ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ’ዶ ወይስ ብዝኾነ ሓይሊ ካብ ስልጣን ምእላይ? (ክልቲኡ ኣይምረጽን ግን ክኣ ሃስያኡ ይፈላለ።)

ብጸጋይ ገብረሂወት ሎንደን

<ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዋዕላን ጸረ ዋዕላን ሰለስተ ፈላለይቲ ስግኣታት ኣለዋ። ጸረ ዋዕላ ከም ቀንዲ ንዋዕላ ዘይ መደገፊ ምኽንያት ዘቕርብወን ክኣ እዚአን ኢየን። ሕቶ ቢሄር፣ ሕቶ ሃይማኖት፣ ምትእትታው ኢትዮጵያ፣- ኣብ ዝብል 1ይ ክፋል ጽሑፈይ ኣመንጕየ ነይረ፣ እንሆ ሕጂ ድማ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ ሰናይ ንባብ፣-

ሕቶ ብሄር፣- ኩሎም ናይ ብሄራት ውድባት ኣብ ኤርትራ ናይ ሓባር ጸቕጢ ከም ዘሎ ይሰማምዑ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ኩለን ብሄራት ሓቢሮም ክሰርሑ’ውን ጸገም ከምዘይብሎም ኣብዚ ዝሓለፈ ዋዕላ ሓቢሮምን ተማባጺዖምን ኢዮም። ብብሄር ደረጃ ዝንቀሳቐሳ ውድባት ክቕልቀላ ድማ ሳዕቤን እምበር ጠንቂ ኣይኮነን። ኣብ ኩለን ብዲክታቶሪያዊ ስርዓታት ዝመሓደራ ሃገራት ተራእዩን ዝርአ ዘሎን ኢዩ። ምናልባት ኣብ ገሊአን ብሃይማኖት፣ ኣብ ገሊአን ብብሄር። ኣብ ገሊአን ብኣውራጃ ኣብ ገሊአን’ውን ብቀቢላን እንዳን ክኸውን ይኽእል። እዚ ሳዕቤን ናይቲ ውልቀ-መለኽቲ ብስዉር ዝኣጉድዎን ዘሳውርዎን እኩይ ተግባሮም ኢዩ። ኤርትራ በዚ ሕማቕን ዘይ ሓላፍነታውን ምሕደራ ትሳቐ ኣላ። ምናልባት ግን በዚ ስቓይ እዚ ገና ቃንዛ ዘይተሰመዖ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ቃንዛ ኣለኒ ንዝበለ ኽኣ ቀሪብካ ድኣ ትፍውሶ እምበር ካብኡ ርሒቕካ ቃንዛ የብልካን ክትብሎ ዝክኣል ኣይኮነን።

ኣብነት 1: ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ስርዓት ህግደፍ ገለ ካብቶም ኣብ ዝባውንቲ ኤርትራ ዝቕመጡ ኣህዛብ ንጋሽ ባርካ ከስፍሮም ወሲኑ። እቲ ምኽንያት ንገለ የውሃት ከደናግር ይኽእል ይኸውን። <ጋሽ ባርካ ልሙዕ ቦታ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ኣብዚ ድሩቕ ቦታታት ኮይንኩም ትሓርሱ ኣብቲ ቦታ ኬድኩም ክትሓርሱ ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ብዘይ ድሌቶምን ብዘይ መደብን ብዓቢኡ ክኣ ብዘይ ናይ ኪኢላታት መጽናዕትን ዝግበር ዘሎ ሰፈራ፣ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ ኣይነበረን። እቲ ዕላማ ነቲ ኣፍራዪ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ሰራዊት ከምዝሰፍር ጌርካ፣ ንሽማግለታትን ኣንስትን ንጋሽ ባርካ ኣውሪድካ፣ ንክልተ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነብሩ ኣህዛብ ኣራጺምካ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞ ብስዉር ምድምሳስ ጥራይ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፣ ሕጂ ድኣ ብብዙሕ ቁጽሪ ስለ ዝኾነ ኣስተብሂልናሉ እምበር፣ ካብ ዝጅምርስ ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ።  ስለዚ ህዝቢ ኩናማ መሬተይ ተወሲዱ ክሓርስ ኣይክኣልኩን  እንተበለ ሓቂ‘ዶ ኣይኮነን። ነዚ ኣብዚ ህዝቢ’ዚ ወሪዱ ዘሎ ዘይዕግበት ተላዚብካ ዲኻ ትፈትሖ ዋላስ ብድብድቡ ናይ ብሄር ጸገም የለን ኢልካ ቁስልኻ ትሓብእ?

ኣብነት 2:ህግደፍ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ብዙሕ ኣፍልጦ የብሉን። ብቐንዱ ክኣ ባሕሪ ገፊሕ ስለዝኾነን፣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ክኣ ምስ ባሕሪ ጥቡቕ ዝኾነ ሌላ ስለ ዘይነበሮን ዘይብሉን፣ ምስ ባሕሪ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብኣትኩሮ ኣይጥምቶምን ኢዩ። ብጀካ እታ መብጻዓኣ ዘይተኽብር ዓመት ዓመት ብኣፍ ውልቀ-መላኺ እንሰምዓ< ናይ ባሕሪ ሃብትና ክብርበር እትብል ሓረግ ካልእ ጠርሽና ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ስለዚ እቶም ምስ ባሕሪ ጥቡቕ ሂወት ዘለዎምን ካብኡ ዝናበሩን ህዝቢ ዓፋር፣ ንሕና ቃንዛ ኣለና እንተበሉ፣ በአየናይ መርትዖ ኢና ቃንዛ የብልኩምን ክንብሎም። ናይ ግብጺ መራኽብ ከምድላየን ካብ ባሕሪ ኤርትራ ዓሳ እንዳገፈፋ ከለዋ ( እሞ እቲ ገንዘብ ናበይ ይኣቱ ዘይፍለጥ)፣ ደቀባት ዓፋር ከምድላዮም ክነግዱን ዓሳ ክገፉን ዘይክእልሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘይ ሕጊ ዓሳ ገፊፍኩም ተባሂሎም ጀላብኦም ዝተራሰዩ ህዝቢ ዓፋር ዉሑዳት ዲዮም? እዚ ሽግር’ዚ ኽኣ ምስቶም ሽግር ኣለና ዝብሉ ዘለዉ ቀሪብካ ተላዚብካ ድኣ ይፍታሕ እምበር፣ ኣብ ማዕዶ ተኾይጥካ ”ናይ ሓባር ሽግር’ዩ ዘለና” ምባል ፍትሕን ፍታሕን ኣይኮነን።

ኣብነት 3:- ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ብሄረ ሳሆ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ፣ ብፍላይ ክኣ ድሕሪ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ሰሚዕና ኣለና። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ከም ኩሉ ናይ ብሄራት ምንቅስቓሳት ናቱ መበገሲ ኣለዎ። ብረት ተሓንጊጡ ኣብ በረኻ ክኹብልል ኢሉ ዝንቀሳቐስ ፍጡር ክኣ የለን። እዚ ብሄር’ዚ እምባኣር ሓደ ካብቶም ናይ መጀመርታ ግዳይ ናይቲ ብዕሉግ ምሕደራ ኢሳያስ ኢዩ። ህግደፍ ኣብ እግሪ ተኽሉ ነዚ ብሄር’ዚ ምስ ኩሎም እቶም ምስኡ ዝነብሩ ካልኦት ኣህዛብ ሓዊሱ፣ ነታ ንዓመታት ከም መንነቱን ታሪኹን ዝቖጽራ ዝነበረ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ራሕሪሑ ንከተማ መንደፈራ ከይዱ ክዳነን ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ክረክብን ዝተፈርደ‘ዶኸ ኣይኮነን? እዚ እኩይ መደብ’ዚ ክኣ፣ ብጀካ ፖሎቲካዊ ምኽንያት ካልእ ዝኾነ ምኽንያት ኣይነበሮን። እምባኣር እቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ናይ ውልቀ-መለኽቲ መርኣያ እዚ ኢዩ። ስለዚ እዚ ህዝቢ’ዚ ቃንዛ ኣለኒ ይብል ኣሎ። ቃንዝኡ ብሓንሳብ ምስኡ ኮይና እንተዘይፈቲሕናዮ፣ እዚ ድሮ ንኹላትና ኣርኪቡልና ዘሎ ቃንዛ መአደቢ ተሳኢንዎ፣ ብሄሊኮፕተራትን ታንክታትን ክንድብድብ ኢና። ውልቀ-መላኺ ምስ ተዓዝረ ስእሊ ዝመቱ ኣሕዋትካን ኣቦታትካን ኣንቃዕሪርካ ምርኣይ ድማ ፋይዳ የብሉን።

ሕቶ ሃይማኖት፣- እቲ ንቡዙሓት ልዕሊ ቢሄርን ካልእ ኣወዳድባን ዘሰንብድ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ውደባ ኢዩ። ፍሉይ ዝገብሮ ክኣ ምስ እዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ እስላማዊ ጥርፉነት ስለ ነናጻጽሮ ኢዩ። እዚ’ውን ከም ኣብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዝርአ ምክፍፋላት ሳዕቤን ናይ ግዕዙይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ እምበር ጠንቂ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ጠንቂ ነይሩ እንተዝነብር ብውሑዱ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ኣስላምን ክስታንን ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ኣይምበልዑን ወይ ክኣ ብሓንሳብ ኣይምሓደሩን። ሓደ ሃይማኖት ካብ ሽግር የድሕን ነይሩ እንተዝኸውን ሶማላውያን ን20 ዓመታት ሓድሕድ ኣይምተፋለሱን። ናይ ዓለምና ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ ዓለም ኣብ መንጎ ክርስትያን ነንሓድሕዶምን ኣብ መንጎ ኣስላም ነንሓድሕዶምን ዘሎ ውግእ ካብ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ኣዝዩ ይበዝሕ። <እንታይ ሓድሽ ነገር ስለዝተረኽበ ደኣሉ ሎሚ ንኣስላም ጥራይ ዝጠርነፈ ውደባ ተደልዩ?ይብሃል ይኸውን። ጠንቁ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ውልቀ-መላኺ ብስዉር ዘተኣታተዎ ምፍጣጥ ጥራይ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሰ፣ ኣምባይዶ ከም ባዓል ኤርትራ ብኽልተ ሃይማኖትን ልዕሊኡን ዝቆማ ሃገራት፣ ብሓንቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝቖመት ሶማልያን ብሓንቲ ሃይማኖት ክርስትና ዝቖመት ዛየርን እውን ካብ ውግእ ሓድሕድ ኣይድሓናን። ስለዚ ናይ ኩሉ ሃይማኖታት ህዝቢ ብጽሞና ክሓስበሉን ክዛተየሉን ኢዩ ዝግባእ። ከይተቐራረብካ ኽኣ ቃንዛ ናይ ሰብ ክትፈልጥ ዝክኣል ኣይኮነን። ኣብዚ ምጥርጣር ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሕሉ ዘሎ እዋን፣ ሕድገታት ጌርካ ክትቀራረብ ምኽኣል ዓቢ ልቦና ኢዩ።

ኣብነት:- ደቂ-ኣንስትዮ ኣስላም ንሳዋ ክኸዳ ይትረፍ ብዘይ ሰብኣየን ካብ ገዛ ክወጻ ልምዳዊ ሕግታተን ኣየፍቅደለንን ኢዩ። ስለዚ ብዘይ ኣፍልጦን ድሌትን ኣመንቲ ምስልምና ንሳዋ ከተገድደን ረጽሚ ጥራይ ኢዩ ዝፈጥር። ነዚ ረጽሚ’ዚ ኽኣ ብልቦና እምበር ብሓይሊ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውጺኢቱ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ስለዝኾነ። ብዓቢኡ እዚ ሕጂ ን16 ዓመታት ከይዱ ዘሎ ናይ ሳዋ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኤርትራ ኣድላዪ ዲዩ? ካልእ ነብሱ ዝኸኣለ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ኢዩ። ብዛዕባ ሳዋ ዝተገብረ መጽናዕቲ ክሳብ ዕለተ ሎሚ ዋላ ሓንቲ የልቦን።  ሳዋ ብጀካ ብኣፍ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፣ ስለምንታይ ተደልዩ ዝፈልጥ ሰብ የለን። እቲ ንመጀመርታ  ኣብዚ ውጥን ዘይዕግበት ዘርኣየ ህዝቢ ድማ ኣማኒ ምስልምና ኢዩ። ስለምንታይ ኣይደገፈን ብዙሕ ትንተና ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ብስሚዒት ተላዒልካ <ናይ ክርስትያን ደቂ-ኣንስትዮ እንተድኣ ከይደን ናይ ኣስላም’ውን ክኸዳ ኣለወንምባል ብውሑዱ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓጋዚ ኣይኮነን። ብቐንዱ ክልዓል ዘለዎ ሕቶ፣ ስለምንታይ’ከ ንሳዋ ወይ ናብ ውትህድርና ኩሉ ሰብ ክኸይድ ተደልዩ ኢዩ። ብርግጽ እቲ ኢሳያስን ጭፍርኡን ዝነግሩና ዘለዉ’ድዩ እቲ ምኽንያት? ብወገነይ ኣይመስለንን።

እዚ ከም ኣብነት ምስዘን ሕጂ ቆይመን ዘለዋ ውድባት ድኣ ኣምጺኤዮ’ምበር፣ ኣብ ኤርትራ ሰላም ረኺባ ዝዓረፈት ብሄር ወይ ኣማኒ’ስ ይትረፍ ሰላም ጌሩ ዝዓረፈ ዜጋ‘ኳ የብልናን። ዋላ እቶም ብኣፎም ጽቡቕ ኣለና ኢሎም ምስ ባንዴራ ዘልዓለ ባንዴራ ዘልዕሉ ዓያሹ ከይተረፉ ሎሚ’ስ ክስቆሮም ጀሚሩ ኣሎ።

ምትእትታው ኢትዮጵያ:-

ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክልዓል ከሎ እታ መጀመርታ ኣብ ርእሰይ ትመጻኒ ሕቶ ፣<ኢትዮጵያ ክሳብ መዓስ ኢያ ጸላኢትና?” ትብል ኢያ። ካብኡ ቀጺለ ናተይ መልሲ ሃሰስ እብል< መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ተኣለየ?” ይብል። < ኣየናይ መንግስቲ?” ክኣ ይሓታ ንነብሰይ። <መንግስቲ ሃይለስላሰ?” ኣይፋሉን እዚ ድኣ ቅድሚ 36 ዓመታት እንድዩ ጠፊኡ። ኣሃ!< መንግስቲ መንግስቱ ሃይለማርያም” ኢለ ይፍትን እንደገና። < ኣንታ እዚ ኽኣ’ባ ቅድሚ 19 ዓመታት’ዩ ጠፊኡ ድማ እብል። ኣሃ! ”መንግስቲ መለስ ዜናዊ ክኸውን ኣለዎ” ይብል። ሽዑ ከይተፈለጠኒ ናብ መጀመርታ 90ታት ይምለስ’ሞ ኢሳያስን መለስን ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ክዛወሩ ከለዉ ይርኣዩኒ። እተን ንዳህላክ ክዛወሩ ዝወስድኦም ዝነበራ ዝተሰለማ ፈጣናት ጀላቡ ቅጅል ይብላኒ። ናይ ሓባር ናይ ምክልኻል ውዕል ክፈራረሙ ከለዉ ዝነበራ ውቁባት ሳሎን በዚ ዓይነይ ሕልፍ ሕልፍ ይብላ። ሕጽኖት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጽኖተይ ኮይኑ ይስማዓኒ’ሞ፣ < ኢትዮጵያ’ባ ፈታዊትና ኢያ ነይራ ድማ ይብል። ሎሚ ድኣ እንታይ ተረኺቡ ብሃንደበት ጸላኢትና ኮይና? ምናልባት ነቲ መደናገሪ ቃላት ህግደፍ ዝሰምዕ < ዓዋን! ብሰንኪ ባድመ ኣብ ኲናት ኣቲና እንዳሃለና ከመይ ጌርና ክንፋቐር ትደሊ ኣለኻ።”ይብለኒ ይኸውን። ግን እቲ መልሱ ኣብኡ ኣይኮነን ዘሎ ምኽንያቱ ባድመ እንድሕር ድኣ ነቲ ፍቕሪ ዘሪጋቶ ኮይና፣ እሞ ክኣ ኣብ ባድመ ውግእ ባዕልና ከምዝጀመርና እንተድኣ ተኣሚና፣ ኢትዮጵያ በየናይ መርትዖ ኢያ ጸላኢትና ትኸውን። ነጋውስ ኣምሓራ ንኤርትራ ናይ ምጉባጥ ሕልሚ ኣለዎም ተባሂልና ተቓሊስና ተዓዊትና ክኣ።  ሕጂ ድማ< ወያነ ናይ ዓባይ ትግራይ ሕልሚ ኣለዎም ” ንበሃል ኣለና። እቶም ንሉእላውነት ኤርትራ ቅድሚ ዝኾነት ትኹን ሃገር ዝተቐበሉ፣ ዋላ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫኦም ከይተረፈ መርገጺኦም ዘይለወጡ፣ ብዕንደራን ጸርፍን ህግደፍ ኣብ ቂምታ ዘይኣተዉ መራሕቲ ኢህወደግ እንተድኣ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም፣ እቶም ብኢሳያስ ዝምልመሉ ዘለዉ፣ ኣብ ኤርትራ ኮፍ ኢሎም < ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ’ያ” ዝብሉና ዘለዉ ኣባላት ቅንጅት እንታይ ዓይነት ሕልሚ ክህልዎም ኢዩ። ስለዚ ኢትዮጵያ መዓስ’ያ ‘’ጸላኢትና” ምዃን እተብቅዕ።

ዋዕላ እምበኣር ነዛ ሕቶ እዚኣ ክምልስ’ዩ ንኣዲስ ኣበባ ከይዱ። < ኩንትራት ስራሕ እምበር ኩንትራት ጽልኢ የለን ” ክኣ ይብል ኣሎ። እተን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኵናት ዓለም ብደም ዝጨቀዋ ሃገራት ኤውሮጳ  ሎሚ ብሓንሳብ ክሰርሓ ጀሚረን ኣለዋ። ኣይኮነን’ዶ ምስኢትዮጵያ ምስ ኢራንን ቻይናን እኳ ክንሰርሕ ንሕልን ኣለና። ስርዓት ናይ ኤርትራ: ተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዋዕላ ክገብሩ እንተኾነነ ወይ’ውን ብምሻጥ ሃገር ኣልማማ እንተኸሰሰ ካልእ ምርጫ የብሉን። ኣሽንኳይዶ ኣዲስ ኣበባ ከይድካስ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዓገብ ዝበልዎ’ኳ ብኽድዓት ሃገር ከሲሱ የሕቕቖም ኣሎ። እቲ ዘገርም ናይቶም ትማሊ ትማሊ ‘’ኤርትራ ወራሪት’ያ ክትቅጻዕ ኣለዋ፣’’ ኢሎም ቅድሚ ሰብ ዝመደሩን ኣብ ጎደናታት  ኤውሮጳን  ኣሜሪካን ብትሪ መርገጺኦም ብሰለማዊ ሰልፊ ዘስምዑን፣ ሎሚ < ካብ ኪዳን ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ይሓይሽ” ይብሉ ኣለው። ክሳብ ሕጂ ክኣ ብጀካ ሕዱር ውልቃዊ ጽልኢ ምስ ገለ ኣባላት ኪዳን ካልእ ዝጭበጥ መበገሲ የብሎምን። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዝኻሓነ ውልቃዊ ጽልኦም ከሳሲ ግዜን ጉልበትን ከምዘይብሉ ስለምንታይ ክስቆሮም ኣይተኻእለን?።

ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕን ብዝኾነ ሓይሊ (እንተላይ ኢትዮጵያ) ተጠቒምካ ንኢሳያስ ካብ ስልጣን ምውራድን ዝፍቶን ዝድገፍን ኣይኮነን። ዋላ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋዕልኡ ዘቃንዐ ኪዳን’ውን ተሓጒሱን ፈትዩን ኣይኮነን። ኣብዚኣ ትመጽእ ሓንቲ ሕቶ ግን ኣላ። ሳልሳይ ምርጫ ኣለና ዲዩ? ሳልሳይ ምርጫ ክንደሊ ክኣ ኢና ሃገር ክሳብ ብምብራቕን ምዕራብን ብሰሜንን ደቡብን ትብተን ኣራጢጥና ዝተጸበና። እዚ ሕጂ ዘሰክፈና ዘሎ ምትእኽኻብ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ድማ ውጽኢት ናይቲ ኢሳያስ ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ድሑር ፖሊሲ ኢዩ። ስለዚ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን

ምጽናሕ ማለት እቲ ብኣጋ ክሓዊ ዝኽእል ዝነበር ቁስሊ ኣብ ዘይሓውየሉ ደረጃ ምብጻሕ ማለት ኢዩ። ኢሳያስ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምፍጣጥ ከሎ ጌና ክንፍውሶ እንተዘይፈቲንና፣ እታ ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢልዋ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ክርቢት ሓንሳብ ምስ ሸርጠጣ ንምጥፍኣ ግዜን ሰብን ክወስደልና ኢዩ። ስለዚ ምስ ዝኾነ ብጸገምና ዝቑንዞ፣ ኪንዮ እዚ ጋሪዱና ዘሎ ጽልኢ ክጥምት ዝኽእል፣ ጽቡቕ ጉርብትናን ዝምድናን ረብሓ ክልቴና ምዃኑ ብሕልናን ሕግን ዝኣምን ወገን። ቀሪብናን ተላዚብናን ክንሰርሕ ይግባእ። ድኽምቲ ኤርትራ ሰከም ናይ ኩለን ጎሮባብትና ምዃና ንኹሉ ደላዪ ሰላም ከነአምንን ካብዚ ንሃገርና ብኽሳዳ ዓቲዒቱ ሒዝዋ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ብኣጋ ከነገላግላ ክሕግዙናን ግዚኡ እመስለኒ። ስለዚ እቲ ምርጫ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ኣይኮነን። እቲ ምርጫ ምስ ዝኾነ ብሽግርና ዝሓምም ህዝብን ሃገርን ተሓባቢርካ ውልቀ-መላኺ ምውዳቕ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኮይንካ ክወድቕ ዝኽእል ስርዓት ኣይኮነን ዘለና። እቲ ካብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ ዝበሃለና ዘሎ ስግኣት፣ ኣይኮነን’ዶ ስግር ባሕሪ ዘለና እቲ 300 ሽሕ ሰራዊት ዝሓዘ ኢሳያስ’ውን ጠጠው ከብሎ ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ዝፈንፈኖ ስርዓት ስለዝኾነ። እዚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ጽቡቕ ናይ ምጅማር ኣንፈት ኣርእዩ’ሎ። እዚኣ ካብ ኢድና ከይትመልቆና እንዳሓለና ንምህብታማን ከም ትሰርሕ ኣብ ምግባራን ከይሰልከና ምስራሕ የድልየና ኣሎ። እቲ ናይ ሎሚ ንሎሚ እቲ ናይ ጽባሕ ክኣ ንጽባሕ ምባል ከድልየና ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ መንእሰይ ወለዶ በዞም ካብ 60ታት ኣትሒዞም ዝተጠጅኡ ውልቃዊ ጽልእታት ከይልከፍ ጥንቃቐ ከድልዮ ኢዩ። ነዚ ጽልኢ’ዚ ናብ ወለዶታት ከስግሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ክኣ ኩሉ ግዜ ኣለዉ’ሞ። ይኣክል! ምባል  ሕጂ ኢዩ።

ምጽውዋርን ኣላዝቦን ይጠጥዕ!

ውልቀ- መላኽነት ንኸብቅዕ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1547

Posted by on Sep 19 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net