ፍራንክፈርት 11.12.2010 ዓ.ም

ክቡራትን ክቡራንን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን

ሃገራዊኣን ኤርትራዊያን።

ብስም በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ሃገር ጀርመን እንቓዕ ብድሓን መጻእኩም እብል ።

ውዲ ሰብ ካብታ ዝተውልደላ ዕለት ጀሚሩ ውናኒ መስረታዊ መሰላቱ ም

ኻኑ በቶም ዓበይቲ እምነታትን ፍልስፍናታትን ተኣሚንሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ክ

ብሩን መሰሉን ከይትንከፍ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ተሓጊጉ ማንም ሃገር ኣባል ሕብ

ረተሰብ ዓለም ኣባል ሕቡራት መግስታት ንሙኻን ከብቅዓ ነዞም መሰላት ወዲ ሰብ ዘኽብሩ  ሕግታት ክትቅበልን ከተተግብርን ከምዘለዋ ፍሉጥ ኢዩ።

ሰላም ፍትሒ ዲሞክራሲ ካብኡ ሓሊፉውን ብልጽግና ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዝምዘን ብኹነታት ሃለዋት መባእታዊ መስላት ውዲ ሰብ ምኻኑ ሓፈሻዊ ተቐ

ባልነት እናረኸበ ዝኸይድ ዘሎ ስነሓሳብ ምኻኑ ኣየከራኽርን።

ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱን ሓድነቱን ንምዕቃብ ሃገራዊ ነጻነቱን ሓርነቱን ንኽ

ጎናጸፍ ኣንጻር ሰንሰለታዊ መግዛእትን ውሽጣዊ ጭኮናን ዘካየዶን ዘካይዶን ዘ

ሎ ቃልሲ ዳርጋ ሓሙሳ ዓመቱ ሒዙ ይርከብ።ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣሰኒፉ ሃገራዊ ነጻነቱ ክጎናጸፍ ክኢሉ

እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ብመሪር መስዋእቲ ምሩጻት ዜጋታት ዝተረኽበ  ነጻነት  ብመራሕ ጉጅለ ህ.ግ.ድ.ፍ  ተመንዚዑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣጋጢምዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ጭኮናን ግፍዕን የሕልፍ ኣሎ።

ናይ ዘሕልፎ ዘሎ ኣካላውን ስነኣእምራውን  ግፍዒ ሳዕቤኑ እዚ ኢልካ ክግም

ገም ኣሸጋሪ ኢዩ።

ሃገርና ኤርትራ ቅልዕቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾነት ንሕብረተሰብ ኣለም ብሩ

ህ ኮይኑሎ።ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ጭኮናን ጭብጣዊ መርትዖካ እንተሃለዎ በብሓደ ክትጽብጽቦ  ብሓቂ ቀሊል ኣይኮነን።ገለ ካብኡ ንምጥቃስ መንእሰያ

ሰያት ትምህርቶም ከይውድኡ ናብ ናይ ኣስገዳድ ስራሕ ተመዲቦም ገደብ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ይርከቡ።ገለ ካብቶም ናይ ሕርሻን ኣባይትን ሰራሕተኛታት ወተሃደራዊ መኮነናት ጉጂለ ህ.ግ.ድ.ፍ ክኾኑ ከለዉ

ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ከደምቲ ገዛ ካብኡ ሓሊፉውን ግዳይ እንሣዊ ባህሪ ዘለዎ ዓ

መጽ ርክብ ግብረስጋ ኮይነን ይርከባ።

ማንም ዜጋ ሞያኡ ተጠቒሙ ሰሪሑ፡ነጊዱ፡ሓሪሱ፡ናብርኡን ስድራቤቱን ከካይ

ድ ክኣሊ ኣይፍቀድሉን ስለዚ ሕብረተስብ ኤርትራ ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ድ ኽነት ጥሒሉ ኣደዳ ጥሜትን ሕማምን ኮይኑ ይርከብ።

ንግሆ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ምምላሱን ዘይምምላሱን እንተተመሊሱውን ኣብ ም

ንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ኣይፈልጥን ጭውያን ምህዳንን ስለ ዘሎ።

በሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ብዘይ ፍርዲ ስድርኦም ሃለ

ዋቶም ዘይፈልጡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑ ይርከቡ።

ካብዚ ገሃንበሰታዊ ኩነታት ንምምልጥ  ብዝሖም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ዝቕጽል ዘሎ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ዶባት ጥሒሶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ።ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናቲ ትምህርቲ ይኹን ስቡሕ ናብራ ክገብርሉ ዝኸእሉ ክፍለ ዓለም ክስግሩ ክብሉ ኣደዳ ቀለብ ዓሳን ሸፋቱ ምድረ

በዳን ዝኾኑ ዜጋታት መንእሰያትና መን ይቑጸሮም?

ስራኣት ጉጂለ ህ.ግ.ደ.ፍ  ምልካዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ሕውነታዊ ርክብን ምትህግጋዝን ኣምሲሉ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ብምእታው ንሕብረተ

ሰብና ብሃይማኖት ብኣውራጃን ብሄርን ከፋፊሉ ሓድነቱ ኣብ ሕቶ ብምእታ

ው ንህልውና ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣእትይዋ ይርከ

ብ።እዚ ጸገማትዚ ቅልጡፍ ነርባሪ ፍታሕ እንተዘይተግይሩሉ ካብዚ ዘለዎን ንላዕሊ ብኢሱ ንኣተሃላልዋ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ከይብትንን ወለዶ ከይበር

ስን  ዓቢ ስጋኣት ዝፈጥርዩ።ብኻልእ ኣዘራርባ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘየላቡ ቅልጡፍ ፍታሕ የድሊ ኣሎ ፡ደበና ጥፍኣትዩ ኣንጸላልዩ ዘሎ።

ስለዚ ንሕና ከም በርገሳዊያን ማሕበራት ኣብ ጀርመን ርእይቶናን እምነትናን

እንኮ መፍትሒ ሓድነትን ምጽውዋርንዩ፡ነዚኣ ክንሰርሓላ ኣለና። እዚኣ ኸኣ ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢልና መንጸፍ ኣንቢርና ስለ ዘለና ብሓባር መዓንጣ

ና ቀጥ ኣቢልና ንቕድሚት ምኻድ ኢዩ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ፡ነዚ መላኽን

ጮቃንን ጉጂለ ብዘይካ ብሓባርን ምትእምማንን ዝስዕሮ ሓይሊ የሎን፡ስለዚ ዝ

ኾነ ቃልስና ብነጻ ተኻቲዕካ ተመያይጥካ ዕርቅን ስኒትን ሕድገትን ፍቕርን ጌርካ ኣብ መንጎ ሕማቕን ጽቡቕን ኣብ መንጎ ዝጎድእን ዝጠቅምን ፈሊኻ ኣብ ዝሓሸ ውሳኔ ናይ ምብጻሕ ልማድ እንድሕሪ ኣጥሪና ህዝብና ንምድሓን

ጥርትር የብልናን።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ

ንሰማእታት ኤርትራ

ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና

የቐንየለይ

ተስፋይ ተኸለ

11.ትሕሳስ 2010.

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳትፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ።

ዝኽበርክንን ዝኸበርኩምን አባላት ኤርትራዊ  ደሞክራስያዊ  ኪዳን ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ካብ ኤደክ ውጻኢ አባላት ውድባት።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን አበላት ሲቪካውያን ማሕበራት።

አቀዲመ ነዚ ሎሚ ዕለት 11 ታሕሳስ 2010. ብምኽንያት መበል 60 ዓመታት ዝግበረ አዋጅ ምኽባር ሰብአዊ መሰላት መሰረት ዝገበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብግብርን ብሐሳብን ንምስናይ ። ካብ ቀረባን ሩሕቁን በረድን አስሓይታን ኮይኑና ከይበልኩም አብዚ ምርካብክንን ምርካብኩምን ብስም ጨንፈር ኤደክ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ክብል አፍቅዱለይ።

ካብዚ ቀጺለ ህላወን ኩነታት ደቂ ሰባት ሰበአውን ደሞክራስያዊን መሰላትቶም አብ ትሕቲ ፍጹም ምልካውያንን ሱር ዝሰደደ መግዛእትን ግህሰትን አብ ዝገንፈለሉ መድረኻት። በአንጻርዚ ድማ ፍትሕን ግአዘተ ሕግን ዝመሰረቱ ንሰብአውን ደሞክራስያውን ክብርታት ደቂ ሰባት ዝሕሉ ብስም ተጣባቂ ሰብአዊ መሰል ዝገልጽ አዋጅ ካብ ዝእወጅ እንሆ 60 ዓመታት ኮይኑ አሎ። ነዚ ክብርታት ሰብአዊ መሰልዚ እውን ቀንዲ ካብ መትከላት ማሕበረሰብ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምኻኑ ውን ዘካትዕ አይኮነን።

መንግስትን ሃገራት ናይዚ ዕለምና ውን ቀንዲ ካብቲ ዘኽብረኦ ዘለውን ጉዳይ ክብረታትን መሰላትን ደቂ ሰባት ከይጋሃሰ መብጻዓ ጥርሕ ዘኮነስ ከም ቀንዲ ስምምዕ ክታማቶም ዘነንበርሉን ጉዳይ እዩ።

ኤርትራ ውን ቀይዲ ስምምዕዚ ተቀቢላ ንስበአዊ መሰል ንኸተኽብር ሓንቲ ካብተን ዝኸተመት ሃገር እያ። እንተኾነ ግን ኩላትና ከም እንፈልጦን እንረኦን እንሐስቦን እንተኾይኑ ስርዓት ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንዘአተዎ ስምምዕን ውዕልን ምኽባር ሰበአዊ መሰል ብምጥሐስ ቀይዲ በተኽ ኮይኑ መጺኡ ።

ብተግባር ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ንሰበአውን ደሞክራስያዊ መሰላቱ ብምርጋጽ ካብ ዝፍጽሞም ግፍዕታት ንምጥቃስ ዘአክል።

ንኤርትራ ብዘይ ቅዋም የማሐድር።

ህዝቢ ንመራሕቱ ክመርጽን ካብ ስልጣን ከውርድን ዘኽእሎ ሕግን መሰልን የብሉን ።

ነጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ የሎን ናይ ምዝራብ ሰላማዊ ሰልፍ ናይ ምግባርን መሰል የልቦን።

አብ ሃገርና አብዛሃ ሰልፍታት የለውን አየፍቅድን ውን።

አብ ሃገርና ቤት ማሰርትታት ከም አጎለ ፈሊሔን ይሐድራ አለዋ ብሰንኪዚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ቤት ማእሰርትታት ይዳጎንን ይማስንን ይሳቀን አሎ።

መንእሰያት ንዝፈትውዎ ሃገሮምን ስድራቤቶምን ርሕርሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ክጠፈኡን አብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ቀለብ አሞራን ዓስታትን ከመኡውን ሕልናን ንሕስያን ብዘይብሎም ደላሎን ከተርቲ ሸፋቱን አብ ፍቀድኡ እንዳተ ጨውዩ አደዳ ሕሰመ መከራን ስቃይን መግረፍትን መቅተልት ኮይኖምን ይኾኑን አለዉ።

ከመኡ ውን አብ ሃገሮም ብዝኸፍኤ መልክዑ ገደብ አልቦ ዝኾነ አስገዳዲ ዕስክርና ብምትእትታው ንመንእሰያት ናይ ሐደ ወለዶ ሙሉእ ካብ ትምህርትን ካብ ናይ ስርሕ ዓለም ገሊልውን ይርከብ።

ናይዚ ስዕቤን ድማ ዕድል መንእሰያት ዕድል ወለዶምን አጸልሚቱ መጻኢ ህወቱ ክመርሕ ሓድር መስሪቱ መጻኢ ወለዶ ከፍሪ አብ ዘይ ክእለሉ ኩነት ብጽሑ ይርከብ።

ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ብኹሉ መዳያት ካብ ማ/ሰብ ዓለምን ጎረባብቲ ሃገርና ፈተውትናን አነጺልዎ ይርከብ።

ስለ ዝኾነ ካአ ኤደክ ኮነ ሲቪካውያን ማሕበራት ካብ ኤደክ ውጽኢዝኾና ፖለቲካዊ ውድብትን፥ መራሕቲ ሃይማኖታትን፥ ዓበይቲን ለባማትን አቦታት፥ ሙሁራትን፥ መንእሰያትን ብዘይ ናይ ጾታ ፍልልይ ዘሳተፈ ብሳላ ጻዕርን ድኻምን ኤደክ አብ አጋ መወዳእታ ሐምለ ጀሚሩ ክሳብ 10 ንሀሰ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያኢ ለውጢ ብዓወት አሳላሲሉ።

ቀንዲ ዕላም ናይዚ ድማ ነቲ አብ ላዕሊ ተዘርዘሩ ሕሰመ መከራን ስቃይን ናይ ህግደፍ አብ ልዕሊ እቲ ውጹዕ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ብቃልሲ ካብ ሱሩ ብምምሐው መተካእታኡ ድማ ብቁዋም እትምሐደር ኩሉ ዓይነት ሰአውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል እዩ።

ነዚ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ጠለብዚ ተግባራዊ ንምግባር ካአ አብ ውሽጢ ሃገር ይሃሉ አብ ስደት ብዘይገድስ ቀላጽሙ አትሓባቢሩ አንጻር ስርዓት ህግደፍ ሐኒኑ ክቃለስ ይግባእ።

ብፍላይ ካአ ሰርዊት ምክልኻል ኤርትራ አብ ልዕሊ ህዝብኻን ሃገርካን ዝወርድ ዘሎ አደራዕን መከራን ጥራይ ዘይኮን አብ ልዕሌኻ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ሕሰምን ብተግባር ባዕልኻ ተስተምቅሮ ዘሎኻ ጉዳይ እዩ።

ስለ ዝኾነ ሰበአውን ደሞክራስያውን መሰል ህዝብካን መሰልካን ንምውሐስ ድማ ብረት አብ ኢድካ አሎ።

ሰለዚ አብ ሃገርካ ሰላም ክነግስ ህዝብኻን ንብስኻን ካብ ሕሰመን መከራን ዝገላገል ብረትካ አንጸር ድክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ውልቀ ምላኺ ኢሰያስ ከተቅንዖ ብመድረኽ ትጥለብ አሎኻ ተዓጠቅ ስረኻ ሸጥ አብሎ።

አብ ስደት ትርከቡ ስዓብቲ ህግደፍ።

ህዝብኩም አብ ናይ ስቃይ ዓዘቅትን ታኸላ ተሸሚሙ ክምዘሎ እንዳ ተማላለስኩም እትርእዎ ዘለኹም ሐቂ እዩ። ህግደፍ ከአ ፈታዊ የብሉን ጌና ዓጽምኹምን ስጋኹምን ጨርሹ ክሳብ ዝቁራጥም ከይተጸበኹምን ከይ ተታለልኩምን አብ ጎድኒ ፍትሐዊ ቃልሲ ኤደክን ፖሎትካውያን ውድባቱን ብምስላፍ ፍትሕን ድሞክራስን ዝምሰረታ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ አብ ምህናጽ ተራኹም ክትጻወቱ ብምድረኽ ትጽዉዑ አለኹም።

መጸዋዕታ

አብ ሃገራዊ ውዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥ ዝተመርጸት ኮሚሽን ሽማግለ ውዕላ አብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2011 ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስልሳል ቁልፋ ሸጥ አቢላ አብ ብዙሐት ሃገርት ዑውት ናይ መጻኢ ስርሐት ተካይድ አላ ሙልእ ዓወት ንኽትዓትር ድማ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ዑዙዝ ተሳትፎ አብ ጎድና ንኽዓስል ጥጡሕ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ባይታ ተፈጥሩ ስለ ዘሎ ነዚ ናይ ቓልሲ ባይታዚ ተተጠቅምና ንፍጹም ምልክን ጸረ ፍትሕን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ ምላኺ ኢሳይስን ብምውጋድ አምስያኡ ካአ ብቅዋም እትማሓደር ደሞክራሳዊት ኤርትራ ንምህናጽ አብ ጎድኒ ሽምግለ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንኽስለፍ ምንገዲ ቃልሲ ንህዝቢ ኩፉት እዩ።

ዓወትን አሳልጦን ንኮሚሽን ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!

ንዝያዳ ጥምረትን ሓድነትን ኤደክ ንምድልዳል ብምሉእ ዓቅምና ንታዓጠቅ!

ብሓያል ተሳትፎ ሲቪካውያን ምሕበራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ለባማት አቦታትን ሙሁራትን መንእሰያትን ዝሳተፍዎ ቃልሲ ክዕወት ናይ ግድን እዩ!

ዘልአለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዋአትና!!

ውድቀትን ዑንወትን ንስርዓት ህግደፍን ውልቀ ምላኺ ኣኢሰያስን ንዘለለም ይኹን።

ክንዕወት እና!!!

ሰመረ በያን

አቦ ወንበር  ጨ/ሽ/ኤ.ደ.ክ .አብ ሃገር ጀርመን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1937

Posted by on Dec 13 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net