ናይ ምድረበዳ ጋሃነም፣

ብኤይናት ፊሽቤን

ሕዳር 19, 2010, የዲኦት ኣሃሮኖት

ጾታዊ ዓመጽ፣ ኤለክትሪካዊ ኣካላዊ ምንፍርፋር፣ ብጻዕዳ ውዑይ ሓጺን ገርካ ምቅጻል፣ ማእሰርቲ፣ ሃለዋት ምጥፋእን ሞትን ኣብ ኣመና ምዉቕ ኮንተይነር ካልእ ቡዙሕ ነገራትን ካብቲ ብዙሕ ራሕቂ ካብ ዘይብሉ ዶብ ግብጺ-እስራኤልን፣ መግረፊ መዓስከር ናይ በድዊን ከተርቲን ኣብ ሲናይ ምድረበዳን ዝርከብ ቤት ማእሰርቲታትን መረጋገጺታት ይራኣዩ ኣለዉ። እቲ ኩነታት ኣብቲ መዓስከር ዘሎ ኣዝዩ ክእመን ዘይክእል ኢዩ። ብዙሓት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብእኡ ክሓልፉ ከለዉ ብዙሕ መግረፍቲን ካልእ ነገራትን ከምዘጋጥሞም ይሕብሩ። መብዛሕተን ደቂ ኣንስትዩ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙወንን፣ በዚ ሳዕቤን እዚ ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዩ ኣብ እስራኤል ጥንሲ ንኽንጽላ ተገዲደን ኢየን። ሕጂ እምበኣር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ንውሓት ናይ ሰብኣዊ ዕንወት መወዳእታ ኪገብረሉ ይፍትን ኣሎ።

PICTURE 1

ስእሊ፣ B. ግዳይ መግረፍቲ ኤርትራዊት ስደተኛ፣

ስደተኛ፣ ሕጂ እቲ ገንዘብ ከተምጽእልና ኢኺ ኢሎሙኒ።

በድዊን ከተርቲ ኣብቲ ክፍሊ “B” ምስ ካልኦት ኤርትራዊያንን በዓል ቤታን ተታሒዛትሉ ዘላ ብምእታው ምሳቶም ንኽትወጽእ ሓቢሮማ፣ “B” ምስቶም ሰባት ብምብኣሳ፣ እቶም ኣብቲ ክፍሊ ምሳኣ ዝነበሩ ሰባት ብሰንካ ከይተቐተሉ ከለዉ ንኽትወጽ ሓቲቶማ። “B” እውን ካብቲ ክፍሊ ወጺኣ። ሓደ ካብቶም ኤርትራዊያን ኣስተርጎምቲ ድማ፣ ን“B” ሓደ ካብቶም ከተርቲ ምስኡ ኣብ ጎኑ ኮፍ ኢላ ግዜ ከተሕልፍ ይደልያ ከምዘሎ ነጊሩዋ። “B” ተመሊሳ ናብቲ ክፍሊ ጎያ ከይዳ።

“B” ከምዝሓበረቶ፣ ሰለስቲኦም እቶም ከተርቲ ደድሕሪኣ ብምምጻእ፣ ንኹሉ ሰብ ኽደንን ዓይኖም ክሽፍኑን ኣዚዞሞም። ኩሎም እቶም ሰባት ድማ ርእሶም ናብ ብርኮም ብምግባር ደኒኖም። ን“B” ደፊኦም ናብቲ መንደቕ ብምጽጋዕ ክቕጥቅጥዋ ጀሚሮም፣ ገጻ ኩሉ በቲ መግረፍቲ ሓቢጡ ኢዩ፣ ኩሉ ኢዳን እግራን፣ ኮታ ከይሃረሙ ዝገደፍዎ ክፋል ኣካላታ ኣይነበረን። ዳሕራይ ሓደ ካብኣቶም፣ ሕጂ እቲ ገንዘብ ከተምጽእልና ኢኺ ኢሉ ኣፈራርሕዋ። ቴሌፎን ብምሃብ፣ በቲ ሓደ ጎድኒ እዝነይ ሽጉጥ ብምጽጋዕ፣ ንመሓዛይ ኣብ ሱዳን እትርከብ ደዊለላ። ምስኣ እንዳተዛረብኩ’ውን ያሃርመንን ይጸፍዓንን ነይሩ። ገንዘብ ንኽትሰደለይ ለሚነያ፣ ክቐትሉኒ ስለዝደለዩ። ገንዘብ ረኺባ ከምትሰደላ ድማ ሓቢራታ። ኩሉ ነገር ንኽትሸያይጥ ክልተ መዓልቲ ወሲዱላ፣ ናይ ቃል ኪዳን ቀለቤታ ከይተረፈ ብምሻጥን ካልእ ተወሳኺ ገንዘብ ብምልቃሕን 500 ዶላር ሰዲዳትሎም። እንተኾነ ግን ተወሳኺ ሓደ ሽሕ ዶላር ኣምጽኢ ኢሎማ።

“B” ጓል 25 ዓመት ኢያ። ናብቲ መንደቕ ብምጽጋዕ ቀጥቂጦማ። ሓደ ካብኣቶም ብሓይሊ ካብቲ ገዛ ኣውጺኡ ብምውሳድ፣ “ጽቡቕ ጸወታ እንተተጻወትኪ ይሕሸኪ” ኢሉዋ። ድሕሪ ክንደይ ምዃኑ ዘይትዝክሮ ተበራቢራ። ገና ብእስርታ ብዘይ ክዳውንቲ ብድሕሪኡ እንታይ ከምዘጋጠመ ተረዲኡዋ።

ንዓይን ንበዓልቤተይን ገንዘብ ኣምጽኡ ብምባል ብዘይ ዕረፍቲ ቀጥቂጦምና ትብል “B”። እቲ ንዓይ ንደገ ምስኡ ክወጽእ ደጋጊሙ ዝሓተተኒ፣ ንበዓልቤተይ’ውን እናቐጥቀጠ፣ “ንበዓልቲቤትካ ተፍቅራ ዲኻ?” እንዳበለ ደጋጊሙ ይሓቶ ነይሩ። “እወ” ኢሉ እንድሕር መሊሱ ብዝያዳ ማህረምቲ የበርትዓሉ። ብዛዕባ ጾታዊ ርክብና፣ ከመይ ከምዘፍቅሮ፣ ንምንታይ ከምዝተመርዓወኒ ይሓቶ ኔሩ ምኽንያቱ ካብ መጀመርያ ናቱ ክኸውን ኣለኒ ኢሉ ስለዝሓሰበ። ድሕሪ ንውሕ ዝበለ መዓልታት ምስ በዓልቤተይ ፈላሊዮሙና። ደቂ ኣንስትዮን፣ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ዝተፈላለይ ክፍልታት ኣቐሚጦሙና።

ኣብ ሱዳን ትርከብ መሓዝኣ ን“B” ምስቶን በድዊን ከተርቲ/ነገድቲ ደቂ ሰባት፣ ቀጻሊ ርክብ ተካይድን ንኸይትንኩፍዋን ትልምኖም ኔራ ምኽንያቱ ካልእ ሓደ ሽሕ ዶላር ትእክበሎምን፣ ክትሰደሎም ትዳሎ ኔራ። ብኸምዚ ነጥቢ ድማ እቲ ናይ መጀመርያን ብተዛማዲ ድማ ኣጸጋሚ ዝነበረን ጎዕዞ ተዛዚሙ። ድሕሪ ክልተ-ሰለስተ መዓልቲ ይኸውን ካብ ካብኣቶም ካብቲ ክፍሊ ብሓይሊ ደፊኦም ኣውጺኦምኒ ይብል እዚ ተራኺ። ን“B” ድማ ብዓረብ “ምሳይ ጸወታ እንተተጻወትኪ ይሓይሽ” ኢሉዋ። ኣብቲ “B” ትህቦ መልሲ ዝኾነ ግዳሰ ኣይነበሮን። ቅድሚ እቶም ካልኦት ክልተ ምምጸኦም፣ ነቲ ሓደ ሓንሳብ ክሃርሞ ክኢለ ኔረ። ዳሕራይ ግን ብጨርቂ ጌሮም፣ ኢደይን እግረይን ንድሕሪት ብምጥዋይ ኣሲሮምኒ። ዋላ ተኣሲረ ከለኹ’ውን ክቃለሶም ብዙሕ ፈቲነ። ዳሕራይ ግን ገለ ነገር ብድሕረይ ወጊኦምኒ። ዓይነይ ሸፊኖም ናብ ካልእ ቦታ ወሲዶምኒ። ኣእምሮይ ክስሕት ዝደለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ድሕሪ ክንደይ ምዃኑ ምስተበራበርኩ ገና ብእስርተይ፣ ብዘይ ክዳውንቲን ጥራየይን….. ድሕሪኡ እንታይ ከምዘጋጠመ ተረዲኡኒ። ብዙሕ ደም ይፈሰኒ ነይሩ። ካብተን ኣብኡ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ማይ ከተምጸኣለይን ክትፈትሓንን ሓቢሮማ። ምስራኣየትኒ ድማ ክትበኪ ጀሚራ።

ድሕሪ እዚ ኩነት እዚ “B” ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝርርብና ብቐስታ ክትበኪ ጀሚራ። ርእሳ ብማልያኣ ብምሽፋን ድሕሪ ምብካይ፣ ንብዓታ ጸሪጋ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ገዛ ንሓደ ሰሙን ገዲፎሙኒ፣ ምሽት ምሽት ይመጽኣኒ፣ ኣነ’ውን ናይ ምጽዋር ሓይለይ ጸንቂቐ። እንታይ ከምዝሃቡኒ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ዓይነይ ሸፊኑ፣ ናብ ካልእ ቦታ ብመኪናኡ ብምውሳድ ጾታዊ ዓመጽ የውርደለይ።

ኣብ ዘይደልየኒ ኩነታት ከምዝበጽሐ ካብቲ ናቱ ውሳኔ ተረዲኡኒ። ብጣዕሚ ሕማቕ ስለዝነበርኩ፣ ካልእ ክዳውንቲ ኣምጺኡ ሂቡኒ። ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ነብሰይ ሓጺባ፣ ክዳውንተይ ከዳዲናትኒ። ዝብላዕ ነገር ብምሃብ ናብ ዶብ ኣብጾሖሙና። ዶብ ሰጊረ እስራኤል ኣብዝኣተኹሉ ግዜ ድማ ሃለዋተይ ኣጥፊኤ።

ጓል 25 ዓመት “B” ምልክዕቲ ኢያ። የዒንታ ሓዘን ይንበቦ ግን ከኣ ምልኣተ-ሂወት ይራኣዮ። ተባዕን ሓያልን ምዃና ድማ ይርደኣካ። ዶብ ኣብ ዝሰገርሉ እዋን በዓልቤታ ክሒድዋ ኢዩ። በቲ ኩሉ ኩነታት ዝሓለፍዎ ከይኮነ ኣይተርፍን፣ ዘይምርዑው ምዃኑ ድማ ኣዊጁ። ድሕሪ “B” ዝተገበረላ ሕክምና ኣብ ኣምቡላስ ኣብቲ ዶብ፣ ናብ “ሰሃሮኒም” ዝተባሃለ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዳ። ብዛዕባ እቲ ኩሉ ዝሓለፈቶ እተዕልሎ ሰብ ድማ ትደሊ ኔራ። እቲ ዝነበራ ክዳውንቲ ነታ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሰራሕተኛ ብምርኣይ፣ ኩሉ ነገር’ውን ኣዕሊላታ። ጠበቓ ኦስናት ኮሄን-ሊፍሻትዝ ካብ “ሆትላይን ሰራሕተኛታት ስደት” ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽትወጽእ ጠለብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ዝነበረቶ ናይ ባርነት ኩነታትን ድሕሪ እቲ ዝረኸቦ  መረጋገጺ ናይ ኩነተ-ኣእምሮኣ ጉዳይ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፣ ኮሄን-ሊፍሻትዝ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከውጻኣ ክኢሉ። ድሕሪኡ ብሚኒስትሪ ድሕነት ናብ መዕቆቢ ግዳያት ሰብኣዊ ንግዲ (ኮንትሮባንድ) ተሰጋጊራ። ሎሚ ድሕሪ ምድልዳላን ምሕያላን፣ በዓል ቤታ ክምለሳ ደልዩ ንሳ ግን ፈጺማ’ውን ክትሪኦ ኣይደለየትን።

ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ኣብቲ ትሕቲ ህድኣትን ክንክን ኩነተ-ኣእምሮን ኢያ ሓሊፈዮ ትብል “B”. ሕጂ መደቀሲ ከኒና ጥራይ ኢየ ዝወስድ ዝለኹ ምኽንያቱ ለይቲ ክድቅስ ስለዘይክእል። ብዛዕባ ኩሉ ተሞኩሮታተይ ኣብቲ መዕቆቢ ክጽሕፎ ጀሚረ ኣለኹ። ኩሉ ግዜ ዝደልዮን ክሳብ ሕጂ ዝሓልሞን ጋዜጠኛ ምዃን ኢዩ። መጻኢ እንታይ ሒዙለይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ኢየ። ኣበይ ከምዝህሉ ንመጻኢ’ውን ዝፈልጦ ኣይኮንኩን። ሕጂ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕናይ፣ ኣብ ትምህርቲን፣ ነተን ናይ መዕቆቢ ገንዘብ ምውህላልን ኢየ ኣተኩረ ዘለኹ። ነታ ገንዘብ ሂባ ሂወተይን ክተድሕን ዝፈተነት መሓዛይ ክመልሰላ ኣለኒ።

እስራኤል – ከም ናይ መጨረሻ መብጽሒት ቦታ፣

ሲናይ- ገነት ናይ እስራኤላውያን ቱሪስት፣ ንኣሽሓት ግን ጋሃነም ኮይና ኣላ። ብሳላ ልዑል ጻዕሪ ናይ እስራኤልን ኣህጉራዊያን ትካላት ሓገዝን እቲ ኣስቃቒ ኩነታት ኣብ ዶብ ግብጺ ንጹር እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ኩነታት ብዝለዓለ ገዲዱ ኔሩ። ኩሉ ግዜ ኣማኢት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ እስራኤል ይመጹ ኢዮም። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ከለዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ካብኣቶም ንዕኡ ኢሉ ኣብ ዝተዳለወ መዓስከር ይተሓዙ ኢዮም። ብልዑል ዝጽለሙሉን እንዳወሰኸ ዝኸይድ ዓቐን ናይ ገንዘብ ዝሕተትሉን ኢዩ። ንኣረሜናዊ መግረፍቲ፣ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕመጻሉን ኩነት ኮይኑ እቲ ዶብ ክሰግሩ ከለዉ’ውን ፍርቂ ሰብ ኮይኖም ኢዮም ዝሓልፍዎ።

እቲ ናይ መግረፍቲ መዓስከር ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ዘሎ፣ ኣህጉራዊ ጉዳይ ኢዩ። ድሮ ንጽር ኮይኑ ከምዘሎ፣ ነቲ ጉዳይ ንምዕጻው ህጹጽ ኣህጉራዊ ምትእትታው የድሊ ኣሎ። ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀልን ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ እስራኤል ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕን ንምጽራይን ብዝለዓለ መጠን ግዚኦም ወፍዮም ይሰርሑ ኣለዉ። ዝተመሓላለፈ ወግዓዊ ጸብጻብ እኳ እንተዘየለ፣ ገለ ኤምባሲታት ኣመሪካን ኤውሮፓውያን ሃገራትን ነቲ ጉዳይ በጺሖሞ ከምዘለዉን ከምኡ’ውን ምትእትታው ጀሚሮም ኣለዉ።

ሲናይ ካብቶም ቀንዲ ናይ ደቂ ሰባት ኮንትሮባንድ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኮይና ኣላ ይብል ዊልያም ታል, ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ እስራኤል ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት መስመራት ጉዕዞ ካብ ሞሮኮ ናብ ስፐይን፣ ካብ ሊብያ ናብ ጥልያንን፣ ካብ ቱርኪን ሰሜን ኣፍሪቃን ናብ ግሪኽ፣ መስመር ጉዕዞ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ናብ እስራኤል ቐስ ብቐስ ዝያዳ ኣገዳሲ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ 3-4 ኣዋርሕ፣ ኣዝዩ ረባሽን ምስርሑን ዝኾነ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዶብ ግብጺ ዝርከብ መስመር ሲናይ ተቐቢልና ኢና።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘይተዘርግሑን ዝተዋሳሰቡን ጸብጻባት ብዛዕባ ናይ ደቂ ሰባት መስመራት ንግድን ምስ ዓለማዊ ትካላት ጽቡቕ ርክብ ዘለዎን ተረኺቡ ኣሎ። ቁጽሪ ብዝሒ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ነኪዩ ኢዩ ምስቲ ብዝሒ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ምምጽኦም። ኣሽሓት ዶብ ኤርትራ-ሱዳን ብዘይ ሕግን ብእግሪን ይሰርግዎ ምኽንያቱ ካብ ሃገሮም ክወጽእሉ ዝኽእሉ ሕጋዊ መንገዲ ዳርጋ ስለዘየለ። ካብቲ ዶብ ናብ ሻግራብ ዝባሃል መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ብትካል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR); ዝካየድ መዓስከር ይመጽኡ። ካብኡ ድማ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናብ ከሰላ ይቕጽሉ። እዚ እቲ ቀንዲ መስመር መኽየዲ ቦታ ናብ ሰሜን ሊብያ፣ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ እዚ ቦታ እዚ እቲ ቀንዲ ብኤርትራዊያን ወከልቲ ዝእከብሉን፣ 2, 500 ዶላር ናብ እስራኤል ንምስጋር ዝኽፈል ኮይኑ፣ ኣብ ሲናይ ምስበጽሑ ዝኸፍልዎ ኢዩ።

ገለ ካብቶም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ስደተኛታት ከምዝብልዎ፣ ናብ ከሰላ ዝመጽእሉ ምኽንያት፣ ካብ ሊብያ ናይ ጥልያን ንምስጋር ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ ጥልያን ነዚ መስመር ጉዕዞ እዚ ንምስጋር ኣዚዩ ከቢድ ስለዝገበርዎ ቀንዲ ምርጨኦም ናብ እስራኤል ምኻድ ኮይኑ፣ ትካል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR)ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ ብዙሓት ሱዳናዊያን ብዘይ ናቶም ድሌትን መደብን ኣገዲዶም ኣብ መኪና ብምእታውን ገንዘብ ብምኽፋልን ናጽነቶም ብምግፋፍን ጨዊዮም ናብ እስራኤል ኣምጺኦሞም ኢዮም። ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ሓለፍቲ ኣብ “ሳሃሮኒም” ቤት ማእሰርቲ ኩሉ ግዜ ዘሰንብድ መግለጺታት ኢዮም ዝሰምዑ ከምቲ ዝተጠቕሰ ድማ ክልተ ጉዳያት ሰኒዶም።

እቶም ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ዘሰጋግሩ መሰጋገርቲ ኣባላት በድዊን ራሻይዳ ኢዮም። መብዛሕትኡ እቲ ጉዕዞ ብፒክ-ኣፕን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ኢዩ ዝካየድ። ብዙሓት ሰባት ተጨቓጪቖም ብካንቫስ ተሸፊኖም፣ ድምጺ ንኸይገብሩ ኣብ ኣሸገርቲ ቦታታት ይሓልፍዎ። ገሊኡ ግዜ’ውን ኣብ ርእሲ-ርእሲ ንኽድቅሱ ይእዘዙ። እቲ መሸፈኒ ካንቫስ ድማ ብልዕሊኦም ኣትሪሮም ይኣስርዎ። እቲ ጉዕዞ ምስቲ ዝፍጠር ምድንጓያት ናይ ፖሊስን ዶብ ፍተሻን ካብ 7 መዓልቲ ክሳብ ገለ ሰሙናት ይወስድ። እዚ’ውን ኣብቲ ምድረበዳ ናይ ምጽናሕ ኩነታት ይፈጥር፣ መግብን ማይን ንሓደ ሰሙን ጥራይ ኢዩ ዘጽንሕ፣ እቲ ዝፍጠር ምድንጓያት ድማ ጥሜትን ጽምኣትን ዋላ’ውን ክሳብ ሞት የብጽሕ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ስደተኛታት ደሓን ኣተሓሕዛ ይበረሎም እኳ እንተኾነ፣ ብዙሓት ግን ኣብቲ ጉዕዞ ይሞቱን ሬሳኦም ድማ ኣብቲ ምድረበዳ ይድርበ።

ዋላ’ውን እኳ እስራኤል ስደተኛታት ካብ ግብጺ ንምኻድ ዝጥቀሙላ ዝነበረት ቀንዲ ኣማራጺት ሃገር እንተነበረት፣ ሎሚ እስራኤል ናይ መወዳእታ መዕረፊቶም ከምዝኾነት ገና ቅድሚ ምብጋሶም ዝሕስብዎ ኢዩ። እቶም ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ብካይሮ ኣይሓልፉን ኢዮም። ግን ንስዊዝ ካናል ኣቢሎም ናብ ሲናይ ይኣትዉ። ቀንዲ ንመጓዓዚ ዝጥቀሙለን ድማ ጀላቡን; ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጥ መርከብን (Fuel Tankers) ኮይኑ፣ ክሳብ 95 ሰብት ኣብኣ ክጽፍጸፉ ይኽእሉ፣ ነዞም ኩሎም ድማ ኣብቲ ላዕሊ ሓንቲ ናይ ንፋስ ቨንቲለተር ጥራይ ይርከበን።

ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ስደተኛታት ብዝወሓደ፣ በቲ ናይቲ ጉዕዞ ጸገማት ጥራይ ኢዮም ዝሽገሩ ምናልባት ከምቶም በድዊን ከተርቶም፣ እስላማውያንን ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብን ስለዝኾኑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ካልኦት, ብዝያዳ ድማ እቶም ኤርትራውያን ተጓዓዝቲ ብኣሰቃቒን ኮነ ኢልካ ዝግበር ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ተግባራት ኢዮም ዝሓልፉ። እዚ ድማ ነቶም በድዊን ከተርቲ ካልእ ድላዮም ንኽገብርዎም የኽእሎም።

እቲ ልክዕ ቦታ እቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝቕመጥሉ መዓስከር ፍሉጥ ኣይኮነን። ከም እቲ ናይቶም ስደተኛታት ቃል ግን፣ ኣብ ማእከላይ (level) ዝኾነ ቦታ ኮይኑ፣ ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ፣ ጥቓ ሓንቲ (ኤል-ዓሪሽ) ዝተባህለት ዓዲ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ናይ ግብጺ መጽሔት (ጋዜጣ) “ኣል-ማስሪ ኣል-ዮም” ሪፖርት ከምዝገበሮ፣ 50 ነጋዶ (ከተርቲ) ናይ ደቂ ሰባት፣ ብበድዊን ካብ “ኣል-ማናባ” ዝተባህለ “እንዳ” ዝተመርሐ ከምዝተኣሰሩ ገሊጾም። ናይ ግብጺ ፖሊስ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ፣ “ማህዲያ” ዝተባህለት ዓዲ ኣብ ማእከላይ ሲናይ እትርከብ ከም ቀንዲ መንቀሳቐሲ ስርሓቶም ተቐይራ ከምዝጸንሓት ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት ኣብ ቃሎም፣ ኣብቲ ከባቢ ብዝሓት ዘለዎም መካበቢያታት፣ ገለ ካብኣቶም ብዓቢ ቴንዳታት ዝተሰርሑ፣ ገለ ጽላል ዘለዎምን ገለ ድማ ሓጺናዊ ኮንተይነራት ይርከብዎም። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከምዝተፈልጠ’ውን ክልተ ኣዚዮም ዓበይቲ መዓስከር፣ ኣማኢት ስደተኛታት ዝሓዛ ከምዘለዋን፣ ብግዴታ ብለይቲ ከምዝሃንጽዎም ከምዝገበርዎምን መረጋገጺታት ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብ መጀመርያ እቶም ሰደተኛታት ብጽቡቕ ኢዮም ዝተሓዙ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ እቲ ዋጋ ናብ 3,000 ዶላር ክብ ይብል፣ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት’ውን ክኸፍልዎ ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ግን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ መዓስከር ንምስግጋሮም ዝግበር ዘሎ ወረታት ምንፋስን እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጥን ብደንቢ ዝተዳለዉ መስርሕ ኮይኑ ኣሎ። ዋላ’ኳ እቶም ስደተኛታት ካብ ሓደ ጉጅለ ናብ ካልእ ከም መሽጣ የመሓላልፍዎም ከምዘለዎ እንተኣፍለጡ፣ እዚ ኩሉ መስርሕ ምትሕልላፍ ግን ብሓንቲ መርበብ ምትሕልላፍ ይካየድ ዘሎ ኢዩ ዚመስል።

154 ምንጻል ጥንስታት ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ፣

ኣብቲ ካልኣይ መዓስከር ስደተኛታት ኩሉ ነገር ተለዊጡ ኢዩ። ኣእጋር ናይ’ቶም ደቂ ተባዕትዮ ብሓንሳብ ብመቑሕ፣ ካብ 3-5 ሰባት ብጉጅለ ብሓንሳብ ተኣሲሮም ዳርጋ ይውዕሉ። በዚ ኣገባብ እዚ ድማ ካብ 4-5 ዕጡቓት ሓለዋ ክሳብ 100 ሰባት ይሕልዉ። ኣብዚ ደረጃ እዚ እቲ ጠለብ ናይ ገንዘብ ካብ 7,000 – 10,000 ዶላር ክብ ይብል፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ እቲ መግረፍቲ ይጅምር። ንደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ግዜ ዓይነን ሸፊኖም ናብ ርሑቕ ጽላል ዘለዎ ቦታ ብምውሳድ ብተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ የውርዱለን።ኣብዚ ድማ ንነዊሕ ሰዓታት የጽንሕወን፣ ዋላ’ውን ንመዓልታት ይሕዝወንን፣ ብካብ ሓደ ንላዕሊ ካብቶም ከተርቲ ድማ ዓመጽ ይወርደን። ገሊኡ ግዜ ንነፍሲ ወከፈን ለይቲ ለይቲ ይወስድወን። ሳሕቲ እተን ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ከተርቲ ከም መሓዙቶም/የዕርኽቶም ኮይነን ይዋሃባ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ለይታዊ ነቲ ናተን ኣውያት ከምዝሰምዑ ይምስክሩ።

“ለ” ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮኒም ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት መጺኣ። ንሳ ብዛዕባ እቶም ምሸት ምሽት ምሳቶም ጽብቕ ግዜ ንምሕላፍ፣ ደቂ ኣንስትዮ ንምምራጽ ዝመጹወን ኮንትሮባንዲስት ሓለዋታት ኢያ ትዛረብ። ንሳ ድሕሪ ንሓደ ካብኣቶም ምቅዋማ፣ መሓዙታ ብዶብ እንዳጾለቓ ከለዋ፣ንዓኣ ግን ኣብቲ መዓስከር ገዲፉ፣ ን14 መዓልቲ ኣብ ሓደ ማንም ዘብሉ ህንጻ ዓጽዮ መዓልታዊ ይዕምጻ ኔሩ። ድሕሪኡ ግን ካልኦት ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ምስመጻኣ፣ ምስኣተን ከምዝኸይድ ጌሩ። ኣብ ኩሉ ዓይነት ስራሓት ኢዩ ኣዋፊሩኒ ትብል “ለ”።

የእዳዎም ኣብ መሬት ከንብርዎ ሓቢሮሞም ምቕጥቃጥ ንኽጥዕሞም። ሓቅታት ዝሓዘለ  ብዛዕባ “ናይ ምግራፍ ልምዲታት” ሓዲሽ ሪፖርት ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን’ውን ወከልቲ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት፣ ኣብ ገለ ኣብቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ኣዚዩ ዓሚቕ በሰላን ኣብ ሕቖምን፣ ፈጺሙ ዘይሓወየ ቁስሊን ተዓዚቦም ኣለዉ። ገለ ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ተኣሲሮም ዘለዉ ስደተኛታት ብኣዝዩ ኢ-ሰብኣዊ ዝኾነ ተግባራት ይሳቐዩ ኣለዉ። ገለ ካብኡ፣ ኣብ ሰውነቶም ሽንቲ ማይ ብምሻን፣ ወይ ድማ ክሰትይዎ ምግዳድን ኢዩ። ንሳቶም ኣብ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ቦታ ተገቲኦም ይርከቡ፣ ቀንዲ ድማ ኣብቲ ጫፍ ናይ ማዕጾ ምንጥልጣል ኢዩ። ሓደ ናይ ኣጻብዕ ምቑራጽ ጉዳይ’ውን ኣጋጢሙ ኔሩ። ካልእ እቲ ግዳይ ነቲ ዝተባህሎ ገንዘብ ክኸፍሎ ከምዘይክእል ንጹር እንድሕር ኮይኑ፣ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ይወስዱ ኢዮም።

ብተደጋጋሚ ናይ ምቕጥቃጥ መርስሕ ዝካየደሉ ግዜ እቶም ከተርቲ ነቶም ስደተኛታት ብናይ ሳተላይት ቴሌፎን ምስ ኣዝማዶም ኣብ ዘራኽብሉ ግዜ ኢዩ። እዚ ድማ እቶም ቤተሰቦም ነቲ ገንዘብ ብቕልጡፍ ክሰድሎም ከምዝሓይሽ ንኽሕብርዎምን ንጹር ንምግባርን ኢዩ።  እዚ መስርሕ እዚ ድማ ብቐጻሊ ኢዮም ዝጥቀመሉ፣ እቶም ሰባት’ውን ዋላ ኣብ ከቢድ ኩነታት እንተሃለዉ ካብ ዝምጻእ ኣምጺኦም፣ ነቶም ሰባት ይሰድሎም። ከምቲ ኣቐዲምና ናይ “ሀ” ጉዳይ ዝተኸታተልናዮ ማለት ኢዩ። እቲ ገንዘብ ካብ ኤርትራ ብዝቐልጠፈ ናብቲ ዝፈልጥዎ ሰብ (contact person) ብኤሌክትሮኒካዊ ምትሕልላፍ ናብ ተል-ኣቪቭ ይስደድ፣ ብመገዲ እተን ሃገራት ኣብቲ መስመራት ጉዕዞኦም ዘለዋ፣ ገሊኡ ግዜ ድማ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳቦም ከም ተቐማጢ ኮይኑ ይመሓላለፈሎም።

እቶም ኣብቲ ኣሰቃቒ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ገሊኡ ግዜ ንንውሕ ዝበለ መዓልታት ብዘይ መግቢን ማይን፣ ኣብቲ ምዉቕ ኮንተይነር ተዓጺዮም ይሓልፍዎ። ገለ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ዝእወድዎ ገንዘብ ንምኽፋል፣ ኣብ ናይ ህንጻ ወይ ጽሬት ስራሕ ስለዝዋፈሩ፣ ኣብቲ ናይ’ቶም ከተርቲ/ኮንትሮባንዲስት ማሕበረሰብ ዓቢ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ የምጽኡ። ሓደስቲ ሞዴል መካይን (SUV), ናይ ኢንተርነት መስመር ዘለወን ላፕቶፓት፣ ኣገልግሎት GPS፣ ቪላታትን ኣብቲ ምድረበዳ ይውንኑ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ሳሃሮኒም ካብ ዝመጹ ሓደስቲ ስደተኛታት፣ ን5-6 ኣዋርሕ ዝኸውን ኣብ ግዱድ ጉልበታዊ ስራሕ ኣብቲ መዓስከር ተዋፊሮም ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ካብቶም ኣብ እስራኤል ኣቲዮም ንኣህጉራዊ ፕረስ ቃሎም ዝሃቡ ስደተኛታት፣ ዝሓለፈ 18 ነሓሰ ሓደ ካብ እቶም ኣብቲ መዓስከር ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ካብ ሓደ ካብኣቶም   ዋርዲያታት ጠበንጃ ብምምንዛዕ ናዕቢ ኣለዓዒሎም ኔሮም። ድሕሪ እቲ ዝተወለዐ ሓዊ፣ እቶም ከተርቲ ነቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከእቲዊዎ ክኢሎም። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ኣርባዕተ ኤርትራዊያን ክቕተሉ ክኢሎም ኣለዉ። እቶም ካብዚ ኩነት እዚ ዝደሓኑ እሞ ናብ እስራኤል ክመጹ ዝጀመሩ ከምዝሓበርዎ፣ ድሕሪ እቲ ዝተላዓለ ናዕቢ፣ ብዝያዳ የሳቕይዎም ከምዝነበሩ ገሊጾም ኢዮም። ሓንቲ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ፣ ኣቦኣ ገንዘብ ክሰደላ ስለዝኸኣለ ጉዕዞኣ ንኽትቅጽል ነጻ ሰዲዶማ። ኣብታ ሻዓ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብግብጻዊያን ወተሃደራት ኣብቲ ዶብ ዝርከብ ክትቅተል ክኢላ፣ ሬሳኣ’ውን ኣይተረኸበን።

ብዙሓት ካብቶም ተቐመጥቲ ናይ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ድሕሪ እቲ ገንዘብ ምምጸኦም፣ ናብቲ ናይ እስራኤል ዶብ የብጽሕዎም። ገለ ውሑዳት ካብኣቶም ድማ ድሕሪ ሓያለ ኣዋርሕ ይፍንውዎም። እዚኣተን ቀንዲ ደቂ-ኣንስትዮ ኮይነን፣ እቶም ከተርቲ ከም ናይ ጾታዊ ዓመጽ ባርያታት ጌሮም ንኽሕዝወን ዝውስንሉ ኢዩ።

ገለ ካብዚ ድማ ጓል 25 ዓመት “ሐ” ምስ ካልኦት ብዙሓት ምስኣ ዝተወስዳ ደቂ-ኣንስትዮ ምሽት-ምሸት ካብቲ ቦታ ወጻኢ ናብ ጽላል ዘለዎ ቦታ ብምውሳድ፣ ብሰለተ ካብቶም ከተርቲ ንወርሒ ምሉእ ተዓሚጸን። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሓደ ካብቶም ኣጥቃዕቲ ን”ሐ” ወዲ 50 ዓመት ይኸውን ናብ ሓደ ኣዝዩ ርሑቕን ዝተነጸለን ገዛ ወሲዱ ንሰለስተ ወርሒ ኣብኡ ንበይና ብምዕጻው መዓልታዊ ምሸት ምሽት እንዳመጸ ይዕምጻ ኔሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ዋላሓደ መግቢ ኣይረኸበትን፣ ዋላ’ውን ነብሳ ክትሕጸብ ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ ግን ብዘይ ዝኾነ መግለጺ ናብቲ መዓስከር መሊሱ፣ ምስቶም ጉጅለ ዶብ ክሰግሩ ተቐሪቦም ዝነበሩ ጸንቢሩዋ።

ካብቲ ናይ እስራኤል ቤት ማእሰርቲ ድማ ብሓገዝ ጠበቓ ሲጋሊት-ዞሃር፣ ካብ ክፍሊ ሕጋዊ ረድኤት ናይ ሚኒስትሪ ፍትሒ ናብቲ መዕቆቢ ግዳይ ናይ ደቂ ሰባት ነገድቲ (ከተርቲ) ተሰጋጊራ።

ጓል 19½ ዓመት “መ” ካብ “ሳሃሮኒም ቤት ማእሰርቲ” ናብቲ ክሊኒክ ናይ “ሓኻይም ንመሰል ደቂ-ሰባት” (Physicians for Human Rights, PHR-Israel) ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ድማ ኣብ ዝሰጎመ ጥንሲ ኔራ። ንሳ’ውን ከምተን ካልኦት ብጾታ ኣብቲ ምድረበዳ ብቶም በድዊን ከተርቲ ተዓሚጻ ኢያ። ናብቲ ክሊኒክ ጥንሲ ክትንጽል ኢያ መጺኣ። ብቁሩብ ቃላት ንሳ፣ ንብዓመጽ ዝመጸ ቆልዓ ክትወልድ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ። ኣብ እስራኤል ሽዱሽተ ወርሒ ዝገበረ ጥንሲ ክትንጽል ዘይሕጋዊ ምዃኑ እኳ እንተተሓበረት፣ ንሳ ግን ፈጺሙ ከምዘይውለድ ኣነጺራቶ ኢያ። ከምዚ እንድሕር ኮይኑ’ውን ንዑ ከተጥፍእ ነፍሰ-ቅትለት ከምትፍጽም ሓቢራ። ሓኻይም ስነ-ኣእምሮ ከምዝሓበርዎ፣ እዛ ጓል ኣንስተይቲ እዚኣ ንኽትወልድን ቆልዓ ኽተዕብን ድልውቲ/ብቕዕቲ ከምዘይኮንት ምስኣረጋገጹ እቲ ጥንሲ ክንጽሉላ ክኢሎም። ብድሕሪኡ ስዒቡ እታ ጓል-ኣንስተይቲ ፈጺማ ኣይተቐልቀለትን።

ካብ መጀመርያ 2010 ጀሚሩ፣ “ሓኻይም ንመሰል ደቂ-ሰባት” (Physicians for Human Rights, PHR-Israel) ፣ 154 ምንጻል ጥንስታት ኣብ ክሊኒኩ ከምዘካየደ ጸብጻቦም ይሕብር። ዳርጋ ፍርቂ ካብዚኣተን በቶም በድዊን ከተርቲ/ነገድቲ ናይ ደቂ-ሰባት ከምዝተዓመጻ ኣፍርሊጠን። ዝሓለፈ ዓመት፣ 163 ጥንሲ ተነጺሉ። እዚ ድማ ምስቲ ተመሳሳሊ ቁጽሪ ናይ ዓመጽ ኢዩ። ዝሓለፈ ወርሒ “ሓኻይም ንመሰል ደቂ-ሰባት” (Physicians for Human Rights, PHR-Israel) ፣ ንሕሙማት ፍሉይ ፎርም ቃለ-መሕትት ኣዳሊዩ። እዚ ድማ ንናይ ግዳያት ንግዲ ደቂ-ሰባት፣ ኣሰቃቒ መግረፍቲን፣ ዓመጽን ዝኾኑ ንምልላይ ዝሕግዝ ኢዩ። ካብተን ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሕክምናዊ ክንክን ዝተገብረለን ደቂ-ኣንስትርዮ ጥራይ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾና ምግሳስን ጾታዊ ዓመጽን ኣብ መንገደን ኣጋጢሙወን ኢዩ። 18 ጥራይ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ከምዝሓለፈኦ ሓቢረን። ርብዒ ካብቶም ቃለ-መሕትት ዝተገብረሎም ስደተኛታት ብኣሰቃቒ ከምዝተቐጥቀጡ ክሕብሩ ከለዉ፣ ምስቶም ኣብ መንገዶም ክቕጥቀጡን ክቕተሉን ዝራኣዮዎም ቁጽሪ ሰባት ማዕረ ይገብሮ። ልዕሊ ፍርቂ መግብን ማይን ከምዝሓረምዎም ገሊጾም። እቲ ቃለ ምስክርነቶም ሰጋእ-መጋእ ዘብሎምን ዘይምሉእን ኢዩ። ዝበዝሑ ስቕ ክብሉ ኢዮም ዝመርጹ።

PICTURE 2

ኣብዚ ሰሙን እዚ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ዓዚዛ ኪዳን፣ ኤርትራዊት ፈላሲትን ነርስን ኣብ “ሓኻይም ንመሰል ደቂ-ሰባት” (Physicians for Human Rights, PHR-Israel) ቃለ መሕትት ኣካይዳትሎም ኔራ። ሓደ ሰማያዊ ሃሳስ ማልያ ዝተኸድነ መንእሰይ ከምዝገለጾ፣ እቶም ከተርቲ በቶም ቀዳሞት ጉጅለ ገንዘብ ብዘይምኽፋሎም ሓሪቖም ስለዝነበሩ፣ ንዕኡ ኣእዳዉ ከምዝቐጥቀጥዎ ሓቢሩ። ንዕኡን የዕርኽቱን ድማ ናብቲ ኮንተይነር ጨፋሊቖም የእቲዮሞም። 20 ካብ መጓዕዝቱ ግን ኣብ ሲናይ ከይበጽሑ ከለዉ ሞይቶም። ንሱ ጠምዩን ፈሪሑን ነበረ። ንሱ ገንዘብ ከፊለ ኢየ፣ ስለዚ ድማ ሓንሳብ ጥራይ ቀጥቂጦምኒ ይብል።

ቀጺሉ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ኣትዩ። ሙሉእ ነብሱ ተቛሲሉ ኢዩ። ን10 መዓልቲ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ብሓጺናዊ ሰንሰለት ጌሮም ብሓንሳብ ኣስሮምና ኢሉ ንነርስ ዓዚዛ ሓብሪዋ። ከም እንስሳ ኢዮም ዝሕዙና ነሮም፣ እንዳቐጥቀጡዎምን እንዳቃጸሉዎምን ከለዉ ምስ ቤተሰቦም ቴሌፎም ክዛረቡ የገድድዎም ምኽንያቱ ነቲ ናቶም ኣውያት ንኽሰምዑዎ። ኣነ ግን ኣጽቂጠ፣ ስለዚ ብበትሪ ጥራይ ይቕጥቅጡኒ ኔሮም ይብል (እቲ ዘለዎ በሰላታት ኣብ ኣእጋሩ እንዳርኣየ)። ንደቂ-ኣንስትዮ ኣርባዕቲ ግዜ ንደገ ክወስድወን ይርኢ ኔረ። ከምዝመስለኒ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥመን ኔሩ ንሳተን ግን ክዛረባሉ ኣይደልያን ኢየን።

ሓደ ነዊሕ ቆቢዕ ዘለዎ ጃኬት ዝለበሰ መንእሰይ ድማ፣ እቶም ናይ ራሻይዳ በድዊን ነቶም ናቱ ጉጅለ ኣብቲ ምድረበዳ ብዘይ መግብን ማይን ንሰለስተ ሰሙን ራሕሪሖሞም። ኣብቲ መጀመርያ ሰለስተ ሞይቶም፣ ኣብ ስዒቡ ዝቐጸለ መዓልታት ድማ 15 ሰባት ጠፊኦም፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ዝተፈላላየ መንገዲታት ኣምሪሖም። ካብቶም ቀንዲ 60 ሰባት፣ ሸውዓተ ጥራይ ናብቲ ዶብ ክበጽሑ ክኢሎም ከለዉ፣ ሓደ ካብኣቶም ድማ ብወተሃደራት ግብጺ ብዝተኮስዎ፣ ናብ ሞት በጺሑ ከምዝነበረ ሓቢሩ። ንሱ ይብል፣ ዳርጋ ሞይተ ኢየ ኔረ። የዒንቱ ጎድጊደን ኢየን። ንሱ ህጹጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ የድሊዩ ክትብል ሲስተር ዓዚዛ ገሊጻ። ዝበዝሕ ግዜ እቲ ዝብልዎ ኩሉ ኣዚዩ ስለዝኸብዳን፣ ንኽትኣምኖ ስለዘሸግራን፣ ገጻ ብኢዳ ኢያ ትሽፍኖ። ካብቶም ሽዑ መዓልቲ ቃለ-መሕትት ዝገበረትሎም ልዕሊ 10 ሰባት ኩሉ ዘጋጠሞም ኣሰቃቒ ነገርን መግረፍቲን ከዕልልዋ ከለዉ፣ ሓደ ሱዳናዊ መንእሰይ ጥራይ ኢዩ ፍሽኽ ክብል ክኢሉ።

ድሕሪ እቲ ወርሒ ምሉእ ዝተገብረ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ሲናይ ዘሎ ኩነታት ደቂ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሕማቕን ከቢድ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ግሁድ ኮይኑ ኣሎ ይብል ራን-ኮሄን፣ ሓላፊ ክፍሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ “ሓኻይም ንመሰል ደቂ-ሰባት” (Physicians for Human Rights, PHR-Israel)። ዓመጽ ሓደ መዳይ ኮይኑ፣ ምግሳስ፣ መጠኑ ዝሓለፈ ጎነጽ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ንሰሙናት ዋላ’ውን ንኣዋርሕ ዝቕጽልን ኢዩ ይብል። እዚ ጉዳይ እዚ ብመልክዕ ኣህጉራዊ ደረጃ ከነልዕሎ መዲብና ኣለና። ብኡ መጠን ድማ ኣህጉራዊ ምትእትታው ኣብ ሲናይ ክንጠልብ ኢና። ከምተወሳኺ’ውን እስራኤል ነቶም ኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ተቐቢላ ኣፍልጦ ክትገብረሎም፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ፍሉጣት ብምዃኖም ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2122

Posted by on Feb 9 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net