዕላ ተወሲኑ ዝባሃል ዘሎ ጉዳያት፡ ብሽማግለ ዋዕላ ዝቐረበ ግን ከኣ ዕለቱ ዘይጠቐሰ፡ ብግምተይ ግን ኣብ ከባቢ 4 ሓምለ 2010 ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ  ኣብ ሰለስተ መደባት ዝተኽፍለ መጸዋዕታ ነይሩ። እቲ መጸዋዕታ ከኣ ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ከም ውሳኔ ሓሊፉ ዝበሃል ዘሎ ኣርእስትታት ኣልዒሉ ንህዝቢ ሓሳቡ ክህበሉን ከቕርበሉን ተባሂሉ ነይሩ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይ’ቲ መጸዋዕታ ብዛዕባ መሳጋገሪ መድረኽ ይጠቕስ። መሰጋገሪ መድረኽ ንዋዕላ ድዩስ ወይ ዋዕላ እንዳተሰጋገረ ክቅጽል’ውን ኣይገልጽን። ይኹን’ምበር ዋዕላ ስርሑ ኣይደምደመን ገና ይቅጽል ኣሎ።

ኣብ’ዚ ጉዳይ ዋዕላ ሓደ ሓድሽ ዝተፈጥረ ነገር ነይሩ ክበሃል እንተዀይኑ፡ እቲ ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ተፈላልዩ ብዛዕባ ዋዕላ ዝዛረብ ዝነበረ ዜጋ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቡ ክራኸብ ምኽኣሉ ጥራሕ’ዩ እቲ ፍልልይ ዝነበሮ። ቅኑዕ ውሳኔ ይወሰን ኣይወስን ከኣ እቲ ምርኻቡ ሓደ ኣውንታዊ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ካልእ ክስዕብ ዝኻል ሓሳብ እሞ ክራኸብ ጥራሕ ድዩ ኸይዱ ነይሩ ንዝብል  መልሱ ኣይኮነን እዩ። እሞ እንታይ ደኣ እቲ ኩነታት ዋዕላ ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ ምስንዳእ ዋዕላ ዝነበሮ ኩነታት ክቅጽልን ተደልዩ ዝብል’ዩ እቲ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ። ግን ሽማግለ ዋዕላ ነቲ ሕቶ ክምልስ ስለ ዘይክእልን፡ ነዚ ሕጂ ተፈጺሙ ኣብ ውሳኔ በጺሑ ዘሎ ጉዳይ ክቕይሮ ስለ ዘይክእል፡ ዋዕላ ብዓወት ከም ዝተደምደመ ጥራሕ’ዩ መግለጺ ከውጽእ ዝኽእልን ዝግደድን። እቲ ኩነታት ከምኡ ክገብሩ’ዩ ከኣ ዝግድዶም። ኣብ’ዚ ከኣ ክርሳዕ ዘይብሉን ክለዓል ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፡ ዋዕላ ተዓዊቱ ክብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ዋዕላ ዝሰዓርዎ ክህሉ ስለ ዘለዎም፡ ነቲ ዋዕላ ስምምዕ ጥሒሱ፡ ነቲ ዋዕላ ካብ ኣገባብ ወጺኡ፡ ነቲ ዋዕላ ቅድም ክሰማማዕን ጸገማቱን ፍልልይያቱን ክፈትሕ ኣለዎ ንዝበሉ ወገናት ከም ዝተሳዕሩ ገቢሮም ይጠቕስዎም። ስለ’ዚ እቲ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቃውሞ’ምበር ኣማዕዲዩ ዝጠመተ ዕላም ከም ዘይነብረ ዝሕብር’ዩ። እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና፡ ናይ ዝተዓወተን ዝተሳዕረን ድምጺ ንሱ’ዩ። ንስለ ሓቕን፡ ክብሪ ህዝብን፡ ሓድነት መሬትን ዝዛረብ ዋዕላ ኣይኮነን። እንተዀይኑ ከኣ ድሕሪ ነቲ ስዒረዮ ዝብሎ ሓይሊ ዘውጽኦ ዘረባን ፍረን እዩ።

ዋዕላ ካብ’ቲ ዝተዓወቶሎም ጉዳያት ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣውራ ካብ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሻቕል ኩነታት ሃይማኖታትን ብሄራትን መሪጹ ንሰማዕን ንተጸባይን ምእዋጁ ዝገርም’ዩ። እቲ ጉዳይ ሃይማኖትን ብሄራትን ምንባሩ ንኩሉ ዘካትዕ ኣይነበረን። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ዋዕላ ተረዳዲኡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣብ ሓደ ምዕለቢ ከም ዝበጽሐ፡ ብኣዋጃቱን፡ ብመግለጺኡን፡ ከም’ውን ተሳተፍቲ ዋዕላ ናይ ጽሑፍ ይኹን ናይ ቃል ደገፍ ካብ’ቲ ዋዕላ ዝበሎ ኣይሓለፈን።

ጉዳይ ሕቶ ሃይማኖታትን ብሄራትን መን’ዩ ወሲንዎ፡ መን’ከ ይስርዞን ይቕይሮን ዝብል ሕቶ ቅድሚ’ቲ ስምምዕ ዋዕላ ክመጽእ እንተኽኢሉ ገገለ ጉዳያት ንጹር ክገብረልና ይኽእል። ሃይማኖታውን ብሄራውን ጉዳያት ኣብ ዋዕላ ስለ ዘይተሓንጸጸን ዘይተወሰነን፡ ኣብ ዋዕላ ክስረዝን ክቕየርን ኣይክእልን። ዋዕላ ነቶም ሃይማኖታውን ብሄራውን ሕቶ ኣልዒሎም ተሰሪዕም ክቃለሱ ዝጸንሑ ኣብ ቦታ ዋዕላ ንውሳኔታቶም ክስርዞን ከልዕሎን’ውን ኣይክእልን’ዩ። ከዕሎን ክስርዞን ንስለ ዘይክእል ከኣ ኣብ ሓባርዊ ምርድዳእ በጺሕ ተባሂሉ ክእውጅን ክግለጽን ሓቂ ዘለዎ ኣይመስልን።

ምርድዳድእ ተበጺሑ’ዩ ክባሃል ዘይክእል ኣይኮነን፡ ወይ’ውን ኣነ እምነት ዘይብለይ ወይ ዘይኣምኖን ስለ ዝዀንኩ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣገባብን ቅጥዕን ዘይሓለወ፡ ምትካልን ምፍራስን ከይኸውን’ዩ። እወ እቲ ኣበየ ጉባኤታቱ ወሲኑ ዕላማታቱ ተሓንጊጡ ክቃለስ ዝጸንሐ ሎሚ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ነገር ተወዲኡ ኣብቒዑዩ ክበሃል ኣይክእልን።

ስለምንታይ እዚ ተወዲኡ ክበሃል ኣይክእልን? እወ ድሮ እቲ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ውሳኔታት መሰል ብሄርት ክሳብ ምፍንጫል ተባሂሉ ከም ቀዳማይ ዕላማ ሒዞም ክቃለሱ ዝጸንሑ ባቡር ዋዕላ ከይተርፉ፡ ብዘራኣይዎ ተሳታፍነት ጥራሕ’ዩ ክብል እደፍር። ባቡር ዋዕላ ይነቕል ኣሎ ደጊም ንሕና ከይንተርፍ ብዝብል ኣዘራርባ ዝነቐለ ኣረዳድኣ እመስለኒ። እንተዘይኮይኑ ከኣ፡ እቶም ንጉዳይ ሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶ ዝመርሑ ማዕረ ፖለቲካውን ብረታውን ተጋድሎና ተምክሮ ዘለዎም ለባማትን ፈላጣን ስለ ዝኸንሙ ኩሉ ጉዳይ ህዝብና ስለ ዘይስሕትዎ ናብ’ቲ ቅድሚ ዋዕላ ዝካየድ ዝነበረ ኝጥፈታት ተመሊስና እንተ ደኣ ታሪኽ ክንግጽል ኮይና፡ ናይ ትማኪ ታሪኽ እዚ ዝስዕብ ፍጻሜታት ምባሩ’ዩ ዘብርሃልና። እስከ እቲ ዝተፈጸመ ጉባኤታት ብሄራት ንርአ፡።

ብ31 መጋቢት 2010፡ ምንቅስቓስ ቢለን ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ፡ ብዕለት 20 ሰነ 2010 ብሄርት ትግርኛ ኣውጁ፡  ቅድሚኡ’ውን ናይ ሳሆ ምንቕስቓስ ናቱ ኣዋጅ ኣውጺኡ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነበራት ዓፋር፡ ኵናማ ብሄራውያን ውድባት ህልው ኮይኑ፡ ንመላእ ናይ ሄራት ውድባት ጠርኒፉ ካብ 28-30 ሰነ 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ ግንባር ብሄራት ብ 30 ሰነ 2010 ኣብ ዘውጽኦ ደምዳሚ ኣዋጅ ጉባኤ መቐለ ኢትዮጵያ ዘመስክሮ ሓቒ’ዩ።

እሞ እዚ ተኣናገድ ተዓጠቕ ጉዳይ ብሄራዊ ሕቶ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ኣብ ኣኼባ ዋዕላ ንዲሞክራሲ ዋዕላ ሓቒቑን ጠፊኡን፡ ዋዕላ ብምሉእ ምርድዳእ ወጺኡ ይባሃል ኣሎ እንተደኣ ኮይኑ እዚ ዋዕላ ብሓቂ ሃገራዊ ዋዕላ ኮይኑ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዋዕላ ማለት’ዩ። እንተዀነ ግን ነዚ ጉዳይ መስርዑን ኣገባቡን ክሕዝ፡ እቲ ዋዕላ ናይ ኩልና ዋዕላ ክኸውን፡ ዋዕላ ዘይኮነ፡ እቶም ኣብ ድሮ ዋዕላ ብሃማማኖታውን ብሄራውን ሕቶታት ኣልዒሎም ክጓየዩ ዝጸንሑ፡ ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኣወጀ ውሳኔታት ከሰንዩ፡ ሓቕነቱ ከረጋግጹ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ነቲ ኣብየ ውድባቶም ዝኣወጅዎ፡ ናይ ዝሓለፈ ይጽንሓልና፡ ነዚ ናይ ትማሊ 31 ሓምለ ዝተኣወጀ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ንምዝልከት ድምር ክስርዙን ብእዋጅን መግለጺታቶም ከልዕልዎም ምስ ዝኽእሉ ጥራሕ’ና በዚ ሎሚ ዋዕላ በጺሕዎም ዘሎ ስምምዓትን ውሳኔ ከም ሓደ ሃገራዊ ውሳኔ ክንቕየድ ዘኽእለናን ንኽእልን። እዚ ክሳብ ዝይተገብረ ግን እቲ ጉዳይ ተጠጂኡ ንድሕሪ ከም ዝተርፍ ማንም ዘይስሕቶ ጉዳይ’ዩ።

ይቕጽል…….

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1418

Posted by on Aug 22 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net