ብዛዕባ ደው ምባል (ምስጓግ) “ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ” ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰ.ደ.ህ.ኤ።

ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ  መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ  ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።ኣገባብ ኣወሳስዳ ናይቲ ውሳኔ ዝምልከት ናይ ሕጋውነት ሕቶ’ውን ነቲ ማእከላይ ባይቶን ንኣባላት ሰልፊን ኣቓልቦ ክገብርሉ ንላቦ። ኣባላት ሰልፍን ኣንበብትን ቅኑዕ ሓበሬታ ረኺቦም ሚዛኖም መታን ክወስዱ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታት ክንህብ ንፎቱ።

1. እዚ ብፈጻሚት ሽማግለ ተሰጚጉ ዝበሃል ዘሎ “ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ” ካብ 29 ክሳብ 31 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኽየደ ናይ ምጽንባር ዋዕላ፣ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣጽዲቑን ተቐቢሉን፣ከምተን ካልኦት ክልተ ሰልፍታት ውድቡ ዘፍረሰ ዘይህልው ምዃኑ ንምዝኽኻር ክንጠቕሶ ንደሊ።ውድቡ ምፍራሱ ጥራይ ዘይኮነ ገንዘቡ ናብ ቆፎ፣ ንብረቱ ድማ ናብ ሰነድ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘረከበ ምዃኑ ብሰነድ ዝረጋገጽ ሓቅታት ኢዩ።ኣባላቱን መሪሕነቱን ዝነበሩ (ከምቶም ኣባላት ክልተ ሰልፍታት) ፎርም ሰ.ደ.ህ.ኤ መሊኦም ከም ኩሉ ኣባል ግቡኦም ከማልኡን ክንቀሳቐሱን ዝርከቡ ኢዮም።እቲ ኩነታት ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ዓንኬል ኤርትራ ዘየለ ውድብ ከም ህልው ቆጺርካ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ምውሳድ ንሬሳ ካብ መቓብር ፈንቂልካ ከተውጽእ ምፍታን ይመስል፡፡ ብሕጋዊ መገዲ ክርአ ከሎ ድማ ቅዋማዊ ሰረት ዘይብሉ ኣብ ድላየይ ክገብር መን ይኽልክለኒ ዝዓይነቱ ዘይዲሞክራሲያዊ ባህሪ ዝተሞርኮሰ ኢዩ፡፡

2. እዚ ሰለስተ ውድባት’ዚ ካብ ጥሪ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ናይ ሓባር ሃገራዊን ደሞክራሲያዊን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣጽዲቑ ሰ.ደ.ህ.ኤ ብዝብል ስያሜ ክጓዓዝ ጸኒሑን ኣሎን ።ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ሰልፊ (ፈ.ሽ) ንኣገደስቲ ሕቶታት ዝምልከት ስትራተጂካዊ ፍልልያት ክርአን ክምዕብልን ጸኒሑ ኢዩ።እዚ ፍልልያት’ዚ ንሃገራዊ ሓድነት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣተሓሕዛ ደምበ ተቓውሞን ናይ ዋዕላ ሕቶን ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ዋዕላን ኣብ ጉባኤን ናይ ምክፋል ሕቶ ዝደገፉ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ  “ኤ.ህ.ም” ነበር ጥራይ ዘይኮኑ ኣባላት ፈ.ሽ ሰ.ደ.ኤ ነበር’ውን ምዃኖም ክበርህ ይግባእ ፡፡ብማዕረኡ ድማ እዚ ርእይቶ’ዚ ኣብ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ጨንፈራትን ጉጅለታትን ዝንጸባረቕ ኢዩ።ስለዝኾነ ድማ ነቲ ሰልፊ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ገሚዕዎ ይርከብ። ነዚ ሕቶዚ ብክትዕን ዘተን ንምፍትሑ  ፈተነ’ኳ እንተተካየደ ናይ ዘተን ክትዕን ባይታ ተረጊጹ ናይ ምንጻልን ምህዳድን  መገዲ ተመሪጹ  ኣብ ሓባራዊ ኣረኣእያ ክብጻሕ  ኣይተኻእለን።እዚ ኣብ ውሽጢ ፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዘሎ ስትርተጂካዊ ፍልልያት ብሓንሳብ ክጓዓዘሉ ዘይከኣል መድርኽ በጺሑ ኣሎ ክበሃል ቅኑዕ ኢዩ።ከምቲ ኣጀማምርኡ ብልዝብን ብምርድዳእን ክዛዘም  ዘይከኣል ግን ኣይነበረን።ነዚ ሓቂ’ዚ ብትብዓት ምግጣሙ ገዲፍካ ምስጓግ ናይ ዘይህልው  ውድብ ክትእውጅ  ምምራጽ ግን ሓላፍነቱ ክትስከሞ ዝኸብደካ ስጉምቲን መልእኽትን ምሕላፍ ኢዩ።

ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት አእጃምና ነበርክት።

ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1719

Posted by on Nov 3 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net