ኣማን ብኣማን ሕብሪ ዘይብሉ ሰብ፣፣

ብኢሳያስ ኣስፍሃ

27-01-2011

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ፈታውየይ ስልኪ ደዊሉ ኣብታ ንህግደፍን ኮራኹሮምን ጥራሕ እተተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ብዛዕባይ ብሓደ <ዶክቶር> ጸጋዝኣብ ገብረጊዮርጊስ ዝተባህለ ግለ-ሰብ  ብቋንቋ እንግሊዘኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፉ ከምዝጠቐሰኒ ምስ ሓበረኒ ነቲ ጽሑፉ ብጽሞና ኣምቢበዮ ናይ ብሓቂ ክኣ ገሪሙኒ፣፣

http://www.meskerem.net/Let%20us%20salute%20the%20Eritrean%20People.pdf

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ሰላም ኣይረሳዕኩን፣ ከመይ ኣለኹም? ብድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብስንኪ ዘጋጠመ ናይ ሰ.ደ.ህ.ኤ ቅልውላውን ካብኡ ዝተበገሰ ናይ ኢንተርነት ምምልላስን ኣብቂዑ፣ ዝዓዘዘኒ ነገር እንተነይሩ፣ ኣብ ውራይ ምሕያል ሰልፍና ምጽማድ ጥራሕ ኢዩ፣፣ ከም ውጺኢቱ ክኣ ከምቲ ብመገዲ መራኸቢ ብዙሃን ዝተገልጸ ተዓዊትናሉስ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ረጊጽና ከምዘለና በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ጽቡቕና ዝምነ እናሓበርኩ፣ ናብቲ ዘበገሰኒ ጉዳይ ክምለስ ግን፣ ሕጂ’ውን ንሕናን ክንሰርሕ ንደሊ በዚ እንከ <ድሓን’ዶ ኣምሲኺ ነገር> እብሉ ብሃሎ እነሀልኩም ናጤባ ብሓደ ነገረኛ ዶክቶር ኢየ ብሃሊ’ሞ ተኸታተሉኒ፣፣

ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ሃገር ሆላንድ እዚ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ሰብ ጸጋዝኣብ ገብረጊዮርጊስ ወዝቢ ብኣካል ምስ ርኣኽዎ፣ ንሓደ ዓርከይ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ ነበር እዋእ! ኣንታ እዚ ሰብ እዚ ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር ኣብ ናይ ተ.ሓ.ኤ-ሰውራዊ ባይቶ ናይ ዝገበርዎ ፌስቲቫል ቪዲዮ ክምድር ዝርኣኽዎ እመስለኒ፣፣ ናይ ብሓቂ ክኣ ኣብ ኣዘራርብኡ ጥቅዉ ይመስል’ሞ ኣባል መሪሕነት ናይቲ ውድብ ድዩ ኢለ ምስ ሓተትክዎ፣ ክርትም ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ <ኣይትፈልጦን ዲኻ? ኣይ እዚ እንዲዩ ጸጋዝኣብ ዝብሃል፣፣ እቲ ዝገርመካ ሕብሪ ዘይብሉ ሰብ እንተልዩ እዚ ሰብ’ዚ ጥራይ ኢዩ፣፣ ሎሚ ምስ ስዩም ሓረስታይ እንተዊዒሉ ህልም ዝበለ ካድር ሰውራዊ ባይቶ ይኸውን፣፣ ጽንሕ ኢሉ ምስ ተወልደ ገብረስላሰ እንተ ሓዲሩ ሳግም ኢየ ይብለካ፣ ጸኒሑ ክኣ ምስ ኣብርሃለይ ክፍለ <ሽዑ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ነበር> እንተኣዕሊሉ መንግስትና ክብል ዘይጽግሞ ሕብሪ-ኣልቦ ፍጥረት’ዩ> ክብል መንነቱ ገሊጹለይ ሽዑ ይዝከረኒ እሞ! ነፋሒቶ ዘይንብሎ ኢለዮ፣፣ ኣማን ብኣማን ክኣ ሕብሪ ዘይብሉ ነፋሒቶ።

<ዶክቶር> ጸጋዝኣብ ገብረጊዮርጊስ ኣብ ጽሑፉ ንብዙሓት ሸነኻት እኳ ጸሎሎ ቀቢኡ እንተሎ ካልኦም ዓዚዝዎም ሸለል እንተዘይ ኢሎሞ ንኽምልስሉ ዝሰንፉ ኣይመስለን፣፣ እንተ ናብቲ ንዓይ ዝምልከት ጸለመን ጠቐነን ኣድሂበ ክምልስ እንተኾይነ ግን ንሱ ኣብ ጽሑፉ ኢሳያስ ኣስፍሃ ኢልዎ ዝበሎን ኣነ ዝበልክዎን ኣብ ቅድሚ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተኣከብሉ ኣጋጣሚ ስለዝነበረ ዝበልክዎ ነገር  ቃል ብቓሉ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፣፣  <ብመጀመርታ እንቋዕ ኣሓጎሰና፣፣ እቲ እዚ ዋዕላ’ዚ ኣይክዕወትን ኢዩ፣፣ እናተባህለ ከበሮ ዝተወቕዓሉን ንምፍሻሉ ላዕልን ታሕትን ዝተባሃለሉ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከምዚ’ሉ ብዓወት ወጺኡ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ ምብጻሕና ብስመይን ብስም እቶም ከማይ ርእይቶ ዘለዎም ብጾተይን ክገልጽ እፈትዉ፣፣ ድሓር ክኣ ሓደ ነገር ኣሎ፣፣ እዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ሰይጣን እንተ ካብ ናይ ቻይና መጻሕፍቲ ዘንበቦ፣ እንተ ካብ ናይ ዓረብ ምስላታት ዝተርጎሞ፣ ንሱ ከም ዝመሃዞን ከምዝበሎን እና ተጠቕሰ፣ ወላ ንስኹም ኣቱም እዞም ኣብ ጀብሃ ዝነበርኩም ትንቢተ ኢሳያስ እናበልኩም ኣሻዲንኩም ዝንኡ ሰማይ ሰቒልኩሞ ኢኹም፣፣ ሓንቲ ካብተን ንሱ ዝደጋግመን ምስላታት ክኣ <እቶም ኣኽላባት ይነብሑ እንተ’ቲ ገመል ግን ጉዕዝኡ ይቕጽል> ዝብል’ዩ፣፣ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እቲ ብገመል ዝምሰል ንሕና ኢና እቶም ብመገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣቢልና ድሕነት ኤርትራ ከነረጋግጽ ንጽዕት ዘለና፣፣ እንተ’ቶም ዝነብሑ ኣኽላባት ግን ንሱ እቲ ስርዓትን ንዕኡ ዝመስሉን ኢዩም፣፣> ኢየ ዝበልኩ ሓሶት! እንተበልካ አግብእ! እዚ ኩሉ ልዕሊ ሚኢቲ ዝኸውን ኤርትራዊ ክኣ ምስክረይ’ዩ፣፣

ካልእ ካብቲ ጽቡሕን ዘይጽቡሕን ሓዋዊስካ ኣብ ውሽጢ’ቲ ልኡላውነት ዝብል ናይ ተበለጽትን መደናገርትን ብዓቲ ተሓቢኢካ ዘቕረብካዮ ጸለመ እዛ ሕጂ ብስማን ክብራን ትወራዘ ዘለኻ ኤርትራ ኣብ ምምጽኣ ንስኻ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ምዕራብ ዘወን እናበልካ ከለኻ እንተ ኣነ ግን ኣንጉዕ ዕድመ ንእስነተይ ዘብለኽሉ ናጽነትን ልኡላውነትን ምዃኑ ዘንጊዕካ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከም ዝዓሰበትንን ንሃገር ኣሕሊፈ ንኽህብ ብገንዘብ ከምዝቖጸረትንን’ውን ጠቒስካ ኣለኻ`ሞ መታን ንህዝቢ ንጹር ክኸውን ብጭብጢ ኣሰኒኻ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ክትሕብር’ዶ ምኽኣልካ?፣፣ እንተዘይኮነ ከምቲ ኣመልካ ምስ ወልደኢየሱስ ዓማር ስለ ዝቐነኻ ጥራሕ ንዕኡን ጃንድኡን ከተሐጉስ ትብሎን ትልኣኾን እንተሃሊኻ ግን ካብቲ ጽኑዕ ተገላባጢ ሕማምካ ምሕረት የውርደልካ፣ እናበልኩ ሓንቲ ንእግረ መንገደይ ከዘኻኽረካ ዝደልያ ግን እቶም ብጥይት ዝጠፍኡ ብዙሓት ኢዮም፣፣ እንተ እቶም ከምዝኸማኻ ብመልሓሶም ዝጠፍኡ ግን ኣዝዮም ኣዝዮም ማእለያ የብሎምን’ሞ ተጠንቀቕ ንዓኻ ክሕሸካ፣፣

መደምደምታ፣-

ዝኸበርካ ኣቶ ጸጋዝኣብ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ብዛዕባይ ዘለካ ነገር ሕጂ’ውን ኣብ ክንዲ ብበለካ ለኽዓካ ጭብጥታት ኣሰኒኻ እንተትቐርብ ይምረጽ፣ እንተዘየሎ ምክብባር ጽቡቕ እመስለኒ፣፣ ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣነ’ውን ብዛዕባኻ ይትረፍ ኣብ ፖሎቲካዊ ኣጠማምታኻን ተገላባጥነትካን እንተላይ እቲ ግብረ-ገብነት ዝጎደሎ ኣካይዳኻን ኣብ ማሕበራዊ ጉዕዞኻ ምስ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ምስ ደቅኻን ስድራ-ቤትካን ዘለካ ብልሹው ኣነባብራን ብሕጊ ምስኦም ንኸይትራኸብ ዝተኣገድካዮን ከይተረፈ ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይምበልኩን እንተኾነ ግን ኣብ ደረጃኻ ምውራድ ስለዝኸውን ኪኖ <ክቡር ማዕረ ነብሱ የኽብረካ ሕሱር ማዕረ ነብሱ የሕስረካ> ምባል ሓሊፈ ዝብሎ እንተለኒ ካብ ኣብ ዝኾነን ዘይኮነን ግዜኻ ተጥፍእ ነታ ዘይኮንካያ ክንስኻ ዶክቶር ኢየ እናበልካ ተደናግረላን ክትጽውዓላ እትሓልማን እትብህጋን መዓርግ ዶክቶርነት ብግብሪ ተማሂርካን ሰሪሕካን እንተትውድኣ ምሓሸካ፣ እንተዘየሎ ንስኻን መሰልትኻን መዳህርቲ ናይ እንዳ ወልደኢየሱስ ዓማር ስለዝኾንኩምስ ያእዪ ዓስብኹም ኮይኑ ንገሌኹም <ብዶክቶር> ንገሌኹም <ብኣምበሳ ኣፍዓበት> እንተ ጸውዑኹምን እንተ ሰየምኹምን ፈይዳ ዝህልዎ ኣይኮነን፣፣ እቲ ምንታይ ሽመትን መዓርግን ካብ ብወስለተለት ብጻዕርን ቃልስን ጥራሕ ስለ ዝርከብ ፣፣

ሓይልና ንምሸቱ’ዩ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2085

Posted by on Jan 28 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net