ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኸመይ ብመን ?

ሳልሳይ መወዳእታ ክፋል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

25 ነሓሰ 2010

ሳልሳይ መወዳእታን ክፋል ዋዕላ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ኣርእስቲ ከኣ ተሓታትነት ወይ ከኣ ሓላፍነት ኮሚሽን ዋዕላ ዝምልከት’ዩ። እዚ ተሓታትነት ኮሚሽን ዋዕላ፡ እንታይ ዓይነት ቅርጽን ኣካይዳን’ዩ ክሕዝ ምዃኑ እዩ ዘይተፈልጠ’ምበር ትሕዝትኡ እንታይ ምዃኑ ይውሓድ ይብዛሕ ፍሉጥ ‘ዩ ዝነበረ። ጉዳይ ሓላፍነት ዋዕላ ልክዕ ከም’ቲ ካልእ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ዝተላዕሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ከኣ ዝተእሳሰር’ዩ። ምኽንያቱ ኮሚሽን ዋዕላ ኣብ ዋዕላ ዝተመርጸ ኣካል ስለ ዝዀነ።

ኮሚሽን ዋዕላ ኣብ ኢዱ ከም መምርሒ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰነድ ኣብ ዋዕላ ዝተወሰኑ ኮይኑ ንትግባሬኡን ኣፈጻጽምኡን ንዝምልከት ከኣ ክሳብ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ መደባት ከፋፊሉ ክሰርሕ መደባት ኣውጺኡ። እቲ ሓቂ’ውን ንሱ’ዩ።

ኮሚሽን ዋዕላ ኣብ ቅድሚኡ ብርክት ዝበሉ ስርሓት ከም ዘለዎ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቶም ስርሓትን መደባትን፡ ኣውራን እቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር ኩነታትን ምስኡ ተታሓሒዙ ደምበ ተቃውሞ ዘለዎ ኩነታት፡ ሳልሳይ ኮሚሽን ናይ ባዕሉ ኩነታት ተደሚሮም ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኡ ኣለዉ።

ኮሚሽን ቅዋም ውጽኢት ዋዕላ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ክሕተተሉ ዝጸንሐ ሕቶታት ግና ኸ ምላሽ ከይሃበሎም፡ ፍታሕ ከይቐረበሎም፡ ናብ ኮሚሽን ዋዕላ ምትሕልላፉ፡ ኣብ ካልእይ ዙሪያ ብተመሳሳሊ ዕማም ጉዕዞ ጀሚሩ ምህላዉ’ዩ። ኮሚሽን ቅዋም ብተግባር ክርኤ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ዋዕላ ተሓርዩ ተባሂሉ ሽም ቀይሩ ደኣ’ምበር፡ ሕጂ’ውን ቦታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ሒዙ’ዩ ዝቅጽል ዘሎ። ካብ’ቲ ክሳብ ሕጂ መዲብዎ ዘሎ ስርሓትን ኣካይዳን ከኣ ብግዙፍ ዝልለ ተምሳል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ’ውን ኣለዎ። ኮሚሽን ዋዕላ ናይ ኣካል ወይ ባእታታት ምቕይያር’ዩ ገይሩ’ምበር፡ ሕጂ’ውን እንተዀነ ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ዝፈጸሞን ዝሰርሖን ቅዲ ሒዙ ዝኸይድ ዘሎ። ዘይተሳተፈ ህዝቢ፡ ዘይተሳተፉ ማሕበራት እንዳሃለዉ፡ ነቲ ንዓመት ዝኣክል ክመሓላለፍ ዝተደለየ ዋዕላ፡ ግዜ ቆጸራ ክማሓላለፍ ዘይተርፎ ክነሱ፡ ነቶም ድሕሪ ዝተረፉ ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣካላት ደምበ ተቓውሞን፡ ኣካላት ኤ.ዲ.ኪ፡ ኣካላ ሲቪል ማሕበራት ዕድል ክህብ ኣይተጸበየን፡ ከም’ታ ኣብ ታሕሳስ ዝተገብረት ኣኼባ ዝዓይነታ ስርሒት’ያ ተደጊማ፡ ሕጂ’ውን ዝወሰኑ ምስ ወሰኑ’ዮም ነቶም ዝተረፉ ከርክቡ፡ ክጽንበሩ ዝሓቱ ዘለዉ ማለት’ዩ። መለሳ ቆሎስ ጥጥቆ እዩ ኮይኑ ነገሩ።

ኣብ’ዚ ልዕላውነት ሕጊ፡ ፍትሕን ሰላምን ክነግስ ንቃለሰሉ ዘሎና መድረኽ፡ ጸረ ልዕላውነት ሕግን፡ ምእዙዝነት ሕጊ ብዘጠፍአን ዝበዀረሉን መስርሕ፡ ጥሕሰት ስምምዕ ዝተፈጸመሉ መስርሕ፡ ነቲ ኣብ ደመበ ተቃውሞ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክሕምስ ዝነብር ኩነታት፡ ንድሕሪ ክጎትት ዝነብር ኣሰራርሓ መን ክቅበሎ ይኽእል። ዝቕበሎ እንተሃለወ ከኣ ንግዜኡ ደኣ ከም ዝተዓወተን ዝሰዓረን ክምድር ነፍሱ ዘተዓሻሹ’ምበር እቲ ነባር ኣካይዳ ህዝብና፡ ህሉው ኩነታት ስጉምቲ ፍሕት ክብል ዕድል ከም ዘይህቦ ፍሉጥን ርዱእ እዩ።

ዋዕላ ሓንቲ ከይገደፈ እቲ ኣብ ህዝብና ዘሎ ጸገም፡ እቲ ሽግራት፡ እቲ ዘይምትእምማን’ኳ ተዛሪብሉን ዘቲሉን’ዩ። እንተዀነ ዋዕላ ናይ እንቋዕ ተራኸብና ዝብል ኣፋዊ መብጽዓታት ገይሩ፡ ናብ’ቲ ዋዕላ ዝጀመረሉ መድረኽ ዝተመልሰ’ምበር፡ ነቲ ዝተዘርበሉ፡ ነቲ ዋዕላ ዝተመያይጠሉ ዝብሎ ኣነጺሩ፡ ኣዋጃቱ ኣየውጽኤን። ብኣንጻሩ ብድብድቡ ዋዕላ ተዓዊቱ ኢሉ ዝወጸ።

ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝጠቐስክዎ፡ ጉዳይ ሃይማኖትን ብሄርን፡ ሓደ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገሮ ዘለዎ፡ ብዝነተጸረ ኣውጅ፡ ምስክርነት ሰነዱ ከኣ ኣውራ ነቲ ሕቶ ከልዕሉ ዝጸንሑ ኣካላት እሞ ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፉ ዝውድእዎ’ምበር ዋዕላ ባዕሉ ዝውድኦ ነገር ኣይኮነን።

እቲ ኣብ መንጎ ውሳኔታት ዋዕላን፡ ግሉጽነት ኩለን ሃይማኖታውያንን፡ ብሄራውያን ውድባትን ንህዝበን ሰሚዔን ክምልሳሉ ዘለወን ጻዊዕት ዘሎ ግዜ ሓጺር’ኳ እንተተባህለ፡ መሰረት ኣብ’ቲ ውሳኔ ዋዕላ’ውን ነዚ ክምልስ ዘይክእል ታኼላ ዘለዎ’ዩ።

ኣብነት….

ዋዕላ ግንባር ብሄራት ኣብ ቦትኡ ገዲፍና ብዛዕባ ብሄራትን ካልእ ኣብ ባይቶ ዋዕላ ዝተወሰን እስከ ንረአ። ኣብ ዋዕላ ኣብ ናይ 9 ነሓሰ 2010 ዘውጽኦ ኣውጅ ውሳኔታት ዋዕላ ዘይተነጸረ ጉዳያት ኣለዎ። ሓደ ዘይኮነ ከኣ ኣብ ዓንቐጽ 2.3.4.5. እዩ። ነዚ ዓንቐጻት ከም መወከሲ ወሲድኩም፡ ውሳኔ ማዕረ ክንደይ ክንጸር ከም ዝግባእ ክትግንዘቡ ትኽእሉ። ዝዀነ ውሳኔ እንተዘይተነጺሩ ከኣ ኩሉ ግዜ ካብ ክትዕ ዘዕርፈካ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ዓንቐጽ ዝሰፍር ውሳኔ፡ እሞ ከኣ ውሳኔ ናይ ብዙሓት ሓጺርን ንጹርን’ዩ ክኸውን ዝግብኦ ክነሱ ብዙሕ ትርጉም ሒዙ ዝወጸ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ዋዕላ ተዓዊቱ ዝብል ንኩሉ ንምሕጓስ ተባሂሉ ዝተገብረ ይመስል። ኣብ’ዚ ዝስዕብ ኣሰራርዓ ውሳኔ ንርአ……. መስመር ናተይ።

  1. ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወለንታዊ ድሌትን ርድየትን ዝተመስረተ፡ ንብዙሕነት ባህላውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ክውንነት ህዝብና ዘኽብርን መሰል ኩሉ ኣካዋውና ሕብረተ-ሰብና ዝሕሉን ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ዋዕላ ንምክብባርን ንምድልዳልን ብዙሕነት ሕ-ሰብና ክሰርሕ ወሲኑ።

               ቁ. 2

                ሀ- ወለንታዊ ድሌት ርድየትን ዝተመስረተ

                ለ- ሃይማኖታውን ብሄራውን ክውንነት

                ሐ- ኣካውና ሕብረተ ሰብና ዝሕሉን ብድሕሪ ምርግጋጽ …….

  1. ኣብ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተረጋገጸ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ምትራር፡፡ ኣብዚ እዋን  እዚ  ኣብ ኤርትራ ብሄራዊ ወጽዓ ምህላዉ ብምርግጋጽ፡ ሕቶ ብሄራት ደሞክራስያዊ መሰል ምዃኑ ዋዕላ ኣረጋጊጹ፡ ስለዝኾነ ኸኣ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት አብ ትሕቲ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ፡፡ ከምኡ‘ውን እቲ መሰል አብ መጻኢት ኤርትራ ብደረጃ ቅዋም ክርአ ከምዘለዎ ዋዕላ ወሲኑ።

 

        ቁጽሪ 3

                    ሀ- ሓድነት ምትራር

                    ለ- ሕቶ ብሄራት ደሞክራሲያዊ መሰል ምዃኑ ዋዕላ ኣረጋጊጹ

                    ሐ- መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት

                    መ- ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ምርግጋጽ። ይብል

4. ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብ1991 አብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ንኩሎም ሃይማኖታትን እምነታትን ህዝብና ብዝተፋላለየ ደረጃታት ወጽዓታት ምብጽሑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ አብ ኤርትራ መሰልን ነጻነትን ኩሎም ሃይማኖታትን እምነታትን ክኽበር ዋዕላ ወሲኑ።

       ቁ 4

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንኩሎም ሃይማኖታትን እምነታት ዝተፈላያየ ደርጃ ወጽዓታት ኣብጺሑ ክብል ኣሚኑ፡ ስለ’ዚ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ደረጃታቱ ድሮ ፈልዩ፡ መን ዝያዳ ከም ዝተወጽዔ ከኣ ኣይገለጸን።

5. ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ ማዕረ ኮይነን ሃገራውያን ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያን ምዃነን ዋዕላ ኣረጋጊጹ።

           ቁ 5

      ሀ- ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ ማዕረ እየን

      ለ- ዕላውያን ቋንቋታት ኤርትራ ዓረብን ትግርኛን እየን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና፡ ኣብ ታሪኽ ደምበ ተቃውሞ ውዕላት ክፍረሙ፡ ውዕላት ክስረዙ ሪእና’ና። እንተዀነ ኣብ እዋኑ ብዛዕባ ዉዱእ ነገር ክንዛረብ፡ ኣብ ታሪኽ ከኣ እውጅ ጉዳይ ኣብ ማሕደር ታሪኽ ክንዕቅብ ኣኽኢሉና’ዩ። ሎሚ ከኣ ንክልተ ሸነኹ እንተ እቲ ሓቐኛ ዓወት ሰሪሩ ሓቢርና ክንቅጽል፡ እንተስ ነቲ ሓቐኛ ሚዛን ውሳኔ ክንዕቅብን ኣብ ማሕደር ታሪኽን ክምዝግብ ኣይተኻእለን ኣሎ። እወ ታሪኽ ጽቡቕን ሓቐኛ ጥራሕ ኣይኮነን ዝዕቕብ፡ ግን በዚ ሎሚ ህዝብና ዝርከበሉ ዘለዎ ሃለዋት ባህግናን ድሌትና ኣብ ክውን ዝተመርኮሰ ታሪኽ፡ ሓቐኛ ታሪኽ፡ ዘተኣማምን ታሪኽ፡ መስርሕ ታሪኽ ክንሰርሕ ስለ ዝተደለየ ጥራሕ’ዩ እቲ ሓሳብ ናብኡ ዛዝዩ ክዝረበሉ ዝድለ።

ኮሚሽን ዋዕላ ይፍተውዎ ይጽልእዎ ናይ’ዚ ተቐቢሎሞ ዘለዎ ሓላፍነት ተሓተቲ’ዮም፡ እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ነቲ ብድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ሕቶታት፡ ብቅንዕናን ግሉጽን ክምልሽዎ፡ እንተደኣ ኮይኖም። ተሓታትነቶም ከነጽሩ ይግባእ።

ግዜ ንግዜ ኣይትክኦን’ዩ። ቀዳመይ’ቲ መዓልቲ እንተሓሊፋ ካልኣይቲ መዓልቲ’ያ ትስዕባ። ኣሉታዊ መድረኽ ግን ብሓደ ኣውንታዊ መድረኽ ክትካእ ይኽእል፡ ክእረም ይኽእል፡ ክሕደስ ይኽእል። ነቲ ግጉይ ኣሰራርሓ ብሓደ ቅኑዕን ሕጋውን ኣሰራርሓ ንምቕያሩ ይከኣል፡ ነቲ ኣረጊት ኣሰራርሓ ብሓደ ሓድሽ ኣሰራርሓ፡ ነቲ ዘገምታዊ ኣሰራርሓ ብሓደ ቅልጡፍን ንጥፉን ኣሰራርሕ ክትካእ ይኽእል። ኣብ’ዚ መስርሕ ከኣ ዕግበት ኣብዝሓ ክረጋገጽ ይኽእል።

ሕጊ ማእከል ዝገበረ ኣሰራርሓ፡ ስምምዕ ማእከል ዝገበረ ኣሰራርሓ፡ ህድኣት ዘለዎ ኣሰራርሓ፡ ነቶም ክንበጽሖም እንደሊ ዕላማታት ከነለሊ ዕድልን፡ግዜ፡ ሓሳብ’ውን ስለ ዝረክብ ኣብ መዕረፊኡ፡ ሰላም፡ ሕብረት፡ ስኒት ከም ዝጽበዮ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ከም ዝወጽእ ዘካትዕ የብሉን።

ብኣንጻር ናይ’ዚ ግን ሕጊ ማእከል ገይርና፡ ስምምዕ ማእከል ገይርና ስለ ዘይተበገስና፡ ምስ ኩሉ ናይ ሓድነት ድሌትና፡ ንሓድነት ዘድምዕ፡ ዘይሕይል ኮይኑ ንስለ ዘይቕረበ ኣብ መስርሕ ሓደ ሓያል ውሳኔ፡ ኩሉ ዝዓግበሉ ውሳኔ ሒዙ ክወጽእ ኣይክኣለን። እዚ ኩነታት እንተዘይቀኒዑ ከኣ ተሓታትነት ኮሚሽን ዋዕላ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን’ዩ።

ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ሽማግለ ዋዕላ ብጥርኑፍ ንዓመታታት ዝኣክል ዋዕላ ክንብል ክነብር ኣይኮነና ዝብል ርእይቶ ካብ ባይቶ ምርብራብ ዘይብሉ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝዝረብ ዝነበረ ዘረባ ተሓንጊጡ ምስ ጎየየ፡ ኣብ መድረኽ ዋዕላ በጺሑ ሓንቲ ክግበር ኣይከኣለን። እወ ዓመታት ተጸቢና እንታይ ንግበር ኣይበለን። እቲ ሕቶ ሽዑ እንተዝመጽእ ነቱ ጉዳይ ኣይመኽበዶን።

ሕጂ ህዝብና ብዛዕባ ዋዕላ ነቒሑን ተዳልዩን ስለ ዘሎ፡ እዚ ዝመጽእ ዋዕላ ዝባሃል’ውን እንተዀነ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ዋዕላ ዝዝረብ ዝነበረ ዝሓየለን ዝተረረን፡ ብኡ መሰረት ከኣ ሓያል መሪሕ ስለ ዘድልዮ ነቲ ኮሚሽን ተራ ሕቶ ወይ ሓላፍነት ኣይኮነን።

ካልኣይ ዋዕላ፡ ይትረፍ ኣብ ህዝብና ኣብ ደመበ ተቃውሞ፡ ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት ፍልልይ እንዳሃለወ እንዳፈለጡ፡ ነዚ ኮሚሽን ከም ወኪሉን ወኪል መላእ ተቃውሞ፡ ዋዕላ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ቆጺሩ ዝሃቦ ሓላፍነት ንገዛዕ ርእሱ ናይ ባዕሉ ዝኸፍሎ ዋጋ ኣለዎ። እቲ ዝኸፍሎ ዋጋ፡ ኣብ’ቲ ኣቲ ውሳኔ ከስርሕ ከም ዘይክእል ኣብ ዝፈለጠሉን፡ ኮሚሽን ዋዕላ ንመላእ ደመበ ተቃውሞን ዘይውክል ምዃኑ ክርዳእ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ’ዩ። ኮሚሽን ዋዕላ ህዝቢ ንምእካብ፡ ሓላፍነት ዝተዋህቦ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ’ቲ ውሳኔ ክፉት ናይ ሓሳባት ቦታ፡ ነቲ ውሳኔ ከፍርስ ዝኽእል ወይ ክቕይር ዝኽእል ቦታ ስለ ዘይብሉ እዚ’ውን ተመሊሱ ውሳኔታቱ ክግምግም ዝገብሮ’ውን እዩ። እዚ ስለ ዘሎ ከኣ’ዩ ነቶም ክንበጽሖም ንደሊ ዕላማታት መደያይቦ ንፍጠረሎም ዝተባህለ፡ ብልሓት ሓድነትና ምስ ሕጊን ስምምዓትን ንእሰሮም ዝተባህለ፡ ምስ ሕጊን ስምምዓትን ዘይተኣሰረ ናይ ቃል መብጽዓ ግን ነዊሕ ከሰጉም ዝኽእል’ውን ኣይኮነን።

ሳልሳይ ጉዳይ ኪዳን ኣሎ። ኪዳን ኣብ ቅድሚ ኮሚሽን ዋዕላ እንታይ’ዩ። ኮሚሽን ኣብ ዋዕላ ከም ዝተመርጸ ሕጋዊ ተሓታትነቱ ንዋዕላ’ዩ። ግን ከኣ ነዚ ኩሉ ፍጻሜታት ዘብጽሔ ሓደ ክፋል ኪዳን ኣሎ። እዚ ጉዳይ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ግዜ ብኸመይ ክሰርሕ’ዩ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ካብ ስርሓት ኮሚሽን ዋዕላ ክኸውን’ዩ። እዚ ነገር ኣብ ዋዕላ ዝተዘርበሉ ጉዳይ’ውን ኣይነበረን። ሕጂ ኸ ከመይ ክቅጽል’ዩ ሓደ ካብ’ቲ ኣገዳሲ ክፋል ስርሓት ኮሚሽን ክኸው’ን’ዩ።

ራብዓይ ብጉዳይ ኪዳን እንተተላዒሉ፡ ኣብ ኪዳን ንዋዕላ ብዝድግፉ ጥራሕ ዝቆመ ኣይኮነን፡ ኣብ ኪዳን በቲ ዋዕላ ዘሕለፎም ውሳኔ ዘይቕየዱ፡ ዘይንዓቕ ሓይሊ ኣሎ። እዚ ብወገኑ ነቲ ኮሚሽን ኣብ ውሽጢ ኪዳን ሕጓ ድዩ ክፈጥርስ ወይ ነቲ ጉዳይ ከም ዘለዎ እዩ ክፍጽም። ዝርአ ናይ ኣሰራርሓ፡ ኣሳልጦ መንገዲ ሓድነት ክሰልጥን ክዕወት የኽእል ዶ ዝብል ሓደ እቲ ኮሚሽን ዋዕላ ክምልሶ ዘለዎ ኮይኑ ቅድሚ ዝዀነ ስጉምቲ ኣስተብህሎ ክግበረሉ ዘለዎ’ዩ።

ሓምሻይ ኮሚሽን ዋዕላ ስርርዓቱ፡ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ክሰርዕ ግድነት’ዩ። እቲ ውሳኔታት ዋዕላ ነዚ ጉዳይ ንምፍጻም ዘዋሳውስ ብዝወሓደን ዝሓጸረን ንድፊ ቅዋም፡ ፖለቲካዊ ኣንፈት ዘለዎ መምርሒ’ውን የብሉን። ስለ’ዚ ሕጂ’ውን ኣብ ገገለ ሓይሊ ጉባኤ ዋዕላ፡ ሓላፍነት ዋዕላ ሒዝካ ኣብ ውሳኔ ምብጻሕ ክህሉ ምዃኑ ዋዕላ ዘቐመጦ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ስርሓትን ሓላፍነት ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ነቲ በዚ ዋዕላ ዘይቕየድ ሓይልታት ኣብ ናይ ሓባር ስርሓት ንምጽማድ፡ ሰባት ንምኽሳብ፡ ሓደ ሓባራዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ዘይሓባራዊ ውሳኔ ክተኣታቶ’ዩ። ኣብ’ዚ ከኣ ኮሚሽን ዋዕላ ንመወከሲ ንድሕሪ ክምለስን፡ ኣብ ብኩራት ባይቶ ዋዕላ ወይ ናቱ ውሳኔ፡ ወይ ናይ ተደጋገፍቱ ኣባላት ኪዳን ውሳኔ ክወስድ ቀሊል ዘይኮነ ሓላፍነት’ዩ። ኮሚሽን ዋዕላ ካብ ሓደገኛ ዝዀነ ፈላልዩ ሜላ ክጥንቐቕ ኣገዳስነት ዘለዎ’ዩ።

መደምደምታ

ሓደ ካብ ፈለማ ዘይቐንዐ፡ ወይ ገምጋም ተግይሩ ንግጉይ ኣካይዳ ክእርም ዘይከኣለ ኣብ’ቲ ዝቕጽል መስርሕ’ውን ጌጋታት እንዳእኻኸበ’ምበር እንዳኣጉደለ ከም ዘይኸይድ ርዱእ’ዩ። ሎሚ’ውን ኣብ ቅድሚ ሰፊሕ ደሞክራሲያዊ ዋዕላ ክብጻሕ እንተዀይኑ፡ በዚ ሕጂ ዋዕላ በጺሕዎ ዘሎ ውሳኔ ኣይኮነን። እቲ ኤርትራዊ ርክብ ከም ኣውንታዊ፡ ኣቲ ዝተዘርበ፡ ንምቅርራብ ዝሓለነ ተስፋ ዝነበሮ ኢልና ሓሊፍና፡ ነቲ ውሳኔታት ሰሪዝና፡ ኣብ’ቲ ዋዕላ ዘልዓሎም ጉዳያት ንጹር ውሳኔታት ከንሕልፍ ድልውነት ምስ ዝህልዎ ጥራሕ’ዩ። ሎሚ ብዝተፈላልዩ መዳያት፡ ኣብ ዋዕላ ፍልልያት ከም ዝነበሩ ዘመዝገበ ሓሳብን ኣበሃህላን  ብዝተፈላልዩ ሸነኻት ሓቂ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ኣሎ። ምእንቲ’ዚ በዚ ጉዳይ ምጽሓፍ ኣብ ዋዕላ ብዘይምንባርካ ብሓሶት ክኸስስ ዝኽእል እቲ፡ ነፍሱ ከተዓሻሹ ዝደሊ፡ ክእረም ዘይደሊ፡ ነቐፈታ ክቅበል ዘይደልን ኣሉ በሃሊን ጥራሕ’ዩ።

 ነዚ ከኣ ብዓይንና ኣንቢብና፡ ብእዝንና ዝሰማዕናዮን፡ ቅድሚ’ዚ ቢሂላት ከኣ መበገሲ ሚዛንን መወከስን ስለ ዘሎና ዘገርም ኣይኮነን። ግን ከኣ ነዚ ጉዳይ ንምዕራዩ ድሌትን ቅሩብነትን ኣሎ። ሕጂ’ውን ካብ ምስ ጌጋታቱ፡ ተኣሪሙ ክቅጽል ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ካብ ስሩ ምሒና፡ ኣብ ክንድኡ ከኣ ሰላምን ቅሳነት ዝነገሳ፡ ሓድነት ህዝባን መሬታ ዝዓቐበት፡ ራህዋን ሰላምን ዝሰፈና ሃገር ንምትካል ዝብል ሓሳብ ኩሉ ግዜ ዘሎ’ዩ። ኣብ መሰረቱ ግን ተሓታትንት ኮሚሽን ዋዕላ ካበይ ናበይ ክንጸርን ባዕሉ ከነጽርን፡ ኣብ ዘይምልከቶ ኢዱ ከይተኣታቱን ሓላፍነቱ መንገዱን ክፈልጥ ቀንዲ’ዩ። ንግዜኡ ብዛዕባ ውሳኔታት ዋዕላን፡ ተሓታትን ኮሚሽን ዋዕላ፡ ሓላፍነት ሲቪካዊ ማሕበራት ዝነበረኒ ሓሳብ ኣብ’ዚ እድምድም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1440

Posted by on Aug 26 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net