ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኸመይ ብመን ?

ካልኣይ ክፋል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

22 ነሓሰ 2010

ቅድሚ ናብ ካልኣይ ክፋል ምሕላፈይ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተላዕለ ኣርእስቲ ጉዳይ ሃይማኖትን ብሄራትን ኣብ ዋዕላ፡ ኣብ ምትካልን ምፍራስን ውሳኔታት ንጹር ስለ ዝዀነ ክህሉ ዝኽእል ምድንጋራት ብዙሕ ዘዛርብ ኣሎ ኣይብልን። ዋዕላ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብዝወሓደ ነቶም ኣብ ቅድሚ ዕለት 31 ሓምለ 2010 ተተኺሎም ዝጸንሑ ዓብይቲ ውድባዊ ውሳኔታትን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትን ክእርምን፡ ንምስራዞም ክዛተን ክዛረብን ዝነበሮ ክሰግሮ ዘይክእል ሓቒ’ዩ።

ኣብ ዋዕላ፡ ሃይማኖታውን፡ ብሄራውን ውድባት ጥራሕ ኣይኮናን መንገደን ከቕንዓን ክዕርያን ዘለወን። ኩልና ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ዝጸንሓና መርገንጽ ኣረእኣያን ከነተዓራርን፡ ነቲ ንኸዶ ዘሎና ዋዕላ ክንመስልን’ዩ ዝግባእ። እቲ እነመዓራርዮ ኣረኣእያን ከኣ ጸረ ዝዀነ ሓድነት ህዝብን መሬትን፡ ጸረ ዝዀነ ሃማይኖትን ብሄርን፡ ጸረ ዝዀነ ክብሪ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንኸይፍጸም’ዩ።

ዋዕላ ተሰማሚዕና ጥራሕ’ዩ ኢሉ ዘሎ’ምበር፡ ውሕስነት ዝተሰማማዓሉ ሰነድ የብሉን። እቲ ሰነድ ናይ ቃል ሰነድ ውሕስነት ዘይብሉ ሰነድ’ዩ። ዋዕላ ተዛሪብሉን፡ ተራዲድእሉን ዘይጸንሐ ጉዳይ ከኣ ኣብ ፈላሚ ርክቡ ኩሉ ብስምምዕ ተጨርሹ’ዩ ክብል ሚዛን ሓቕነት ንኩሉ ደላይ ሰላም ፍትሕን ንፍርዲ እገድፎ።

ኣብ’ዚ እንነብረሉን ዘሎና ዘመናዊ ሕብረሰብ ዓለም ብዙሕ ስምምዓት’ዩ ዝግበርን ዝካየድን። እቲ ስምምዓት ከኣ ብዝተፈላልየ መልክዕ ከም ብጽሑፍ፡ ብቃል ብስእሊ ተሰኒዱ፡ ቅድሚ ዝዀነ መጻኢ ስምምዕ ዝቀርብ ራእይ ኣሎ። ብዘይኣፍልጦይ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ኩለን እተን ብሃይማኖትን ብሄራትን ተወዲበን ክቃለሳ ዝጸንሓ፡ ነዚ መስርሕ ተኸቲሉን ምስ ሽማግለ ኣሰናዳኢ ዋዕላ ዝገበርኦ ፍሉይ ርክብን ስምምዓትን እንተነይሩ ኮይኑ ከኣ፡ ብእውጅ መልክዑ ክልተኣዊ ስምምዓት ንህዝቢ ክንጸር ዝግብኦ እመስለኒ።

ካብኡ ሓሊፉ ዋዕላ ካብ ሓደ ዝሕቱል መድረኽ ናብ ሓደ ንጥፉ መድረኽ ክሰጋገር ይደሊ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኣዛሕትልዎን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተበታቲኾም ዝጸንሑ ዝምድናታት ክኣሳሰር፡ ሓድሽ ስልጡን፡ ግሉጽ ኣሰራርሓ ክገብር ስለ ዘለዎ፡ ንኩሉ ዜጋ ብዘተኣማምን ደረጃ ክስራሕ ዝነበሮ’ዩ። ከተኣማምን እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ድፍኢትን ተጽዕኖን፡ ጥራዓን ብዘይብሉ ንምእንቲ ህዝባን ሃገርን እዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ መስርሕ ክፍጸም ምተገብኤ እንዳበልኩ ኣብ ካልኣይ መደብ ክሓልፍ እደሊ።

ለ ሲቪካውያን ማሕበራት

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቅድሚ 5 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ሓደ ሕቶ ኣልዒለ ነይረ፡ ኣብ መርበብ ሓበሪታ ተዘርጊሑ፡ ኣብ’ቲ እዋን ካብ ምንቕስቃሳት ሲቪላዊ ማሕበራት ብዝርእዮ ዝነበርኩ ዝነበረኒ ኣረዳድኣን ዕግበትን ከኣ ኣስፊረ። ጥብቆ ርኤ።

ብዛዕባ ሲቪካዊ ማሕበራት ነቲ ጥብቆ ከም መወከሲ ወሲድኩም፡ ብዛዕብኡ ክዝረብ ዘለዎ ሓደ፡ ተራን ግደን፡ ስርሓት ሓላፍነት ዝምልከት’ውን ክትርድኡለይ እዩ እቲ ሓሳብ። ኣብ’ዚ ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር እንተሃይልዩ ኮይኑ፡ ኩሉ እቲ ዝካየድ ቃልሲ ብምርጫ ኮይኑ፡ ሓደ ባእታ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሊፉ ናይ’ቲ ኩሉ ባዕሉ ምስ ውድቡ ዝፍጽሞ ዕማም ቃልሲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተሓታቲ ይኸውን። ካልእ’ውን ኣብ ሓደ ሲቪካዊ ማሕበር ተጠርኒፉ ስርሓት ዕማም ቃልሲ የካይድ። እቲ ስርሓት ግን ብመሰረቱ ኣብ ዝተፈላልየ ደረጃ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝነጥፍ’ዩ።

ሓደ ባእታ ብምርጭኡ ዝቃለሰሉ መንገዲ ካብ መረጸ፡ ጉዳያት ክሓዋውስ የብሉን። ሎሚ ከም ንእርእዮን ንዕዘቦን ግን እቲ ጉዳይ ካብ መስመሩ ዝወጸ ኮይኑ እስማዓኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሲቪካዊ ማሕበር ንስም እምበር ብውሽጡ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ውድብ ስልጣን ክማራቓሕ ዝደሊ እዩ ክትብል ዘድፍረካ ተርኽቦ እንሆ ንዋዕላ ምስ ከዱ ንማሕበሮም ተንጢኖም ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ክሳተፉ ይርከቡ።

እቶም መብዛሕትኦም ኣብ ሲቪል ማሕበራት ዝነጥፉ ኤርትራውያን፡ ብፖለቲካ ከም ዝደኸሙን፡ ዘይትግበር መብጽዓታት ከም ዝበዝሐን፡ ምፍንጫላት ከም ዝበዝሐ ጠቒሶም ካብ ፖለቲካ ነጻ ኮይኖም ኣብ ሲቪል ማሕበራት፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክኽበረሉ ክቃለሱ፡ ፍትሒ ክመጽእ ክቃለሱ ከም ዝደልዩ ክሕብሩኻ ጸኒሖም ኣብ ገገለ ኣጋጣሚ ከም’ዚ ሕጂ ኣብ ዋዕላ ግልብጥ ኢሎም ካባ ፖለቲካ ተኸዲኖም፡ ንሲቪላዊ ማሕበሮም ብጎኒ ኣንጠልጢሎም ኣብ’ቲ ማእከል ጓይላ ስርሒት ፖለቲካ ይኣትዉ። እዞም ንመሰል ህዝቢ፡ ንረብሓ ህዝቢ ክንጣበቕ ዝብሉ ዝነበሩ ሲቪካውያን ማሕበራት ሎሚ ኣብ’ቲ ሓጋጊ ኣካል ተጸፍዮም ክስርሑ ትርእይ፡ እሞ ሓደ ሓደ ግዜ ኣነ ድየ ብዛዕባ ሲቪካዊ ማሕበር ዘሎኒ ተረድኦ ጌጋ ኮይኑስ ወይ ከኣ ሲቭካዊ ማሕበር ከም ነፋሒቶ ሓንሳብ ሲቪክ ሓንሳብ ከኣ ፖለቲካዊ ክሰርሕ ነገራት ዝሓዋውስ ኮይኑ ዝቃለስ’ዩ እቲ ትርጉሙ ኣብ ዘብል ደረጃ የብጽሃካ’ሞ። ኣብ ዝተወሰን ግዜ ሓላፍነት ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ሲቪካውያን ማሕበር ክንጸረሉ ዘይክእል ደረጃ ይበጽሕ። እተን ዝቀደማ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ደርጃ መወሰኒ ፖለቲካ መድረኽ ካብ ደየባ፡ ብድሕረኤን ተካእቲ ሓደሽቲ ማሕበራት ክምጻ ኣለወን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ንመሰልን ፍትሕን ዝጣበቕ ማሕበራት፡ ባዕሉ ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ዓንኬል ኣባል ካብ ኮነ።

ሲቪካዊ ማሕበር ንኩሉ ውድባት ብማዕረ ዝጥምት እንተደኣ ነሩ ኮይኑ፡ ቅድም ቀዳም ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክኻየድ ዝጸንሐ ምፍልላያት፡ ክጸብብ ጸቕጢ ክገብር ይግባእ እመሰለኒ። እንተዀነ ግን እዚ ሲቪካዊ ማሕበራት ዘይፍትሓዊ፡ ዘረሓሕቅ ውሳኔታት ክሓልፍ እንከሎ ኣጽቒጡ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ።

እንሆ’ኳ ሎሚ ካብ’ተን ንዋዕላ ስምምዕ ዝፈረማ ውድባት ሎሚ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽዋዕ ሰልፊ ብምንጻል ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤርትራዊ ፍትሓዊ ጉዳይ ዘለዎ ሚዛን እንታይ ምዃኑ ዘርድእን ዘመልክትን’ዩ። ሲቪካዊ ማሕበራት ብተጽዕኖ ኣብ ክንዲ ነገር ዘመዓራሪ ተሞዀልዩ ነቲ ፖለቲካዊ ለዓት ባዕሉ ክዕትዕቶ ዝግባእ ኣይመስለንን። ልክዕዩ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ሓደ ዜጋ ኣብ ሲቪል ማሕበር ጥራሕ ክነጥፍ ዝተፈርደ ወይ ዝተወሰነሉ የለን። እቲ ጉዳይ ናይ ውልቀ ምርጫ’ዩ። ሓደ ምርጫ ካብ መረጸ ከኣ ነቲ ጉዳይ ብኣገባቡ ክመርሕን ክነጥፍን ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብን ተርድኦን’ምበር፡ ምንፋግ ኣይኮነን። ሓደ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበር ጸኒሑ፡ ምስ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ተጸምቢሩ ክሰርሕ ዘይከሓድ መሰሉ’ውን’ዩ። እንተዀነ ሲቪካዊ ኮይንካ ክትምክት ብምጽናሕ ዕድልን ኣጋጣምን ኣብ ዝተረኽበሉ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ቦታ ክትኸውን ብሓቂ ነቲ ነገር መሊሱ ዘጎብጦ’ምበር ዘዕርዮ ኣይኮነን። እምበር ሓደ ዓብይ እጃምን ሓላፍነትን ካብ ደመብ ተቃውሞ ዝተሰከመን ኣብ ደመበ ተቃውም ፋና ሓድነት ዘብርሀ ውድባቱ ኣፍሪጹ ካብ ዓንቐጻት ቻርተር ኪዳን ዘተግበረ ተባዕ ውድባዊ ስጉምቲ፡ ካብ ዋዕላ ንድሕሪት ክተርፍ ኣብ ቅድሚ ሲቪካዊ ማሕበራት ብምንታይ ሚዛን ከም ዝዕቀን ከም ሕቶ ምቕማጡ ኣገዳሲ እመስለኒ። እዚ ናብኡ ዝቐንዔ ጸርፍን ጸለመ ካልእ ክስታትን ከተወሰዀ እየ ዝብለኩም። ሲቪካዊ ማሕበራትና ነዚ ዓብይ ፍጻሜ ዘይርእን ዝርስዕን’ዩ።

ብተመሳሳሊ እቶም ንመጻኢት ኤርትራ እንብህጎም፡ ሰብ ዝብህጎም ትጉሃት ጋዜጠኛታትና ከይተረፉ፡ ክውን ነገራት ኣልዒሎም፡ በቲ ክእለት ብርዖምን፡ ድርሰቶም ካልእ መሰራሒ እንተሃለወ፡ ነቶም ኣብ ፍልልይ ዘለዉ ዝብልዎም ኣብ መድረኽ ኣውጺኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንፍርድ ኣብጺሖም፡ ነቲ ዝደልይዎ መንገዲ ደገፍ ክንዲ ዝረኽብሉ፡ ብዕበጦ ዕበጦ ናይ ሓደ ወገን ጥሩምባ ብምንፋሕን፡ ዘይተገብረ ነገር ኣጋኒንካ ንህዝቢ ወረ ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽባሕ መሬት ትወልዶ ሓቂ ዝምስክሮ እዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ብናይ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝተላዕለ ክትዕ፡ ክንደይ ሰባት ከም’ዚ ሕጂ ኣብ ጸለመ ተዋፊሮም ዘለዉ፡ ንፖለቲካዊ እምነተይ ፡ ንሕጋዊ ጠለብ፡ ንግሉጽ ራእይ ህዝቢ ክዕወተሉ ዝብሎ ሓሳብ ብምቕራበይ ከም ጸረ ሓድነት ፡ ዘይተባህለን ዘይተጻሕፈን ኣይነበረን፡ ሎሚ ከኣ እንሆ ኣብ ትርብዒት ቁጽሪ ሓደ ተመሊሱ ታሪኽ ይደግም ኣሎ። እቲ ጸለምን ጸርፊ ከኣ ይደጋገም ኣሎ።

ሓደ ኪዳነ መሓሪ ዝተባህለ ካብ ኖርወይ ቅድሚ 5 ዓመት ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ከም’ዚ ክብል ጸሓፈለይ ” ኣቶ ኣንቶንዮ፡ ንስኻ ኣብ ስልጣን ኮይንካ፡ ኣብ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍትዲ ክጥቕመጥ ሲቪካውያን ማሕበራት ከኣ ብደገ ታቤላ ሒዞም ክወጣወጡ ዲኻ ደሊኻ በለ” …….

ዘሕዝን’ዩ፡ እቲ ነገር ናይ ዕግበትን ድሌትን’ዩ። እቲ ጉዳይ ናይ ነጻ ምርጫ’ዩ። ኣብ ሲቪል ማሕበር ክነጥፍ ዝደለየ መሰሉን ምርጭኡን’ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ዝመረጸ ከኣ ምርጭኡ’ዩ። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ስርሓት ይተሓዋሰ ኣሎ፡ እቲ መዛረቢ ዝዀነ ሓላፍነት ይተሓዋወስ ኣሎ ዝብል’ዩ። ሓደ ባእታ ጉዳይ እንተሃለዎ ኣነጺሩ ክሰርሕ እንተንቂሉ ሓደ’ኳ ዝኽልኽሎ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ኤርትራ ከኣ ብዛዕባ ውደባ ንገገለ ፍሉይ ቦታ ዝተሓዝኤ ክህሉ ንቃለስ ዘሎና ኣይመስለንን። ካብ’ቲ ሃገራዊ ቅዋምና ዝሕንጸጾ መሰል ፖለቲካዊ ተራ ንላዕሊ ምርጫ ኩሉ’ዩ። ስለ’ዚ ከም’ቲ ኪዳነ መሓሪ ዝበሎ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሰርሕ ዝደለየ ብርምጫን ዕግበቱን’ዩ። ታቤላ ሒዘ መሰል ህዝበይ ክሕሉ ዝበለ ኩሉ ብምርጫ’ዩ። ነቲ ዝሓዝካዮ ምርጫን ግን ብጽፈት ናይ ምስራሕ ሓለፍትነ’ዩ ዘዛርብ።

ጉዳይ ሲቪካዊ ማሕበር ከም’ዚ እንተደኣ ኮይኑ፡ ጸኒሓዊ ኣሰራርሓ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዳርጋ ትርጉም ዘይብሉ ዘረድእ ሞዴል ወይ ቅዲ ኣሰራርሓን ተርድኦን እንዳዓበየ እንተመጺኡ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘስግእን፡ ነቲ ምዕቡል ኣገባብ ከኣ ንድሕሪ ዝመልስ ክኸውን’ዩ። እቲ ናብ ስልጣን ዘብጽሕ ሲቪካዊ ማሕበር እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ብደረጃ ሲቪል ማሕበር ተጠርኒፍካን ኣዳህሊልካን ፖለቲካዊ ሓላፍነት ምምዛዕ’ዩ። ገደብ ሓላፍነት ፖለቲካውን ሲቪካውን ዘይፍለጠሉ ከኣ እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን’ዩ ክጋሃድ ዝኽእል። ከም’ዚ ጉዳይ ምስ ሳዕረረ’ዩ ከኣ ገገለ ውድባት ፍጮ በርገሳዊ ማሕበር ፈጢረን ክንቀሳቐሳ ዝጀመራ። እዚ ቅንዕና እንተዘይብሉ ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ።

ቅዋም ሓንቲ ሃገር ብዛዕባ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ሲቪካዊ ንጥፈታትን መሰላትን ኣብ በበይኖም ዓንቐጻ ካብ ዘስፈረ፡ ነናቶም ሓላፍነትን ቦታ ዘቐመጠ’ውን’ዩ። ብኡ ከኣ ኩሉ ይምራሕ።ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ማሕበራት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣትዮም ክመርጹን ክምረጹን ሰሚዔን ርእየን ኣይፈልጥን። ኣብ’ዚ ማሕበራት ዝነጥፉ ባእታት ከኣ ምስ ሰልፊ ወይ ፖለቲካው ውድብ ምትእስሳር ዘይብሎም ነጻ ተባሂሉም ዝእመነሎም እዮም። ንግጉይ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ጸረ ህዝቢ ዝዀነ ውሳኔ ግን ከቃልዑን ክነቕፉን ከም ዝኽእሉ እፈልጥ።

መደምደምታ

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ሓሳብ ብዕሙት ንኩለን ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ ዘጠቓለለ ኣይኮነን። ገደብ ስርሓትን ሓላፍነተን ዝፈልጣ ማሕበራ፡ ንኩሉ ኣሳኒየን ክኸዳ ዝደልያ ማሕበራት ከም ዘለዋ’ውን ኣብ’ዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።

ካብ’ዚ ሓሊፉ ግን ተራ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፋ፡ መቐራረብትን፡ መረዳድእን ኣይነበራን። ሲቪካዊ ማሕበር ካብ ኣኼባ ከይወጹ ከም ኩሉ ኣባል ዋዕላ፡ ኣካል ሃገራዊ ዋዕላን ተማጓቲ እዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ናይ ጉጅለታት ተኻፊሎም ከኣ ዝተዛተዩ’ምበር፡ ኣብ ዋዕላ ሲቪካዊ ማሕበር ዝውንኖ ናይ ባዕሉ ዘተ ዘካየደን ዝመዘነን ኣይነበረን። ነቲ ዋዕላ ፍሉይ ዝገበሮ ከኣ እዚ ጉድ ሲቪካዊ ማሕበር’ዩ።

ከም ርእይቶይ ሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ዋዕላ’ኳ እንተተሳተፈ፡ ነቲ ዝኸይድ ዋዕላ ክውግን፡ ከቀራርብ፡ ፖለቲካዊ ተዓዛቢ ክኸውን ይግባእ በሃላይ’የ። እቲ ሓሳብ ናይ ምቕራብ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ ኣብ ምውሳን ግን ነቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሕደግ ኮይኑ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ምስ ሙሉእ ነጻነቱ ማዕረ ማዕረ እቲ ዋዕላ ሓሳቡ ከቕርብን ነቲ ዋዕላ ክቅልስ ይግባእ ነይሩ ዝብል ሓሳብ’ዩ ዘሎኒ። እዚ ኩሉ መሰል ሲቪካዊ ማሕበር ግን ቅድሚ ዋዕላ፡ ምስ’ቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተጸፍዩ ዝተመደበ ስለ ዝዀነ ካብኡ ተንከስ ዝብል ኣይነበረን። ሲቪካዊ ማሕበር ብነጻ ዘካይዶ ኣኼባ ኣብ ቦታ ዋዕላ ዘይምንባሩ ከኣ ዘሕዝን’ዩ። ሎሚ ከም ነጻ ሲቪካዊ ማሕበር ነይረ ዝብል እንተዀይኑ ከኣ፡ ሓሳብ ሂበ ዘይኮነ ከኣ ሲቪክ ከም ሲቪክ ማሕበር ብነጻ ዝገበሮ ዝርርብን ዝበጽሖ መደምደምታ ንህዝቢ ከም ታሪኻዊ ሰነድ ከቕርብ ይግባእ። ተስፋ እገብር ኣብ’ዚ ሓሳብ እንተተሰማሚዕና ግደ ሲቪካዊ ማሕበር ብነጻ ኣብ ባይቶ ሓሳቡ ከቅርብን፡ ናቱ ዋዕላ ክገብርን፡ ናይ’ቲ ኩሉ ዝኽየድ ሓሳብ ክመጽንን፡ ኣብ መወዳእታ ብስኒት ናይ ዝተደምደመ መስካሪ ሓላዊ ህዝቢ ኮይኑ ናቱ ኣዋጃት ከውጽእን ውሕስነት ህዝቢ ከረጋጽን።

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1422

Posted by on Aug 23 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net