ኣቦ-መምበር ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ገደደ።

 

ኢሳያስ ኣስፍሃ

05-09-2010

 

ብዕለት 02 መስከረም 2010 ዓ.ም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ‘ሓርነት ኦርግ’  ‘ኣገዳሲ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ሓበሬታ ንኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ (ኣባል መ. ፈ/ሽ ሰ-ደ-ህ-ኤ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ‘ብክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን’ ዝተዳለወ ኣምሲልካ ዝቐረበ ጽሑፍ ነቢበዮ። ኣብ ኣቀራርብኡ ትሕትና ዘለዎ ዝመስል እኳ እንተኾነ፣ ኪኖ ‘ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር’ ዝብል ምስላ ኣበዋት ዝሓልፍ ግን ኣይኮነን። እቲ ጽሑፍ ብሙኡዛት ቃላት እተነድቀን ኣብ ውሽጢ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝብል ኣምር ናይ መደናገርቲ ተጎልቢብካ ንብዓት ሓርገጽ ክትነብዕ ምፍታን፣ ካብ ንሙስሉይ ባህርያትካ ክትሓብእ ምድላይ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን።

ኣቱም ሰባት! ዘገርም እኮ ኢዩ’ቲ ንዕቐቱ፣ ኣብቲ ሓውሲ ኣስተምህሮ ዝመስል ጨለ ጽሑፉ፣ ሕፍር ከይበለ “እንተድኣ ዘጽደቖ ቅዋም ዘይተረድኦ ኣባል ሃልዩ ደጊሙ ቅዋም ከንብብን ክበርሃሉ እውን ክሓተና ይኽእል” ክብል ንመላእ ኣባላት ሰልፊ ዘባጨዎ ከይኣክል፣ ካብዝን ካብትን እቲ ብሓባር ነዲፍና ብሓባር ዘጽደቕናዮ ቅዋም ሰልፊ ቀናጢቡ፣ ንኣቦ-መምበር  ድላዩ ናይ ምግባር ሙሉእ ስልጣን ከምዘለዎ ጌሩ ብቐደም ተኸተል ውሽጣዊ ቅዋም ሰልፊ ከም ዝጠቕሶ’ እናበለ፣ ካብ ጌጋ ንክሃድም ዝፈጥሮ ዘሎ ካልእ ተወሳኺ ጌጋ’ዩ ዝበዝሕ።

ድሓር ክኣ እቲ ዘገርም ምስሉይነቱ “ጉዳይካ ብሕጋዊ ኣገባብን ስርዒታዊ መንገድን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ተታሒዙ ናብ ክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ቀሪቡ ፍታሕ ክናደየሉ ድኣ እግባእ እምበር ኣብ ግዳም ኣውጺእካ ርኣዩለይን ስምዑለይን ዝፈትሖ ኣይኮነን” ክብል’ውን ክወራዘ ፈቲኑ’ሎ።

ኣብዚ እቲ ሓቂ ንመላእ ኣባላት ሰልፍን ብሓፈሻ ደለይቲ ፍትሕን መታን ንጹር መረዳእታ ክህልወኩም፣ ኣብ ውሽጢ ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ሳዕሪሩ ዘሎ ጉጅላውነትን ነቲ ሰልፊ ሓሊኹ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ኣቦ-መምበር ብኩራት ግሉጽ ኣሰራርሓን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪበዮ ዝነበርኩ፣ እቲ ክሲ እንተላይ ንዕኡ ንኣቦ-መምበር’ውን ዝምልከት እኳ እንተኾነ በቲ ግቡእ መስመሩ ክሓልፍ ስለዘለዎ፣ ብዲሞክራሲያዊ ማእከልነት ሰንሰለት ተጠቒመ ናብ ኣቦ-መምበር ወልደኢየሱስ ዓማር፣ ብመንገዱ ክኣ ናብ ፈጸምቲ ኣካላት እየ ዝልኣኽክዎ።  እንተኾነ ግን ንፈጸምቲ ኣካላት ከየማሓላለፈ ኣብ በይኑ ጥራሕ ሓቢኡ በዛ ሲዒባ እትራኣየኩም ዘላ ንእሽቶ ሓረግ ጌሩ ኢዩ ዝመለሰለይ።

Dear IA,

It is sad that you are addressing this message in this manner. I am sure there is no misleading information in my short update.

WA

“ት ጋ ገ ዩ ኣ ለ ኹ ም” !!!

መልሲ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንጉጅለ 15 እንካ ኣዘኻኸረኒ።

ብድሕሪ’ዚ ዓቕሊ ጌረ ድሕሪ ምጽባይ ናብቲ ኣብ ዕለት 02 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ዝጅምር 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ መታን ክቐርብ ብድርኡ ኣብ ዕለት 31 ሓምለ 2010 ዓ.ም ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ፈጸምቲ ኣካላት ሰልፊ ከም ዝበጽሖም ጌረ። ከምቲ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝነበረ ኽኣ፣ ኣብ ዕለት ክልተ ክዝረበሉ ኣምስዩ፣ ኣብዚ ምሸት እዚ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ነቲ ኣነ ንዲሞክራሲያዊ ማእኸልነቱ ኣኽቢረ ብመንገድኻ ናብ ኣባላት ፈጸምቲ ኣካላት ክበጽሓለይ ሰንሰለት ኢየ ተጠቒመ እንተበልክዎ “I am not a post man” (“ኣነ ቡስጠኛ ኣይኮንኩን”፣) ክብል ዝመለሸሉ ምሸት ኢዩ። ኣብዚ ንእግረ መንገደይ ከብርሆ ዝደሊ ነገር እንተሎ፣ ኣቦ-መምበር ሰልፊ እትረፍ  ጥርዓን ናይ ሓደ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ዝኣክል፣ ጥርዓን መሰረታት እውን እንተኾነ ነናብ ዝምልከቶ ኣካል ክመርሕ ዝግብኦ መስለኒ። ከምኡ ምስ ዝገብር ድማ’ዩ ሓድነት ሰልፊ ዘውሕስ። ስለዚ ሽዑ ‘ውን እንተኾነ እዚ ሕጂ ኣብ ዘየተደለየ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ኩነት ናብታ ኮሚቴ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ተመሪሑ ነይሩ እንተዝኸውን ድሮ መዕለቢ ተገይርሉ ምሃለወ። ካብኡ ሓሊፉ ንስኻ ክትቅየደሉ ዘይደለኻ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ሕጂ ግዳይ ክትደልየሉ ምፍታን ግን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ቅቡል ኣይከውንን።

ኣብ ዕለት 03 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ድማ እታ 10 ዝኣባላታ ኣብ ፍራንክፈርት ተራኺባን ተማኺራን ዝወዓለት ጉጅለ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር “እማመ ኣለና፣ ንሱ ክኣ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ኣብ ውሽጢ ሰለፊ ንዘየሎ ጉጅላዊ ኣሰራርሓ ከምዘሎ ጌሩ ብምቕራቡ ከምኡ ድማ ንኣቦ-መምበር ዘይግሉጽ ኣስራርሓ ኢዩ ዝኽተል ኢሉ ብምድፋሩ፣ ንውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ዝፈታተን ወስታታት ኢዩ። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክኣ ነቐፌትኡ የልዕል፡ እንተዘየሎ ስጉምቲ ክንወስደሉ ኢና”። ክትብል ብልሳን ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ከተፈራርሕ ጀመረት።

ኣብዚ ካብ መንጎ እቶም ፈጸምቲ ኣካላት ትጋገዩ ኣለኹም ዝብሉ እንዳሃለዉ፣ ብፍላይ ብጸይቲ ምሕረት ገብረኢየሱስ “እዚ ጉዳይ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣይንምጠጦ፣ ሽማግለ ጌርና ንፍታሓዮ”፣ እናበለት ብሽም ማጆሪቲ ኣይከውንን’ዩ፣ ክወጽእ ኣለዎ፣ ኢሎም ከም ከልቢ ሰጊጎሙኒ ከብቅዑ፣ ሕጂ ‘ድሕሪ ማይ ናብ ባዓቲ’ ኮሚቴ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ዝብሃል ዘሎ: ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ልዕሊ ሕጊ ትኸውን፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መራኸቢ ብዙሓን ክኣ ቆርበት በጊዕ ተኸዲንካ ከተዘንግዕ ዝከኣል ኣይኮነን። ምስ እዚ ኣተኣሳሲረ ከብርሆ ዝደሊ ሓደ ነገር ኣሎ፣ ሓደሓደ ንጹሃት ኣባላት ሰልፊ ይኹኑ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋት ኤርትራውያን እቲ ሓድሕድ ቆዮቓ ካብ ምጽላእ ዝኣክል ‘ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’ ኢልካ ዘይትገድፎ ዝብሉ ኣይተሳእኑን፣ እንተኾነ ግን ቅድሚ ሕጂ ንእስነትና ዘብለናሉ ናይ ናጽነት ቃልሲ ብኸምኡ ስለዝሓለፍናዮ ጥራይ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ጸዋግ ኩነታት ኣውዲቑና ከምዘሎ እናኣዘኻኸርኩ: ሕጂ ኽኣ ኣነ ብሂወተይ ክሳብ ዘለኹ ዳግማይ ተዛማዲ ኩነት ፍጹም ክርኢ ከምዘይኮንኩን እታ መጎጎ ክኣ ትስበር እምበር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣናጹ ክሓልፉ ከምዘይኮኑ በዚ ኣጋጣሚ ከዘክሮም እደሊ።

ካልእ እቲ ብስም ኮሚቴ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ተዳልዩ ኢሉ ኣቕሪብዎ ዘሎ ድራማዊ ጽሑፍ ግን ‘ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ሎቖታ’ ድሕሪ ምባል፣ ብክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ዝተዳለወ ዘይኮነ፣ በታ ‘ፍልይቲ ቤት ፍርዲ’ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማርን ጉጅልኡን ዝተዳለወ ምዃኑ ብንጹር ክፍለጥ ኣለዎ ምኽንያቱ ንኣቦ-መምበር እዚ ዝተጠቕሰ ክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ሓጎስ ተወኪሰዮ ምንም ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይብሉን፣ ምናልባት ብጾቱ እንተኾይኖም ዝጸሓፍዎ’ውን ቅዳሕ ከምዘይሰደዱሉን፡ ከም ሰቡ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርኔት ይርእዮ ከምዘሎን ብምግራም ኢዩ ዝዛረብ ስለዚ ሕጂ’ውን ‘ውሓጥዮ እንተ በልክዋስ ትጉስሞ’ ኮይኑ ነገራቱ፣ እነሀልኩም ኣቦ-መምበር ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ገደደ፣ ‘ክላእ! ኣበይ ዘሎ ሓጋግን ፈራድን ኣካል ኢዩ’ዚ? ኣነ ባዕለይ ከለኹ። ይብለና’ሎ።

ስለዚ ንምሕጻሩ ዝኣክል፣ ኣቶ ውልደኢየሱስ ዓማር ‘ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ኢዩ’ሞ’፣ ከምቲ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ጽሑፈይ “እንቛዕ እኳ እቲ ሓቂ ብጽሑፍን ድምጽን ተሰኒዱ’ሎ በልካ” ኢለ ብጽሑፍ፣ ንዓ ሃየ! ንጫበጥ! ዝበልኩኻ። ምናልባት ነቲ ዝተጻሕፈ እንተዘየንበብካዮ ኮንካ ኣብዚ ጥብቆ ጠውቕ፣ http://www.gereger.com/news.asp?xnewsid=4153 ሕጅ’ውን ደጊመ! ትብዓት እንተሃልዩካ፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ቅዋም ሰልፍን ክርክር ኣኼባ ፈጻሚ ኣካልን ከከም ዝጥዕመካ ጌርካ ሰሰሊዕኻ ጠማዚዝካ እተቕርቦ፣ ሃየ! ከምዘለዎ ብግሉጽ ናብቲ ክፈርድ ዝኽእል መሰረታት ሰልፍና ብፍላይ፣ ብሓፈሻ ኽኣ ናብቲ “ንሓርነትካ ኢየ ዝቃለስ ዘለኹ” እትብሎ ህዝቢ ኣቕርቦ’ሞ ብናጻ ርእይትኡ ይፍረደና። ምኽንያቱ ወናኒ ናይቲ ቃልሲ ህዝቢ ስለዝኾነ። ካብኡ ሓሊፉ ሕጂ’ውን ኣይፋለይ! ኣነስ ስልጣን ሓጋግን ፈራድን ኣካል መንዚዐ ክቕጽል ኢየ ትብል እንተኾንካ ግን ደቂስካ ኣይትሕደር ክሳብ መጠረሽታ ብድሆ! እብለካ።

እምቢ ንምልኪ!

ሓይልና ንምሸቱ’ዩ!

ኢሳያስ ኣስፍሃ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1481

Posted by on Sep 7 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net