ኣብ ላስ ቬጋስ ኔቫዳ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ “ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ” ከኣ ተመሪጻ

ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብዛዕባ ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ህዝባዊ ኣኼባታት ንኽግበር እዚ ንሳልሳይ ጊዜኡ ኢዩ። ናይ ትማል ረቡዕ 10 ሕዳር 2010 ካብ’ቲ ናይ ቅድም ፍሉይ ዝገብሮ መርኣያ እንተልዩ ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባታት ዝነበረ ክትዓት ኣድላዪ መብርሂታት ተዋሂብዎ ድሕሪ ምድምዳም፡ ሽማግለኡ መሪጹ ንኽግስግስ ዝተነጸረሉ ህሞት ስለ ዝነበረ ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ክልተ ኣባላት ኮምሽን ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይን፡ ኣቶ ስዓድ መ/ ሙሳን፡ ክልተ ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝነበሩ ዜጋታት ከኣ ኣቶ ተወልደ ሃብተሚካኤልን፡ መንእሰይ ዳዊት ተኽላይን ተረኺቦም ሓቀኛ ዝኾነ ኣረዳድኣን ቅኑዕ ሓበሬታን ብምሃብ ጉዕዞ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ብዝግባእ መንገዲ ከም ዝጅምር ጌሮም’ዮም።

ኣቶ ሰዓድ ናብ’ዚ ኤርትራዊ ባይቶና እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ኣኼባ ድሕሪ ምኽፋቱ ፡ ኣብ ላስ ቬጋስ ናብዚ መድረኽ እዚ ንምብጻሕን ንምርድዳእን ዘድሊ ምትሕብባር ጌርና ኢና፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ናብ ስራሕ ንምእታው ንዳሎ፡ ብምባል ብዛዕባ ዋዕላ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ዘረብኡ ብምቕጻል ኣቶ ሰዓድ፡ “ሃገራዊ ዋዕላ ሓድነትና ዘደልደለ፡ ፍልልያትና ወጊና ድማ ንሓንቲ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልኪ ገላጊልና ነጻን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ምምስራት ዝወሰነ ኣኼባ ኢዩ ነይሩ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ነጻን ዲሞክራያዊትን ኤርትራ ዝጭቆን ክፍሊ ናይ ሕብረተሰብና ክህሉ ኣይኮነን “፡ እዚ ዘሎናዮ መድረኽ ንኹልና ኤርትራውያን ሓደ ጌሩና ኣሎ፡ ብሓደ ከኣ ንሃገራዊ ጉባኤ ንመርሽ” ብምባል መኽፈቲኡ ወደአ።

ኣኼባ ብኣቶ ሰዓድ ብዝተኸፍተ፡ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣተኵሩ ዝተዛረበሉ ዛዕባ ህዝባውነት ናይ’ዚ ተልእኾዚ’ዩ።  ኣብ መደርኡ “እዚ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ መስርሕ እዚ ብመንጽር ህዝባውነቱ ጸላኢ ናይ ስለያ መርበባቱ ብምስፋሕ ክጻብኦ እኳ እንተፈተነ ተቓሊዑ ክብርዕንን ክፈሽልን ምዃኑን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኽወል ሓቂ ከኣ ከቶ ከም ዘየለ ኣረዲኡ”። ብምውሳኽ ኣቶ ሃይለማርያም፡ እዚ መስርሕ እዚ ንኹለን ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ውልቀ-ዜጋታትን ብማዕረ ዝምልከቶም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ታሪኻዊ ምስግጋር’ዚ ተግባራዊ ንምግባር ዳምዳም ዝብሉን ብዕቱብ ከኣ ዝነጥፉ ዘለዉን ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣመስጊኑ። ኣገባብ ቃልሲ ብዝምልከት ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ “መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላን ጉባኤን ነቶም ሰላማዊ ኣገባባ ቃልሲ ዝመርጹ ሓይልታት ብጉያ ክሰርሑሉ ዝግባእ እንበር ዓንቃፊ ተራ ምስ ዝጻወቱ መትከላዊ ነፍሰ ተጻብኦ ምዃኑን፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኣምኑ ከኣ ካብ ቀደም ንላዕሊ ብሓደ እዚ ዝምራሕ ሓይሊ ፈጢሮም ተቐበልቲ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ክኾኑ ካብ ቀደም ንላዕሊ ዝጥለብሉ ጉዳ’ዩ” ክብል ኣብሪሁ።

“ደጊም እታ ባቡር ነቒላ’ያ ደው ዘብላ ሓይሊ ድማ ከቶ የለን” ዝበለ ናይ ሰብኣዊ ዓቕሚ (Human Resources) ምሁር፡ ኣቶ ተወልደ “ንብድሕሪ ሕጂ ስረሓትና ናይ ሓሊፉን ተሪፉን ገምጋም እናሃብና ክንከይድ ኣለና፡ ዘይሰርሕ ነገር ከምዘይሰርሕ ገምጊምና ኣገባብና ክንቅይር እንተዘይክኢልና ኣይክንዕወትን ኢና” ድሕሪ ምባል፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብንጡፍ ክሳተፍ ምዃኑን እዚ ኮምሽን’ዚ ብቐይዲ ግዜ ናይ ሓደ ዓመት ክሰርሕ ዝተበገሰ ምዃኑ ተስፋ ዝሕህብዩ ድሕሪ ምባል ኣካል ናይታ ህዝባዊት ሽማግለ ኮይኑ ክሰርሕ ድሉውነቱ ገሊጹ።

መንእሰይ ዳዊት ተኽላይ ብወገኑ ነዚ ታሪኻዊ ዋዕላ’ዚ ምስታፉ ከም ዘሓጎሶን ከም ዘዅርዖን ድሕሪ ምግላጽ፡ “ቅድሚ ምኻድና ብዙሕ ዘፈራርሕ ወረን ዘረባን እናሰማዕና ዝኸድናኳ እንተኾና፡ ኣብኡ ድሕሪ ምብጻሕ ግን ኩሉቲ ዝተኻየደ ልዝባትን ክትዓትን ብዲሞክራስያዊ መንገድታት ዝተኻየደ ምዃኑን፡ ብፍላይ ከኣ ናይ መንጎ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ብዙሕ ናይ ሓድሕድ ልዝብ ዝተኻየድሉ መኣዲ ዘተታት ከምዝነበረን ከምዘሓጕሶን ንተሳተፍቲ ኣረዲኡ። ዳዊት ብወገኑ ኣብ ላስ ቬጋስ  ነዚ ህዝባዊ ዋኒን’ዚ ንምዕዋት ብፍላይ ምስዘለዉ ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበርን ውልቀሰባትን ንጡፋት ደቂ ኣንስትዮን ብምርኻብ ሃገራዊ ተርኡ ክጻወት ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ መንጎ’ቲ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ኮምሽነራትን ተሳተፍቲ ዋዕላን መግለጺ ብሓው ዳንኤል በላይ፣ ደራሲ “ይሓልፍ’ዶ ይኸውን” ናይ ልበ ወለድ መጽሓፍ፣ ብዛዕባ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዓትን እዚ ስርዓት’ዚ ከኣ ክእለ ከምዘለዎ ዝገልጽ ሓደ ግጥሚ ኣስሚዑ፣ ብሰማዕቲ ድማ ልዑል ኣድናቖት ረኺቡ።

ኣብ መደምደምታ ኣኼባ 21 ኣባላት ዘለዉዎ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ብምምራጽ ዘድሊ ሓበሬታትን፡ ስልክታትን ኣድራሻታትን ኣኪቦም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ’ዚ ወፈራ’ዚ ክነጥፋ ዘለወን ደቀንስትዮ እውን ጻውዒት ክግብሩን ናይ ስራሕ ምክፍፋል መደብ ከውጽኡን ተሰማሚዕም ኣኼብኦም ብምውዳእ ንድራር ኣምርሑ።

ሪፖርታጅ ሜድያን ሓበሬታን ሃገራዊ ኮምሽን፣

ሰሜን ኣሜሪካ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1785

Posted by on Nov 15 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net