ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኮሚሽን ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ

ብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።

The Eritrean National Commision Meeting in Leeds

እቲ ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም ቃል ብኣቶ ኪዳነ ተቐማጣይ ከተማ ሊድስ ምስ ተኸፍተ፣ ንተሳተፍቲን ዕዱማት ናይቲ ኣኼባ ምስ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ መንእሰይ በረኸትን ሓው ዓንደብርሃንን ድሕሪ ምልላይ፣ ብዛዕባ ኣጀንዳን ዝዝተየሎም ዛዕባታትን ኣርእስታትን ተሓቢርዎም። ካብኡ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምስ ተገብረ፣ ቀንዲ ጉዳይ እቲ ኣኼባ ተጀመረ።

ብመጀመርታ እቲ መድረኽ ሓው ዓንደብርሃን ምስ ተረከቦ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ጉዳይ “ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተን ንደሞክራስያዊ ለውጢን” ምክያዱን ዕላምኡን ብዝምልከት መብርሂ ብዝርዝር ሂቡ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ዋዕላ ቅድሚ ምክያዱ ኣትሒዙ ይኹን ዋላ ‘ውን እናተኻየደ ከሎ ዝነበሩን ዝተኸስቱን ወይ ዝተራእዩን ምዕባሌታት ገሊጹ።

ቀጺሉ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን፣ “ቅድሚ ዋዕላ ዋላ እኳ ነቲ ዋዕላ ንምዕንቃፍ ብዙሕ ኣሉታዊ ዘመተታትን ጎስጓሳትን እንተተኻየዱ፣ እቲ ዋዕላ ግን ነዚ ፈተነታት በዲሁን ሰጊሩን ውጽኢታዊ ኮይኑ ብዓወት ተኻይዱ” ድሕሪ ምባል “ እቶም ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፍና ሰባት ብሓፈሻ ንዝተራእየ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ምስክር ኢና” ኢሉ።  ኣስዒቡ ገለ ካብ ብዙሕ ዓወታት እቲ ዋዕላ ቀንዲ እቲ ኩሉ ተሳታፊ ብማዕረ እጃሙ ዘበርከተሉ ሃዋህው ብምፍጣሩን፣ እቲ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ “ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ፣ ንህዝቢ ዘማእከለ” ብምንባሩን ረባሕታዊ (ናይ ቃላት) ለውጢ (paradigm shift) ከም ዘርኣየ ሓቢሩ። ንሱ ብፍላይ ብደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ነቲ ዋዕላ ንምዕዋት ኣብ ቦታ ዋዕላ ንዝተኻየዱ ንጥፈታትን ተበግሶታትን ድሕሪ ምጥቃሱ፣ ንተራ መንእሰያት ኣሞጊሱ።

ካብቲ ሰሓቢ ዝነበረ ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ መደበር ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ተቓለስቲ መእሰያት ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣሜርካን ኣውስራልያን ዝተወልዱን ዝመጹን መንእሰያት፣ ሓቢሮም ካብ ዝኾነ ጸቕጢ፣ ጽልዋን ምትእትታዋትን ጸቢብ ትሕቲ ሃገራዊ ኣተሓሳስባታትን ሓራ ኮይኖም ብስሩዕ ብቐጻሊ እናተራኸቡ ዘትዮምን ኣብ ነጥቢ ይበጽሑ ምንባሮም ኣድኒቑ።

እንደገና እቲ መድረኽ ናብ ሓው ዓደብርሃን ተሰጋገረ። ንሱ ብወገኑ ብዛዕባ ወሳኔታት ዋዕላ ኣመልኪቱ፣ እቲ ውሳኔታት ብመሰረት እቲ ኣብ ናይ እተን ዝቖማ ናይ ዘተ ሽማግለታት ዝቐረቡ 4 ሰነዳት ድሕሪ ዝተኻየዱ ሓያልን ሰፊሕን ምይይጥን ክትዓትን ዝተዋጽኡ ለበዋታትን መጸዋዕታታትን ምዃኖም ገሊጹ። እቲ ዋዕላ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔታቱ ቀንዲ ብኣብነት ዝጥቀስ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት፣ “ዝዓበየ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝሰማማዓሉ፡ ብስኒትን ተኻፋልነትን ዝልለ ሃገራዊ ቻርተር ምጽዳቅ፡ ውሑስ መሰረት ሃገራዊ ሓድነት’ዩ።” ምባሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ መንእሰይ በረኸት ብዛዕባ ትርጉም ዕላማን ኣቃውማን፣ መዝነትን ዕማማትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ኮሚሽን ኣብ 4 ሽማግለታት ተመቒሉ ብ7 ኣባላት ትካየድ ፈጻሚት ሽማግለ ዝቖመ ድሕሪ ምባሉ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፣ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ኣብዘን ሽማግለታት ኣትዮም ዲሞክራስያዊ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ጸዊዑ። ኣስዒቡ እቲ ባብ (ኣፍደገ) ንኹሉ ኤርትራዊ ክፉት ከም ዝኾነን፣ ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ዝቦኾሩ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ህዝብን ነቲ ዝመጽእ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ክጽንበርዎ ምእንቲ ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

መድረኽ ሕቶን መልስን ምስ ተኸፍተ፣ ካብ መንእሰያት ብርክት ዝበሉ ኣገዳስቲ ሕቶታት ቀሪቦም። ገለ ካብኦም፣- 1. ዋዕላ ኣብ ኢትዮጵያ ምቅናዑ ናይ ኢትዮጵያ ሕቡእ ኣጀንዳ ወይ ጽልዋ ከም ዘሎ ‘ዶ ኣየርእን፧         2. ኮሚሽን ምእንቲ ብግቡእ ዕማማት ከሰላስል እንታይ ምወላ ወይ ሓገዝ ዝረኸቦ ኣሎ፧ 3. እቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ዶብን ብወተሃደራዊ መዳይ ኣገባብ ቃልስን ለውጥን እንታይ ርእይቶ ወይ ወሳኔታት ኣሕሊፉ፧

ዝተዋህበ መልሲ 1. ኢትዮጵያ እታ እንኮ ሃገር ኣብ ከባቢና ንዲሞክራስያዊ ቃልስና ትድግፍ፣ ዝበዝሑ ተቓለስቲ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ዝርከቡላን ከምኡ ’ውን ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ህዝብና ተዓቑቡላ ዘሎ ሃገር ኢያ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቲ ዘሎ ርክብ ምስ ሰልፍን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊ ምክብባርን ናይ ሓባር ረብሓታት ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፣ እቲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ምድግጋፋት ንውሳኔታት ዋዕላ ብዘይ ጸልው መንገዲ ኢዩ ነይሩ።

2. ኮሚሽን ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ባጀት የብሉን፣ እቲ ኣባላቱ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደታት ናይ ኣኼባ ብናቶም ተበግሶ ኮይኑ ግን ገለ ግዱሳት ዜጋታት ክተሓጋገዝዎም ይእኽሉ። ንስርሓት ኮሚሽን ንምክያድ ዘድሊ ገንዘባዊ ወጻኢታት ካብ ኤርትራዊ ምንጪ ዝተዋጽአ ምስ ዝኸውን ተመራጺ ኢዩ። ይኹን ‘ምበር፡ ንውሳኔታት ናይ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ብዘይጸልው መንገዲ ደገፋት መሓዙት ምስ ዝርከብ ውን ክቅበል ይኽእል።

3. ንጉዳይ ዶብ ዝምልከት እቲ ዋዕላ፣ ኣብ ውሳኔታቱ ከም ዘውጽኦ እቲ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንዝተዋህብ ብይን ተቐቢሉ። ወተሃደራዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ‘ውን ኣሚኑ፣እንተኾነ ግን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ምክልኻል ምዃኑ ተሰማሚዑ። እቲ ኣገባብ ቃልሲ ኣንጻር መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ ኢዩ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ መወዳእታ ኣገደስትን ሃነጽትን ለባዋታት ቀሪቦም ብተሳተፍቲ፣ ገለ ካብኦም ከኣ፣- መንእሰያት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ተበግሶ ወሲዶም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንዲሞክራሲ ተራኦም ከዕዝዙ። ንተቓወምቲ ኣባላት ፖለቲካውያንን ሲቪካውያን ውድባትን ክብሪ ክንህቦም ይግባእ። ከም ‘ውን ነዚ በቶም ገዳይም ጀጋኑ ተቓለስቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ሓቢርና ክንቃለስ ይግባኣና ኢሉ። ካልእ ድማ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ዝቦኾሩ ኣካላት ንምስታፎም ብኹሉ ሸነኽ ጻዕሪ ክካየድ ጸዊዖም። ብድሕሪ እዚ እቲ ኣኼባ ብዝኽረ ሰማእታት ተዓጽዩ።

እዚ ኣኼባ ብብዝሒ ተሳትፎ መንእሰያት ብቐንዱ እኳ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነበሩ ዝተራእየሉ ኮይኑ ንቐጻሊ ዕብየት ተሳትፎ መላእ መንእሰያት ባይታ ኣንጺፉ።

በዚ ኣጋጣሚ ንመንእሰይ ኪዳነን ብጾቱን ካብ ከተማ ሊድስ ከም ‘ውን ንኣቶ ገብሪሂወት ካብ ከተማ ሸፊልድ ንዝገበርኩሙልና ምትሕብባር ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን የመስግነኩም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1752

Posted by on Nov 7 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net