ሕቶ መትከል ርእሰ ውሳኔን ኣተረጓጉማኡን ኣብ ኤርትራ

                    ብፍስሓ ናይር

መትከል ርእሰ- ውሳነ ከም መካተዒ ኣርእስቲ ኮይኑ ብብዙሓት ፈሊጣውያን ፖሊቲካውያን መራሕቲ ውድባት ከከም ኣነባብኦምን ኣረዳዶኦምን፣ ብዝተፈላለ ክገልጽዎን ክትርጉምዎን ጸኒሖምን ኣለዉን፣ ነቲ ብገለ ውድባት ተሳተፍቲ ናይ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ውሳነታት ዝወጽኤ፣ ተገራጫዊ መግለጽታት ከምኡ ድማ ገለ ዘረግቲ መርበባት ከም መስከረም ነት ከምኡ ድማ ኣዱሊስ ክወጽእ ዝጸንሔ ድሕሪ ምኽትታል ኣብ ሳይንሳዊ ስነ -ጽሕፋት ብዓለም- ለኸ ሕግታት ተመርኲሰ ነዚ ዝሰዕብ ሓተታ ከቅርብ ክፍትን ኢየ።

መጀመርያ እታ መካትዒት ውሳነ ናይቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝወጸት ዓንቀጽ 3 ከምዚ ትብል፣

 3. አብ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተረጋገጸ ሓድነት ሕዝብን ሃገርን ምትራር፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብሔራዊ ወጽዓ ምህላዉ ብምርግጋጽ፣ ሕቶ ብሔራት ደሞክራስያዊ መሰል ምዃኑ ዋዕላ ኣረጋጊጹ፣ ሰለዝኾነ ኸኣ መሰል ርእሰ ውሳነ ብሔራት[1] ኣብ ትሕቲ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ። ከምኡ እውን እቲ መሰል ኣብ መጻኢት ብደረጃ ቅዋም ሃገር ክርኤ ከምዘለዎ ወሲኑ።

እዚ ውሳነ እዚ ከም ጸሓይ ብሩህ ኢዩ፣ እዚ ውሳነዚ ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዘካታዓና ኣርእስቲ ፣ ሃገራዊ ሓድነትን፣ እቲ ንሃገራዊ ሓድነትና ጠንቅታትን ወጽዓታትን ድሕሪ ምትንታንን፣ ዝተበጽሔ ውሳነ ድኣ እምበር ባዕላ ሰክረታርያ ዋዕላ ዝወሰነቶ ከምዘይኮነ ፕሮቶኮል ዋዕላ ይመስክር።

ኣብዚ ክገልጾ ዝደሊ ብዛዕባ መሰል ርእስ ውሳነ ብመነጽር ኣህጉራዊ ሕግታትን፣ ፖሊቲካዊ ኣረዳድኣን ኢዩ፣

መሰል ርእሰ ውሳነ ብመነጽር ኣህጉራዊ ሕግታት ማለት ፣

  1. ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መስላትን
  2. ኣህጉራዊ ወዕል ብዛዕባ ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰላት
  3. ኣህጉራዊ ወዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሊቲካውን መሰላት

 

ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ  ዓንቀጽ 15 ከምዚ ይብል፣

  1. ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜግነቱ ንኪሕዝ መሰል ኣለዎ
  2. ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዜግነቱ ብምልኪ ኪህረም ወይ ዜግነቱ ካብ ምቅያር ኪኽልከል ኣይግባእን

 

አብ ክልቲኡ ኣህጉራዊ ወዕላት ኣብ ዓንቀጽ 1 ከምዚ ይብል፣

  1. ኩሎም ሕዝብታት  ንርእሰ ውሳነ መሰል ኣለዎም። በዚ መሰልዚ ፖሊቲካዊ ቦቶኦም ብሓርነት ይውስኑ ከምኡ እውን ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለኦም ብሓርነት ይከታተሉ
  2. ኩሎም ህዝብታት  ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓን  ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ንዝብገስ ዝኮነ ይኹን ግዴታታት ብዘይምድካም፣ ምእንቲ ረብሓታቶም ንባህርያዊ ሃብቶምን ትሕዝቶኦምን ብሓርነት ክሰሩዑ ይኽእሉ። ኣብ ዝኾነ ይኹን፣ ሓደ ሕዝቢ ካብ ዝኽተሎ ኣገባብ ኣማሓዳድራ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኪኽልከል ኣይግባእን።
  3. ኣብዚ ወዕልዚ ዝተሳተፋ ሃገራት፣ እተን ብገዛእ ርእሶም ንዘይመሓደሩ ፣ ከምኡ እውን ብሕቡራት ሃገራት ብሕድሪ ንዝተዋህቡ መረታት ኣብ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለወን ውን ብምጥቅላል፣ ንትግባረ መሰል ርእሰ -ውሳነ ከስፍና፣ ከምኡ ድማ ብመሰረት ጥቅስታት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ነዚ መሰልዚ ከኽብራ ይግባእ።

 

መሰል ርእስ ውሳነ መትከላዊ ትርጉሙ ብኣድማሳዊ ኣዋጅ  ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት* 1946 ከምኡ ድማ ብኣህጉራዊ ውዕላት ክምዚ ካብ ኮነ ብፖሊቲካዊ ኣገላልጻ እንታይን ከመይን ይገልጽዎ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡን ሎሚ ኸ ከመይ ይግለጽ ክድህስስ ክፍትን ኢየ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኡን ብፈሊጣውያን ፖሊቲካውያን ኤርትራውያን ዝዋሃብ ዘሎ ጊጉይ ኣተረጓጉማ

 

ኣብ መወዳእታ መግዛእቲ እተን ናጽነተን ዝተጓናጸፈ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን፣ መሰል ርእሰ ብደረጃ ሃገር ኢዩ ክግለጽ ዝጸንሔ፣ ጽኒሑ ኣብቲ ግዜ ናይ ዝሑል ኩናት ኣብ መንጎ ደሳውያንን ርእስማላውያንን ክካየድ ኣብ ዝጸንሔ ግዜ፣ መሰል ርእሰ ውሳነ በቶም ደሳውያን ክሳብ ምንጻል ዝብል ግንክ ዘይሰርሔ ፣ ከም ንኣብነት ኣብ ሶቭየት ከምኡ፣ቺና ሃገራት ኢዩ፣ ኣብተን ርእሰማላውያን ግን መሰል ርእሰ ውሳነ ብመትከል ኣህጉራዊ ሕግታት ክትርጐም ስለ ዝጸንሔን ዘሎን ሎሚ ንኣብነት ኣብ ኩለን ሃገራት ምዕራባውያን ኣብ ቅዋማቶም ኣስፊሮም መሰል ርእሰ ውሳነ ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ሃገር ፈላልዮም ስለ ዝርእይዎ፣ ነቲ መሰላት ናይቲ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ሃገር ዝቅመጥ ህዝብታት ብመስረት ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መስላትን ብኣህጉራዊ ውዕላትን ተመርኲሶም ንውሽጣዊ ሓድነት ሕዝቦምን ሃገሮምን ኣዕቊቦም ብሰላምን ብልጽግናን ይነብሩ ኣለዉ።

ዝሑል ኩናት ምስ ወድቀት ደስነት ምስ ተረኽበ እተን ብሓይሊ ብፈደርሽን ቈይመን ዝጸንሓ ሶቭየት ከምኡ ድማ ተረኽቦ ዩጉስላቭያ ካልኦትን እኹል መረዳእታ ኢዮም። መሰል ርእሰ ውሳነ ምስቲ ውሽጣዊ ግርጭታት ሃገር ትርጉሙ ቀዪሩ ኢዩ፣ ምኽንያቱ እተን ድሕሪ መግዛእቲ ዝቆማ ሃገራት ኣፍሪቃ ይኹና ኣስያ እቲ ዝተኽተልኦ ምሕደራ ዕብለላን ወጽኣን ዝመልኦ ሰላምን ቅሳነትን ዘይብሉ ኣብ ናይ ሓድሕድ ኩናትን ብርስትን ስለዘምረሔ፣ ብዙሓት ካብኣተን ነዚ ግርጭታትዚ ንምፍታሕን ሰላን ቅሳነት ኣብታ ሃገር ንምምጻእ፣ ነቲ ጠንቅታትን ጊጉይ ምሕደራ ብምቅያር ኣብ ሃገረን ንዝርከብ ሕዝብታት ብዘይ ኣፈላላይ፣ ማዕርነታውን ፍትሓውን ቅዋማትን ምሕደራን ከኣታትዋ ጀመራ፣ ንኣብነት ኣብ ኤስያ ሃገረ ኢራቅ፣ ኢንዶነስያ ወዘተ ኣብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ፣ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ወዝተ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ዘሎ ወጽዓ ናይ ባዕዳውያን ዘይኮነስ ውሽጣዊ ወጽዓ በቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውሑዳት መራሕቲ ናይ ሓደ ክፋል ሕዝብና ኢዮም፣ እቲ ኣብ ዋዕላ ዝተወሰነ መሰል ብሔራት ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሉዑላውነት ዝብል ብሕጋውን ስብኣውን ኣበሃህላኡ ቅኑዕን ደሞክራስያውን ኢዩ። ንሱ ድማ ነተን ድሮ ተወዲበን ብሔራዊ ምንቅስቃሳት ማለት ሕዝቢ ኩናማ፣ ዓፋር፣ ሳሆ፣ ጥራሕ ዘይኮነ ንኩላተን ዘጠቃለለ ኢዩ። ብዙሓት ገርሔኛታት ካብ ብሔረ ትግሪኛን ትግሬን፣ ንርእሶም ካብ ብሔር ንላዕሊ ሰለዝርእዩ፣ ሕቶ ብሔር ምስ ተላዕለ ስለዘፍርሖም፣ ነቲ ብሔራት ብቋንቋታት ትግሪኛን ሃይማኖትን ጥራሕ ኢዮም ዝርእይዎ፣ ግንከ ንዘንብብ ኣስተውዓሊ ግን እዚ ሕዝብታትዚ ብታሪኻዊ ኣመጻጽኡ ናይ ብሓንሳብ ብሰላም ምንባር ያታዊ ሕግታት ሰለዘለዎም እቶም ሎሚ ናይ ግዜና መራሕቲ ውደባት ኮርሳት ናይ ምሕደራን ኣፍልጦ ሕዝብናን ክወስዱ ኣለዎም።

ጸሓፊ ናይዚ ሓተታ ኣብታ ዝነብራ ሃገር ብዛዕዚ ኣርእስቲ ምስ ምሁራትን ፈላጣትን ብምትሕብባር ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ንምድላው ክፍትን ኢዩ ኣብዚ ዋዕላ ወይ ኮንፈረንስ እቶም መራሕቲ ውድባትና ዕዱማት ክኾኑ ኢዮም መታን ኣብ መጻኢ ንውሽጣዊ ግርጭታትና ንምፍታሕ ክሕግዘና።

ሎሚ እቲ ሓደገኛ ክሳብ ሕጂ መፍትሔ ዘይተረኽቦ ውሽጣዊ ግርጭታትና ኢዩ፣ ብሓይሊ ንሓደ ብሔር ንኣይ ምሰል ምባል ኢስብኣውን ተጻራሪ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ኣድማሳዊ ኣዋጃትን ኣህጉራዊ ወዕላትን ሰለዝኾነ፣ እቲ ብፖሊቲካውያን ዝዋሃብ መድናገሪ መግለጽታት ሕዝብና ብኣፍልጦን፣ ክገጥሞም ኣለዎ። ብሽም ደሞክራስያውያን ምዝራብን ምጽሓፍን እኹል ኣይኮነን እንታይ ድኣ ሰብኣዊ ሕልናን ሞራላዊ ኣተሓሳስባን ከድልዩና ኢዮም መታን ብሓንሳብ ኣብታ ንፈትዋ ሃገረ ኤርትራ ክነብር፣ እንተ ዘይኮነ ንኣይ ምሰል እንተዘይኮነ ኤርትራ ግደፋ እንተኾይኑ እቲ ከምዚ ዓይነት ዝንባለ ዘለዎ ንውግእን ንብርሰትን ጥራሕ ኢዩ ዝመርሓና።

3.አብ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተረጋገጸ ሓድነት ሕዝብን ሃገርን ምትራር፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብሔራዊ ወጽዓ ምህላዉ ብምርግጋጽ፣ ሕቶ ብሔራት ደሞክራስያዊ መሰል ምዃኑ ዋዕላ ኣረጋጊጹ፣ ሰለዝኾነ ኸኣ መሰል ርእሰ ውሳነ ብሔራት[2] ኣብ ትሕቲ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ። ከምኡ እውን እቲ መሰል ኣብ መጻኢት ብደረጃ ቅዋም ሃገር ክርኤ ከምዘለዎ ወሲኑ።

መሰል ርእሰ ውሳነ ብሔራት ኣብ ትሕቲ ሉኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ ማለት መሰል ሕዝብታት ኤርትራ እምበር ሉኡላውነት ናይ ነፍሰ ወከፍ ብሔር ማለት ከምዘይኮነ ብሩህ ኢዩ፣ መሰል ብምልኪ ክረጋገጽ ከምዘይኸል ብኹሉ መለክዕታት ርኢናዮ፣ እዘን ሎሚ ኣዋጃት ዘውጻኣ ዘለዋ ውድባት ኣብቲ ግዜ ክታዓት ምሳና ብሓሳብ ኣይነበራን ማለት ኢዩ ወይ ድማ እቲ መሰል ብሔር እንታይ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ቀደም ናይ ጅብሃ ኣተሓሳስባ ኣለዋ ማለት ኢዩ መዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን ወይ ድማ እቲ ድሕሩ ብፕረሲደን ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ድሕሪ ሕጂ ብሽም ውድባት ሓሸውየ የለን ይመስል ኣረዳድኦም። እተን ብፍላይ ናይ ሃይማኖት መሰላት ዝጣበቃ እንተ ንመሰል ሕዝብታተን ዘይጣበቃ ኮይነን ድኣ መሰል ሃይማኖት ብዘይ መሰል ሰብ ክሕሎይ ኽእልዶ፧ ቅድሚ ሃይማኖት መሰል ሰብ ኢዩ ዝመጽእ፣ መራሕቲ ሃይማኖታዊ ውድባት ተመሊስኩም ፖሊቲካዊ መደባትኩም ክትርእዩ እዚ ደራሲ ይላቦ፣ ውላ ኣብቲ ግዜ እስልምና ነቢይ መሓመድ እውን ኣብቲ ንህዝቢ ዝቅርቦ ዝነበረ ኣስተምህሮታት፣ ነቲ ብእግዚሔር ዝተራእዮን ከም ራእይ ናይ እግዜሔር ናይ ሰብ ምስዝኸውን ግን ብሓንሳብ ንወስኖ ይብል ነሩ፣ እዚ ማለት ናይ ሕዝቢ ጉዳይ ንሕዝቢ ናይ ኤግዚሄር ድማ ንእግዜሔር ንረቢ ይብሎም ነበረ። ኣብ እንታይ ተመርኲስኩም ድኣ መራሕቲ ሃይማኖታዊ ወድባት ኣንጻር መሰል ሕዝብታት ትኾኑ።

እዛ ሓጻር ሓተታ ዚኣ ንዝያዳ ክትዓት ትዕድም፣ ከምኡ ድማ ነቶም ተመራመርቲ መንግስትን ሕዝብን እቲ ዝተፈላላየ ሰብኣዊ መሰላት ብደረጃ ሃገርን ኣህጉራዊ ሕግታትን ከመይን እንታይን ይመሰል ዝያዳ ንኣፍልጦናን፣ ብቅዓትናን ክብ ንምባል ዝዕድም እምበር ንምንእኣሰን፣ ንምዕናቅን ዓቅምታትን ግደን ናይ መራሕቲ ውድባትና ኣይኮነን።


[1] ብሔር ማለት ብቋንቋ ግዕዝ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ጀኦ ግርፍያዊ ቦታ ዝቅመጥ ማለት ኢዩ

[2] ብሔር ማለት ብቋንቋ ግዕዝ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ጀኦ ግርፍያዊ ቦታ ዝቅመጥ ማለት ኢዩ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1478

Posted by on Sep 6 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net