ኤርትራውያን አብ ከተማ ፍራንክፎርት ብጕዳይ ሃገራዊ ጕባኤ ተዛትዮም

ትማሊ ቀዳም 27 ሕዳር 2010 ግደ ከተማ ፍራንክፎርት ኢዩ ነይሩ፡፡ ሃገራዊ ኮምሽን አብቲ ከተማ ብምርካብ ንተቐማጦ ፍራንክሮርትን ከባቢኡን ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱሎም፡፡

ቊርን ማይን ሰንጦቖም ብጕዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝበሃሎም ከዳምጹን አብ ልቦም ዘሎ ሓሳባት ከካፍሉን ካብ ፍራንክፎርትን ክሳዕ 50 ኪሎ ሜትር ካብ ዘሎ ከባብን ዝተጓዕዙ ደቂ ሃገር ንኣደራሽ ኣኼባ መሊኦሞ ነበሩ። ነዚ ዋሕዚ ህዝቢ ብዓይኒ ጽሞና ንዘስተብሃለ ከአ ኵነታት ዋሕዚ ህዝቢ ናብ ሰውራኡ (1975) የዘኻኽሮ‘ዩ። ሓደ ፍልልይ ግና ክኽወለካ አይክእልን። ናይ 1975 ብዕድመ መንእሰያት ብቅጽበት ከአ ልሉያት ክዀኑ ከለዉ ናይ ሎሚ ግና ዕድመ ዝጸገቡ ጥንቃቐ ከአ ዘመዝገቡ ነይሮም። ናይ 1975 ወለዶ ሂብካ ዝተርፍ ግዜ ነይርዎም ክበሃል ይከአል፤ ናይ ሎሚ ናይ ፍራንክፎርት ኣኼበኛታት ግና ብመንጽር ዕድመ ይኹን ብመንጽር ዝትግበር ዕማም ዝካፈል ግዜ የብሎምን። ዕድላት ንጠቐመሎም አይንጠቐመሎም ግዜኦም ሓልዮም አብ ዓዓሰርተ ዓመታት ወይ አብ ዕስራ ይኽሰቱልና ኢዮም። ብ1975 ጦር-መግዛእቲ ስዒርና ኤርትራ ክንሕርር ይከአል ነይሩ። ብ1977 ከምኡ ከተማታት ሓራ ምውጻእ ቀጺልና ንኣስመራ ክእቶ ይከአል ነይሩ። ብ1991 ስምረት ጨቢጥናን ሓቢርናን ናጻ ህዝቢ ክንከውን ይከአል ነይሩ። እዚ ኵሉ ግና ናተይ ውዑይ ክንብል ነቶም ዕድላት አይተጠቐምናሎምን። ናይ ሎሚ ኣቐራርባና ነዚታት ዝተማህረሉ ይመስል።

መግለጺ ሃገራዊ ኮምሽን ብከፊል ከምዚ ዚስዕብ ነበረ።

ዝተሳተፍኩሞን ብምልኣት ልቢ ዝተኻታተልኩሞን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምርአይን ነዚ ታሪኻዊ ዓወት ብምብጻሕን ንዅላትና ተቓለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እንቛዕ ሓጎሰና፡፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘተኰረሎም መሰረታዊ ሃገራዊ መቖምያታት ንምዝኽካርኩም ዝኣክል ከአ ካብ ብዙሕ ብውሑዱ እንሆ፦

  • ልዕላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ብሰፍ ዘይብል ቃልስን መስዋእትን ኤርትራዊ እኩብ-ድምር ዚትረጋገጸ ብምዃኑ አብ ዝዀነ ግዜን ኵነታትን ዘይትንከ መንነታዊ ግርማና ምዃኑ፤
  • ሕቶ እምነታትናን፣ ቋንቋታትናን፣ ብሔራትናን ብባህርያቱን ጠባዩን ዲሞክራስያዊ ምዃኑ፡፡ ከነቚማ ነማዕድዋ ቅዋማዊት ሃገርና ከአ ማዕርነት ኵሉ ሸነኻት ኤርትራን ኤርትራውነትን ብሕጋውን ፖለቲካውን ትራጕሙ መዓልቦ ክትገብረሉ ክህልዋ ምዃኑ ሃገራዊ ዋዕላ ኣስሚርሉ ሓሊፉ።
  • ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ከም ኤርትራዊ ዕላውያን ቋንቋታት መጠን አብ ኵሎም መንግስታውን ሕጋውን ህይወት ሃገር ብማዕረ ክስርሓሎም ከም ዚግባእ ሃገራዊ ዋዕላ ብጥብቂ ኣማሕጺኑ።
    • አብ ጕዳያት ዋንነት መሬትን ትሕዝቶኡን ብዝምልከት እውን ከም ሕጊ ዓድታትና ዚፈቕዶ ዳግም ክርአ፡፡ ብፍላይ ነቲ ብሓይሊ ብህግደፍ ተመንዚዑ ኣልቦ ፍትሒ ተዓዲሉ ዘሎ መሬት ከአ ሕግን ፍትሕን ብዝፈቕዶ ነናብ ግቡእ ዋንኡ ክምለስ ከም ዚግባእ ሃገራዊ ዋዕላ ርእዩ፡፡ ስለዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንመሬት ሕርሻን መጓሰን፣ ንግርኡ ጨውን ማያት ዓሳን ንነባሪኡ ብዝምችእን ብዘሳምምዕን ክመዓረ ክህልዎ‘ዩ ኢሉ።

ብድሕር‘ዚ ኣኼበኛታት ከምቲ ልሙድ አብ ካልእ ከተማታት እውን ክግበሩ ዚጸንሑ ኣገባባት አብ መድረኽ ሕቶን ርእይቶን ተሰጋገሩ። አብዚ ድሕሪ ዝአክል ግዜን ምትዕግጋብን ምኻዱ ድማ ቀጺሉ ሃገራዊ ኮምሽን ናብቲ ቀንዲ መኣከቢ ዛዕባ ብምእታው አብ ከመይነትን ኣድላይነት ናይ ምልዕዓልን ምጕስጓስን ስራሕ አተኰረ። አብ 2011 ዓመት ዓለም ክጋባእ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጕባኤን አብ አብኡ ክሕረ ዚሕሰብ ኤርትራዊ ግዚያዊ ባይቶን ብዝርኢ ዚጽበዩና ዕማማትን ነሰላስሎ ምልዕዓላትን መብርሂ ተዋሂቡ። ነዚ አብ ነንነብረሉ ከባቢ ግብራውነት ንምልባሱ ድማ ከም ምስልን ቅርጻን ሃገራዊ ኮምሽን ዚጠልቦ ❶አብ መዳይ ህዝባዊ ስርርዕ ❷አብ መዳይ ፖለቲካ ❸አብ መዳይ ዜናን ሓበሬታን ❹አብ መዳይ ፋይናንስ ወዘተ… ንምንጣፍ መብርህን መምርሕን ተዋሂቡ።

ህዝቢ ሕራይ ንሓድነታዊ ከይድን ንሃገራዊ ጕባኤ 2011ን ብምባል ካብ ውሽጢ ተሳተፍቲ ኣኼባ 11 ኣባላት መሪሕነትን 3 ተቘጻጸርትን መሪጹ ጕዳያት ህዝቢ ብዕትበት ክመርሑ ቆጽሊ ኣውዲቑሎም፡፡ በዚ ከአ ህዝቢ ነናብ ዚመጸሉ „ናብ ዳግም ርክብና“ እናተበሃሀለ ሸውሃት ብዝዓሰሎ ፈነዋ ተፈላለየ፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1877

Posted by on Dec 2 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net