መርትዖ ዋዕላ 330

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

31 ነሓሰ 2010

ኣብ’ዚ ርእይቶ ዋዕላ ብዛዕባ 330 ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ነቐፈታ ዝርእዮ ዘሎኒ’ውን፡ ኣብ’ቲ መደምደምታ ክጥቀጥሶ’የ።

ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ ብዕለት 9 ነሓሰ 2010 ካብ ዝድምደም እንሆ ሳልሳይ ቕነኡ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ርትዓዊ ዝዀነ ዋዕላ ንክያድ ብብዙሓት ግዱሳት ደቂ ሃገር፡ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ኣብ መራኺቢ ብዙሓት ፈነወ ሬድዮ፡ ኣብ ፓልቶክ፡ ካልእ ኩሉ ዘመናዊ መራኸቢ ግዜ ዘለዎ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ርእይቶን ሓሳቡን ክገልጽ ጸኒሒ እዩ።

ኣብ’ዚ መዳይ ብፍላይ እቲ ኣብ ዋዕላ ዘይተጸንበረ ኣካላት ህዝብና ከልዕሎ ዝጸንሐ ክዉንን ኣገዳስን ሕቶታት እዩ። ንሕቶታቱ ከኣ ብተደጋጋሚ፡ ካብ ዝተፈላልዩ ወገናት፡ ኣብ ሕግን ስምምዓትን፡ ምርድዳእን ተሳትፎን መሰረት ዝገበረ ተሓታትነቱ ዘነጸረ ዋዕላ ዝጠለበን ዝሓተትን ገና ዝሓትት ዘሎ’ዩ።

ብሓቂ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ምዑታት ደቂ ሃገር ዝህብዎ ርእይቶታትን ሓሳብን፡ ኣብ መድረኽ ወጺኦም እዋሓስ አግብእ ክብሉ እንከለዉ፡ ኤርትራ ተስፋ ዘይብላ ከም ዘይትጥፍእ ካብ ዘረጋግጾ ሓደ ናይ ድሕነት መንገዲ፡ ናይ ሰላም መንገዲ፡ ናይ ሓድነት መንገዲ እዩ።

ካብ’ዚ ቀጺለ ተሳተፍቲ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘቕርብዎ መርትዖ፡ እቶም ሰልፍታትን ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ዘቕርብዎ መርትዖ ብክልተ ሸነኽ ከቐምጦ ክፍትን’የ።

እዞም ክልተ ሸነኻት ኣብ ቅድሚ ምልካዊ ስርዓት ንጥፍኣቶም ዝተበየነሎምን ዝተፈርዱን ደቂ ሃገር፡ ጸገማቶም ንፍታሕ ዝኸድዎ መንገድን ዘቕርብዎ ሓሳብ ህንጻ ዲሞክራሲያ፡ ተሳትፎ ህዝብን፡ ሕግን ስርዓትን፡ ውዕላትን ስምምዓትን ብዙሕ ፍልልይ ከም ዘለዎ ዘረድእ ዝገልጽን’ዩ።

ኣብ ሓደ ክልተ ናይ ተቃውሞ ደምበ፡ ንፍትሕን ንደሞክራስን ዝቃለስ ህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ንዕኡ ዝጥርንፎን፡ ዝእክቦን፡ ግደኡን ተራኡን ዝሰርዕ፡ መሰሉን ክብሩን ዘረጋግጸሉ ሓሳባትን መርሓ፡ ንድፊ፡ ቅዋም፡ ስምምዕ፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ውሳኔታት ክፈላለ ካብ’ቲ ክቃዶ ዘይክእል ክልተ ዝጋራጮ ተርኽቦ’ዩ።

መርትዖታት ተሳተፍቲ ዋዕላ

1 ኣብ ዋዕላ 330 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ’ዩ

2 ኣብ ዋዕላ ዝተፈላልዩ ጾታታት፡ ሃይማኖታት፡ ብሄራት ዝተሳተፍዎ

3 ዝተፈላልየ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ዕልማናዊ፡ ሃማኖታዊ፡ ብሄራዊ

  ውድባት ሲቪካዊ ማሕበራት ውልቀ ሰባት ዝተሳተፍዎ

4 ኩሉ ጸጋማት ዝተዘርበሉ

5 ምስ ኩሉ ሕብረ ብሄራትን፡ ብሄራትን ሃይማኖታት ዝተራኸበሉ

6 ብሓባርዊ ውሳኔ ዝወጻሉ ወ.ዘ.ተ

መርትዖታት ኣብ ዋዕላ ዘይተሳተፉ

1 ሕጋውነት ዋዕላ

2 ሓላፍነት ዋዕላ

3 ስምምዓት፡ ውዕላት፡ ንድፊ ንዋዕላ

4 ጎስጓስ ዋዕላ፡ ሓበሬታ ዋዕላ ንህዝቢ

5 ኣገባብ ተሳትፎን ከመይነት ኣተገባብራ ዋዕላ

6 ቀጻልነት ዋዕላ

7 ፍታሕ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣብ ደመብ ተቃውሞ ቅድሚ ዋዕላ

8 ነጻ መራኸቢ መድያን መራኸቢ ብዙሓት ቅድሚን ድሕሪ ዋዕላን

9 ተሳትፎ ነጻ ሲቪካዊ ማሕበራት

10 ምቁጽጻር ውሳኔታት ዋዕላ ብኸመይ ይጸድቕ ወ.ዘ.ተ ካብ’ቲ ኣብ ዋዕላ ዝበዀረ

   ሓሳባት’ዩ።

መደምደምታ

ተሳተፍቲ ዋዕላ 330 ከም ዓቢ ቁጽሪ ወሲዶም ዝሕበንሉ’ዩ። እዚ 330 ዝኣክል ህዝቢ ንዓይ ብክልተ መንገዲ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይብሉ ክገብሮ ዝኽእል ምኽንያታት ኣሎ።

ቀዳማይ እቲ ህዝብና ዝሓለፎ ናይ ቃልሲ ተምክሮታትና፡ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎና፡ ኣብ ጉባኤታትና ልዕሊ ብኣሽሓት ህዝቢ ዘጋብኤ ምዃኑ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን። ህዝብና ካብ ሕምብርቲ ምምሕዳር ጸላኢ ፈንጢሱ፡ መራሕን ኣድራሻን ዘይብሉ በረኻታት ኤርትራ ከም መርፍእ ካብ ጭራ ፈረስ ደሊዩ ዝረክብ፡ ቦታ ጉባኤታቱ ደሊዩ ረኺቡ ምስ ደቁ ኣሕዋቱ ዝዘተየ፡ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ 1971፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ 1975፡ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ1977፡ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ 1987፡ እንተጠቒስና ብዛዕባ ተሳትፎ ህዝብና ዘይምፍላጥ ጥራሕ እየ ክብሎ ዝኽእል። እቲ ዘገድ ብዝሒ ቁጽሪ እንተዀይኑ ቀንዲ ዕልማ ሕጂ’ውን ዋዕላ ኣይተዓወተን’የ ክብል ዝኽእል። ምኽንያቱ ካብ’ቲ ክእክቦ ዝክእል ዝነበረ ቁጽሪ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ። ካብ’ቲ ኣብ ዋዕላ ክውከል ዝግብኦ ዜጋ ኣዝዩ ውሑድ ብዃኑ።

ካልኣይ እቲ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዘይርከብ፡ ሓደ ርብዒ ህዝቢ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ኳ ኣይምስተሳተፍን’የ ዝብል። ኣንዳዕዲዔ ደጊመን ደጋጊመን ክብሎ ዝደሊ ከኣ ንሱ’ዩ። መነግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዋዕላ ደገፍ ወይ ሓገዝ እንተዘየግብረሉ ዋዕላ በዚ ሕጂ ዝምክሓሎ ዘሎ ቁጽሪ ኣይምተጋብኤን። ኣብ’ዚ ከነጽሮ ዝደለኹ፡ ደገፍ መሓዛ ውጹዕ ህዝቢ ዝዀነ፡ ደገፍ መንግስቲ ፈ.ዲ.መ.ኢ ንምንእኣስ ዘይኮነ፡ ነቲ ተበግሶ ወዲ ሃገር እዚ ሓገዝ እንተዘይነብርስ እዚ ኩሉ ጃህራ ብ330 ዶ ምስ ተሰምዔ ካብ ዝብል ሓሳብ’ዩ። መንስግቲ ኢትዮጵያ ከም ተቐባል ጋሻ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ነቲ ዋዕላ፡ ጉባኤ፡ ኣኼባታት፡ መዓልታዊ ንጥፈታት ነፍሲወከፍ ተቃውሚ ሓይሊ ዝግበረሉ ቦታዊ ደገፍ፡ ጸጥታዊ፡ መዕረፍን ደገፍ እኹል ባይታ ነይሩ’ዩ በሃላይ’የ። እቲ ኩርዓትን ሓበንን ከኣ ብድሕሪኡ’ዩ ክመጽእ ዝኽእል። ዘይክሓድ ደገፍ ዘድልዮ እንተሃለወ ከኣ እቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምኡ ኬንያን ኡጋንዳን ዝርከቦ ካብ ቦታ ስደተኛታት ክመጹ ንዝደልዩ ብሓቂ ሓቂ ሓገዝ ዝደልዩ እዩ።

ኣብ መንጎ እቲ ዋዕላ ዝተሳተፈን፡ ዘይተሳተፈን ኣብ ዋዕላ ዘሎ ፍልልያት ራእይ ሰማይን ምድርን’ዩ። ገገስ ያኢ ዋዕላ ንኸሞጉሱ ኣፍ ንኣፍ ተራኺቦም፡ በቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኻየደ ክትዕ ዕጉባት ከም ዘይነበሩን፡ ዋዕላ መጽናዕቲ ከም ዘየነበሮን፡ ኣብ ቦታ ዋዕላ ከኣ ገምጋም ከም ዘይተገብረን፡ ኣብ ውሳኔታቱ ከኣ ሓዋዊሱ ዘጽደቐ ክብሉ ቃሎም ዝሃቡን ኣብ ህዝቢ ዝተጋለጹ፡ ገገለ ተሳተፍቲ ዋዕላ ከኣ ምስ ህዝቢ ክራኸቡ ቆጸራ ገይሮም ከብቅዑ፡ ቆጸራ ዝጠለሙን፡ ድምጺ መሰልና ደሊና ዝምስክሮ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት 29 ነሓሰ 2010 ፈነወ ዝቀረበ ጸብጻብ ዝምስክሮ’ዩ።

ካብ’ቶም ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፉ፡ እቶም ዘይተሳተፉ ንዋዕላ ከጸብቁን፡ ከማዕርጉን፡ ብኩሉ መዳያቱ ከሕይልዎ፡ ኣብ መወዳእታ ሓድነት ህዝብን መሬትን ዓቒቡ፡ ንሰላምን ራሕዋን፡ ሕግን ፍትሕን ከረጋግጽ ዝኽእል ዕላማታት ወሲኑ ከጽድቕ ብዘለዎ ኣንፈት ሒዞም ክምጉቱ ክትሰምዕን ክትርእይን እንከሎኻ፡ ብዛዕባ ዋዕላ ናይ 330 ዝዛረቡን፡ ምስ ህዝብና ተራኺብና መጺእና ዝብሉ ጥራሕ እኻ ትሰምዕ፡ እሞ እንታይ ምስ ህዝብካሽ ተራኺብካ፡ ንርትዕን ፍትሕን ዶ ተዛረብካ፡ ንሓድነትካ ዶ ተዛረብካ፡ ምፍልልያ ወጊድካ ዶ ? ካብ ጌጋኻ ተኣረምካ ዶ ? ክምልሶ ይግባእ።

ብዛዕባ ምስ ህዝብና ደኣ ሎሚ ብነፋሪት ከይድካ ዘይኮነስ፡ ቀደም መሬት ሓዊ እንዳተፍአ፡ መጺኦምና፡ ከይድናዮም፡ ጻባኦም ሰቲና፡ ሻሽ ዝመስል ማእሲ ኣጎዛ፡ ተሊሽ ተጺፍና፡ ኣሕዲሮምና፡ ከዊሎምና፡ ተወጊእና ጸይሮምና፡ ተሰዊእና ገኒዞም ቀቢሮምና፡ ሽዑ ኢና ምስ ህዝብና ዝተራኸብና። ህዝብና ሽዑ ኢና ንፈልጦ። ኣብ’ታ መራር ሰዓት’ኳ ንሓድነቱ ዘየተማትኤ ህዝቢ ሎሚ ነጻነቱ ብደቁ ዘውሓሰ ህዝቢ ንምልካዊ ስርዓት ካብ መንበረ ስልጣኑ ግሒጡ ደርቢዩ፡ ደሞክራሲ ስርዓት ክተክል ካብ ማንም ግዜ ቅሩብ ምዃኑ ጥራሕ’የ ዝፈልጥ። ህዝብና በቲ ንፈልጦ ንፈልጦ’ምበር። ሎሚ ብዘይንፈልጦ ቋንቋታት ብሃይማኖት ዶ ብሄራት ንፈልጦ ኣይኮነን። ህዝብና ሓድሕዱ ተኻባቢሩ ዝነበረን ዘሎን እዩ። ነቲ ዝነበረ ክብረትን ሓድነትን ከኣ መሊሱ ክዓቢ ክተርርን ክሕይልን ምጽዓር’ምበር ኣብ ፍርቂ መንገዲ ከም’ዚ ዋዕላ ተወዳዲሱ ዝወጸ ኣይኮነን።

መተሓሳሰቢ

እዚ ንዋዕላ ብሕጋዊ ሓላፍነት፡ ስምምዓትን ዘኽበረ፡ ንድፊ ኣቀዲሙ፡ ብመጽናዕቲ ኣብ ቦታ ዋዕላ ይብጻሕ ዝበለ ወገናት ህዝብና፡ ሓቂ ሚዛን ናብኡ ዝዘንበል’ዩ። ሎሚ ይኹን ጽባሕ። ደጊም ዝተጋገየ ይተኣረም። ንሕና መኻይዲ ካብ ኰንስ መንገድና ነጽፍፍ። መንገድና ኣተሓሳስብና ንስራዕ’ዩ ዝበሃል ዘሎ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1464

Posted by on Sep 1 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

2 Comments for “መርትዖ ዋዕላ 330”

  1. mEHRETAB

    ዝኾነ ዋዕላ ንስካትኩም እንተዘተሳተፍኩሞ
    ፍሹል ምዃኑ’ድዩ?
    እብየት ሕልሚ መዓስ Iካ ትበራበር’።።።

  2. WEALA HEGAWI EYU EPDP SELE ZIENBERKUM KEWET KILU. EPDP ENTETSATEFU WEALA MEFESHELE NEYRU. EPDP MES HEGDEF KTHABRU ALUKUM. ANTONIA LOKMAS ESBE NAY HEGDEF EKA. WALEA NEVER KNEEL DOWN. EPDP GRAVE IS SOON.

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net