ኣብ ሃገረይ ዝተነፍገኒ መሰል ምርጫ ኣብ ሃገረ- ሽወደን ኣረጋጊጸዮ

ከም ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገረይ ዝተነፍገኒ መሰል ምርጫ፡ ኣብ ሃገረ- ሽወደን ብዕለት 15 መስከረም ኣረጋጊጸዮ ዝብል መንቐሊ ኣርስተይ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ኣብ ሃገርና እቲ መሰል ንኩላትና ተነፊጉና፡ ልዕልና ሕጊ ፈሪሱ፡ ምልካዊ ስርዓት ነጊሱ፡ ኩሉ ሰብ7ኣውን ደሞክራሲያውን መሰልና ከምዝተጋህሰ፡ መብዛሕትና ንሰማማዓሉ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፡ ኣቕዲመ ብድሕሪ ባይታይ ክጅምር ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ግርማይ ተስፋምርያም (ጥዩስ) ይበሃል። ኣብ ኣስመራ ተወሊደ፡ ኣስመራ ዝዓበኹ ኤርትራዊ ዜጋ ኢየ። ወዲ 14 ኮለኹ ብሃገራዊ ስምዒት ተደሪኸ፡ ከም ኩሉ ተጋዳላይ ናብ ህ.ግንባር ብ 1975 ተሰሊፈ። ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ 1994 ብዘይ ዝኾነ ጻማ ካብ ሰራዊት ተፋንየ፡ ከም ስነጥበባዊ ኮይነ ናብራይ ክመርሕ ጀሚረ። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ መዓርግ ምስ ወሰደ፡ ኣነ ድማ ማዕርገይ ጥዩስ ኢዩ ኢለ ይዛረብ ስለዝነበርኩ <ጥዩስ> ከም ሳጓ ለጊባትኒ መጽውዒተይ ኮይና ኣላ።

ኣብ 1998 ሙዚቓ ክጻወት ሃገረ ጀርመን ነይረ። ምስ ወያኔ ኩናት ስለዝተጀመረ፡ ልኡላውነት ሃገር ንምውሓስ ከም ኩሉ ተጣያሳይ ከብ ጀርመን ንኤርትራ ኣትየ። ኣብዚ ሰዓትዚ ኩናት ብወያኔ ተጀሚሩ ኢለ ይኣምን ስለዝነበርኩ ኢየ፡ ብሃገራዊ ወኒ ሞት ከምዘሎ ከም ኣድጊ ሃሊለ ከይደ። ሽዑ ዝነበረኒ ንጹህ ሕልና ሃገራዊ ወኒ ድሒሩ ዝነብረኒ ፍልጠትን ክልተ ኣንጻር ነይሩ። ምኽንያቱ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ብህግደፍ ዝዝረበሉ ዘይኮነ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ዘይፈልጥዎ፡ ብድሌት ኢሰያስ፡ መሪሕነት ህግደፍን ካብ 6 ዘይበዝሑ ጀነራላትን ጥራይ ተዘራሪቦም ዝወልዕዎ ኩናት ምኻኑ ምስፈልጥኩ፡ ካብ ጀርመን ምምላሰይ ተጣዒሰ።

ንቐዳማይ ጣዕሳይ ዘረሳርስ ኩነታት ይፍጠር`ዶ ይኸውን ዝብል ግምትን ስምዒትን ሙሉእ ዘይኮነ ምጡን ተስፋ ኣብ ሓንጎለይ ነይሩኒ። በቲ ኩናትን ዝተኸፍለ ዋጋን ድማ የትሓሳስበኒ ስለዝነብረ ሓንጎለይ ርጉእ ኣይነበረን። ተስፋይ ዘረጋግጽ ኩነታት ኣብ ክንዲ ዝፍጠር፡ በንጻሩ ጸጸኒሑ ሕልናኻ ዝትንክፍ ኣእምሮኻ ዘይርጉእ ስምዒት ዘሕድር ተግባራት ቐጺሉ።

ብፍላይ ኣብ 2001 ናይ ግጅለ 15 ተባሂሎም ምስ ኣማኢት ገዳይም ተጋደልቲን ዓበይቲ መራሕትን ምስተኣስሩ። ኣብ ሰሚናራት ምስ ወያኔ ተሻሪኾም ሃገር ሸይጦም ዝብል መግለጺ ምስስማዕኩ ብጣዕሚ ገሪሙኒ። ኣብ ተሞኩረይ …..ግዜ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተኣሲረ ስለዝነበርኩ፡ መንካዕ የሚን ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝነብሩ ምሁራት ከምዝጠፍኡ ስለዝፈልጥ። ናይ ስንኩላን ምርሻን፡ ናይ 1993 ንመሰሎም ዝተቓልሱ እሱራት ታሪኽ ኣዛሚዳ፡ ኣብ ልዕለይ ዝወረደ በደል ገምጊመ፡ መጻኢ ሂወተይ እንታይ ክኸውን ኢዩ ዝብል ሕቶ ነብሰይ ክሓትት ግድነት ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ መራሕትን ሚኒስተራትን ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ብሕልና ዝኾነ ሰብ ዘይቕበሎ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኢሰያስን መሪሕነት ህግደፍ ዘገልግል ናይ ስላጣን ውድድር ክብሉ፡ ንጹሃት ከተጥፍእ ዝተወስደ ስጉምቲ ስለዘይተቐበልኩዎ፡ ናይ ሂወተይ ኣመራርሓ ዘመሓይሽ ኣማራጺ ስጉምቲ ክሓስብ ድማ ባህርያዊ ነይሩ።

ኣብ 2003 ብምኽንያት በዓል ናጽነት፡ ናብ ፈስቲቫል ዓዲ ጥልያን ክንሳተፍ ስነጥበባያን ብሓባር መጺና። እቲ ካብ ጀርመን ምምላሰይ ዝነብረኒ ጣዕሳ ዝድብስ ኣጋጣሚ ስለዝነብረ፡ ናብራይ ኣብ ውሑስ ደሞክራሲያዊ ሃገራት ክንብር ወሲነ። ኣብ ሃገረ ሽወደን ድማ ይነብር ኣልኹ።

ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመታት ብርታዊ ቓልሲ ኣካይዱ ዝኸፈሎ ልዑል ዋጋ ዜጋታትና ሃብትና ፡ ዕላም8ኡ ድሕሪ ናጽነት ፍትሒ ምንጋስ ነይሩ። እንተኾነ ፍትሒ ምርግጋጽ ዘይኮነ፡ ምልካዊ ስርዓት ተኺልና። እዚ ድማ ከም ህዝቢ ኩሎም መሰላትና ተጋሂስና ከቢ ዋጋ ንኸፍል ኣለና። ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣፍራዪ ዜጋ መንእሰይ ናብ ስደት የምRሕ ይበታተን ኣሎ። 20 ዓመታት ቐሪቡ ልዕልና ሕጊ ተረጊጹ፡ መሰል ህዝባዊ ምርጫ ስኢና ብዘይ ቕዋም ብዘይ ሕጊ ንምራሕ ኣለና። ናይ ኩልና ድምጺ ምርጫ ክካየድ፡ ሃገርና ብቕዋም ክትመሓደር ሓድነትና ኣትሪርና ክንቓለስ ከምዝግባኣና ለበዋ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ከም ሰብ ነታ ፍትሒ ምንጋስ፡ ከም ኩሉ ተጋዳላይ፡ ንእስነተይ ከፊለ፡ ሰንኪለ ዘረጋግጽኩዎ ናጽነት፡ መሰል ምርጫ ስኢነ።ኣብ ሃገረ ሽወደን ከም ስደተኛ ከም ካልኣይ ዜጋ ኮይነ መጼኤ ከብቕዕ፡ ልዕልና ሕጊ ስለዘሎ፡ ሕጊ ዝህበኒ መሰል ተ ጠቂመ፡ ኣብ ሽወደን ዕለት 15- መስከረም 2010 ከድምጽ መሰል ምርካበይ፡ ኣብ ሂወተይ ዓቢ ስምዒት ፈጢሩለይ። እዝ መስል ምርጫ ኣብ ሃገረይ እንተዝነብር ኢለ ክሓስብ ድማ ተገዲደ። ነቲ መሰል ካብ ኢሰያስን መሪሕነት ህግደፍ ከብ ትኳቦ ክትረክብ ዘይሕሰብ ኢዩ። ተቓልሲካ ከምዝርከብ ግና ይኣምን ኢየ።

ኣብ < ሃገረይ ዝተነፍገኒ መሰል ምርጫ፡ ኣብ ሽወደን ኣረጋጊጸዮ>  ዘበለኒ ድማ እዚ ሓቕዚ ኢዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ነዚ መሰል ምርጫ፡ ልዕልና ሕጊ ስለዝህበካ፡ ኣብ ሃገርና ልዕልና ሕጊ ምንጋስ ናይ ሓባር ቓልሲ ምክያድ፡ ህዝቢ ሓድነትና ኣደልዲልና፡ ድምጽና ኣስሚርና ክንቓለስ ከምዝግባእና፡ ኩላትና ንስከሞ ሃገራዊ ሓላፍነት ኢዩ እናበሉ ክሰናበቱክም።

ግርማት ተስፋማርያም( ጥዩስ)

ሽወደን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1549

Posted by on Sep 20 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net