ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ኦስሎ፡ ኖርወይ

መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣብ ኦስሎ ዝምቕማጦም ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ብ23 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ መላእ ከተማ ኦስሎን ከባቢኡን  ዝመጹ፡ መንእሰያት፡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ፡ ምውቕን ሰሓብን ናይ ምርድዳእ መንፈስ ዝዓሰሎን  ዕዉት ኣኼባ ተቓኒዑ።

ኣቶ ወልድኣብ፡ ኣባል መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ፡ብመጀመርታ ነቶም ኣኼባ ዝመርሕዎ ዶክተር መሓመድ ኬርን መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምዃኖም ድሕሪ ምስ ተሳተፍቲ ኣላልዩ። ካብኡ ዶክተር መሓመድ ኬር ጸብጻብ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን ካብ ኖርወይ ተወኪሎም ኣብ’ቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉ ዘበርከትዎን ዛዕባ ኣኼባን ሓጺር መግለጺ ብምሃብ’ዩ ነቲ ህዝባዊ ሰሚናር ከፊትዎ። ቀጺሉ መንእሰይ በረኸት ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኻየደ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ካብ መኽፈቲ ናይ ዋዕላ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ብኸመይ ከም ዝተኻየደ ተወሳኺ ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ መብርሂኡ እቲ ዋዕለኛ ነቲ ዋዕላ ተካይድ ባዕሉ ሰክረታርያ መሪጹ፣ ብድሕሪኡ ‘ውን ንኡሳን ናይ ዘተ ሽማግለታት ምስ ቆማ ነቲ ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ዝተዳለወ ጽሕፋት (ሰነዳት) ብምውቕን ሰሓብን ናይ ምርድዳእን ምጽውዋርን፣ ምትሕልላይን ምክብባርን ዝሰፈኖ ሃዋህው ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዘተን ክትዓትን ከም ዝተኻየደሎም ገሊጹ።

ዶክተር መሓመድ ኬር ስዒቡ ብዛዕባ ናይ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣውንታዊ ጎድንታቱ ከም ዝበዝሕ እቲ ዚነበረ ዉሑድ ኣሉታዊ ጎድንታት ብዝርዝር ድሕሪ ምብራሁ ከኣ ፣ ነቲ ኩነታት ከም ተሞክሮ ወሲድና ንምጻኢ ክንመሃረሉ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ምስ’ዚ ኣዛሚዶም፡ ኣቶ ኪዳነን ኣቶ ተስፋኣለምን ኣብ ኦስሎ ዝምቕማጦም ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ዕዉት ዋዕላ ከም ዝተኻየደን፣ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን ካብ ኖርወይ ተወኪሎም ኣብ’ቲ ዋዕላ ከም ዝተሳተፉን ትዕዝብትታቶም ኣካፊሎም። ከም ‘ውን እቲ ብተሳተፍቲ ዋዕላ፣ ዋዕላ ንምዕዋቱ ዝካየዶ ጻዕርታት ገሊጾም።

መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን እንድገና መድረኽ ተረኪቡ ብዛዕባ ትርጉም፣ ኣቃውማ፣ ዕላማ፣ መዝነትን ሓላፍነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን  ከም’ውን ኣባል ኣብ ኮምሽን ዝኸውን እንታይ ኩነት ከማልእ ከም ዝግብኦን ኣብሪሁ። ቀጺሉ ድማ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ናይተን 4 ሽማግለታት ኮሚሽን ዕማማት ብሰፊሑ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፣ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ በብዓቕሙ ምስ ኮሚሽን ክተሓባበር፣ ሞራላውን ማቴራላውን ድጋፍ ክገብሩላ ጸዊዑ።

ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ምስ ተኸፍተ፡ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዙሓት ሕቶታት ቀሪቦም መንእሰይ በረኸት   ከኣ፡ ንዝቐረብሉ ሕቶታት ብግሉጽ ኣገባብን ብህድኣትን መሊሱ። ገለ ካብ’ቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ካብ 3 ኣባላት እቲ ካብ ዋዕላ ዝቦኸረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ፡ ብዛዕባ ኣብ ዋዕላ ዘይተሳተፈ ሰልፎም ኮሚሽን ከም ዓራቒት ኮይና እንተተቃራርብ፧ ከም’ውን እንተድኣ ሰ.ዲ.ህ.ኤ (EPDP) ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ምስታፍ ኣብዩ እቲ ጉባኤ ጎዶሎ ‘ዶ ኣይከውንን ዝብላ ነይረን። መንእሰይ በረኸት ዝሃቦ መልሲ ከኣ፡ “ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን እቲ ኣብ ዋዕላ ዝተዋህበና መዝነት፣ ዕማምን ሓደራን (mandate) ንጹር ኮይኑ፣ ኣብ ዕርቂ ይኹን ኣብ ዘተ ምስ ኣብ መንጎ ውድባት ዝፍጠር ሽግራት ክንኣቱ ከምዘየፍቅድን ብኡ ድማ ከም ንቕየድ” ኢሉ መሊሱ። እንተኾነ ግን ናይ ሰልፊ ህዝቢ (EPDP) ኣብ ኮሚሽን ይኹን ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ሓንጎፋይ ኢሎም ከም ዝቕበልዎ ኣዘኻኺሩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ዋላ እኳ ኢፒዲፒ (EPDP) ይኹን ካልኦት ናይ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ባእታታትን ንምስታፎም ሓያል ጻዕርታት ተኻይዱን ክካየድ ምኳኑን እንተተረጋገጸ፣ እዚ ጻዕርታት ምስ ዘይዕወት ግን እቲ ቃልሲ ጠጠው ይብል ወይ እቲ ጉባኤ ምሉእ ኣይከውንን ክዕወት ከምዝይክእል ጌርካ ክርአ ከም ዘይግባእ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

ካልእ ካብ ሓደ መንእሰይ ንዝቐረበሉ ፣ “ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምስ ዝወድቕ ብሃንደበት፣ መሰጋግሪ ዝኸውን መደብ (Plan B) ኣዳሊኹም ‘ዶ ኣለኹም፧” ዝብል ሕቶ፣ “ ኣብ ዋዕላ ንከምኡ ኣርእስቲ ወይ  ጉዳይ ዝድህስስ መሰጋገሪ መድረኽ ዝብል ወረቐት (ሰነድ) ዘትን ክትዓትን ከም ዝተኻየደሎም ብተሳተፍቲ ዋዕላ፣ ዳርጋ መብዛሕትኡ ሰብ ‘ውን ተሰማኢዐሉ። እንተኾነ ግን ሕጂ ናይ ፖለቲካ ሽማግለ ነዚ ጉዳይ ኣልዒላ ምስ ሓፋሽ ህዝብን ክኢላታት ብምምኽኻር ናብ ህዝቢ ኣውሪዳ ክትካትዓሎም ኢያ ቅድሚ እቲ ሰነድ ናብ ጉባኤ ምውራዳ።”

ስለዚ ኮሚሽን እኹል ምድላዋት ገይራ ንህዝቢ ጎስጒሳን ኣለዓዒላን ጉባኤ ከተዐውት ከምትክእል፣ ንጹር ኣጀንዳታትን ቅጥዒ ናይ ተሳትፎን ኣዳልያ ድማ ህዝቢ ክፈልጦን ርእይቶ ክህበሉን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ከተረድእ ክትቃለስ ኢያ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ለበዋታት መድረኽ ምስ ተኸፍተ ካብ ኣሕዋት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ምስ ኮሚሽን ክተሓባበሩ ድልውነቶም ገሊጺም። ምኽንያቱ እቲ ኮሚሽን እኹል ግዜ ስለ ዘለዎ ‘ሞ ከኣ ንጹር ኣጀንዳታትን ንጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት ህዝቢ ክፈልጦን ርእይቶ ክህበሉን ክካትዓሉን ካብ ኮነ ቅሩብነቱ ኣረጋጊጾም። ካልእ ዝቐረበ ለበዋ እዚ ተመኵሮ ናይ ዋዕላ ብፍላይ ኣብ ምትሕልላፍ ሓበሬታን ዜናን ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ብኣዝዩ ዝተወደበ መንገዲ ክመሓላለፍ ዝብል ኢዩ። ብካልኦት ተሳታፍቲ ሃንጺ ርእይቶታትን ማዕዳን ምስ ቀረበ፣ ዝኽረ ሰማእታት ብምግባር ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

በዚ ኣጋጣሚ ብተቓለስቲ ተቐማጦ ከተማ ኦስሎ ዝኾኑ ኣቶ ተስፋማርያም፣መሓመድ ብርሃን፣ ጀላል፣ መሓመድ ዓሊ፣ ዶክተር መሓመድ ኬርን ብፍላይ ድማ ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ንዝገበርኩምልና ምዉቕ ኣቀባብላን ምትሕብባርን ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብልቢ የመስግነኩም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1777

Posted by on Nov 12 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net