ትያትሮ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣስመራ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

13 ጥቕምቲ 2010

ቀዳማይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍቶን ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኸይዱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሽወደን ክብገስ እንከሎ ንሰበ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዘራረብ ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ቃል መሕተት ከካይድ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ ቆጸራ ተታሒዙ ምስ መሳርሕቱ ተበጊሱ። ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ብዘይካ እቶም ምስ ጋዜጠኛ ዝራኸቡ ተለኣኣኽቲ መራሒ ዘበሉ ከም ዘይርከቡ ተፈልጠ። እንታይ ተረኽበ እንተተባህለ ናይ ካቢኔ ሚኒስተራ ኣኼባ፡ ደሓር ከኣ ናይ ጋዜጣ ኣል ኣሕራም፡ ነገር ተወዲኡ እንዳተባህለ ነቲ ዝፋሓር ዘሎ ወርቂ ኩንትራ ክጽሕፋ መስርዕ ዝጽበያ ዘለዋ ሃገራት ከኣ ተባህለ።

ሓደ ግዜ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ትጽቢት ንቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኸይዱ ምስ ብረሲደንት ተራኺቡ፡ ጋዜጠኛ ሕቶታቱ እንዳዋደደ፡ በዚ ጠፊኡ ዘይበሃል ኢሰያስ ሞሊቅ` ከይዱ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ከኣ ንዓ በል ናብ ሆቴልካ ተም,አለስ ፕረሲደንት ኣይጥዕሞን’ዩ ተባሂሉ፡ ተመሊሱ ናብ መዳቕሶኡ ኸደ።

ብዝዀነ ኮይኑ ግዜ ኣኺሉ ምስ ፕረሲደንት ምስ ተራኽበ፡ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ጋዜጠና ተቐይሩ ከም’ዚ ክብል ነቲ ጋዜጠኛ ሓተቶ፡ ንስኻስ እስራኤል ካብ ፈለስጢን ኩሊት ወሲዶም ኢልካ፡ ኣሜሪካ ሬሳ ሙሉእ ንዓዶም እንዳግዓዙ ስለምንታይ ዘይትጽሕፍ በሎ። እዚ ኩሉ ክኸውን እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ብስራሓት ዓቕሉ ጸብብዎ ግዜ ዝሰኣነ ንኽመስል ዝገብሮ ትያትር እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ካብ ቲቪ ኤረ ንብረሲደንት ከዘራርቡ መስርዕ ሒዞም ክጽበዩ ዝረኣዩ ሽወደናውያን ገሪምዎም’ዩ። እንታ ዝዀኑ ደኣ እዞም ኩሎም ካሜራ ሒዞም እንተተባህለ ከኣ ንፕረሲደንት ከዘራርቡ ዝብል መስሊ ረኽበ። እዚ ባዕሎ ዝገብርዎ ትያትር ተፈሊጡ ተፈሊጡ።

ብዝዀነ ህዝቢ ሽወደን ኣንበብቲ ኣፍቶን ብላደት ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘቕረብዎ ሕቶታት ቀዳማይ ክፋል እንሆ። እዚ ሕቶታት ካብ ጋዜጣ ኣፍቶን ብላደት 11 ጥቅምቲ 2010 ዝተተርጎመ ምስ ዓሊ ዓብዱ ዝተኻየደ ቃል መሕተት እዩ።

ሕቶ

ዳዊት ከመይ ኣሎ

መልሲ

ኣይፈልጥን ከም ናይ ዜና ሚኒስተር ኣብ ከምኡ ስራሓት ኣይተዋፈርኩን

ሕቶ

መን እዩ ብዛዕባዚ ዝፈልጥ፡ ንመን ክሕተት ይከኣል፡ መን’ዩ ተሓታቲ ? መን ክምልስ       ይኽእል ?

መልሲ

ኣይፈልጥን፡ ኣነ ዝርዝር ሓበሬታ የብለይን፡ እዚ ሕቶ እዚ ምንእኣስ ኩሎም ስድራ    ቤት 2 ወይ 3 ደቆም ንነጻነት ዝስውኡ’ዩ።

ሕቶ

ደቂ ዳዊት ኣቦኦም ክርእዩ ከም ዝደልዩ ትርዳእ ዶ ?

መልሲ

እወ፡ ግን ንሕና ብሕግታትና’ና ንግዛእ፡

ሕቶ

ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ እሱራት ቤተ ሰቦም ክረኽቡ መሰል ኣለዎም፡ ዳዊት መዓስ’ዩ ደቁ ክራኸቦም ?

መልሲ

ኤርትራዊ ሕጊ’ዩ ዝፈቕዶ። ንሕና ኣገባብ ኣሎና ነዚ ከኣ ከተኽብርዎ ይግባእ፡

ሕቶ ንኽንደይ እዋን ክእሰር’ዩ ?

መልሲ

ሕግና ክሳብ ዝፈቐዶ።

ሕቶ

ኣየናይ ዓንቐጽ’ዩ ኣብ ቕዋም ኤርትራ ዳዊት ንዘየተፈልጠ እዋን ክእሰር ዝብል ?

መልሲ

ጠበቓ ኣይኮንኩን

ሕቶ

ስለምንታይ ዳዊት ፍትሓዊ ፍርዲ ቀሪቡ ንዝተወሰነ ግዜ ዘይብየነሉ ?

መልሲ

እዚ ሕቶ ናይ ምንእኣስ እዩ፡

ሕቶ

እዚ ብዘይፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝተዳጎነ ኣገዳሲ ሕቶ፡ ንሕና ጋዜጠኛታት ንእስራኤል ኣሜሪካ ብተመሳሳሊ ነቕርቦ ሕቶ’ዩ፡

መልሲ

ደጊመ እሕብር ኣለኹ ኩሉ ነናቱ ሃላፍነት ኣለዎ ፡

ሕቶ

ዳዊት ብልክዕ ኣበይ ኣሎ ?

መልሲ

ኣይፈልጥን፡

ሕቶ

ንዳዊት ክራኸኦ እኽእል ዶ ?

መልሲ

ነዚ ነዚ ክውስን ኣኽእሎ የብለይን፡

ሕቶ

ተመሳሳሊ ሕቶ ኣሎኒ ? ንመን ክሓትት ይኽእል ? ናይ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ድዩ ?

መልሲ

ኣነ መልስታት የበለይን፡

ሕቶ

ሓደ ጋዜጠኛ ሕቶታት እንተሃለዎ ናብ ናይ ሓበሬታ ሚኒስተር ዶ ኣይኮነን ዝቐርብ ?

መልሲ

ነዚ ዝመሳሳል ሕቶ ኣይኮነን፡

ሕቶ

ገለ ዶዀን ንህዝቢ ሽወደን ዝሓቶ ዘሎ መልሲ የብልካን ?

መልሲ

ኣይከኣልን’ዩ፡

ሕቶ

ገለ ስልኪ ደዊልካ ነዚ ጉዳይ ሓቲትካ መልሲ ክትረኽበለይ ትኽእል ክጽበየካ ?

መልሲ

በዚ ኣገባብ ኣይሰርሕን’ዩ። ንዓና ከተገዱዱና ኣይትኽእሉን ኢኹም።ናትና ሰራርሓ ብኽመ’ዚ መንገዲ ክፈልጥ ንዝደሊ ፈጺሙ ዘይክእል’ዩ፡

ሕቶ

ዝኽበርካ ሚኒስተር ስለምንታይ ሓደገኛ ይኸውን ሓደ ሰብ ብነጻ ሓሳቡ ክገልጽ

መልሲ

ከምኡ ኣይንርእዮን፡ 30% ናይ ዜና መደባት ካብ ዝተፈርላልየ ሃገራት ዝሳተፍዎ ክትዓት፡ ፖለቲካዊ ሕቶ ነካይድ’ና፡ ግን እቲ ጉዳይ እንታይ ንምብጻሕ ዝሓለነ ዝምርኮስ ይኸውን፡

ሕቶ

ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከብ፡ ምሕረት ክትገብርሉ ዶ ኣይግባእን ?

መልሲ

ክትፈልጥዎ ዝግባእ ድሌትና ካብ ማንም ግዜ ዝበለጸ ንዜጋታትና’ዩ፡ 4 ሚሊዮንን ፈረቓን ዜጋታት ዝምልከት’ዩ። ብኣገባብና ንገብሮ ዘሎና ውሑስ’ዩ። ግን ኣንጻር ኤርትራ ዝዋፈር ጸለም ብዙሕ’ዩ። ንኣብነት እታ ንእስቶይ ሃገር ኤርትራ ይበሃል፡ 134 ካባና ዝንእሳ ሃገራት ኣለዋ፡ ግን ንእስቶይ ሃገር ተባሂሉ ብዛዕበኤ ኣይጽሓፍን፡ ንኣብነት ኤርትራ ክሳብ ሞርዳክ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ዝወነነ ከምኡ እዩ ክኸውን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1659

Posted by on Oct 14 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net