ኣብ ስያትል ዋሽንግተን 25 ዚኣባላታ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ተመሪጻ

ኣብ ከተማ ስያትል ቀዳም 13 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ መጀመርያ ክፋል ናይ’ቲ ኣኼባ ብተሳተፍቲ ዋዕላ ካብ ስያትል ዝኾኑ ኣቶ ሃይለስላሴን ኪዳነን፡ ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስን (ቀሺ) ተመኩሮኦም ኣብቲ ኮንፈረንስ ከመይ ከምዝነበረ ኣብሪሆም። ቅድሚ ዋዕላ ንዝነበረ ሃዋህውን ብድሆን ሕጽረታትን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረልና እንግዶትን ምትሕብባርን ፡ ዋዕላ ምስ ተጀመረ ተሳተፍቲ ዋዕላ ዘርኣይዎ ታሪኻዊ ሃገራዊ ሓላፍነትን ናይ ምጽውዋርን እንካን ሃባን ክትዕን ናይ ምክብባርን መንፈስን ብፍላይ ከኣ ካብ መደበር ስደትኛታት ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሃብዎ ምሕጽንታን ኣውያትን ህዝብን ከምኡውን ዓበይቲ ኣቦታትና ዝሃብዎ ማዕዳን ለበዋን ካብቲ ነቲ ዋዕላ ክዕወት ዝሓገዝዎ ረቛሒታት ምዃኖም ንኣኼበኛ ኣብሪሆም። ካብኦም ብምቕጻል ከኣ ኣባላት ኮምሽን ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይን ወ/ሮ ሰሚራ ሳልሕን ድሕሪ ዋዕላ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብዝርዝር ብምግላጽ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ብኸመይ ክሳተፎ ጥራይ ዘይኮነስ ክውንኖንን እውን ከይተረፈ ከምዘለዎ ብኣትኵሮ ገሊጾም። ነዚ ኣኼባ’ዚ ምስ ኣጋይሽን ኣኼበኛታትን ዘላለዩን ስእልታት ብምልዓል ይኹን መደባት ብምስራዕ ዝመርሕዎ ከኣ መንእሰያት ተኽለ ጥዑምዝግን (ወዲ ብላታ) ኣብርሃም ብርሃነን ኢዮም ኔሮም።

ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ዝተላዕሉ መትከላዊ ፖለቲካውን ሕጋውን ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል

  1. ነጻነት ሃገራዊ ኮምሽንን ምስ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዘለዎ ዝምድናን ምንጻር፣
  2. ተሓታትነትን ናይ’ዚ ኮምሽን ንመን ምዃኑን ኣሰታትፋ ውድባት ከኣ ብኸመይ ክኸውን ከም ዝኾነን ክበርህ፣
  3. እዚ ኮምሽን እዚ ኣብ ዋዕላ ዘይተሳተፉ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብኸመይ ከምዝዕድሞምን ዘሳትፎምን፣
  4. ኮምሽን ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ብኣትኵሮ ክምልከቶም ዘለዎ ዛዕባታት ካብቶም ንህዝቢ ንምድንጋር ዝለዓሉ ኣጀንዳታት ህግደፍ ፈልዩ ከቃልሕ ክኽእል፣
  5.  ኮምሽን ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ስደትኛታትን እሱራትን ጅቡትን፡ ግብጽን ሊብያን ፍሉይ ኣትኵሮ’ዶ ክገብሩ ከምዝግባእ፣
  6. ብሔራዊ ሕቶታትን ሃይማኖታዊ ዛዕባታትን ኣብ ዋዕላ ይኹን ድሕሪ ዋዕላ ብኸመይ ከምዝተኣልዩን ይእለ’ዩ ከምዘለዉን፣
  7. ተራ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ንክዓዝዝ ኮምሽን ክወስዶም ዘለዎ ስጉምታት እንታይ ክኾኑ ኣለዎም፣
  8. ተራ ኮምሽን ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ንውሐ-ጊዜ ኣገልግሎትን ክንጸር ከምዘለዎን፣
  9. ኮምሽን ሓሳባትን ገንዘባዊ ወይ ካልእ ኣስተዋጽኦታትን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ንምእካብ ብኸመይ ይነጥፍ ምህላዉን ዝብሉ ሕቶታት።

ኮምሽነራት ብኸም’ዚ ዝስዕብ መልስታቶም ሂቦም፡

  • ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ነጻ ኣካል ምዃኑን ምስ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ይኹን ካልኦት ናይ ለውጢ ሓይልታትን ብምትሕብባር ክሰርሕ ከም ዘለዎ፡፡
  • ተሓታትነትን ናይ’ዚ ኮምሽን ንመን ዝብል ሕቶ ከኣ ንሃገራዊ ጉባኤ ምዃኑን፡፡
  • ኣሰታትፋ ኣባላት ውድባት ጌና ኣብ መስርሕ ዘሎን ኣብቲ ካልኣይ መድረኽ ናይ’ት መስርሕ ክንጸር ምዃኑንን መምሪሒ ኺዋሃብ ምካኑን፡፡
  • ኮምሽን ኣብ ዋዕላ ዘይተሳተፉ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብሃንቀውታ ከምትጸብዮምን ኣብ’ት መስርሕ ከተሳትፎም ከኣ ዝከኣላ ከምትገብርን፡፡
  • ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ብኣትኵሮ ዝምልከቶም ስረሓት፡ ምጉስጓስን ስርርዓት ምክያድን፡ መሰጋገሪ ሰነድ ብምድላውን ሃገራዊ ጉባኤ ብምእታውን ከኣ ባይቶ ኣቝሙ ህዝብና ብዝውክል ሕጋዊ ድምጺ ክንዛረብ ክንክእልን ምዃኑ፡፡
  • ጉዳይ ኣብ ጅቡቲን፡ ግብጽን ሊብያን ዘለዉ ስደትኛታትን እሱራትን ብመንገዲ ሰብኣዊ ማሕበራት ክቃላሕ ዘድሊ ስጉምታት ክወስዱ ምዃኖምን፡፡
  • ብሔራዊ ሕቶታትን ሃይማኖታዊ መሰላትን ብዘርኢ ዛዕባታት ወጽዓ ኣለኒ ዝብል ኣካል ሕብረተሰብ ወጽዕኡ ክንደይን፡ መን ካብ መን ንላዕሊ ይበዝሕ እናበልና ከነወዳድር ዘይኮንስ፡ ወጽዓ ዘለዎ ዓው ኢሉ ክዛረበሉ ብምትብባዕን፡ ወጽዓ ሓደ ወጽዓ ኩልና ምዃኑን ብምእማን ጥራይ ምዃኑ ክንግንዘብን፡።
  •  ተራ ደቀንስትዮ ኽዓዝዝ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሓውን ሓብትን ክሳተፉ ዘተባብዕ መደብ ኣዳልዮም ምህላዎምን ግደ መንእሰያት ንክዓዝዝ ድማ፡ ኮምሽን ኣብ ህዝባዊ ሽማግለታት ኮነ ንጉባኤ ብኣድማዒ ቁጽርታት ክትሳተፎምን ከተታባብዑም ምዃናን፡፡
  • ዕድመ ኮምሽን ሓደ ዓመት ተተናውሐ ብሽድሽተ ኣዋርሕ ክውስኽ እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ኺመጺ ዚክእል ፖለቲካዊ ቅልውላው ህዝቢ ኤርትራ ሰራዊትን ባዓሉ ኽህዶኦ ሙካኑ ኮምሽን ያኣምን፡ ኮምሽን ምስኩሎም ሓይልታት ለውጢ ካኣ ህዝብና ካብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምድሓን ሓገራዊ እጃሞም ኺገብሩ ምካኖም ከም ኮምሽን ያኣምን፡፡
  • ኮምሽን ሓሳባት ካብ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገንዘባዊ ወይ ካልእ ኣስተዋጽኦታት ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ንምርካብ ድሮ ዘድሊ ትካልውን ሕጋውን ስጉምትታት እናወሰዱ ምዃኖም ብምብራህ መደረኦም ወድኡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼበኛ ካብቲ ኣኼባ ዝነበሩን ዝውሰኽዎምን 25 ሰባት ብምምራጽ ኣብ ከተማ ስያትል “ህዝባዊ ሽማግለኡ ንሃገራዊ ዋዕላ” ብምምራጽ ኣኼብኡ ደምዲሙ። ኣብዚ ዕማም’ዚ ክነጥፋ ዘለወን ደቀንስትዮ ክውሰኻ ተላብዩ ኣኼቡኡ ፈጺሙ።

ኤርትራውያን ሓድነትኩም ኣስጥሙ

ህዝብና ክፍታሕ ጸገሙ

ክብረት ህዝብና ክምለስ ከምቀደሙ

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ከተማ ስያትል፣ ዋሽንግተን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1817

Posted by on Nov 19 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net