ስድሪ ሎሚ ቐዳም 08-01-2011 ኣብ ከተማ ሎንደን ካልኣይ ጉባኤኣ ጀሚራ።

ዜጋታት ንደሞክራሲያዊ መሰላት ኤርትራ (ስድሪ) ሎሚ ሸሞንተ ጥሪ 2011 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን ካልኣይ ጉባኤኣ ጀሚራ። እዛ ዓለማዊ ዝርገሐ ዘለዋ ኤርትራዊት በርጌሳዊት ማሕበር ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢላ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምቅዋም፣ ኣብ ኤርትራ ጭኮናን ግፍዕን ኣኽቲሙ ብህዝቢ ዝምረጽ ቅዋማዊ ስርዓት ንኺምስረት ኢያ ትቃለስ። ካብ ትምስረት ኣትሒዛ ከኣ ንሰብኣዊ ግህሰታት ኣብ ምቅላዕን ዝተፈላለየ እዋናዊ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምቕራብ ከተነቓቕሕ ትጽዕር ኣላ።

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ስድሪ ዶክተር ኣንገሶም ኣጽብሃ እንቃዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንጉባኤ ዘገልግል ዝተፈላለየ ሰነዳትን ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ጉባኤ ዝርዝር ፕሮግራም ከምዘዳለወ፡ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ዋላኳ ድሩት እንተነበረ ኣብ መንጎ ኣባላት ናይ ቅድመ ጉባኤ ዘተን ክትዕን መኣዲ ብምፍጣር ንሕሉፍ ጉዕዞ ስድሪ ዝግምግምን መጻኢኣ ዝቕልስን ሓሳባትን ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ሓባራዊ ኣራኣእያ ንምፍጣር ዝሕግዝን ሓደስቲ ሓሳባት ዘመንጩን ባይታ ብምፍጣር ኣበርክቶ ከምዝገበረ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኩሉ’ቲ ክቡር ግዜኡን ክእለቱን ንዋቱን ወፍዩ ንጥፈታት ስድሪ ንምስልሳል ብዓቕሙ ንዝተዋስአ ኩሉ ኣሞጊሱ።

[cincopa AYEA0Zqw–Hp]

ኣቶ ኣንገሶም ካብ ኣባል ኮነ ካብ ዝኾነ ካልእ ወገን እትረኽቦ ደገፍን ኣበርክቶን ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ኪምስገን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። መግለጺኡ ብምቕጻል ንሱ “ ኩሉ-ሳዕ ዝበለጸን ዝዓበየን ስራሕ ኪንገብር ስለእንሕልን ንንጥፈታትና ነነኣእሶ ኢና እምበር  ስድሪ ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን ዓሚማ። ስለዚ እዚ ጉባኤና ንኻልእ ሓሳባት ብልቦና ዘቋምት ሕሉፍ ተራ ሰባት ዘየነኣእስ ጽፉፍ ናይ ጉዕዞ ረዚን ጉባኤ ኪኸውን ብምምናይ” ብምባል ንኣባላታን ነቶም ንኽልተ ዓመት መመላእታ ወለንታዊ ዓቕሞምን ግዜኦም ብምውፋይ ንዝመርሑዋን ብምምስጋን መድረኽ ንኣቶ ሱለይማን ሑሴን ኣቦ መንበር ስድሪ ጸብጻብ ክልተ ዓመት ፈጻሚት ሽማግለ ስድሪ ንኸስምዕ መድረኽ ሓዲጉሉ።

ኣቶ ሱለይማን ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ደረቱ ዝሓለፈ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንሱ ዝፈጠሮ መሪር ጭቆናን ግፍዕን “ በርጌሳዊት ማሕበር ስድሪ” ንኽትፍጠር ቀንዲ ምኽንያት ሙዃኑ ብምግላጽ ስድሪ ኣብ ሃገርና ኪፍጠር ንእንጽበዮ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ እጃም ንኸተበርክት ብወለንተኛታት ዜጋታት ዝቖመት ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብና እትሓቁፍ ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንኽተሳትፍ እትጽዕር ኣህጉራዊ ዝርገሐ ዘለዋ ብሓደ መሪሕነትን መደብ ዕዮን እትሰርሕ በርጌሳዊት ማሕበር ሙዃና ኣረዲኡ።

ቀጺሉ ኣቶ ሱለይማን ኣብቲ መጀመርያ ስድሪ ዝተመስረተሉ እዋን፡ ስድሪ፡ “ዘተ ምስ ኩሉ ሃገራዊ” ዝብል መትከላዊ መርገጺኣ ብጌጋ ዝተረድኡዎ ወገናት ከምዝነበሩ እንተኾነ ምስ ግዜ ዕላማታት ስድሪ በሪሁሎም ኪኸውን ከምዝኽእል ብምእማን ሕጂ እውን ነዞም ዝስዕቡ ቀንዲ መትከላታ ማለት፡-

  • ናይ ዘተን ልዝብን ባህሊ ውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ልዑል ተራ ስለዘለዎ ኪኹስኮስ
  • ህዝብና ብዝተኻእለ መጠን ዳግም ምፍሳስ ደም ዘይርእየሉ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንኺመጽእ ምጽዓር
  • ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዋሕስ ሓቀኛ መስርሕ ዲሞክራስን ውሽጣዊ ርግኣትን ስለዝኾነ ኪድፍኣሉ
  • ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ንመስርሕ ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ኣገደስቲ  ስለዝኾኑ ኪጸዓረሎም
  • ካብ ሕሉፍ ጽልእን ቅርሕንትን ሓራ ዝኾነ ባህሊ ምትሕግጋዝን ሽርክነት ምፍጣር

ዝኣመሰሉን ካልኦትን ኪትሰርሓሎም ከምዝግባእ ኣዘካኺሩ።

እዛ ኣብ ሃገርና ስርዓተ ሕግን ፍትሕን ንምስፋን እትንቀሳቀስ ዘላ በርጌሳዊት መስርሕ ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት ዕድሜኣ ቅርጻን ኣወዳድባኣን ሰሪዓ ውሽታዊ ዓቕማ ብምድልዳል ዝተፈላለዩ ምርምራውን መጽናዕታውን ጽሑፋት ብምቕራብ ሲምፖዚዩም ብምውዳብ መሃርቲ ዝኾኑ ናይ ምንቕቓሕ ስርሓት ከምዘቕረበት፡ ምስ ብዙሓት መሻርኽቲ ደለይቲ ለውጢ ናይ ስራሕ ሽርክነት ንምፍጣር ጻዕርታት ከምዘካየደት፣ ይኹን እምበር ራኢኣን ትጽቢታን ዓቢ ስለዝኾነ ፈጺማ ብዝገበረቶ ከምዘይትዛነ፣ በንጻሩ ኣብ መስርሕ ጉዕዞኣ ካብ ዝፈጸመቶም ጌጋታትን ጉድለታትን እናተማህረት ገና ኣድማዒ ስራሕ ኪትሰርሕ ኪትዓጥቕ ከምዝግባኣ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ተጋባእቲ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝህልዎም ሕቶን ርእይቶን ነቐፌታን መአረምታን ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ብምሕባር መግለጺኡ ዛዚሙ። ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ተሓዚት ገንዘብን ወይዘሮ ጸዳል ዮሃንስ ድማ ብሰሌዳን መግለጽን እተደገፈ ፋይናንሲያዊ ጸብጻባ ኣቕሪባ።

ድሕሪኡ ተጋባእቲ ኣብቲ ዝሰምዑዎ ጸብጻብ ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ድማ እናተመላልኡ ነቲ ተጋባኢ ዘቐረበሎም ሕቶታት ድሕሪ መሊሶም። ካብኡ እቲ ተጋባኢ እቲ ዝምላእ ተመሊኡ እቲ ጸብጻብ ፈጻሚት ሽማግለ ምሉእ ጸብጻብ ጉባኤ ንኪኸውን ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቑዎ።

ካብኡ ኣብቲ ስዒቡ ተሰሪዑ ዝነበረ መደብ ምምሕያሽ ቻርተር ብምስጋር ኣብ ራኢን ተልእኾን ኣብ ክብርታትን ዕላምታትን ከምኡውን ኣብቲ ግብራዊ ንጥፈታት ስድሪ ሰፊሕን ውዕዉዕን ክትዓት ብምክያድ እቲ ዝቕጽል ጽባሕ ሰንበት 09 ጥሪ ኪምልኦ ብምስምማዕ ናይ ሎሚ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2038

Posted by on Jan 12 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net