ውሳኔታት ዋዕላ ኣብ ትሕቲ ከመይ ኩነታት ጸዲቝ ፡

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

15 መከረም 2010

ብዕለት 11 መስከረም 2010 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንጉዳይ ዋዕላ መብርሂ ክህብን ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብ ሓደ ወሳንን ኣገዳስን ጠማርን ጉዳይ ምስክርነት ቀሪብሉ ኣሎ።

ቀዳማይ ምስክር

ቀጺሉ ኣብ’ቲ ብኤርትራ ዲሞክራሲ ፎር ኣል ዲስካሽን ግሩፕ 2010( Eritrean Democracy for all discusion group)  ዝተኻየደ መደብ መገለጺ ሓው ከራር ሂያቡ ነቲ ጉዳይ ካብ’ቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ምስክርነት ቀሪቡ’ዩ።

ካልኣይ ምስክር

ብ9 ነሓሰ 2010 ብስም ሃገራዊ ዋዕላ ዝሓለፈ ውሳኔታት ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ፡ ብህዝቢ ኣይጸደቐን፡ ብህዝቢ ኣይተወሰነን፡ ነቲ ጉዳይ ብዋንነት ዝሓዞ ሰክረታሪያት ዋዕላ ጥራሕ’ዩ ነይሩ። ሰክረታሪያት ዋዕላ ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተዘርበ ሓሳባትን ርእይቶን ኣኪቡ ከም ውሳኔ ዘርጊሕዎ። እዚ ውሳኔ ክእወጅ እንከሎ። ተሳተፍቲ ዋዕላ ድሮ ናብ’ቲ ዝመጽዎ ዓዲ ተመሊሶም ከም ዝነበሩ ይግለጽ። ዘይተመልሱ እንተነበሩ ከኣ ኣብ’ቲ ውሳኔ ኣይተሳተፉን። እዚ ብሓደ ካብ ስቶክሆልም ንዋዕላ ዝተሳተፈ እሞ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ነቲ ውሳኔ ክጸድቅ ከም ዘይነበረ ብግሁድ መስኪሩ ኣሎ።

ሳልሳይ ምስክር

ሳልሳይ ምስክር ከኣ እቲ ኣብ ዋዕላ ዝነበረ ግን ኣብ ውሳኔታት ንምጽዳቕ ዘይተኻትዔን ሎሚ ኣብ ሜድያ ውጺኡ ግልጽነቱ ንህዝቢ ክሕብር ዘይደሊ ብተግባር ግን ኣካል ናይ’ዚ ምስክር ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ።

ሓሳባትን፡ ርእይቶታትን ናብ ውሳኔታትን ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ሓባራዊ መወከሲ ሰንድ ዋዕላ ብስምምዕ ክወጽእ፡ ኣጽፊፉ ሰሪዑ ውሳኔታት ዘየጽድቕ፡ ኣዋጃት ዘየጽድቕ ዋዕላ ፡ ከመይ ገቢሩ እቲ ዋዕላ ብናቱ ውሳኔን ብናቱ ህላውነት ብሓባርዊ ስምምዕ ተደምዲሙ ክብሃልን፡ ብዓወት ዛዚሙ ክበሃልን።

እዚ ጉዳይ ንዓይ ኣብ ተምክሮ ፖለቲካዊ ስርሒታት ኤርትራ ንመጀመሪያ ግዜ’የ ዝሰምዕ ዘለኹ። ካብ’ዚ ቀጺለ ኣሕጺር ኣቢለ ኣገዳስነት ውሳኔ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ወይ ደምዳሚ መግለጺ ጉባኤ፡ ዋዕላ፡ ኮፈረንስን ኣገደስቲ ኣኼባታትን ብኽመይ ይውሰን ይጸድቕ ከብርህ እፈቱ።

ውሳኔ ወይ ደምዳሚ ኣውጅ ማእከላይ ሰነድ ወይ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝተጋብኤ ህዝቢ ዝገልጽ ሰነድ’ዩ። ውሳኔታት ነቲ ህዝቢ ኣብ ጉባኤ ዝተኻተዓሎም ጸኒሑ ኣብ ቅዋሙ ይኹን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ኣስፊሩ ከም መምርሕን፡ ከም መርሆ ጉዕዞ ፖለቲካዊ መንነት እቲ ተጋባኢ ዝገልጽ’ውን’ዩ።

ውሳኔ ወይ ደምዳሚ ኣዋጅ ካብ’ቲ፡ ኣብ ቅዋም ናይ’ቲ ተሳታፊ ጉባኤ ዝሰፍር፡ ብሓባራዊ ርድኢትን ስምምዕን ወይ ብደሞክራሲ ኣገባብ ኣብ ምዕራፉ ምስ ኣብጽሔ፡ ደጊም ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ካብ’ቶም ብሓባራዊ ስምምዕ ይኹን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዘጽደቆም ቅዋማ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘይፍለ ነቲ ዓበይቲ ጉባኤኛታት ዘካየድዎን ዝተኻትዕሉን ጉዳያት ዘነጽር ውሳኔታት ጉባኤ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ተባሂሉ ይግለጽ።

እዚ ውሳኔታትን ደምዳሚ ኣዋጃትን ግን እወ ተዛሪብናሉ’ና፡ ተኻቲዕናሉ ኢና ተባሂሉ ንድሕሪ ዝግደፍ ዘይኮነስ፡ ካብ ሰክረታሪያት ዘለዎም፡ ካብ ገዛ ወይ ካብ’ቲ ህዝቢ ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፈ ዝተወሰኽዎ ሽማግለ ብምምራጽ፡ ነቲ ውሳኔታት ዋዕላን ደምዳሚ ኣዋጃትን ንምርቓቕ ይምረጹ እሞ። ንዝተወሰነ ግዜ ነቲ ዝተዋህቦም ስራሕ ኣሳሊጦም ከም ብሓድሽ ናብ ጉባኤ ተመሊሶም ነቲ ዘርቐቕዎ ውሳኔ ይኹን ኣዋጅ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ የንብብዎ እሞ፡ ህዝቢ ከኣ ነቲ ውሳኔታት ኣዋጃትን ሓደ ብሓደ ቃል ብቃል፡ (፡) ነጥቢ ከየተረፈ ትርጉም ዝቕየር እንተኾነ ነጥቢ ከልግስ፡ ነጥቢ ክውሰኽ ተኻቲዑ ኣብ መደምደምታ ዝበጽሕ ውሳኔ’ዩ ዋዕላ ዝውንኖ ውሳኔ ወይ ኣዋጅ ዝበሃል።

ተሳተፍቲ ዋዕላ ነዚ ጉዳይ ንድሕሪት ገዲፎም ምምጽኦም፡ ነቲ ኩሉ ንዋዕላ ዝደኽምዎ ዘበለ ዘፍርስ’ዩ። ከምስ ነቲ ኩሉ ህዝቢ ተኻቲዑ ብስምምዕ ኣብ መደምደምታ ዘብጽሖ ጉዳይ ደጊሙ ክርእዮን ነቲ ዝተባህለ ብትኽክል ኣብ ቦትኡ ኣሎ የሎን፡ ነቲ ርዲኢታ ዝቕይር ወይ ዘደባግር ቢሂላት ሙሉእ ሓሳብት፡ ቃላት፡ ኣለዉ ዶ ኢሉ ክሳብ ዝተሓተ ነትBኢ ፈቲሹ’ዩ፡ ይርሓሰና ኢሉ ውሳኔኡ ዘውጽእ። እዚ ውሳኔ ከኣ ዋዕላ ይሕተትሉ። ሕጋውነት ዘለዎ ውሳኔ ዋዕላ ከኣ ይበሃል።

ውሳኔታት  ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ፡ ኣብ’ቲ ንሕጋውነቱ ዘረጋግጽ ምስርሕ፡ ብዘይ ህዝባዊ ክትዕን ደገፍ ምጻድቑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽክዎ ኣብ ኣጸሓሕፋን፡ ኣብ ሓደ ዓንቐጽ ደራሪብካ ናይ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ዓንቐጻት ይኹን፡ ናይ ዘይተመዛዘነ ናይ ቃላት ይኹን ካልእ ጌጋ ዘለዎ ውሳኔ ዝሓለፈ’ውን እዩ።

” ኣብ’ቲ ዋዕላ ናይ ሕጊ ምሁራት፡ ናይ ፖለቲካ ምሁራት፡ ጋዜጠኛታት፡ ባላት ሲቪል ማሕበራት ስለ ዝተሳተፉ፡ ነቲ ጉዳይ ብጽፈት ክኸይድ ዝገበሩ እዮም፡ ኣብ’ዚ መዳይ ከኣ ዘይሕጋዊ ዝተፈጸመ የልቦን ይብል” ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ።

ዝገርም’ዩ፡ ህዝቢ ካብ’ቲ ዝመጾ ዓዲ ኣፋንዮም ውሳኔታት ደምዳሚ ኣዋጃትን ብኣባላት ሰክረታሪያት ጥራሕ ተጻሒፉ ረቒቑን ጸፊፉን ንውሳኔ ክበጽሕ ከመይ ኢሉ ሕጋዊ ይኸውን ?  ዝገርም’ዩ። እዚ እዩ እቲ ዋዕላ። እዚ እዩ እቲ ኣገባብ ውሳኔታት።

ኣብ ዝሓለፈ ተሞክሮታተይ ኣብ ዋዕላታትን ጉባኤታትን ዝሳተፍ ንዘቕረብዎም ሓሳብን ርእይቶን፡ ብሓሳብ እንተተደጊፉ፡ ንትግባረ መስርሕ ኣብ ዓንቐጽ ኣብ ዝሰፍረሉን፡ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ኣብ ውሳኔታት በሪሁ ጎሊሑ ስለ ዝረአ ገገለ መን ይፈልጥ ብግጉይ ውሳኔታት ነቲ ዓንቐጽ ክቕይሮን፡ ኣብ ዘይምርድዳእን ዝተፈላለየ ሓሳባት ግጉይ መልእክትን ከየብጽሕ፡ ብዝለዓለ ጠመተን፡ ብዝለዓለ ናይ ክትዕ ተሳታፊ ብምዃኑ ዝተደምደመ ጉባኤን ዋዕላን’የ ዝፈልጥ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ውሳኔታቱ፡ ኣዋጃቱ ተነቢብሉ፡ ውሳኔታት ዋዕላታት ብትኽክል ክሳብ ዝመዓራረን ዝስራዕን፡ ብሓባር ይርሓሰና ክሳብ ዝበሃለሉ፡ ተሳታፊ ጉባኤ ቦታ ጉባኤ ገዲፉ ኣይወጽእን። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ውሳኔ ናይ ኩሉ ተሳታፍ ጉባኤ ይኸውን ኩሉ ይከላኸለሉን።

ተሳታፊ ዋዕላ ውሳኔታቱን ኣዋጃቱን፡ ኣብ ዘይህላውነቱ ረቒቖም እንተጸዲቆም ከም ኢሉ ነቲ ዋሳኔ ናተይ’ዩ ክብሎ ይኽእል። ብፍላይ ከኣ ነዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ በዚ ሕጂ ዝዝረበሉ ደረጃ ዕብየትን ናይ’ቲ 330 ዝኣክል ቁጽሪ ህዝቢ ተጋቢኡ ዝበሃለሉን።

መደምደምታ

ብርእይቶይ ዋዕላ ንደሞክራሲ ለውጢ ብዓይኒ ሕጋዊ ሸነኽ፡ ነቶም ነዚ ዋዕላ ብሕጋዊ ሸነኻቱ፡ ብኣገባቡ፡ ብጥሕሰት ስምምዓት ዘይሕጋዊ ዝበልናዮ፡ ሎሚ ነቶም ተጋባእቲ’ውን ዘይሕጋዊ ውሳኔ ሒዙ ዝወጸ ንዓኣቶም’ውን በዚ መስርሕ ዘይሕጋዊ’ዩ። ዘየነብርዎ ውሳኔ ነይርናዮን ክብሉ’ውን ኣይክእሉን። ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ውሳኔታት ኣብ ገዛ ንኽትዕ ከም ዘይወረደ ባዕሎ መስኪሮም ኣለዉ። ደጊም እቲ ጉዳይ እንታይ ተሪፍዎ ይበሃል። ነቲ ዋዕላ ኣብ መጀመሪኡ’ኳ መትሓዚ እንተተሳእኖስ ኣብ መወዳእታኡ ዶ መትሓዚ ምስ ተሳእኖ፡ ግን እቲ መሰረትን ዕላማን ዘይነብሮ፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ነቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ብእገባቡ ኣካቲዑ መሰሉ ሓሊዮ ክሳብ ውሳኔ ከሰንዮ ኣገበረን። እዚ ብዓይኒ ሕጊ ፈጺሙ ጌጋግ’ዩ።

ውሳኔታት ብድሌት ህዝቢ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1523

Posted by on Sep 16 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net