ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ’ዶ ወይስ ብዝኾነ ሓይሊ ካብ ስልጣን ምእላይ? (ክልቲኡ ኣይምረጽን ግን ክኣ ሃስያኡ ይፈላለ።)

ብጸጋይ ገብረሂወት ሎንደን

እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ብዙሓት ኣሻማዊ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ብፍላይ ድሕሪ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ክኣ ረስኒ ወሲኹ ኣብ ኩሉ ናይ ክትዕ መአንገዲ ቦታታት፣ ፓልቶክ፣ ሰሚናራት፣ ወብሳይታት እንተላይ ፈይስቡክን ትዊተርን ከይተረፈ ከካትዕ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ዋዕላ ንኹሉ ኣንጻርን ደጋፍን ህግደፍ፣ ዋላ ነቶም ኣብ ቲቪ ኤረ ከም ኮላ ተላጊቦም ዝውዕሉን ዝውዕላን ከይተረፈ ካብ ድቃስ ኣበራቢሩ፣ ገሊኡ <ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት” ገሊኡ ድማ <ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት” እቲ ሳልሳይ ክፋል ክኣ ከም ቀደሙ ኣፉ ”ቪቫ ኢሳያስ” ልቡ ድማ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ስግኣት ሓዲርዎ ይርከብ ኣሎ።

ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት

እዞም ነዚ ሓሳባት ዘቕርቡ ዘለዉ ዳርጋ ብምልኦም ደገፍቲ ናይቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢዮም። ዋዕላ ከም እምነት ክህሉ ኣለዎ ካብ ምባል ጥራይ ዘይኮነ፣ ብንጹር እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣወንታዊ ኢዩ በሃልቲ ኢዮም። ስለምንታይ ኣወንታዊ?

1. እቲ ንነዊሕ እዋን ኢሂን ምሂን ክብል ዘይክኣለ ኪዳን፣ ሎሚ ተኣኪቡ እሞ ኽኣ ዘይኣባላቱ (Civil Society) ሓዊሱ፣ ተዛማዲ ዕብየት ዘለዎ ዋዕላ ምግባሩ ዝንኣድ ኢዩ።

2. እታ ሓንቲ ተቓውሞ ክንቀሳቕሰላ ዝኽእል ሃገር ኢትዮጵያ’ኳ እንተኾነት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ልኡም ተራ ኢዮም ክጻወቱ ጸኒሖም። ይኹን’ምበር ኣብዚ እዋን’ዚ ብምሉእ ሕልናን ድሌትን ብምንቅስቓሶም ነቲ ድኹም ዝነበረ ተቓውሞ ናህሪ ክውስኸሉ ይኽእል ኢዩ።

3. ዋዕላ ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ እኳ እንተነበሮ፣ 53 ኣባላት ዘለዎ ኮሚሽን መሪጹ ንስራሕ ምብቅዑ ምስጋና ዝግብኦ ኢዩ።

4. ዘለና ህጹጽ ጉዳይ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንኹሉ ክፋላት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጠርኒፉ ከሳትፍ ዝኽእል ሃገራዊ ጉባኤ ምዕዳሙ ጽቡቕ ኣንፈት ዝህብ ኢዩ።

እዚን ከምዚ ዝኣመሰለ ካልእ ደቐቕቲ ነገራትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ክኣ እዚ ክፋል እዚ<ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት” ኢልዎ።

ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት

እዞም ነዚ ሓሳባት ዘቕርቡ ዘለዉ ዳርጋ ብምልኦም ኣንጻር እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢዮም። ዋዕላ ከም እምነት ክህሉ ከምዘለዎ ክኣ ይሰማምዑ። መዓስን ብኸመይን ብመንን ዝብሉ ሕቶታት ኣምጺኦም ግን ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ብንጹር ይኹንኑ።

ስለምንታይ?

1. እዚ ዋዕላ እዚ ምሉእ ምድላው ኣይተገብረሉን። ብሃታሃታ <ንምግባር ዋዕላ” ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ኢዩ።

2. ኢትዮጵያ ብድሕሪት ኮይና ትዝውሮ ስለዝኾነ <ኢትዮጵያዊ ፍታሕ እምበር ኤርትራዊ ፍታሕ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ናይ ምብታን ጥሙሕ ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ፍታሕ ናይ ኤርትራ ክትርኢ ትደሊ ሃገር ኣይኮነትን።’’ ብሃልቲ ኢዮም።

3. ሽግርና ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እምበር ካልእ ኣይኮነን። ስለዚ ሃይማኖታውን ብሄራውን ኣወዳድባ ምስ ዘለወን ውድባት ዋዕላ ምግባር ነቲ ንሳተን ዘቕርብኦ ጸገማት ምቕባል ስለዝኾነ <ንሽግርና የብእሶ እምበር ኣይፈትሖን ኢዩ።”

እዚን ከምዚ ዝኣመሰለ ካልእ ደቀቕቲ ነገራትን ከም በዓል <ንኹሉ ኣሳታፊ ኣይነበረን” ዝብሉ ኣብ ግምት ኣእትዩ ክኣ፣ እዚ ክፋል እዚ ነቲ ዝተኻየደ ዋዕላ <ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት” ወይ ድማ <ዘይሕጋዊ” ኢልዎ።

ቪቫ ኢሳያስ

እዚ ጉጅለ’ዚ ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን። ቀንዲ መበገሲኡ ክኣ ክቱር ፍቕርን ናፍቖትን ናይ ኢሳያስ ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣንጻር ኢሳያስ ምዝራብ ጥራይ ኢዩ ዝጸልእ። ብዛዕባ ኤርትራ ምንም ዘሕሞ ነገር የብሉን። ስለዚ ንምንታይ ንዋዕላ ከምዘይደገፈ ክወሃብ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ትንተና የለን። ምኽንያቱ እዚ ክፋል’ዚ ኢሳያስን ኤርትራን ፈላሊኻ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ የብሉን። ብድብድቡ እቶም ንዋዕላ ዝኸዱ ንኢሳያስ ከም ዘይፈትዉ ስለዝፈልጥ ቅድምን ድሕርን ዋዕላ መርገጺኡ  ኣይለወጠን። እዚ ጉጅለ’ዚ ምስ ኢሳያስ ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ’ውን  ኣለውዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብዚ ዝተኻደ ዋዕላ ሪኢቶ’ኳ እንተለዎም፣ ጊዜ ስለዘይሓገዞም ግን እዚኦም’ውን ሱቕ ናይ ምባል ምርጫ ጥራሕ ኢዩ ዘለዎም። ስለዚ እዚ ጉጅለ’ዚ ብዛዕባ ዋዕላ ሪኢቶ ዘይምህላዉ ኣይኮነን እቲ ዘሻቕል እንታይ ድኣ ዋላ ድሕሪ ሞት ኢሳያስ ብክቱር ናፍቖት ከይሓመና’ሞ ምእባዱ ከይንስእን። ሓንቲ ኣወንታዊት ነገር ግን እዚ ጉጅለ እዚ ኣንጻር ህግደፍ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተኻየደ ፈሊጡ’ሎ። ከይፈተወ ኽኣ ጸርፊ እንዳ ሓወሰ ብዛዕብኡ ክዛረብ ይውዕል ኣሎ። ስለዚ ከም ልማዱ ኣፉ ቪቫ! ኢሳያስ፣ ልቡ ክኣ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ስግኣት ሓዲርዎ ይርከብ ኣሎ።

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ እዚ ክልተ ሓሳባት ምምጽኡ፣ ነቲ ሳልሳይ ንጎድኒ ገዲፍካ፣ እወንታዊ’ኳ እንተኾነ፣ ብክልቲኡ ወገን (መታን ንዘረባ ክጥዕመና ደገፍቲ ዋዕላን ጸረ ዋዕላን እሞ ንበሎ) ሓደ ኣብ ግምት ዘይኣተወ ነገር ዘሎ ኮይኑ ይስማዓኒ። እዚ ዋዕላ’ዚ ውጺኢት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝተኻየደ ሓጎጽጎጽ ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ነዊሕ እዋን ክፍጠር ዝኽእል ምፍጣጥ (Polarisation) ብጣዕሚ ብዙሕ ኢዩ። ነዚ ምፍጣጥ እዚ ኣጉዲልካ ኣብ ዋዕላ በጺሕካ ክትረዳዳእ ክትክእል ክኣ ዓቢ ልቦና ይሓትት። እንታይ ዓይነት ልቦና? ንድሕሪት ተመሊስካ ኣብቶም ከሰማምዑኻ ዘይክእሉ ደቀቕቲ ነገራት ኣብ ክንዲ ምድሃብ፣ ንቕድሚት ጠሚትካ ክትሰማማዕ ምፍታን። ታሪኽ ክትመሃረሉ እምበር ክትግዛኣሉ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ተሪፈናኻ ዘለዋ ዕድመ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ነዚ ህዝቢ’ዚ ወይ ንእሽቶ ወለዶ< እንታይ ጽቡቕ ነገር ሓዲገሉ ክኸይድ ኣለኒ” ምባል። ሳዕቤን ናይዚ ሕጂ ግብርን ስቕታን ተሰካሚኡ ንስኻ ዘይኮንካ ደቅኻ ምዃኖም ምፍላጥ። ኣብ መወዳእታ ኽኣ ህጹጽነት ናይቲ ጉዳይ ፈሊጥካ ካብ ኣሳፊሕካ ሰባት ምውንጃል፣ ክቀላጠፈሉ ዝኽእል መንገዲታት ምህንዳስ።

ደገፍቲ ዋዕላ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ምኽንያታት ወይ ናይቲ ዋዕላ ብልጫታት ክምጎስ ዝግብኦ እመስለኒ። ምኽንያቱ እቲ ንዓሰርተ ዓመታት መመላእታ ዋላ ሓንቲ ክገብር ዘይረኣናዮ ኪዳን፣ ሎሚ ዋዕላ ጌረ እዝን ከምዚን ዝኣመሰለ ውሳኔታትን ክኣ ኣሕሊፈ ኢሉና። ሰሪሑ’ዶ ኣይሰረሐን? ሰሪሑ። ተዛቲዩ ኽኣ። እንታይ ናይ ርሑቕን ቀረባን ውጺኢትከ ኣምጺኡ? እቲ ናይ ርሑቕ ቀስ ኢልና ንርእዮ። እንተ’ቲ ናይ ቀረባ ግን ድሮ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ኣትዩስ ተቓውሞ ኣብ እንታይ ደረጃ  ከም ዝበጽሐ ንብዙሕ ሰብ ኣመት ክህብ ጀሚሩ ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ እቲ <ክላእ እዞም ተቓወምቲ ክኣ” ዝብል ዝነበረ ሰብ ሎሚ ኣብ ገገዝኡ ጊዜ ሂቡ ከዕልለሉ ኪኢሉ’ሎ። ጽባሕ ንግሆ እንተሰሪሑ ኽኣ <ኣንታ’ዞም ተቓወምቲ እምበር ሓይሎም” ከም ዝብል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከሎ ገና ብዝገበሮን ዘይገበሮን ክዝለፍ ግን ኣይግባእን። እቲ ኣውራ ዝገርም እቲ ኩነኔ ቅድሚ ዋዕላ’ውን ምጅማሩ ኢዩ። እቶም ጸረ ዋዕላ መርገጺ ዝወሰዱ፣ እቶም ንነዊሕ እዋን ምስ ኪዳን ኮይኖም ክቃለሱ ዝጸንሑ’ሞ ብዙሕ ናይ ሓባር ታሪኽ ዘለዎም ኢዮም። እዚ ኪዳን ብሓንሳብ ን10 ዓመታት ክጓዓዝ ጸኒሑ፣ ስለምንታይ እዚ ሕጂ ዝብሃል ዘሎ ሽግር ኣብ ጊዚኡ ክእለ ኣይተኻእለን? እንድሕር ድኣ ክእለ ዘይካኣል ነይሩ’ኸ ስለምንታይ ምስ ኪዳን ንኽንድዚ ዝኣክል ዓመታት ምጽናሕ ኣድለየ? ሕጂ ዋዕላ ንግበር ስለዝተባህለ< ኣይፋሉን ኪዳን ጸገማት ኣለዎ” ምባል ካብቶም ኣብ ኪዳን ዘየለዉ ግን ክኣ ስርዓት ህግደፍ ክእለ ሃንቀው ኢሎም ዝጽበዩ ሰባት እንተዝመጽእ ዘሻቕል ኣይምኾነን። ካብ ውሽጢ ኣባላት ኪዳን ኢና ኢሎም ንነዊሕ እዋን ምስኡ ዝጸንሑ ሰባት ምምጽኡ ግን ”እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ” ከይከውን እሰግእ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ዋዕላ ወይ ድማ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓባር ተቓውሞ ሰለስተ ዓበይቲ <ስግኣታት” ኣሎ ኢሎም ዝኣምኑ ባእታታት ኣለዉ። ናይ ብሄር ሕቶ፣ ናይ ሃይማኖት ሕቶን ምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን። ሓደ ካብቲ ጸረ ዋዕላ ዘቕርብዎ ዘለዉ ምኽንያታት ክኣ ኢዩ። ቅድሚ ናብዚ ናትና ጉዳይ ምእታው ብዛዕባ ውልቀ-መለኽትን ንሳቶም ዝቕይስዎ ኣተሓሕዛ ህዝብን (Social Engineering) እስኪ ክዛረብ።

ውልቀ-መለኽቲ (Tyrants) ልክዕ ከምሽሞም ንኹሉ ኣሎ ዝብሃል ፍጡር ክመልክዎ ኢዮም ዝሕልኑ። እንተኺኢሎም ወላ ንብምልእታ ዓለም ኣብ ትሕቲ ስልጣኖምን ምሕረቶምን ኣውዲቖም ብንሳቶም ዘመሓላልፍዎ ትእዛዝ ጥራሕ ክትመሓደር ኢዮም ዝደልዩ። ነዚ ንምትግባር ክኣ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ሃብቲ ሃገር ገቢቶም ብምሓዝ፣ ብንሳቶም ኣብ ስልጣን እንተድኣ ሃልዮም ዝረብሑ ሰባት ንኹሉ ቁልፊ ቦታታት ይሓዝእዎ። ስለዚ ውልቀ-መላኺ ምእላይ ማለት ንኹሎም እቶም ብኡ ዝረብሑ ሰባት ምእላይ ስለዝኸውን፣ ምእንቲ እቲ ረብሓ ከይጠፍእ ኩሎም’ቶም <ብውልቀ-ምልኪ ንረብሕ ኢና” ዝብሉ ሰባት ዝኸፈሉ ከፊሎም ውልቀ-መላኺ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዋላ ከይተላእኹ ክሰርሑ ይግደዱ። ረብሓ ግን ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ክባጻሕ ይከኣል ዲዩ? ብርግጽ ኣይክኣልን። ስለዚ እንታይ ድኣ ክግበር ኣለዎ? ሓደ ኣብ ጎኒ ውልቀ-መላኺ ዘጸግዕ ምኽንያት ምኹስኳስ የድሊ። መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ጎደና ኣውረይቲ (03) እምባኣር ኣብዛ ሰዓት እዚኣ’ዮም ዝድለዩ።

ሃገራውነት ተሓዲሱ ይቐርብ። < ሃገረይ! ሃገረይ! ዝብል መዛሙራትን ደርፍታትን ኣበየ ሃገራውን ሃይማኖታውን በዓላት ይዝመር። እቲ መቃወሚ ምኽንያት ኣለዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ክፋል ናይቲ ሕብረተ-ሰብ (“Potential Enemy”) ብውሽጢ ውሽጢ ይንጸል። ዝርከብ ረብሓ እንተሎ’ውን (ካብ መንግስቲ ዝርከብ ኣገልግሎት) ብስዉር መንገዲ ይሕረም። ዝና ውልቀ-መላኺ፣ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ’ቶም ብባህርያውን ታሪኻውን ምኽንያታት ዝቐርብዎ ክፋላት ብዘይ ወላ ሓደ ረብሓ ሰማይ ይዓርግ። ባንዴራን ስእሊ ውልቀ-መላኽን ብሓንሳብ የምበልብሉ። ኣብ ጊዜ ናይ ተዘክሮ ኣጋጣሚታት ከም ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ስም ውልቀ-መላኺ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘይቦትኡ ይስኳዕ። ኩሎም እቶም ሃገራዊ ምልክታት ከም ናቱ ተቖጺሮም ብእኡ ጥራይ ይባረኹ። ኣንጻሩ ምዝራብ ወይ’ውን ሪኢቶ ምቕራብ ብቐጥታ ምስቲ ንሱ ዝፈጠሮ ምስልታት ስለ ዝጋጮን። ነዞም ሃገራዊ ምልክታት ከም ምትንካፍ ስለ ዝቑጸርን ኣብ ዓይኒ ደገፍቱ ከም ገበን ይሕሰብ። ስለዚ ዋላ ሃገር ኣብ ምስራሕ እጃም ዘበርከቱ ሰባት ብኽድዓት ክኸስስ ጸገም የብሉን። ኣብ መወዳእታ ሃገር ብሙልኣ ጅግና ሲኢና፣ ንሱ ናይ መጀመርታ ንሱ ናይ መወዳእታ ኮይኑ ሽሙን ሽም ፈጣሪን ኣበየ ቦታ ይልዓል። ኩሉ ናይ ሓበሬታ መዓጹ ይርገጥ። ህዝቢ ብስእነት ሓበሬታ መኣዝኑ የጥፍእ። ኣብ ዝደለዮ እዋን ሓድሽ ናይ ሕልሚ ጸላእቲ (Phantom Enemies) እንዳፈጠረ ሃገር ብሰራዊትን ጠበናጁን ትርበሽ። ዝኾነ ናይ ውደባ መልክዕ ስለ ዘስግኦ ንኹሉ ሃገራውን ኣህጉራውን ማሕበራት በልማማ ይእግድ። ካብኡ ርሒቖም ዘለዉ ህዝቡ’ውን ከይተረፈ ብመንገዲ ሃሱሳቱ ምክፍፋልን ፍርሕን ይዘርእ። እቲ ምኽንያቱ  ዘይፍለጥ ሞት ክኣ ከም ተራ ዘረባ ይውሰድ። ቁጽሪ ቤት ማእሰርቲ ብዕጽፍጻፍ ይውስኽ። ህዝቢ ፍታሕ ከምጽእሉ ዝጽበዮም ገለ ምሁራት ከይተረፉ ኣብዚ ናይ ውልቀ-መላኺ ሓሸውየ ጢሒሎም ነቲ ተራ ህዝቢ ኣብ ምድንጋር ይዋፈሩ። ህዝቢ ተስፋ ስኢኑ ምንባር’ዶ ዘይምንባር ኣብ ዝብል ሻቕሎት ጢሒሉ ሃገር ለቒቑ ናብ እግሩ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ። ዋላ እተን ንዓመታት ከም ጸላእትኻ ሓሲብካየን ዝጸናሕካ ሃገራት፣ ነብስኻ ከድሕናኻ ተንበርኪኽካ ትልምነን። ሃገር ብኹሉ ናይ ሃገር መዐቀኒታት ባይታ ዘቢጣ ብድኽነትን ሕማምን ትጠፍእ። ኣብዚ ህሞት’ዚ እምባኣር ሃገራዊ ወይ ድማ ንኹሉ ክፋል ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ዝሓወሰ ምንቅስቓስ ክትገብር ኣዚዩ የጸግም። ምትእምማን ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ስለ ዝወርድ፣ እትገብሮም ርክባት ምስቶም ኣሕሊፎም ኣይህቡንን ኢዮም እትብሎም ሰባት ጥራይ ይኸውን። ሽዑ ከይፈተኻ ጸግዒ ትደሊ። እቲ ናይ መጀመርታ ጸግዕኻ ክኣ ስድራ-ቤትካ ኢዩ። ድሓር ወዲ ዓድኻ፣ ወዲ ቢሄርካ…. ወዲ ሃይማኖትካ…. ከምኡ እንዳበለ ከይፈተኻ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጽልኢ ኣቲኻ፣ ኣይኮነን’ዶ ምስ ወዲ ሃገርካ ምስ ሓውካ ወዲ ኣዴኻ ‘ውን ክትቃለስ የጸግም።

ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ኣብ ላዕሊ ዘመንጎኽዎ ዛዕባ ምምላሰይ ሓንቲ ናይ ቀረባ ኣብነት ክጠቅስ። እዚ ሕጂ ኣብ ሶማል ንሪኦ ዘለና ሽግር ጠንቁ ኣብ ጊዜ ዲክታቶር ዚያድ ባረ ኢዩ ጀሚሩ። ስለዚ’ዮም ክኣ ሶማላውያን < ዚያድ ባረ ንሶማል ብቐትሪ ሃኒጽዋ ብለይቲ ክኣ ኣፍሪስዋ። ዝብል ዘረባ ዘለዎም። ሓደ ካብቲ ዚያድ ባረ ዝፈጸሞ እኩይ ግብሪ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:: ቀቅድሚ ንሶማል ምግዳፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ዓመት  ንሓደ ፓይሎት ካብ መቓድሾ ተንሲኡ ንሓንቲ ካብ መቓድሾ ወጻኢ እትርከብ ዓዲ ብቦምባ ክድብድባ ይእዝዞ። ፓይሎት ብመሰረት ትእዛዝ ዚያድ ባረ ደብዲቡ ንመቓድሾ ይምለስ። በቲ ደብዳብ ዝተሃሰየ ህዝቢ እንዳኣልቀሰ ከሎ፣ ወረታት መጺኦም < እዚ ዝደብደበ እኮ ወዲ ቀቢላ እከለ ኢዩ። ዚያድ ባረ ክኣ ብህጹጽ ጸዊዑ ኣሲርዎ’ሎ ኢሎሞ። ድሕሪ’ዚ ኹሉ ህልቂትን ተራእዩ ዘይፈልጥ ስደትን ሶማላውያን፣ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝደብደበ ሰብ ኣሽንኳይዶ ቀቢሉኡስ መን ምዃኑ’ውን ኣይተፈልጠን። ስለዚ እቲ ዕላማ ከመይ ጌርካ ነቲ ህዝቢ ትብትኖ ኢዩ ነይሩ። ሰሪሑ ክኣ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ እንሆ ህዝቢ ሶማል ናይ ዕርቂ መንፈስ ዘለዎም መራሕቲ ክረክብ ኣይክኣለን። እምባኣር ውልቀ-መለኽቲ ኣሽንኳይዶ ናይ ሃይማኖትን ብሄርን ፍልልይ ዘለዎ ህዝቢ ረኺቦም፣ ነታ ሓንቲ ሃይማኖትን ሓንቲ ብሄርን ዘለዋ ሶማልያ’ኳ ኣይነሓፍዋን። ኣብቲ ዝተሓተ፣ በልዩ ዓለም ዝገደፎ ቀቢላ ወሪዶም ንሶማልያ ድሮ ን20 ዓመታት በቲኖማ እንሀለዉ።

እምባእርከስ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጠባያት ውልቀ-መለኽቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ተፈጺሙን ይፍጸም ኣሎን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ኢየን እምባኣር ኩለን ናይ ተቓውሞ ውድባት ነቒለን ወይ ተበራቢረን። ስለዚ ካብዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሳዕቤናት ውልቀ-መላኺ ክወጻ ባህርያዊ ኣይኮነን። ንሱ ስለዝኾነ’ዩ ክኣ ናይ ኤርትራ ውድባት ብሓንሳብ ንኽሰርሓ ብዙሕ ጸገም ዘጋጥመን ዘሎ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ዋዕላ ንኽብጻሕ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደለን ድማ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን።

ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝገደፍክዎ ዛዕባ ክምለስ። ሎሚ ድሕሪ ዋዕላ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልብና ዓቚርናዮ ዝጸናሕና ስክፍታታት ክወጽእ ጀሚሩ ኣሎ። ብመጀመርታ ክምስገኑ ዝግብኦም እቶም ነዚ ስክፍታ’ዚ ኣብ ቃልዕ ኣውጺኦም ከም ንካትዓሉ ዝገብሩና ዘለዉ ወነንቲ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት ኢዮም። ንሳቶም እንተዘየልዕልዎ፣ ዋዕላ፣ ከም ኩሉ ኣኼባታት ናይ ተቓውሞ በኒኑ ምጠፍአ’ሞ ሕማምና ብዘይ ፈውሲ ንዓመታት ምቐጸለ።

ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዋዕላን ጸረ ዋዕላን ሰለስተ ፈላለይቲ ስግኣታት ኣለዋ። ጸረ ዋዕላ ከም ቀንዲ ንዋዕላ ዘይ መደገፊ ምኽንያት ዘቕርብወን ክኣ እዚአን ኢየን። ሕቶ ቢሄር፣ ሕቶ ሃይማኖት፣ ምትእትታው ኢትዮጵያ፣-

2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል……….

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1532

Posted by on Sep 17 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net