ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣካል ኣጽኒቱ ኤርትራዊ መንፈስ ንምጽናት ይስጕም ኣሎ !

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

15 ጥቅምቲ 2010

ኤርትራዊ ኩነታት ተላዒሉ ብምሕደራ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክዝረብ እንከሎ ኣብ መብዛሕትኡ ነጻነቱን መሰሉን ተመንጢሉ ፍትሒ ዝሰኣነ ህዝቢ ይበሃል። እወ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነቱ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ፡ ዝሓለፈ መሪር ተጋድሎ 30 ዓመት ንሙሉእ መሰሉን ነጻነቱን ብተንኰላትን ሽርሕን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ዓለሙ ከይምነ፡ ከይዛነ፡ ከይሓርስ ከይነግድ፡ ከይመሃር ከይስልጥን ሕልምታቱ ሰባቢሩ፡ በታቲኑ ዘራሪጕ፡ ብዕውር ምልኪ ስኒ የብለይ ዓይኒ የብለይ እንዳበለ እንሀለይ ን20 ኣብ ትሕቲ በትርን መገረፍትን ጥሜትን፡ ድኽነትን ሕማምን፡ ስክፍታን ምፍርራሕን የማሓድር ኣሎ።

ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ርእሲ ህዝብና መዘናይ ዘይብሉ ግፍዒ ፈጺሞም፡ ኣሲሮም፡ ቐቲሎም፡ ሰብ ኣጥፊኦም፡ ንብረት ዘሪፎም፡ ዓድታት ኣንዲዶም፡ ከጽንቱ ፈተነ ገይሮም፡ ግን ህዝቢ ኣይጸነቱን፡ መንፈስ ኤርራውያን ኣይጽነቱን።

ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ’ቲ ዝገበርዎ ኩሉ ሕሰም ተግባራት፡ ዝፈጸምዎ ግፍዕታትን፡ ነታ ኤርትራዊ እምነታዊ መንፈስ እንተዝፈልጥዋ ሎሚ ህላውነትናን ኣሰርናን ኣይምተረኽበን። ካብ መግዛእቲ ጣልያን ድሕሪ ኣስታት 100 ዓመት፡ ካብ ምምሕዳር መንግስቲ ዓባይ ብርጣኒያ ኣስታት 50 ዓመት፡ ካብ ፈደረሽንን መግዛእቲ ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣስታት 40፡ ካብ መግዛእቲ ግዚያዊ ወታሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደርግ ኣስታት 17 ዓመት ግን እታ ምስጢር ኤርትራዊ እምነትን መንፈስን ተረኺበን።

እቶም ነተን ምስጢራት ዝረኸቡ ከኣ ዋናታት፡ እቶም ሓቢሮም ዝመኸሩ፡ እቶም ሓቢሮም መብጽዓ ዝኣተው፡ ካብ ኤርትራዊት ከርሲ ዝተወልዱ፡ መብጽዓ ዝጠለሙ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ እዮም። ሎሚ ጃንዳ ህ.ግ.ዲ.ፍን መራሒኦም ኢሰያስ ኣፈወርቂን ንህዝቢ እንዳሰምዐ እንዳረእየ፡ ምስ ቀልቡን ኣእምሮኡን ጉጓድ ፊሒሮም ይቐብርዎን ይደፍንዎን ኣለዉ።

ንሕልምታትን ትልምታትን ባዕዲ ዘምከነ፡ ምስ ሓያላት መንግስታት ዝተረባረበ ኤርትራዊ ኒሕ፡ ኤርትራዊ ትብዓት ሎሚ መኽዘን ምስጢሩ ብጠላማት ኣሕዋቱ ተበርቢሩ፡ ንኩሉ በቲ ዘዘሕምሞን ትንፋስ ዘይህብን ጽኑዕ ባህሉ ልምዱ ኣትዮም ክዝርግዎ፡ ኣብ’ቲ ኤርትራዊ እምነቱን መንፈሱ በጺሖም ኣለዉ።

ባዕዳውያን ገዛእቲ ንህዝብና፡ ከም ዝደኪ፡ ከም ዝዓርቕ፡ ከም ዝጠሚ፡ ከም ዝሓምም፡ ከም ዝድንቍንር ገይሮም፡ ግን ከኣ ጋዳ ነይርዎ’ምበር ንዝዓረቐ፡ ክዳን፡ ንዝጠመየ መዕንገሊ፡ ንዝሓመመ መድሃኒት፡ ንዝደንቆረ ከኣ ትምህርቲ ኣይከልኡን። ኤርትራዊ እንተዀነ በቲ ኒሕን ሓቦን፡ ኣጆኻ ኢሉ እንዳተሓጋገዘ፡ ሓድሕዱ እንዳተጸናንዐ፡ ንዓ ደኣ ኣነ ይሓይሽ ንስኻ ርኸብ፡ ኣነ ይሕይል ኣነ ክፍጽም፡ ኣብ መወድእታ ከኣ ኣነ ክስዋእ እንዳበለ ክሳብ ድሮ ነጻነት ሂወት ዝተበጀወ ጅግና፡ ተባዕ ኤርትራዊ ሎሚ ብዘይርከብ ተረኺቡ።

ኤርትራዊ ካብ ተራ ባዕዳዊ መግዛእቲ መስርዕ፡ ካብ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ካብ ተራ መስርዕ ጨቛኒ ስርዓታት ወጻኢ ዘጋጥሞ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ፍልይ ዝበለ መስተንክራዊ ንመጀመሪያ መዝገብ ዝግንጽል ዘሎ ታሪኽ ግዝኣትን ምሕደራን’ዩ።ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ።

ህዝብና ብሓዘንን ብጓህን ኣብ ቤቱ ተዓጽዩ ዝመወት፡ ህዝብና ብጥምየት ብሕማም ኣብ ቤቱ ተዓምጺጹ ዝመውት፡ ተጨውዩ ተኣሲሩ ቀስ ብቀስ ዝመውት፡ ተሰዲዱ ብኣራዊት፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ ባዕዳዊት ማእሰርቲ ከም ኣብ ሊብያ፡ ቱርኺ፡ ግብጺ፡ ዝመውት፡ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ እዩ።

ህዝብና ደቁ ንበረኻ ሊእኹ፡ ተሰዊኦም፡ ደቂ ደቁ ንበረኻ ሊኢኹ ተሰዊኦም፡ ሓሚሙ ዝጾሮ፡ ጠሚዩ ዝዕንግሎ ዘይብሉ ምስ ክብሩ፡ ምስ ሽመቱ ምስ ነጻነቱ መዓልቲ ሞቱ ኣብ ንእዲ ኮይኑ ክቆጽር ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ንገንዘብ ዘይኮነስ ብሃብታም ባህሉን ክብርታቱን ልምዱን፡ ጥሙይ፡ ሽጉር ካብ ገዝኡ ከይወጸ ሽግሩን ጸገሙን ተፈቲሕሉ ዝሓለፎ እዋን፡ ሎሚ ብገዛእ ሃብቱን ገንዘቡ፡ በዚ ስሱዕ ምልካዊ ስርዓት ብገንዘቡ ከይፍወስ፡ ብገንዘቡ ከይበልዕ፡ ብገዛእ ደቁ ከይስዕም፡ ከይምርቕ ከይድካ መጺእኻኒ ውሉደይ፡ በጃኻ ይግበረኒ ዝብልሉ ዘይብሎም ከም መኻን ኮይኑ ተሪፉ። ህዝቢ ብህዝቡ፡ ሃገር ብሃገሩ ንዕብዳን ስልጣን፡ ንዕብዳን ሙቁር ሂወት፡ ንዕብዳን ጠገለ ዘይብሉ ሸብዳዕዳዕ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝብና ብገዞሞ ብርኩ ክምልዓስ፡ ብመስፈ ዓይኑ ክነቍር ይርኢ ኣሎ።

ቀደም ቀደም፡ ንማሕረስ ዝወፍር፡ ንትምህርቲ ዝወፍር፡ ንመገሻ ዝወፍር ድሓን ተመለስ ድራረይ ዓይነይ ተባሂሉ ተመሪቝ ዝወፍር ዝነበረ፡ ሎሚ ኪድ ሽሻይ ይጽናሕካ፡ ኪድ ይቕናዕኻ፡ ኪድ ተሓጕስካ ንበር ተባሂሉ ንቤቱ ዘይመልስ ምርቓ ሰሚዑ ዝጠፍእ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ ገዛ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዝስማዕን ዝዝረብን ዘሎ’ዩ።

ኪድ ማለት ከኣ ካብ ብሱል ጥረ እንተይዘወጺኡስ፡ ካብ ኣፋፈት ገዝኡ ዝጠመተቶ ኣፈሙዝ ጠበንጃታት መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ጀሚርካ፡ በላዕተኛታት ስሱዓት ሓለፍቲ ሰራዊትን ኣመሓደርትን፡ ኣራዊትን ዘገዳም ግዜ ዝሃቦም ብኤርትራዊ ጸገም ዝሓልፈሎም ጓኖት ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሞት እውን ዘለዎ ናይ ምስንባት ምርቓ’ዩ።

ሓንቲ ሓቐኛ ታሪኽ ከዘንትወልኩም፡ ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ንሰውራ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ብመጀመሪያ ንመማህራንን ተማህሮን ዩኒቨርሲቲን ካልኣይ ደረጃን ንዘምቻ ግዱድ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣወጀሉ፡ ስውእ ኪዳነ ተስፋማሪያም ኣድሓኖም ኣብ’ቲ ጸዋዒት ኣይኸደን። ኣዲኡ ነፍስሄር ደሃብ ቀላቲ ብርሃነ፡ ኣንታ ኪዱን ወደይ እንታይ ደኣ ትገብር ኣይከድካን ዲኻ ፡ ኣስመራ ብተመሃራይ መርኣይ የብላን ኩሉ ኣብ ሜዳ ንግስተ ሳባ’ዩ ተኣኪቡ ዘሎ፡ በይንኻ እንታይ ወሪዱካ፡ ንዓባ ኪዳነ ወደይ ዘይኣመልካ ኣይትግበር ኣይተጕህየኒ ይብልኦ። እወ ደሃበየ ኣነስ ከይትስምብዲ እለ እየ እምበር፡ ደይ ንኩልና ክትባት ኢሎም ኣብ’ቲ ሜዳ ኣኪቦም መርዚ ክወግኡና ደሊዮም እዮም፡ በዚ ከኣ እንታይ ትጕሂዪ በለ። ስማዕ ኪዳነ ወደይ ብዘይምኻድካ ተኸሲስካ ካብ ብዅፍእ ትጠፍእ፡ እዛ ትብላ ዘለኻ ሓቂ እንተዀይና ሬሳኻ ባዕለይ ኣብ ኢደይ ተቐቢለ ክቐብረካ እሸኒ። ኣብ’ዚ እንተበጻሕካ ከኣ ናብ ኣሕዋትካ ተጸንቢርካ መስዋእቲ ይሕሸካ። ኣነ ክፉእካ ክርእዩ ኣይደልን በለኦ። ኣምላኽ ብሓደ ይጸንብሮም ሎሚ ክልቲኦም ሓሊፎም፡ ስውእ ኪዳነ ግቡኡ ፈጺሙ ሓሊፉ። ወይዘሮ ደሃብ ከኣ ጓሂ ወደን ጸይረን ክነብራ ጸኒሐን፡ ዓለም ኣርኪባተን ነቲ ቅንጣብ ማህጸነን ዝኽፈላሉ ነጻነት እፎይ ከይበላ ሓሊፈን።

እዚ ታሪኽ ብክልተ ሸነኽ ክትርጕም ይከኣል። ባዕዳዊ ገዛኢ ደርጊ ሬሳኻ ኣይከልኣንን’ዩ፡ ዝብል ተስፋ ክኸውን እንከሎ እቲ ሓደ ሸነኹ፡ ወፊርካ ተመለሰኒ ዝብል ትምኒት ወላዲት ዘረድእ ካልኣይ ሸነኽ እዩ። እንተሰሚዕኻዮምስ ኣይጭክኑልካን’ዮም በሃሊት ነይረን።

ሎሚ ነዚ መንፈስ’ዚ” ነዚ እምነት’ዚ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣደንዚዙ፡ ከጥፍኦን ክብትኖን፡ ሓዛኒ ዘይብሉ ሕብረተ ሰብ ኩሉ ሕዙን ኮይኑ፡ ኣላዪ ሕሙም ዘይብሉ ኩሉ ሓሚሙ ዝእለ ኮይኑ፡ በጻሒ ማእሰርቲ ዘየለ ኩሉ እሱር ኮይኑ፡ ኣብ ርእሰኡ ክሕደት፡ ጥልመት ከም ሃይማኖትን እምነትን በዚሑ ኣሎ። ምፍርራሕን ራዕድን ኣብ ከብዲ ፎግፊጕ ኣትዩ ሕማም ደሓር ኮይኑ፡ ንሃገረይ ዘብል ስምዒት ናብ ምጥፋእ ገጹ ዝደፋፍእ። ንዓ ኺድ ጥፋእ ተኸወል እዩ ኮይኑ ነገሩ።

ብሰንኪ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ወላዲት፡ ወላዲ፡ ደቆም ወለድዎም’ምበር፡ ይሃልዉ ይሙቱ ዘይፈልጡ ፡ ንብዓቶም ለይቲ ምስ መዓልቲ ዛርዩ ዝንቐጸ ኣዒንቶም ሎሚ ኣብ ሃለዋት ሞት ዝነበሩ ፍቕሪ ውልዶም ዝሰኣኑ ስድራ ቤታት ብምንታይ ይቆጸር ? ግን ነዚ መልሲ ኣለዎ። ነዚ መልሲ ኣለዎ፡ ትብዓት ሓድነት፡ ኤርትራዊ ኒሕ ብሕግን ስርዓትን ተኺልካ ምህናጹ’ዩ።

መደምደምታ

እዚ ኩሉ ኣካል ብዝተፈላልየ መንገዲ ይጸንት ኣሎ። ነቲ ተሪፉ ዘሎ መንፈስ ካብ ዝሰሃሎ’ውን ኣይወሓደን። እዚ ስርዓት ንስውኣት ይኸስስ፡ ንስድራ ስውኣት ይኣስር ይቐትል፡ ንደቂ ስውኣት ይኣሰር የሳድድ። ንጀጋኑ ተጋደልቲ ይኣስር ይቐትል፡ ንደቂ ጀጋኑ ይኣስር የሳድድ፡ ንስድራ ቤቶም ከምኡ።

ሎሚ እቲ መንፈስ እንተ ተቐቲሉን እንተጸኒቱን ነቲ ኤርትራዊ መንፈስ ሕልና ሓይል፡ እምነት ዝጽባእ ዓብይ ናይ ታሪኽ መዝገብ ስለ ዝዀነ ነዚ ስርዓት ብሓያል ሓድነታዊ ተቃውሞ፡ ብሓያል ሕጋውን ፍትሓውን ተቓውሞ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ሓይሊ ሓደ ህዝቢ ሓድነት’ዩ። ሓይሊ ሓድነት ሓደ ህዝቢ ቅዋሙ፡ ሕጉ፡ ኣገባቡን ስርዓቱን’ዩ። ሓደ ህዝቢ ንሓያል ሓድነቱ፡ ብሕጊ ቅዋማቱ፡ ኣሰራርዕኡ፡ መስኖ ቃልሱ ኣፍሊጡን ተፋሊጡን እንተዘይ ተኺልዎ። ኣዛብእ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቲ ተሪፉ ዘሎ መንፈስ መሊኦም እምነት መንነት ኤርትራ በሊዖም ከየጥፍእዎ፡ ልብኹም ይዓቢእሞ፡ ዘንግኹም ዘንጊ ታሪኽ ዓደቦ ዝተክል ግበርዎ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1673

Posted by on Oct 17 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net