ፍሹል ኣኼባ ስርዓት ህግደፍ ብአምበሳዶር ኣቶ ግርማይ ሳንቲምዝተኻየደ ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ብ EYGM – CANADA ጨንፈር ኦታዋን ካልኦት ግዱሳት ሃገራዊያን ኤርትራዊያንን ተወቒዑን መኺኑን

ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ

ፍሹል ኣኼባ ስርዓት ህግደፍ ብአምበሳዶር ኣቶ ግርማይ ሳንቲምዝተኻየደ ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ብ EYGM – CANADA ጨንፈር ኦታዋን ካልኦት ግዱሳት ሃገራዊያን ኤርትራዊያንን ተወቒዑን መኺኑን

ስርዓት ህግደፍ ብ ቀዳም ዕለት 30 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ንዝቅመጡ ኤርትራዊያን ፍሹል ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ናይ ዝተሳተፉ ቁጽሪ ኣስታት 40 ሰባት ክኸውን ከሎ፡ ምክኒያት ናይቲ ኣኼባ ኣቶ ግርማይ ሳንቲም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዋሽንግቶንን ኣብ ካናዳን፡ ኣብ ኦታዋ ንዘሎ ሃዋህው ከጽንዕን እንተመቺኡ ከኣ ኣብቲ ልሙድ ናይ ለመና ኣመል ስርዓት ህግደፍ ክሰጋገርን እዩ ኔሩ።

እቲ ከም ኣጀንዳ ሒዙዎ ዝቐረበ ፡

  • ጉዳይ ኤርትራን ጂቡቲን ብሞንጎኝነት ቐጠር ኣብ ህግደፍ ዝረብሓሉ ኩነታት እስጉም ከምዘሎን
  • ብናይ ሶማል ዝምልከት ከኣ ናብ ህግደፍ ዝቐረበ ክሲ ኣሉታውን ጭብጢ ዘይብሉን እዩ ድሕሪ ምባሉ ኣብ ከባቢና ብዝምልከት ተሳተፍቲ እምበር ተዓዘብቲ ኣይንኾውንን ክብል ነቲ ቀዳማይ ሓሳቡ በቲ ካልኣይ ሓሳቡ ሃሪምዎ፡
  • ቀጺሉ ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ 2011 ናይ ረፈረንዶም ዝካየደሉ እዋን ምኻኑን፡ ብምኽኒያት ኣብ ዶብ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን እትርከብ ከተማ ኣብየይ ናይ ማስሕሓብ ሃዋሁው ከምዘሎን፡
  • ንቃልሲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣመልኪቱ፡ ናይ ንዕቀት ኣመል ስርዓት ህግደፍ ብዘንጸባርቕ ድስቲ ን ጻሕልን ወያነ እንዳልመጽካ ኣብ ዓዲግራት ኮንካ እንዳ ተኣከብካ ሃገር ክርከብ ዘይ ሕለም እዩ እንዳበለ ኣስተናዒቕዎ።
  • ናብቶም ብስርዓት ህግደፍ ተኸዲዕም ካብ ሃገሮም ዝባረሩ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ሃገርና ኣመልኪቱ ነዞም ዓዶም ገዲፎም ኣብ ስደት (slave) ማለት ጊላ ኮይኖም ድስቲ ሓጺቦም ዲዮም ፡ ወላስ ሽቓቕ (ዓይኒ ምድሪ) ሓጺቦም ወይ ወልዊሎም ስድራቤቶም እሕጉዙ ኣለዉ፡ ካብኡ ሓሊፉ ቁጦባ ሃገር የማሓይሹ ኣሎዉ፡ ብኽድዓት ክረኣዩ የብሎምን ንዳበል ብዘስደምም ኣዘራርባ ሓጪጭሎም።
  • ድሕሪ ነዊሕ ናይ ዕንኪላሎን ሃልወሳን ሓሸውየን ኣቶ ግርማይ ሳንቲም ብስርዓት ህግደፍ ሰናቲም ክኣሪ ከምዝተላእከ ገሊጹ።
  • ኣመለኛ ለማንን ተዓባይን ስርዓት ህግደፍ እቲናይ እገዳ መስርሕ ከምዘይ ሃሰዮምን ግን ከኣ ንዕደና ወርቂ INVEST ክገብር ገንዘብ ከምዘድልዮም ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ብሃገራውነት ጠቢሩ ገንዘብ ማእሪሩ ነቲ ትልኽ ዝብል ዘሎ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዕድመ ከናውሕ ስብከቱ ቀጸል። ስርዓት ህግደፍ ብዘይካብዶላር ብካልእ ዘይሓስብ፡ ዶላር ንምርካብ ድማ ዘይኣልሞ ሓሶትን ዘይወስዶ ዓሻ ስጉምቲን የብሉን። ኣቶ ሳንቲም ዘረብኡ ምስወደአ ናይ ሕቶን ሪኢቶን መደብ ተኸፊቱ። ብገለ ኣብኡ ዝተረኸቡ ኣባላት EYGM –CANADA ጭንፈር ኦታዋ ኣብ ቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ፡ ንደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን  ኣምባሳደር ሳንቲምን ዘንቀጥቅጥ ሕቶታት ዘነበ።

እቲ ሕቶታት ነዚ ዝስዕብ እመስል፡-

ቀዳማይ ሕቶ ብኣቶ ሲዒድ ኣደም  ብ ኣባል EYGM –CANADA ዝቀረበ፡ እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ናይ POLICY ምቅይያር ኣብ ስርዓት ኣስመራ ከይመስገንኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ምክንያቱ ኩልና ከምእንፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ስምዑኒ ምበር ክሰምዕ ዘይፈልጥ ብዙሕ ዝስከም እምበር ብዙሕ ዝሓስብ ዘይፈቱ ክነሱ ሎሚ ግን ድሕሪ 20 ዓመታት ፊደል ናይተጸዋርነት ዝመሃር ዘሎ እመስል። ኣነን ንስኻን ዘይንኽሕዶ መንእሰይ ኤርትራ ካብንብረቱን ትምህርቱን ተመዛቢሉ በቲ ሕጊ ኣልቦነት ኣመሓዳድራ ተረቢሹ

ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩን ዝፈትዎም ስድራቤቱን ገዲፉ ንስደት ይውሕዝ ኣሎ። ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ ከኣ ኣብ ምድረ በዳ ግብጽን ሊብያን ናይ ሂወት ፈተነ አሕልፍ ኣሎ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ስርዓት ህግደፍ ንበይኑ ፈላጥ መለኮታዊ ፍጥረት ጌሩ ንነብሱ ስለ ዝሰርዓ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ሽግር ጠቢሱዎ ኢሉ ከም ሪኢቶ ድሕሪ ምቅራቡ ናብ ሕቶኡ ሰግረ።

ኣቶ ግርማይ ብዛዕባ INVEST ናይ ዕደና ኣልዒልካ ተዛሪብካ። እንተኾነ ሕጊ ዘይብላ ሃገርን ቅዋም ዘይብሉ ስርዓትን መንእሰይ ዝሃድመላ፡ ክብርታት ሃማኖታትን ባህሊን ዘናሹ ስርዓት ፡ ተጋዳልይ ብዘይ ክሲ ዝእሰረላን ውሕስነት ዘይብላ ዓዲ ኢንቨስት ትብል ብከመይ ኣብጋባብ እዩ ሰብ ክቅበሎ? ብምባል ሕቶኡ ደምደመ።

ዝተዋህበ መልሲ ካብ ኣቶ ሳንቲም ብሓሳብ ምሳኻ ኣይነስማማዕን ብዝኾነ ግን ሪኢቶኻ ተዛሪብካ ብምባል ኣዝሊቐ።

ካልኣይቲ ሕቶ ብ ዮሴፍ ነጋሲ ኣባልEYGM –CANADA ኮይና ሐደ መንግስቲ ወይ ሃገር ብዛዕባ ኢንቨስትመንት ንኽዛረብ በቲ ዝተሓተ መምርሕታት ዝቅየድ ክኸውን ኣሎዎ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ እንተመጺእካ ግን ሕጊ ማለት ወይ ቅዋም ዘይብሉ፡ ሰብ ይእሰር እምበር ፍርዲ ዘይውሃቦ ትካል እጅምር እም ብምስምስ ይንጥቕ። ብሓጺሩ ንኩሉ business monopolize ገሩዎ ዝነብር ዘሎ ስርዓት ብምንታይ መለክዒ ኢኻ ብዛዕባ common share ወይ investment ትዛረብ ዘሎኻ። ኩነታት ኤርትራ ሕጂ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኮይና ትነብር ኣላ ኢልካ ኔርካ፡ እሞ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ንሰላም ዝተገብረ ጻዕርታት እንታይ ኣሎ? ከምዚ ኢሉ እንተቀጸሉ እቲ ሃገራዊ ዕማም ክሳብ መዓስ እዩ ተወንዚፉ ክነብር፡ ቁዋም መዓስ ክትግበር እዩ፡ ጉዳይ እሱራት መዓስ እዩ ክርአ? ካብቲ ዝገርም ኣብ ኤርትራ በዚ ሕጂ ግዜ ካብ ቤትምህርቲ ቤት ማእሰርቲ እበዝሕ ስለዚ መጀመርያ እቲ ክግበር ዘለዎ መባእታዊ ስራሕ ግዳ ዘይትገብሩ? ክብል ሕቶኡ ደምዲሙ።

መልሲ ኣቶ ሳንቲም፡ ብቁጠዔ ካበይ ኣምጺእካዮ እዚ ዘረባ ክብል ኣግባዕብዐ። ቀጺሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነገር ክትሪእዮ ዘጸግመካ እንተኾይኑ ናይ ዓይኒ እኩያለ ግዛእ ክብል ሓጪጭሉ።ኣብዚ ግዜዚ ብኑጹር ኣቶ ሳንቲም ሳጉኡ ዘይኮነትስ ብሓቂ ዋጋ ነብሱ ምኻና እታ ሳንቲም ባዕሉ ናብ ህዝቢ ተቃሊዑ።

ሳልሰይቲ ሕቶ ብ በራኺ ዮሃንስ ኣባል EYGM –CANADAኣቶ ግርማይ ሳንቲም ብዝደርበኻዮ ዘርባ ብዛዕባ ካብ ሃገሮም ተባሪሮም ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያት ሃገርና ኣመልኪትካ ከዳዓት ኣይትበልዎም ከም SLAVE ማለት ከም ጊላ ድስቲ ሓጺቦም ዲዮም ወይስ ዓይኒ ምድሪ ወልዊሎም ስድራቤቶም ይሕግዙ ኣሎዉ ከማኡ ከኣ ንቁጠባ ሃገር ይጠቕሙ ኣለዉ ኢልካ ክትገልጽ ጸኒሕካ። ከም ኣምባሳደር መጠን እቲ ኣዘራርባኻ ምስቲ ዘሎካ መዝነት ወይ STATUS ካብ ከምዚ ኣዘራርባዚ ብእሩም ብዝኾነ ቃላት ክትዛረብ ተመራጺ ኮይኑ እስመዓኒ። ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ፍታሕ ኣናዲኻ ተማሂሩን ማዕቢሉን ንሃገሩን ህዝቡን ከማዕብልብዓል እጃም ክኸውን ክንዲ ትገብርዎ፡ ንክሃድም ተተባብዕዎ ዘለኹም ትመስሉ ካብ ኣዘራርባኻ። ማንም ዘይስሕቶ መንእሰይ ከሲርካ ዝመጽእ መኽሰብ የለን ኢሉ ናብ ካልኣይ ሕቶ ኽሰግር ከሎ፡ይኣኽለካ ብምባል ካብ ሕቶኡ ምድምዳም ኮሊፍዎ።

መልሲታቱ ብተመሳሳሊ ኣቃጫጭን ምቁንጻብን ዝመልኦ ምንም ፍረነገር ብዘይብሉ እዩ ኔሩ። ኣቶ ሳንቲም ኣብ መልስታቱ፡ ንስኻ ንኤርትራ ኣብዚዓዲ ኮንካ ትገብሮ ነገር የሎን ቅድሚሕጂ ውን ዝገበርካዮ ስለ ዘይብልካ ሓላይ ህዝቢ ኤርትራ መሲልካ ብኮውሊ ሕቡእ ኣጀንዳታትኩም ከተተግብሩ ቦታየብልኩምን ክብል ኣግባዕቢዑሉ።

ራብዕይት ሕቶ ብሓደ ኣባል ህግደፍ ዝኾነ ስሙ ሓሰን ሳልሕ ሙሕሰን ዝብሃል ኣብ ከተማ ኦታዋ ብሻፍት ዝፍለጥ እያ ቀሪባ። እዚ ሰብ እዚ ብትውልዲ ፍርቂ ኣካሉ ትግራዋይን የመናውን ኮይኑ ኣብ 70ታት ንዓደብኡ ከይዱ ዝነብር ዝነበር ዜጋ ናይ የመን ሎሚ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ኮይኑ ነቶም መሰል ህዝብና ይከበር፡ ቅዋም እተግበር ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ይቁም ኢሎም ንዝምጉቱ ዝነበሩ ዜጋታትና ብምቁሻሽ፡ እዚኦም ዝሓትዎ ዘለዉ ሕቶ ስቅ ኢልካ ንራብሻ ዝዓለም እዩ እንዳበለ ብዛዕባ ኤርትራውነቶም ጥርጣሬ ከም ዘሎዎ ገሊጽን ካብ ቲሕቲ ሃገራውነት ስሚዒታቶም ንኽወጹ መተሓሳሰቢ ለጊሱሎም። ከምዝብሃል ግን ጂንጂብል መንእያ እንተበሉዋስ መንትብል እዩ ነገሩ እሞ ንሱ ንባዕሉ ኣነ መንእየ ኢሉ ብርግኣት ንክሓስብ ይዕደምዎ። ሕጂ ንግዚኡ ናብተን ሕቶታት ዘቅረበን ክንምለስ፡

  • ንምንታይ እያ መንግስቲ ካናዳ ከምኡ መንግስትታት ዓለም ኣብ ሕጂ በጺሔን ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ቆላሕታ ክገብራ ጀምረን ዘሎዋ? ብፍላይ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ሱዳንን ሶማልን ኣብዚ ሕጂ ዝሕሰብ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ብሓቂ ኣብ ጉጉይ ኣረኣእያ ከምዝነበራ ተቀቢለንኦ ዴን ወስ ሕቡእ ኣጀንዳ ስለዘለወን ኢየን ከም ቀደመን?
  • ቃልሲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 80ታት ከመይ ከምዝነበረ ኣስተምህሮ ክትህበና ዶ ትክእል?  ምክንያቱ እዚኦም ኣብዚ ዘዕገርግሩ ዘለው ምናልባሽ ከመይ ጌርና ነጻነትና ከምዘምጻእናያ ብከመይ ካብ ወያኔ ተከላኪልና ከምዝዓቀብናያ ምእንቲ ትምህርቲ ክኾኖም ክብል ዘረብኡ ዛዚመ።

ኣብ 80ታት ኣቶ ሻፍት እዝኑ ሰቑሩ ስረ ዮዮ ጌሩ ኣእጋሩ ገቲሩ ኣብ ከተማ ኦታዋ ዝፈልጥዎ ሰባት ሓውና ሻፍት ሎምስ ፖሊትካ ተማሂሩ ክብሉ ክሕጭጩሉ እስምዑ ነበሩ።

እብቲ ናይ ሕቶታቱ መልሲ ንዝምልከት ግን ዝተኾሓሓለ ዝተቆናጀውን መልስታት ተገሩሉ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ዝተጸበናዮወጻኢ ኣይነበረን።

ሓሙሻይ ሕቶ ብ ወዲ ኢድሪስዝቀረበት   ቀጥታ ንኣቶ ሳንቲም ትምልከት ናይ ሕልና ሕቶ እያ ኔራ።  ኣብ ክፍሊ መጋዕዚያ ከሎና ኣነን ንስኻን ንፈልጦም ስምና ኤርትራ ሃይማኖትና ኤርትራ ዓድና ኤርትራ እንዳበሉ ዝሓለፉ ብጾት ኣሎውና፡ ናይ ዕድል ኮይኑ ኣነን ንስኻን ብሂወትና ኣሎና፡ ንሳቶም ግን ሕድሪ ሂቦምና ሓሊፎም እዮ፡ ስለ ዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ትሓስብ? እቲ ዝሃቡኻ ሕድሪከ ብዝግባእ ዶ ተተግብሮ ኣሎኻ? ንምንታይ ስደተኛታት ንዓዶም ዘይምለሱ? ንምንታ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያ እሰፍር ዓዱ ለቒቁ? ንምንታይ ቁዋም ዘይትግበር? እዚ ዲዩ ኔሩ ሕድሪ ስዉእትና ክብል ሕቶኡ ዛዚሙ።

ድሕሪ ሓንሻብ ዝን ምባል  ኣቶ ሳንቲም ቀጥታ ሓንቲ ሓረግ ካብተን ሕቶታት ወሲዱ ስም ዓዲ ወዲ እድሪስ ኣልዒሉ ንደቂ ሒርጊጎ እንተኾይኑ ኣብ ዓጎምቦሳ ባሕሪ ናይ ኣከለጉዛይ ከምዘጣየሶም ሕቢሩ።

ናይመጨረሽታ ዝነበረ ሕቶ ብሓደ ደጋፊ ህግደፍ ዝኾነ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፡ ንሕና ኤርትራውያን ግጉይ ኣሰራርሓ መንግስቲ ከንነቅፍን ክንእርምን ግዴታና እዩ። እቲመንግስቲ ከኣ ኣብ ዘሎዎ ሕጽረታትን ጌጋታትን ክንቀፍ እንከሎ ነቲ ነቀፈታ ተቀቢሉ ኣሰራርሓኡ ክቅይርን ከመሓይሸን ክኽእል ኣለዎ። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ከምዝብሃል ምስላ ንሕና ኤርትራውያን ተቀማጦ ኦታዋ ኣይሽንካይ ብጉዳይ ሃገርና ነንሓድሕድና ውን ኣብዛ ዘለናያ ከተማ ክንረዳዳእ ኣይከኣልናን። ካልእ እትረፍ ፡ ማሕበረ ሰብ ንኩላትናዝጥርንፍ እካ ክንገብር ኣይበቃዕናን ብምባል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ኣብ መጨርሽታ ካብ ሊዕሊ 3000 ተቀማጦ ኦታዋ 40 ሰብ ጥራሕ ኣብ ኣኼባ ክሳተፉ ከለዉ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣዚዩ ካብ ህዝቢ ከምዝተነጸል ናይ ትማል ቀዳም 30 ዝነበረ ኣኼባ ምልክት እዩ። ብሓፈሽኡ፡ ግን መንእሰያት EYGM – CANADA ብዝሓጉስ ጸብለልትነት ንኣኸባ ህግደፍ ወዲእዎ።

ሞት ክናና ንኢሰያስ

ክብሪን ሞጎስን ንስውኣትና

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና

ብኣደም ወዲ ሓላል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1745

Posted by on Nov 5 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net