ምድስካል ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብኣቶ ወ/ኢየሱስ ዓማርን ጭፍርኡን ዝበደሀ ኣኼባ መሰረታት ሰ-ደ-ህ-ኤ ጨ/ንፈር ዓባይ-ብርጣንያ፣፣

ኣብ ዕለት 29 ነሓሰ 2010 ዓ.ም፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝጸንሐ መደብ፣ ኣኼባ መሰረታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ- ብርጣንያ፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ግዚኡ ከም ዝተሳላሰለ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ተሓቢሩ ከም ዘሎ ኣኼባ ብኣቦ-መምበር እቲ ጨንፈር ኣቶ መንሱር ዑመር እካ እንተተኸፍተ፣ ንዝቐጸለ ኣጀንዳታት እቲ ኣኼባ ዘርዚሩ ክመርሖ ዝጀመረን ግን፣ እቲ ኣፈኛ ወልደኢየሱስ ዓማር ኮይኑ ዝቐረበ ኣባል መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ዝኾነ ኣቶ ኣስፋው በርሀ ኢዩ፣፣ እቲ ዝገርም ነገር ካብ ኣመራርሓ ጨንፈር (ኣካየድቲ ኣካል ጨንፈር) እናሃለዉ ንምንታይ ንስኻ ነዚ ኣኼባ ክትመርሖ ደሊኻ ተባሂሉ ብኣባላት ጨንፈር ተሓቲቱ’ውን <ቅድሚ ኹሉ ኣነ ኣባል መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ኢየ፣፣ ድሓር ክኣ ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ እጀንዳ ዝያዳ ኣፍልጦ ስለዘለኒ ኢየ፣፣> ክብል ነቲ ተዳልዩሉን ተመኻኺሩሉን  ዝመጸ መደብ ንምግላጽ ተዳለወ፣፣

ስለዚ እቲ ኣኼባ ብኣፈኛ ወልደኢየሱስ ዓማር ዝኾነ ኣቶ ኣስፋው በርሀ ተመሪሑ ጀመረ፣፣ እቲ ብቐደም ተኸተል ዝቐረበ ኣጀንዳ ክኣ፣ 1ይ <ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ንሓድነትና ዝፈታተኑ ወስታታትን ዝተወሰዱሎም ውሳነታትን፣፣ ድሕሪ ምባሉ 2ይ ድማ ብፈጻሚ ኣካል ሰልፍና ተገምጊሙን ተወሲኑን ዝተኣወጀ ጻዕርታትና ንሓቀኛ ዋዕላን> ዝብሉን ካልእን ኢሉ ብምጅማር፣ ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኢሉ ዝጠቐሶ፣ እቲ ካብ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ናብ ኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ሓላፊ ስርርዓዊ ቤት ጽሕፈት ተላኢኹ ኣብኡ ተጎሊሉን ተነፍዩን <ተፈብሪኩ>ይብል ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተረኸበ፣ እዚኦም’ውን ፋብሪከይት ጌሮም ብምድላው ካብኦምስ ያእዪ! ንመሰረታት ሰልፊ ንምድንጋር ብመንገዲ እዚ እሙን ተላኣኣኺኦም ዝኾነ ኣቶ ኣሰፋው በርሀ ከምዛ ኣብታ ኣኼባ ዝወዓለ ብነድርን ጽልእን ነቲ ግዳይ ምድስካል ዝኾነ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ስርርዓዊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ንምጽላም ኣብ ክንዲ እቲ ዘጋጠመ ሓቂ ብዝርዝር ክገልጾ ዝፍትን፣ ከምቲ ህግደፋውያን ንጉጅለ 15ን ንደሞክራሲያዊ ሕቶታቶም ዘይምስሉ ንምቕባኦምን ንምውንጃሎምን ዝተጠቐምሉ ስልቲ፣ ቃላት እንዳቆናጨሉ፣ <እዚኦም እኮ ኣብቲ ጽንኩር እዋን <ተ ጠ ላ ቒ ና!> ዝበሉ ኢዮም፣፣> ወዘተ…..ዝበልዎም፣፣ እዚኦም ክኣ <ንመሪሕነት ሰልፊ <ጉጅላውያን> ኢሉ፣ ሃየ! ኣነ <EPM> ኢየ ወዘተ…. ኢሉ፣፣> እናበሉ ብምቑንጫል፣ ነቲ ንሰልፍና ዘሳቕዮ ዘሎ ብኩራት ግሉጽነትን ጉጅላውነትን ምስናይ ጭብጥታቱ ዘቕረቦ ዓበይቲ ክስታት ብምጉሳይ፣ በዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ቃላት ጌሩ ከጸልም ፈቲኑ፣፣ እንተኾነ መሰረታት ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ ኣይሓመቑን እቲ ሓቂ ሳላ ኣቐዲሞም ካብቲ ግዳይ ምድስካል ዝኾነ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ከቕርቦ ዝጸንሐ ጽሑፋቱ ኣፍልጦ ስለዝጸንሖም፣ ንመዳራይ ኣፈኛ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር <እዋእ! መጀመርታ ንስኻ ኣብቲ ኣኼባ ኔርካ ዲኻ? ወይስ ከምኡ በል ኢኻ ተባሂልካ? ተባሂሉ ምስተሓተተ ንኣኼበኛ ብዘገረመ መልክዕ ብጸርጸርን ነድርን ክምልስ ፈቲኑ ይብል እቲ ሓበሬታ፣፣

ካልእ ብዙሕ በዳህቲ ሕቶታት እካ እንተቐረቦ፣ ካብተን በል ዝተባህለን ክወጽእ ኣይክኣለን፣፣ ይኹን’ምበር ካብቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ንገለ ብብድዐ ክምልስ ከሎ ፣ ንገለ ሕቶታት ግን እቶም ላኣኽቱ ዘይተቐበልዎን ንሱ’ውን ኣብቲ በል ዝተባህሎ ኣቐዲሙ <ኣብ ሰልፊ ንዘየሎ ጉጅላውነት ከምዘሎ ብምቕራቡ> ኢሉ ምኽንያት መደስከሊ ክዝርዝር ከምዘይጸንሐ፣ ብመሰረታት ኣብ ሰልፊ ጉጅላዊ ኣሰራርሓ ከምዘሎ ምስ ጭብጥታቱ ምስ ኣቕረብሉ ግን ካብቲ ሓቂ ክሃድም ኣይክኣለን፣፣ ብኡ መሰረት ክኣ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ካብ ብዙሕ ሕቶታት ክልተ ክምልስ ከሎ፣-  

1. <ኣብ ኣቦ-መምበር ወልደኢየሱስ ዓማርን ገለ ፈጸምቲ ኣካላትን ዘይግሉጽ ኣሰራርሓን ጉጅላውነትን ኣሎ ተባሂሉ ብኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ዝቐረበ ክሲ ፈረድቱ መንዮም? ምኽንያቱ እዞም ሰባት እዚኦም ክሱሳት ክንሶም ፈራዶ ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም፣፣ ድሓር ክኣ ኣብ ምጽንባራዊ ኮንፈረንስና ዝቖመት ኮሚቴ ኦዲትን ምቁጽጻርን እተባህለት ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከጋጥሙ ከለዉ እትኣሊ፣ ሸምጋሊትን ፈራዲትን ኣካል እንከላ፣ ዕማማን ስልጣናን መንዚዕካ ብስም ማጆሪቲ ኣቦ-መምበርን ተኸተልቱን ኣብ ልዕሊ መዘንኦም ዝኾነ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ናይ ምስጋጉን ምድስካልን ስጉምቲ ክወስዱ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ተባሂሉ ዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ፣-

* < ኣቦ-መምበር ዝልዓለ ወኪል ሰልፊ ስለ ዝኾነ ኩሉ ኣድላዪ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ሓላፍነትን ስልጣንን ሂብናዮ ኢና፣፣ እዚ ክኣ ቅኑዕ ኣስራርሓ ኢዩ፣፣> ክብል ብብድዐ መሊሱ፣፣ ብኡ መጠን ክኣ ኣኼበኛታት ብኣመላልስኡ ተቖጢዖም በብኣፎም ጫቑጫቕ ኣብ ልዕሊ ምባሎም ገለ ካብኦም’ውን <እዚ ህግደፋዊ ኣሰራርሓ ኢዩ፣፣> ክብሉ ገሊጾሞ፣፣

2. እታ ካልኣይቲ ሕቶ ንኣቶ ኣስፋው በርሀ ዝቐረበትሉ፣ <ኣብ ሰልፍና ጉጅላዊ ኣስራርሓ ኣሎ ተባሂሉ ብኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ዝቐረበ ክስን ንዓና’ውን ዝርኣየናን ንኣብነት፣- ብኣቦ-መምበር ሰልፊ ዝልኣኹ ልኡኻት ሰልፊ፣ ብዘይካ ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ነበር ከምኒ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊን ኣማኑኤል ሃብተን እንተዘይኮይኑ ካልኦት ክልእኽ ኣይርአን፣ ስለዚ ኣብዚ መሰጋገሪ መድረኽ እዚ ከምኡ ምግባር ጉጅላውነት’ዶ ኣየብልን?> ኢሎም ምስወጠርዎ < ኣብዚኣስ ሓቅኹም ኣነ’ወን ተሰክፈኒ ስለዝነበረት ምስ ጎይትኦም መብራህቱ’ውን ተዛራሪብናላ ክብል ከምዝተኣመነ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ሓደ መስደመም ነገር’ውን ተሰሚዑ’ዩ፣፣ ንሱ እንታ’ዩ፣ ብሓደ ኣባል ሰልፊ ብዛዕባ እዚ ሰልፊ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቐንዕ፣ ኣንጻር ኪዳንን ዋዕላን ጥራሕ ግዚኡ ከምዘሕለፈን ሕጂ’ውን ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከምዘሎን ድሕሪ ምብራህ፣ ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነተ-ህላወ ክኣ ናይ ኣመራርሓ ዘይብቑዕነት ስለዝኾነ፣ ንድሕነት እዚ ሰልፊ ኣቦ-መምበር ወልደኢየሱስ ዓማር ካብ ሓላፍነቱ ሪዛይን ክገብር ኣለዎ ክብል ንጹር ሪኢትኡ እንተኣቕረበ፣ ሓደ ካድር ወልደኢየሱስ ዓማር ዝኾነ ኣቶ ሃይለ ወልዱ ዳንግሽ ዝተባህለ፣ ክሳብ ኩሉ ኣኼበኛ ዝኽዕቦ፣ <ከመይ ጌርካ ከምኡ ትብል? ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር እኮ ናይ ልዕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ብጻየይ ኢዩ፣፣> ክብል ጨዲሩ፣፣ እንተኾነ፣ ሓደ ርጡብ ኣባል < እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ? ቃልስና እኮ ንድሕነት ሃገር እምበር ንስልጣን ውልቀ-ሰባት ኣይኮነን፣፣ ሕጂ ክኣ ወልደኢየሱስ ይኹን ካልእ ንድሕነት ሰልፊ ክንብል ኣድላይነት እንተልዩዎ ይወርድ እወ!፣፣> ክብል ገሲጽዎ፣፣

ብድሕሪ’ዚ ኣብዛ ቀዳመይቲ ኣጀንዳ ጥራይ ክካትዑ እቲ ጊዜ ናብ ምውድኡ ገጹ ስለዝኸደ፣ ከም መዛዘሚ ዝተራዳድእሉ፣ ጉዳይ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብቕልጡፍ ናብታ ኮሚቴ ኦዲትን ምቁጽጻርን ተመሊሱ ክርአን ክምርመርን ብኡ መጠን ክኣ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ተገይርሉ መልሲ ንዝመጽእ ኣኼባ ጨንፈር  ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም  ክመጽኣና ኣለዎ ዝብል ምሕጽንታን ውሳነን ከምዘማሓላለፉ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

ወሃብ ሓበሬታ

ኢሳያስ ኣስፍሃ

31 ነሓሰ 2010 ሎንዶን፣፣

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1456

Posted by on Sep 1 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net