ትያትሮ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣስመራ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

14 ጥቕምቲ 2010

ካልእይ መወዳእታ ክፋል

መንግስቲ ፈልስጢን ኣየድልን እዩ። መንግስቲ እንተደለዩ ከኣ ምስ ህዝቢ የርዳኖስ ሓደ ኮይኑ መንግስቲ መስሪቶም ክቅጽሉ ይግባእ ኢሉ ኢሰያስ ኣፈውርቂ። ጕዳም ዘረባ። ጽቡቕ ንባብ።

ልኡኽ ኣፍቶን ብላደት ጋዜጠኛ ዶናልድ ቡስትሮም ካብ’ቲ ውዕል ዝኣተወሉን ቆጸራ ዝተዋህበሉን ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ትጽቢት ምስ ምልካዊ መራሒ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ።

ዶናልድ ቡስትሮም ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ መንገዲ ግን ኣብ ተንቐሳቓሲ ፊልም ዝቀረጾ ሰነድ ቃል መሕተት፡ ንብዙሓት ተኻታተልቲ ዘገረመ፡ ኤርትራ ካብ ሽወደን ትበልጽ ዝበለሉ ግዜ ክዝከር ይከኣል። ዶናልድ ቡስትሮም ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣውን ካብ ሕርቓንን ጽላለን ኢሰያስ ሓራ ኣይነበረን፡ ኢሰይስ በለ” ንስኻ ንኣስመራ ክትመጽእ፡ ናይ መሳፈሪ ነፋሪት መን ከም ዝኽፈለልካ፡ ደሞዝካ መን ከም ዝኸፍለካ ክትዛረብ ወይ ክትፈልጥ እንተዘይደለኻ ሲኣይኤ ምኻኑ ርዱእ’ዩ። ጎይታኹም ኣሜሪካ ካብ ዋሽንግቶን ብሓንቲ ቃል ግበሩ ዝበለኩም ከም ተተግብሩ ንፈልጥ ዝበለሉ ኣዝዩ ኣጽየፊ ተርኽቦ ካብ ዝነበረሉ ሓደ’ዩ።

One man theater

ኣብ ዝሐለፈ ሰሙን ብሃንደበት ንኣስመራ ዝተጓዕዘ ልኡኽ ኣፍቶን ብላደት ጋዜጠኛ ዶናልድ ቡስትሮም ንካልኣይ ግዜ ውርደት ሰሚዑን ተቐቢሉን ተመሊሱ ኣሎ። ሽሙ ክጠቕስ ዘይደሊ ብቀረባ ጉዳይ ኤርትራ ዝከታተል ጋዜጠኛ ረኺበ ኣዘራሪበዮ፡ መገሻ ዶናልድ ቡስትሮም ምስ ምንታይ ዝተኣሳሰረ ወይ ዝምድና እዩ ኢለ ሓቲተዮ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ብሓቂ እቲ ኩሉ ኣካይዳ ከመ ከም ዝነበረ ዝፈልጦ የብለይን ግን እቲ ዝወሰዶ ዝስጉምቲ ግጉይ ነይሩ። ዝተማኸረሉ’ውን ኣይመስልን በለ” ወዘተ።

እወ ዝተማኸረሉ ኣይመስልን ዝብል ሓደ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብቀጻሊ ክከታተልን ተግባራቱ ከጋልጽ ዝጸንሐ ትካል ነጻ ጋዜጣ ኤስፕረሰን እንተዀነ ነዚ ጉዳይ ብሓበራ ክጽሕፎ ካብ ዘይከለ ምምኽካር ከም ዘይነበረ ብቀሊሉ ከርድእ ዝኽእል’ዩ። ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ነቲ ካብ ዓለም ዘለዎ ተነጽሎ ንዝዀነ ወጻኢ ጋዜጠኛ ብምድንጋርን፡ ብናይ ሓሶት መብጽዓን ብዘይኣገባብ ምስ ዓለም ከም ዝራኸቡ ንምግባር፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ዓለም ብኣታቶም ይግደስ ምህላዉ ዘርኢ ትያትሮ ብምስራሕ ካብ ቅጥዒ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ወሪዶም ይጓዓዙ ኣለዉ።

ቅድሚ ሕጂ ኣዳክትሶን ዝተባህለ ሽወደናዊ ካብ ካናል ቲቪ 8 ሽወደን ተወኪሉ ንኤርትራ ክበጽሕ ኣብ ዝኸደሉ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣጋጣምዎ። ቲቪ ኣልጃዚራ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ከምኡ ናይ ቆጸራ ምትሕልላፍን፡ ኤርትራ ናይ ጋዜጠኛታት መናገዲት ከተማ ኮይና ከም ዘለ ግዜ ክሕዙን ክጽበዩን ከም ዘለዎም፡ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ልኡኻት ከም ዘለዉ፡ ፕረሲደንት ህጹጽ ስራሕ ስለ ዘለዎ ዝብል’ዩ። ኢሰያስ ይትረፍ ንወጻእተኛታ ናይ ኤርትራውያን ኣምባሳድራት ኣብ ኤርትራ ኣኼባ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኢሰያስ ሓዲግዎም ንሊብያ በጺሑ ከም ዝተመልሰ ይግለጽ፡ ንሊብያ ድዩ በጺሑ ተመሊሱ’ውን ዝፈልጠ ወይ ዘረጋገጸ ሰብ ኣይነበረን። ካልእ ኩሉኹም ትፈልጥዎ ናይ ኮፊ ኣናን ኣቦ/መ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሞሊቝ ንባርካ መገሻ ገይሩ፡ ኣስካሉ መንቆሪሪዮ ነቲ ጋሻ ተቐቢላቶ። እዚ ዘሕፍርን ዘሕንኽን ካብ ታሪኽ ክሕከኽ ዘይክእል ትያትሮ ንዘንተ ዕለት ኣብ መዋእል ህ.ግ.ዲ.ፍ ጃንዳ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዘይሕከኽ ነውራም ታሪኽ’ዩ። እቲ ጉዳይ ናይ ኣቶ ኮፊ ኣናን ከም ሰብ ኣይኮነን፡ ሕብረተ ሰብ ዓለም’ምበር። ስለ’ዚ እቲ ምትላል ዝነበረን ዘሎን ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሳብ ካብ ስልጣን ዝማሓው ከኣ እዚ ተርእዮ ጽባሕ ንግሆ ከም ዝድገም ዘይካሓድ’ዩ።

ካብ’ዚ ብምቕጻል መቀጸልታ ናይ’ቲ ቃል መሕተት ብዕለት11 ጥቅምቲ 2010 ኣብ መንጎ ኢሰያስ ኣፈወርቕን ዶናልድ ቡስትሮም ዝተኻየደ ናይ ቃል መሕተት ነዚ ዝስዕብ ይመስል ነበረ። እቲ ቃል መሕተት ግን ሕቶ ናይ ዶናልድ ዘይኮነ፡ ናይ ተኸታተልትን ኣንበብቲ ጋዜጣ ፍቶን ብላደት ካብ ህዝቢ ሽወደን ዝተላእከ ብመንገዲ ቡስትሮም ዝቀረበ’ዩ። ኣፍቶን ብላደት  Aftonbladet  ሓንቲ ካብ’ተን ዓብይቲ ጋዜጣ ሽወደን’ያ።

ሕቶ ሓታቲ ኡላ

ኩነታት ጥዕና ዳዊት ኢሳቕ ከመይ ኣሎ ?

መልሲ

ኣፈልጥን፡ ኣነ ነዚ ሕቶ ግዜ የብለይን፡ ግን ንስኻትኩም ንዓና በዚ ሕቶ ጽቕጢ ትገብሩ ትፍትኑ። ንምዃኑ ንስኻትኩም ዓብይ ቅልጽም ኣለኩም፡ በቲ ሰናይ ድሌትኩም ከኣ ከነገልግለኩም ትዛረቡ። እዚ ጌጋ ኣተሓሳስባ’ዩ። ንስኻትኩም ነዚ ጉዳይ ኣጋፋፊሕኩም ብዙሕ ተቀባልነት ብዘይብሉ ዓቕን ነገር ጸይኩም ኢኹም። እዚ ምንእኣስ ንእተሓሳስባና’ዩ ብቀጻልነት ነዚ ሕቶ ክትሓኡ ከለኹም። እዚ ሽጣራ ኣብ ካልእኹም ግበርዎ። እዚ ድግማ ናይ ሕቶታትኩም’ዩ። ነዚ ቅድሚ ሕጂ መሊሰዮ እየ። ነዚ ንምምላስ ግዜ ኣይወስድን’የ።

ሕቶ ከነት

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ኣብ ዝምድናታት ኤርትራን ሽወደንን እንታይ ተፈጺሙ፡ ሓታቲ

መልሲ

ብቅንዕና ንምዝራብ ነዚ ጉዳይ ኣነ ዝፈልጦ ኣይኮነን። ስለምንታይ ብሽወደን ይሓስብ ኣነ ? ስለምንታይ ግዜየይ ብዛዕባ ሽወደን ክሓስብ የባኽኖ ? ዝምድና ብምክብባር ዝህንጽ’ዩ። ግን ሓደ ወገን ኣብ’ዚ ጉዳይ ሽወደን ንባዕላ ምስ’ቲ ኩሉ ናይ ነዊሕ ታሪኽ ዝምድና እንተዘይደለየት ንሕና ኣይንግድዳን። ዝምድናን ብሰንኪ ናይ ዳዊት ማእሰርቲ ተዓጊቱ ተሪፉ። ኩሉ ግዜ ንድሌቶም ክማልኣሎም ጌጋታት ይፍትሹ፡ ንረብሓታት ኣሜሪካ ከገልግሉ። ኣሜሪካ ምሳና ምስ ዝጻልኡ ንስኻትኩም ከኣ ጸላእትና ትዀኑ።

ሕቶ

እሞ እዚ ጉዳይ እንተተፈቲሑ ሓጋዚ ኣይክኸውንን ዲኻ ትብል ዘሎኻ? እንታይ ማለትካ’ዩ ? ሓታት ከነት

መልሲ

ካልእ ጌጋታት ትፈትሹ፡ ናይ ደንቆሮታት ጸዋታ ደጋጊምና ኣይንጻወትን። ብኽም’ዚ ዝኣመሰለ ዝምድናኹም ኣይንግደስን። መንግስትኹም ንዋሽንግቶን ዘርእዮ ሕያውነት ኣብ ሕቶ ኣይንእትዎን።

ሕቶ ሓታቲት ስሲሊያ

ሽወደን ንዓኻትኩንም፡ ኤርትራ ንሽወደን ክዋሃቦኣኦ ዝኽእላ እንታይ ኣሎ።

መልሲ

ኤርትራ ንሽወደን ኣገዳሲት ኣይኮነትን። ኣነ ንሽወደን ንሰደድ ክንልእኾ ንእኽል ነገር ኣይረኣየንን። ተሞክሮይ ኣብ ሽወደን፡ ዋሽንግቶን ዝኣዘዘኩም ከም እትፍጽሙ ጥራሕ’ዩ። ኣነ ኣብ ሓደ ኽቕይሮ ዘይክእል ጉዳያ ግዜይ ከባኽን ኣይደልን። ኣነ ብቀጥታ ዘለኩም ኣሉታዊ ዝምድና ወይ ዘይዕግበኒ ዝምድና ክዛረብ ኣይደልን። ኣሜርካ ናይ ስትራተጂካዊ መሓዝኹም’ያ። ምስ’ዚ ዝምድናታትኩም ኣዛሚድካ፡ ብዓይኒ ሽወደን ኤርትራ እንታይ’ያ ? ወላ ሓንቲ።

ሕቶ፡ ሓታቲት ስሲልያ

በዚ ኣባሃህላኻ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ክትዓጽዉ፡ ንሽወደን ክትገድፍዎ ሓሲብኩም ዶ ትፈልጡ ?

መልሲ

ኣነ ዘገድሰኒ እቲ እቲ ኤርትራዊ ጉጅለ ዓብይ ስራሕ ዝሰርሕ ኣብ ሽወደን እዩ። ስለምንታይ ኤምባሲ የድልየና ? ግን እንተንዓጽዎ ከኣ ከኣ እዚ ጉዳይ ቅኑዕ ተግባር ኮይኑ ኣይምተረኽበን። ምስ’ዚ ኩሉ ጸገማት ኤምባሲ ሓደ ዝፍጽሞ ስርሓት ኣለዎ። ግን ሽወደን ቀስ ብቀስ ካብ ኣእምሮና ወይ ኣተሓሳስባና ክጥፍእ እዩ።

ሕቶ ሓታቲ ዮናታን

ክትገልጸለይ ዶ ምኻኣልካ፡ ሓደኣዊ ሰልፊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍቀደ፡ ኣብ መጻኢ ዝቕየር ዶ ኣሎ ?

መልሲ

በዚ ጉዳይ ኣብ ቅድመይ ዝርእዮ ለውጢ ፈጺሙ የልቦን፡ እዚ ጉዳይ መስርሕ ናይ ሃገራዊ ህንጻት’ዩ ኣነ ዝጥምቶ ወይ ዝሓስቦ መሰረት። ግን ከኣ ክርእዮ ዝክእል መተካእታ ንግዜኡ የልቦን። ንስኻትኩም ቻይና ንድሕሪት ትምዕብል ኣላ ኢልኩም ዶ ትሓስቡ ሓደኣዊ ሰልፊ ብምህላዎም ? ንሕና ከኣ መንገድና ንሱ’ዩ።

ሕቶ ሓታቲ ኪዳነ  ኤርትራዊ ካብ ዓባይ ብርጣኒያ

ስለምንታ ኣብ ኤርትራ ምርጫ ዘይካየድ ?

መልሲ

ምርጫ ሸቶ ኣይኮነን። መሳርሒ ጥራሕ’ዩ። ሰብ ብዛዕባ ደሞክራሲ ክዛረብ ኣለዎ። ኣነ ንሕና ሃገር ኣብ መስርሕ ዘሎና ኢና እየ ዝብል። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ሰብ ዝተፈላልየ ኣረኣእያ ክህልዎ ይኽእል። ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ወለዶ ክመጽእ ዝኽእል ግዜ ይመስክሮ። ግን ንግዚኡ፡ ዋላ ነዚ ሓታቲ ዘለና ትኵረት መተካእታ ዘሎና በዚ ዘሎና ክንቅጽል’ዩ በቲ ዘሎና ናይ ታሪኽ ሓቕነት።

ሕቶ ሓታቲ ሳሙኤል

ደሞክራሲ ምስ ዘይተፍቕዱ፡ ገገለ ጉጅለታት ብጎንጻዊ መስርሕ ተቃውሞ ከልዕሉ ንስኻ ኣይትሽገርን ዶ ?

መልሲ

ኣብይ ኣለዉ እቶም ጉጅለ ? ንስኻ ኣብ ዓለምካ ዘሎ ኢካ ትሓትት ዘሎኻ። ግን ንስኻ እቶም ትብሎም ዘሎኻ ኣበይ ከም ዘለዎ ግለጸለይ።

ሕቶ ሓታቲ ሳሙኤል

ኤርትራ ኣበየናይ ደረጃ ሕብረ ምጣነ ሃብትዊ ምዕባለ ትርከብ ? ርእሰማላዊ ? ነጻ ዕዳጋ ? ወይስ ማሕበረዊ ምጣነ ሃብታዊ ስርዓት ?

መልሲ

ኣነ ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝኣመስለ ቀሊል ክትዕ ክኣቱ ኣይደልን። ምጣነ ሃብቲ ኣዝዩ ቀሊል’ዩ። ፍርያት፡ ዝርግሐ፡ ዕዳጋ እዩ። ዝያዳ ፍርያት ዝሓሸ ሂወት ማለት’ዩ። ግን ከኣ ምዕሩይ ምክፍፋል ክህሉ ይግባእ፡ ነዚ ጉዳይ የሱስ ኢለዎ፡ መሓመድ ኢልዎ፡ ኣነ ለኒን ዝበሎ ኣይኮንኩ ዝዛረብ ዝለኹ ካብ ናይ ምጣነ ሃብታዊ ዕዳጋ ምድርቓም እንታይ’ና ክንመሃር ? ናይ ባንኪ ምርቕቓም ብዝሒ ድኽነት ? ስለምንታይ ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ጋግ ተፈጢሩ ? እቲ ትዕትዕ ዝብል ዘሎ ብዝሒ መሸጣ ብፍትሃዊ ተኸፊሉ ህዝቢ ክረብሓሉ ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ንስኻ እንታይ ትብሎ ? ርእሰ ማላዊ ? ማሕበራዊ ? ግዜኻ ኣይተጥፍእ ዋዕዋዕ ክትብል፡ እቲ ዝሰርሐ ክረክብ፡ እቲ ዘይሰርሐ ካብ’ቲ ዝሰርሕ ክወስድ የብሉን።

ሕቶ ሓታቲ ኣክሰል

ጉዳይ እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከመይ እዩ ?

መልሲ ኣይፈልጥን፡ ንሳቶም ኣጽዋር ክንዕድግ ኣይደልዩን፡ ሰብስ ስልጣን ኤርትራ ክገሱ ኣይደልዩን። እዚ ኩሉ መሕረቒ’ዩ። ሰባት ስለምንታይ ሕ/መ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም’ዚ ገይራ ይሓቱኒ። ጠንቒ ናይ’ዚ ንሕና ንገገለ ሓይልታት ሶማል ስለ ዝሓገዝና፡ እዚ ከኣ ዘይንፍጽሞ ተግባራት’ዩ። መርገጽና ግን ሶማልያ ወይ ሶማላውያን ጉዳዮም ክፈትሑ ግደፍዎም ዝብል’ዩ። እዚ ከኣ ንሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክብይኑ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። እዚ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ ኣጻጋሚ ጉዳይ ሕብረት ኤውሮጳን ዋሽንግቶን’ዩ። መቀጸልትኡ ከኣ ናይ ኤርትራ መቕጻዕቲ ንረብሓ ኢትዮጵያ ኽከውን’ዩ ዝብል ሓሳብ እዩ።

ሕቶ ሓታቲት ስሲልያ

ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ዝተሓሰበ ሓገዝ ተባሂሉ ዝዝረብ  እንተስሓብዎስ፡ ንዓኻትኩም ብMአይ ይጸልዎኩም ?

መልሲ

ወላ ሓንቲ፡ ንሕና ሓገዝ ኣይንደልን። ዋላ ሓንቲ ብነጻ ዕድመ ምሳሕ ኣይንደልን። እዚ ንዓና ትርጉም የብሉን። ኣብ ኣተሓሳስብኦም ግን ንሱ’ዩ ዘሎ። ጸገም ናታቶም ከኣ’ዩ። ደገፍ ስንኩል’ዩ ዝገብረካ። ኣብ’ዚ ንርከብሉ ክፍለ ዓለም ክንደይ ስንኩላ ሃገራት ኣለዉ ክትዕዘብ ትኽእል።ሃገረይ ተምበርካኺት ክገብራ ያደልን። ንሕና ዘልምስካ ሓገዝ ግብረ ሰናይ ኣየድልየናን። ስለምንታይ ሓገዝ ከም ኣጽዋር ትጥቀምሉ ? እዚ ጓዕጻጽ ኣረኣያ’ዩ። ኣብ ኣብፍሪቃ በዚ መነገዲ ክትቅይርዎ ዝኸኣልኩም ኣሎ ዶ ? ብሉጽ ሂወት ኣሎ ዶ ? ዕብይተ ኣሎ ዶ ? ግበረ ሰናይ ንዓይ ኣብ ዘይትምለሰሉ ጸልማት ጉድጓድ ምእታው’ዩ። ኣብ’ዚ ምስ ኣቶኻ ከኣ ምርጫ የብልካን። ንዓይ ነጻ ናይ ምሳሕ ዕድመ ምሃብ ሕያውነት’ዩ ግን ብክብረትኩም ኣይንደልን’ና።

ሕቶ ሓታቲት ስሲልያ

ግን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሓገዝ ወሲድኩም ኢኹም ?

መልሲ

እወ፡ ግን ብዙሕ ኣይኮነን። ንሱ ከኣ ምስ ጠለባቱ፡ እቶም ጠለባት ከኣ ዘይራኸቡ’ዮም። እዚ ሓገዝድዩ ወይ ሰናይ ድሌት ? ንሕና ብዘይብኡ ክነብር ንኽእል’ና። ንስኻትኩም ናይ ዝዀንት ጉዳያት ፍታሕ ከም ዝዀነ ኢኹም ትሰብኩ። ግን ንስኻትኩም ንመነባብሮ ሕሰም ወስኺኩምሉ ኣብ ሙሉ ኣፍሪቃ። ነዚ ክትቕይርዎ እዋኑ’ዩ።

ሕቶ ሓታቲ ላሽ

ብመሰረት ኣህጉራዊ ናይ ጸገማት መጽናዕቲ ኤርትራ በይና ዝተፈለየት ሃገር’ያ ይብል፡ ዝምድናታት ኤርትራ ምስ ኣዮኖት ሃገራት’ዩ ?

መልሲ ዝምድና ማለት እንታይ’ዩ ? ኣብ እንታይ ዝተመስረት ዝምድናታት ክረአ ? ዝምድና ብገምጋም ወይ ሚዛን ክረአ ኣለዎ። ምልክት ዝምድና ወይ ምንጻል ካብ ናይ ዋሽንግቶን ረብሓ ዝነቕል’ዩ። ንሓደ ነገር ንምድምሳስ እገዳ ቀንዲ መሳርሒ’ዩ። እዚ ዓይነት ፕርፖጋንዳ ኢትለ ዝመሃዞ’ዩ። ንሓደ ሓሶት ሓቂ ምግባሩ ማለት ከኣ እዩ። ኣብ ኤርትራ ከም’ዚ ሓጋይ’ዚ ንዓዶም መጺኦም ኣይፈልጡን፡ ምስ’ቲ ኩሉ ናይ ሓሶት ደብዳብ ካብ ኣሜሪካዊ ኣሰላጥጢ ስራሕ፡ ስለ’ዚ ኣነ ተንጽሎ እንታይ ምዃኑስ ክሓትት እፈቱ ?

ሕቶ

ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣጥቒዖም እንታይ ይረኽቡ ?

መልሲ

ኣነ ከጋንን ኣይደልን። ኣሜሪካውያን ንኤርትራ ምጥቃዕ  ፍሉይ ረብሓ የብሎምን። እቲ ስእሊ ግን ዓብይ እዩ። ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ መደብ ኣለዋ። ሓደ ንማእከላይ ምስራቅ፡ ረብሓ ነዳዲ፡ ንኤርትራ ብፍላይ የብላን። ግን ኣሜሪካ ጸላኢት ኩሉ’ያ ብዘይካ ነተን ኣንጻር ረብሓታተን ንረብሓ ኣሜሪካ ከገልግላ ዝቕረባ ወይ ዝዳለዋ ሃገራት። ንኣብነት ከም ኢትዮጵያ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓገዛት ዘድልዮም። መንግስታት ብዘይካ ናይ ወጻኢ ደገፋት ብናይ ገዛእ ርእሰን ዓቕምታት ሃገር ክመርሓ ዘይክእላ። እዚ ከኣ ናይ ኣሜሪካ መደብ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ኒክሰን መምርሒ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸይድ ዘሎ’ዩ። ንሕና ናይ ባንኪ ሕሳብ ኣብ ስዊስዘርላን ኣይንደልን።

ሕቶ

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኤሜሪካ ኣብ ዓለም ትዛረብ ስለምንታይ ኣሜሪካውያን ሕቶ ማእከላይ ምስራቕ ዘይፍትሕዎ ኢልካ ትኣምን ?

መልሲ

ስለምንታይ ይፈትሕዎ ? ረብሓ የብሎምን። ግርጭታት ኣሎ። ዝተጨበጠ ክለሳ ሓሳባዊ ግርጭት። ሰብ ይኣምንዶ ኣብ’ዚ ጸገማት። ንሕና ኣብ ዝምድናታትና ምስ ፈለስጢን ንሶቭየት ሕብረት ብመንገዲ ኣዲስ ክድግፉ ምስ ጀመሩ ጸገም ነይሩና። ዝሑል ውግእ ኣብ ዝነበረሉ ንሕና ኣንጻር ሶቭየት ሕብረትን ስርዓት መንግስቱን ክንቃለስ ግድነት ነይሩ። ውድባት ፈለስጢን ኤርትራ ገዲፈን ንኣዲስ ኣበባ ዝብ ዝገዓዛሉ እዋን። ንዓዓቶም ክድግፋ መሪጸን። ንሕና በይንና ተሪፍና። ንያሲር ዓረፋት ኣብ ደማስቆስ ረኺበዮ፡ ኣብ ባየሩት ረኺበዮ ኣብ ዝተፈላልየ ቦታ ረኺበዮ ብዛዕባ ዳግማይ ርእይቶ ክንገብረሉን ዳግማይ ዝምድና ክንፈጥር ተመኺርና ። ኣነ ግን ዘዋጽእ መንገዲ ከም ዘይብሉ ርአ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ካይሮ ምስ ተራኽበና እስራኤል ጎይቶትና ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ (ዓረፋት ማለት’ዩ)። ድሕሪ ውዕል ኦስሎ ግን እቲ ጉዳይ ፈጺሙ ከም ዘይሰርሕ ገሊጸሉ። ክንደይ ግዜ ዝኣክል እዪ ሰብ ኣብ ውዕል ካኣቱ ክነብር ? ገለ ክትመሃሩ ኣይትኽእሉን ? እዚ ሓደ ካብ’ቲ ጸወታ’ዩ። ሕራይ ከኣ፡ ክዘራርብ ደሊዩ ግን እቲ ርክባ ናብ ዝኸፍአ ዝምድና መሪሕዎ። ኩሉ ንገሩ ክጭበጥ ዘይክእል ነይሩ።

ኣሜሪካውያን ንምንጭታቶም ብምፍርራሕ ጥራሕ’ዮም ክረኽብዎ ዝደልዩ። ሰላም ኣብ ኣርእድስቶም የለን። ንረብሓታቶም’ውን ዘገልግል ኣይኮነን። እዚ ሓቂ እዩ። እዚ ከኣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እራኤልን ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ቀጻሊ ዘይውዳእ ግርጭት ክነብሩ ዝገበረ። ሰብ ክመውት ኣለዎ ጸሊም ማይ ( ምናልባሽ ነዳዲ ማለቱ ከይኸውን) ክነብር። ጸገም ተፈቲሑ ማለት ኣሜሪካ ኣብ ጸገም ታኣቱ ማለት’ዩ።

ሕቶ

ዝምድና ኤርትራን እስራኤልን ከመይ እዩ ?

መልሲ

ተራ ዝምድና’ዩ።

ሕቶ

ገገለ ሓበሬታ እስራኤ ኣብ ኤርትራ መደብር ኣለዋ ?

መልሲ

ኣፋሉን፡ እዚ ቕኑዕ ሓበሬታ ኣይጆነን። ግን ኣንዝ’ኢ ኤምባሲ ኣለዎም። ንሕና ግን ንፈልስጢን ኣይናኣምነሎም’ና። እስራኤል መንስግቲ ክህልዎም ግድነት’ዩ። እዚ ከኣ ነኽብሮ። ፈለስትIን ክብሪ ዘለዎ ሂወት ከኣ የድልዮም። ግን ምዕራባዊ ገባምግም(  vestbank or Gaza) ወይ ጋዛ ክኸውን የብሉን። ህላውነት ክልተ መንግስታት ሕጂ ዘገልግል ኣይኮነን። እዚ ህዝቢ ንምድንጋር ጥራሕ’ዩ። እስራኤልን ፈልስጢንን ብሓደ ክነብሩ ዘይሕሰብ’ዩ። ከም ፍታሕ ፈልስጢን ንመንገዲ ዮርዳኖስ ሓደ መንግስቲ ኮይኑ ክቅጽሉ እስራኤል ክገድፍዎም ይግባእ። ፈልስጢን ምስ ዮርዳኖስ ከኣ ሓደ መነግስቲ ክፈጥሩ ማለት’ዩ።

ሕቶ ሓታቲ ዳኒኤል

መዓስ እዩ እቲ ትጽቢት ኤርትራ ኣብ ወርቕን ነዳን ዝዝረበሉ ?

መልሲ ኣነ ትማሊ ጸብጻብ በጺሑኒ፡ 30 ዝዀን ኩባኒታት፡ ካብ 30 ዝዀና ሃገራት ዝተሓጋገዛሉ ዘለዋ መደብ’ዩ። እዚ ከኣ ወርቂ፡ ብሩሩ፡ ነሓስ፡ ኣለሚኑዮም ዓብይ ዑቝር ሃብቲ’ዩ።እዚ ኣብ’ዚ መወዳእታ ዓመት ከምጽእ’ዩ። ነዳዲ ደሓር ዝረአ’ዩ። ከም ኖርወይ’ና ንገብር ዘሎና። ዕቅ`ር ሃብትና ንመጻኢ ወለዶ’ዩ። ሕጂ ብዙሕ ገንዘብ ዘድልየና ይኮነን። ሕጂ ጽርግያታት መራኸቢ መስመራት፡ ኣባይቲ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ሕያሊ ኤለትሪክ፡ ናይ ጥዕና ነቝጣታት፡ ጽቡቕ ስልተና ውሕስነት መጻኢ’ዩ ዘድሊ። ዕባይቲ ቪላታት ብምስራሕ ኣይኮነን ወይ ከኣ ናይ ባንኪ ሕሳብ ኣብ ስዊስዘርላንድ ብምኽፋት ኣይኮነን። ምንጭታት ኣብ’ዚ ከነዋፍሮ’ና።

ሕቶ

መጻኢ ውሑስ ስትራተጂካዊ ዝምድና ኣሉታዊ ናብ ጽቡቕ ዝምድና ንምቕያር ትሓስቡ ዶ ?

መልሲ

እዚ ኣተሓሳባ ካብ’ቲ ትነብርሉ ሃገር ናይ እንካን ሃባን ባህሊ’ዩ። ዝምድና ኣብ ሓደ ወሃቢ ሓደ ከኣ ተቐባሊ ዝተመስረተ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ዝምድናታት ሓደ ወሃቢ ኮይኑ፡ ሓደ ከኣ ተቐባሊ ምዃኑ ጥራሕ እንተኣሚኑ እቲ ክረኣአ ዝክእል ህላወ ካልእዩ’ዩ ዝኸውን። ኣነ ነዚ ኣይሰማማዓሉን’የ። ቋንቋኹም ቀይሩ፡ ኣረኣእያኹም ቀይሩ። ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ሕሰቡ። ንእስቶይ ዓቢ ኩልና ፍጡራት ኢና። ኣብ ዝምድና ዘለኩም ጠመተ ነቲ ኩሉ ትብልዎ ሕራይ ክብል ጥራሕዩ። ምስ’ቲ ኩሉ ኣሉታዊ ኣሰራርሓኹም ቅኑዕ ክበሃል። እዚ ክቅየር ይግባእ።

ኣነ ንእሽትይ እንከለኹ ክጥንቀቐሉ ዝግባእ ሰለስተ ነገር ካብ መጽሓፍ ተማሂረ። ስስዐ፡ ድንቝርና፡ ነገራዊ ወይ ፍቕሪ ንገንዘብ፡ በዘን ሰልስተ ነገር ሰይጣን ንየሱስ ፈቲንዎ የኡስስ ከኣ ነዚ በዲሕዎ፡ በዚ ሚዛንን ገምጋምን ከኣ ንሕና ንነብር። (ቃል መሕተት ጋዜጠኛ ዶናልድ ቡስትሮም)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1670

Posted by on Oct 15 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net