ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እቲ ካብ ዝተመደበሉ እዋን ደንጉዩ ዝተካየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 13-16 ጥሪ 2011 ኣብ ኢትዮጵያን ስዊድንን ብዓወት ተሰላሲሉ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ማእከላይ ባይቶና ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ኣጀንዳታት ዓበይቲ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያትን ውሽጣዊ ውድባዊ ኩነታትን ብኩሉ መዳያቱ መርሚሩን ኣጽኒዑን ብኡ ደረጃ ከኣ መፍትሒታት ዝምንዳይ ዝኣመተ ሰፊሕ ክትዓት ብምክያድ፡ ውድብና ኣብ ጎኒ ኩሎም ውድባት ኤርትራን በርጌሳዊ ማሕበራትን ባህርያዊ ቦትኡ ወሲዱ ታሪኻዊ እጃሙ ክጻወት ዘብቅዖ ውሳኔታት ኣጽዲቑ።

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶና እኩብ ድምር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምምሕዳራዊ ሳዕቤናቱን ንሃገርና ናብ ዕንወትን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ናብ ገምገም ፍሽልቲ ሃገር ኣብጺሕዋ ኣብ ዘሎ እዋንን፡ ጸረ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ልምዓትን ሰላምን ዝኾነ ምልካዊ መርሆኡ ብትምክሕትን ድርቅናን ኣብ ዝቕጽጽለሉ ዘሎ ህሞት’ዩ ተካይዱ። እቲ ብዝያዳ ዘተሓሳስብ ከኣ እዚ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንከቢድ ሓደጋታት ዘሳጥሕ ዘሎ ኩነታትን ብናህሪ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ውድዕነትን ንምእላይ ኣብ ክንዲ ዝጽዕር ስርዓት ህግደፍ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ካብ ዝብል ፍጹም ዘንባዕን ዘይሓላፍነታውን ኣተሓሳስባ ነቒሉ ኢዱ ዓጺፉ ምዕዛብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ወትሩ ንሓፈሻዊ ርእይቶ ህዝብና ንምድንጋርን ተዶጒሉ ዘሎ ተቓውሞ ህዝብና ከይልዓልን ከይባርዕን ተዋስኦታቱ ይቕጽል ምህላዉ’ዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኩሎም ሓይልታት ተቓውሞን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብህጹጽ ሃገር ንምድሓን ብብቅዓት ምእንቲ ክምክቱ ዓቕምታቶም ኣብ ክሊ ሓደ ጥሙር ስትራተጂካዊ ቃልሲ ክጥርነፉ ካብ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ መድረኽ ይጠልቦም።

ነዚ መንቐሊ ብምግባር ማእከላይ ባይቶና ዝሓለፈ ሓጺር ተመክሮ ኣመራርሓ ብነቐፌታ ብድሕሪ ምግምጋም፡ ኣብ መጻኢ ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ ኩሉ ነቲ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ስርሓቱ ዝተራእዩ ሕጽረታትን ጉድለታትን ንምውጋድ፡ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ካብዚ መንፈስ’ዚ ብምብጋስ፡ ብክፉት ልቦናን ኣእምሮን ማእከላይ ባይቶ ንመድረኻዊ መደባቱ ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ዝሕግዝ ኣገባብ ብከምዚ ዝስዕብ ኣቐሚጡ።

  • ውድባዊ ኣድማዕነት ኣብ ኩሉ መዳያት ንምምዕባል ዝበለጸ ኣገባብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ማእከላይ ባይቶ ነቲ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ስርሓትና ዝተራእዩ ሕጽረታትን ጉድለታትን ንምውጋድ ዘብቕዓና፡ ኣብ መስርሕ ዝሓለፈ ጉዕዞና ንተራና ንምልማስ ክፈታተነና ዝጸንሐ ውሽጣዊ ጸገማት ኣሊና፡ ኩሉ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምታትና ኣብ ኣድማዕነት ተራ ውድብና ብብቅዓት ከነዋፍርን ክንጸምድን ዘኽእለና፡ ኣቶ ኣሕመድ ኣብራሂም (ሰክረተር) ኣቦ-መንበር ባይቶ፡ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ኣካልን ከምኡ’ውን ንዝተረፈ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ዘጠቓልል መሰረታዊ ምቅይያራት ኣመራርሓ ብምግባር፡ ሓድነት ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ማእከሉ ዝገበረ ዝተማልአ መድባት ሰሪዑ ኣሎ።
  • ማእከላይ ባይቶና ኩሎም ተቓውሞ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ነቲ ኩሉ ዝወደንዎ ሰብኣውን ንያታውን ዓቕምታት ኣብ ሓደ ስትራተጂ ቃልሲ ማለት ብመሰረት ስልታዊ ሓድነታዊ እማመ ኣብ ዝተሓተ ስምምዕ ፕሮግራም ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ወይ ከኣ ናብ ዝለዓለ ስሙር ስትራተጂካዊ ግንባር ንምጥርናፍ ይጽውዕ። ነዚ ተረድኦ’ዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ማእከላይ ባይቶና ዝኾነ ይኹን ኣባልነት ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝጠልብ ውድብ ኣባልነት ናይ ምርካብ መሰሉ ሕልው ክኸውን ይርኢ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ነቲ ካብ ባህርያዊ ኣባልነትና ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘግለለና ውሳኔ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኪዳን ሕጋውን ስርዒታውን መሰረት ዘይብሉ ጉጉይ መርገጽ ምንባሩ ይኣምን። ንቐጻሊ’ውን ኣባልነትና ኣብ ኪዳን ንምምላስ ከይተሓለለ ክጽዕር ምዃኑ የረጋግጽ።
  • ማእከላይ ባይቶና ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ምስልሳል ኣብ ተጋድሎ ሓይልታት ተቓውሞ ከም ሓደ ልሉይ ተረኽቦ ምዃኑ መዚኑ። በቲ ካብኡ ዝወጸ ኣገዳሲ ውሳኔታት ብፍላይ ከኣ ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ዝርኸብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ምእዙዝነቱ ኣረጋገጸ። ንምዕዋቱ ዘድሊ ረቋሒታት ዓወት ንምውህላል ከኣ ምስ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብምትሕብባር ክቓለስ ምዃኑ ይእውጅ።

ኣብ መደምደምታ ማእከላይ ባይቶና ንኩሎም እቶም ንኣኼባ  ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን ከይግበር ከሰናኽሉና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ኣኼባና ዕውት ክኸውንን ዝሓገዙና ኣካላት ኩሎም ብልቢ ነመስግን። ከምኡ’ውን ማእከላይ ባይቶና ነቲ ህዝብና ኣብ ሃገሩ ፍትሕን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ወትሩ ደገፋቶም ዘቕርቡልና ብፍላይ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ሰንዓ ፎርምን ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኣት ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ውድባትን የሞግስ። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከም ዕድል ብምውሳድ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ቢኒ ዓሊ ዘውደቐ ሰላማዊ ምልዕዓል ጅግና ህዝቢ ቱኒዝያ ደረት ዘይብሉ ደገፍና ነቕርብን ዓወት ንምነየሉን።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን

ዝኽርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

16 ጥሪ 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2064

Posted by on Jan 20 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net