ቃለ መሕተት ኣምባሳዶር መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣልናህዳ

ካብ ዓረብኛ ዝተተርጎመ

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ከም መቐጸልታ እቲ ሕሱር ናይ ዓሰባ ባህርያቱ ሕጂ’ውን ስም ተቓለስቲ ንምጥፋእ ነቲ ብኣምባሳዶር መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣልናህዳ ብቋንቋ ዓረብ ዝተገብረ ቃለ-መሕተት ፈጺሙ ንሱ ብዘይበሎን ዘይተዛረቦን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣትርረጓጉማ ተርጒሙ ጸሎሎ ክቐብኦ ከም ዝፈተነ ኩሉ ዝተዓዘቦ ኢዩ። ይኹን’ምበር እቲ ብኣምባሳዶር መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ዝተገብረ ቃለ መሕተት እቲ ሓቀኛ ኣተረጓጉምኡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ’ሞ ተኸታተሉ፣-

መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሰ.ደ.ህ.ኤ ሓድሽ መሪሕነት ከም ዝመረጸን ኣቦ-መምበር ዶር ተስፋይ ስብሃቱ፣ ምክትል ኣቦ-መምበር ድማ ሓጅ ዓብደል-ኑር ሓጅ ከምኡ’ውን 11 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ከም ዘቖመ ገሊጹ። ነዚ ዜና እዚ ምስ ረኣና ንዝያዳ መብርሂ ንምርካብ ወረቓቕትና ብምሓዝ ናብ እስታዝ መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ኣባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣምሪሕና። ብቐጥታ ድማ እንታይነት ናይዚ ሰልፊ እዚን ቀንዲ ዛዕባ (ምኽንያት) ምፍልላይ ኮነ ኣብ ቀጻሊ ድማ እንታይ ከም ዝሰዓበን ተወኪስናዮ። ንሱ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ መብርሂ ሂቡና፣-

ኣምባሳዶር፣-

እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እታ መሪሕነት ትብሃል ዘላ ድማ ሓዳሽ ፈጻምት ሽማግለ ናይ’ቲ ሰልፊ ዝተመርጸት ኢያ። ቲ ጉዳይ ንድሕሪት ተመሊስና እንተሪኢናዮ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ሓደ ሓያል ማዕበል ተፈጢሩ ንነዊሕ ጊዜ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ክሰርሕ ጸኒሑ። ገለ ካብ ጠለባቱ ድማ ውሳኔታት ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ክንቅበል ኣሎና፣ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ (ዋዕላ) ድማ ክንሳተፍ ዝብል ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን በቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ዘይቕበሉ ሸነኽ ወይ ወገን ጠለባት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ከም ውጺኢት ናይዚ ድማ ንሓድነትን ዋዕላን ዝድግፍ ሸነኽ ነዚ ስጉምቲ እዚ ክወስድ ተገዲዱ። ኣብቲ ዝመጽእ ጉባኤ (ዋዕላ) ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከምዝሳተፍ ኣዊጁ። እቲ ጉባኤ (ዋዕላ) ሓደ ንኹሉ ተቓውሞ ሓይልታት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ።

ብዛዕባ ውልቃዊ መርገጺኡ ምስተሓተተ ድማ፣-

ኣምባሳዶር፣- ኣነ ምስታፍ ኣብ ዝመጽእ ዋዕላ ዝድግፍ ኢየ። ነዚ ዝምልከት ድማ ብጽሑፍ ነቲ መሪሕነት ኣፍሊጠ ኢየ። እዚ ድማ ኩሉ ኣባል ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ነዚ ኣሕዋት ወሲደሞ ዘለዉ ስጉምቲ ድማ ምስ መርገጺየይ ዝሳነ ስለ ዝኾነ ብሙሉእ ልበይ እድግፎ ኢየ።

ኣብ ስዒቡ ዝካየድ መደባት ኣመልኪቱ ድማ ኣቶ መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ከምዚ ይብል፣-

ኣምባሳዶር፣- እዚ ሓድሽ መሪሕነት ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መሪሕነት ኪዳን ኮነ ኮምሽን ዋዕላ ርክባት ከካይድ ኢዩ። ግብረ-መልሲ ናይ ኪዳን ኮነ ኮምሽን ዋዕላ ብዘየገድስ ድልውነቱ ናብ ጉባኤ ንምስታፍ ከም ዘረጋገጸ ዝዝከር ኢዩ።

ብዛዕባ ወይዘሮ ምሕረት ገብረኢየሱስ ምስ ሓተትናዮ ድማ፣-

ኣምባሳዶር፣- ብጸይቲ ምሕረት ወላ’ኳ ብውልቃዊ ምኽንያት ስንብታ ትሕተት እምበር እቲ ሓቂ ግን ነቲ ዝነበረ ኣከያይዳ እቲ መሪሕነት ስለ ዝተቓወመትን እቲ ሰልፊ ድማ ብዉሑዳት ጉጅለ ስለዝተገዝአን ካብቲ ዕላማታትን መትከላትን ናይ ሰልፊ መንገዱ ስለዝሰሓተ ኢያ ካብ ሰልፊ ዝሰሓበት።

ብዛዕባ ምቅዋም ወይ ዘይምስታፍ ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቱ ድማ ሓው ኣምባሳዶር  መሓመድ-ኑር ኣሕመድ፣-

እቲ ተዓቅቦታት ዝነበረ ኣብ ኣቃውማ ኣስናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፣ ሕጽረት ጊዜ ነይሩ። እንተኾነ ግን ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ኩሉ ግዱስ ዜጋ ብጉዳይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ሚዒድዎም፣ ዝካየድ ዋዕላ 1ይ ዋዕላ እምበር ናይ መወዳእታ ዋዕላ ከምዘይኮነ ተሓቢርዎም፣ እንተኾነ ግን ንሳቶም ብትሪ ንኹሉ ተቓዊመሞ። ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ድማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና መጠረሽታ ወርሒ ምስ ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ቆጸራ ኣለዎም። እቲ ሰልፊ ኣብ ዓቢ ሽግርን ቅልውላውን ወዲቑ ይርከብ። ንሳቶም ግን ካብቲ መርገጺኦም ዝቕይሩ ኣይመስሉን ኢዮም። ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ንምእራም ዝተወስደ ስጉምቲ ንኽከላኸሉ ዝገብርዎ ጻዕርታት ድማ ብሙሉኡ ፈሺሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ብግጉይን ዘይቅኑዕን መረዳእታ ስለዝሓዝዎ ኢዩ። ንኣብነት፣- እቲ ጉዳይ ከም ናይ ሓደ ሰልፊ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቕስ ብመሪሕነት ሓው ኣድሓኖም ገብረማርያም ጥራይ ዝካየድ ጌሮም ኣቕሪቦሞ፣ እቲ ሃንደበት ዝኾኖም ግን ብሙሉኡ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ነበር ከይተረፈ ብጀካ መስፍን ሓጎስን ሓምድ ድራርን ኣብቲ ናይ መኣረምታ ስጉምቲ ተጸንቢሩ። ብኻልእ ኣዘረርባ እቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ብጀካ እቲ ሳልሳይ ወገን (ሰልፊ ህዝቢ) ብሓደ ጠጠው ኢሉ ኣሎ። እቲ ኣቋውማ ናይዚ ሓድሽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ኢዩ ዘንጸባርቕ።

ብዛዕባ ናይ ሰውራዊ ባይቶ ነበር ምስ ተወከስናዮ ድማ ሓው ኣምባሳዶር መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣-

እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓደ ንነዊሕ ጊዜ ሰሪሖም ከም ሓደ ዓሌት (ቀቢላ) ተቐይሮም’ዮም። በዚ ድማ እቲ ሃገራዊ መርገጺታት ኣይጸልዎምን ኢዩ። ክፈላለዩ ድማ ብዝኾነ ምኽንያት ከቢድ ኢዩ። ይኹን’ምበር እዚ ሕጂ ነዚ ሰልፊ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቅልውላውን እቲ ካብ ኩሉ ተነጺሎሞ ዘለዉ ኩነታት ኣብ ውሽጦም ሽግራት ከይፈጠረሎም ኣይተርፍን ኢዩ።

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣንጻር መስፍን ሓጎስ ብጸሓፊ ኣሎና ዝጸሓፍ ዘሎ ኣመልኪትና ምስ ሓተትናዮን ከምኡ’ውን ኣብ ቅትለት ኢብራሂም ዓፋ ኢድ ኣለዎ ዝብሃልን ኣመልኪቱ ክምልስ እንከሎ ኣምባሳዶር፣- ንሕና ኣብዚ ጊዜ እዚ ኩሉ ቃልስናን ጻዕርናን ኣንጻር እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ መራሒ ናይ ገበነኛታት ድማ ኢሳያስ ኢዩ። ገለ ካብ ጉጅለ 15 (G 15) ምስቲ ስርዓት ዝነበሩ ኣብቲ እዋን እቲ ገበን ፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ግን እቲ ሕቶ መስፍን ሓጎስ ኣብ ጉዕዞ ናይ ደምበ ተቛውሞ እንታይ ግደ ነይርዎ? ክንብል ይግባእ። ብወገነይ ንመስፍን ሓጎስ ክግምግሞ እንከለኹ መስፍን ኣብዚ ጊዜ እዚ ዝኾነ ጽልዋ ኣለዎ ክብል ኣይክእልን ኢየ። ኣብ ውሽጢ እንተሪኢና ልክዕ’ዩ ንሱ ሚኒስቴር ምክልኻል ኔሩ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለታት ናብ ረብሕኡን ጠቕሙን ዘንቢሉ ይሰርሕ ኣሎ። ከምኡ’ውን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዙሕ ምቅይያራት ኣብ ውሽጦም ብምክያድ ካብቲ መስፍን ሓጎስ ዝፈልጦ ኣንፈት እቲ ካርታ ናብ ካልእ ቀይርዎ ኢዩ። ኣብ ወጻኢ እንተረኣና ድማ ነቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ሰልፊ-ደሞክራሲ ዝመስረቱ ሰባት ወይ ጉጅለ ሎሚ ምስ መስፍን ሓጎስ ወላ ሓደ ሰብ የሎን። ከምኡ’ውን ሰልፊ ደሞክራሲ ቅድሚ ምጽንባር ንመስፍን ሓጎስ ካብ ኣቦ-መምበር ከውርዶ መዲቡ ኔሩ፣ መስፍን ድማ እዚ ስለዝተረድአ ብድልየቱ ካብ ኣቦ-መምበር ክወርድ ጠሊቡ። ስለዚ ኣብ መጠረሽትኡ መስፍን ሓጎስ ሓደ ዓቢ ባዶ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ኢዩ።

ኣብዚ ክንሕብሮ እንደሊ ተጋዳላይ መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ካብቶም ቀዳሞት ሃገራውያን  ተቓለስቲ ኢዩ። ሓያል መጎትን ትብዓትን ዝውንን ዜጋ ድማ ኢዩ። ወላ’ውን እንተተፈሊኻ ካብኡ ከተኽብሮ ዘገድደካ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ካብ ዝነበሮ ውድቡ ተሰናቢቱ ምስኡ ዝነበረ ንብረትን ሰነዳትን ኣረኪቡ ናብ ሃገሩ ኣምሪሑ። ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ድማ ከም ዘይክእልን ከምዘይንቀሳቐስን ምስ ተረድአ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ናብ ደምበ ተቓውሞ ተጸምበረ። ኣብ ኩነታት ናይቲ ስርዓት ድማ ገለ ከይገደፈ ብምልኡ ዘቃልዐ ኢዩ። መርገጺታቱ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ደሞክራሲ ድማ ኩሎም ኣባላት እቲ ሰልፊ ዝፈልጥዎ ጉዳይ ኢዩ። ንፖሊስታትትን ዲክታቶሪያዊ ኣገባብ ኣመራርሓን መስፍን ሓጎስ ምጽራሩ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሕጂ ወሲድዎ ዘሎ መርገጺ ድማ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሳነን ዝሰማማዕን መትከላዊ መርገጺ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራሊያ ድማ ዓቢ ተቐባልነትን ኣኽብሮትን ዘለዎ ዜጋ ኢዩ።

ምንጪ፣- ኣልናህዳ ዳት ኮም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1896

Posted by on Dec 3 2010 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net