ናይ ህግደፍ ገንዘብ ዝለመዳ ኣጻብዕ ኣንጻር ኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ክጽሕፋ ተዋሪደን

ክቡራትን ጉድሳትን ዝኾንኩም/ክን ጸቕጥን ዓመጽን ህልቀትን ዝመረረኩም ውጹዓት ከምዚ ኸማይ ንሃገራዊ ዲሞክራሲ ለውቲ እትቃለሱን/ሳን ኣቦታት ኣዴታት ኣሕዋት/ሓት ደቅናን ኤርትራውያን ብቀዳምነት ነቲ ብሙዕት ተታሓሒዝኩሞ ዘለኹም ፍትሓዊ ተቓውሞ ኣብ ዝሓዘረ ግዜ ካብዞም ሰብ የህሊቖም ኣብ ልዕሊ ጨፈቓ ደም ህዝብና ዝቃማጡዑ ዘለዉ ህግደፋውያንን ዕሱባት ሰብ  ዶሞዝ ውሃዮታት ናይ ህግደፍን ዓቢ ዓይነታዊ ዓወት ኣመዝጊብኩም እቶም ዶሞዝ ናይ ህግደፍ ሚቕ ሚቕ ዘበሎም ንኣንጻርኩም ተዓጢቖም ዘለዉ ናይ ሰለላ ብላዕ ኣብ ቅድሜኹም ዝበልዕወን ብስሕለት ክተፍኡወን  ነዊሕ ኣይክኾዉን ኢዩ።

    ኩቡራት ተኻታተልቲ ጽሕፈይ ጥርናፌ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤ.ሃ.ዲ.ኪ) ንመን ይውክል ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ህ.ግ.ደ.ፍ ተቖሪኑ ብሓለንጊ ጭኮና ዝግረፍ ዘሎ እምበር ነቶም ንህዝብና ራህዉኡን ሰላሙን ቅሳነቱን ዘይ ደልዩ በላዕቲ ተረፍ ህግደፍ ኣይኮነን ዝውክል። ስለዝኾነ ኽኣ እቶም ክሳብ ህግደፍ ዘሎ ክህሉዉ ዝኽእሉ ህግደፍ ምስ ጠፍኤ ምስኡ ዝጠፍኡ ብእሳቶም ዝሓንጠጥዎን ዝወረቕዎን ጽሕፋት ኣድራሻ ብላዕ ህግደፍ ምኻኑ ፈሊጥና ኣብ ርእሲ መራሕቲ ኪ.ዳ.ን ዝግበር ናይ ጸለመ ቀንጸላ  ብልክዕ ትርግሙ ብሓፈሻ ነቲ ከነድሕነካ ኢና ኣጀኻ ህዝበይ ዝብል ዘሎ ተቓዉሞ ደምበ ንምፍራስን ንምልማስን ብመራሕቲ ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ምጂማር እሞ እቶም ተመራሕትን፥ሰዓብትን፥ደገፍትን፥ተዳናገጽትን ንመራሕቶም እምነት ከም ዘጉዱሉ ጌርካ እቲ ምቅዋም ኣንጻር ንግስነትና ክብርዕን  እንተ ዘይ ኮነ ክኣ ግዚኦም ኣብ ግርጭት ከም ዘሕልፍዎ ዝዓይነቱ ባርባራዊ ኣረሚናዊ ህግደፋዊ ተልእኾ እዩ።

      ጂግና ተቃላሳይ ናይ ኩሉ ውድባት ኣባላት ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ከምኡውን ጀጋኑ ኣብ ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ዘየለኹም ናብ ኤ.ሃ.ዲ.ክ ኣባልነትኩም ከተራጋግጹ ኣብ ምሽብሻብ ዘለኹም ጀጋኑ ተቓለስቲ  ኣብዚ ከይ ጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይ ደሊ ንህግደፍ ወኪሎም ዝሕንጡጡን ዝውርቕን ካብቲ ቐጭ ቀጭ ኣቢሉ ከም ሓሙት ሓርማዝ ዝመሮም ዘሎ ኣብ ርእሲ ኤ.ሃ.ዲ.ኪ እንታዩ።

1.  ብጻዕርን ቃልስን ውድብ ኣቚሞም ሓይሎም ዘደልደሉ ተቓለስቲ  ኣዞም ኣንዛር ኪዳን ዝጽሕፉ ዘሎዉ ንሕና ኢና ንመርሓክም ኢልካ ኩራ ምስምንታይ ይቑጸር???

2.  ዝወደብካዮን ፥ዘጥረኻዮን፥ዝዓደምካዮን፥ ሓይሊ ዘይብልካ፥ ክንስኻ   ኣብ ውዱብን፥ ምዱብን ኣኼባ እዞም ኣንጻር ኪዳን ዝጽሕፉ ዘለዉ ነቲ ኣኺባ ባዕላቶም ዘየካየድዎ  ኣብ ቅድሚ ሰብ ክራኣዩን ክፍለጡን ናይ መን ቀበጥበጥ ???

3.  ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ተጠርኒፍና ሃገራዊ ቃልስና ነሳላስል ኢሉ ንዝተሳማምዑ ኣፈኛታት ህግደፍ ኣንጻር ኪዳን ክጽሕፉ ዘለዉ እቲ ቐጭ ቀጭ ዘብሎም ዘሎ ንዕንወት ህግደፍ ስለ ዘፍሮሖም  ሕሰምን መከራን ህልቀትን ህዝቢ ኤርትራ  ከየቋረጽ ድዩ???

4. ኪዳን ምስቲ ብናጽነት ኢርትራ ዝኣምኑ ሓይሊ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዲፕሎማሲ ዝምድና  ክገብር ከሎ  ህግደፍን እዞም ኣንጻር ኪዳን ዝጽሕፉ ዘለዉን ነቶም ብናጽነት ኤርትራ ዘይ ኣምኑ ዝድግፉ ብኤ.ሃ.ዲ.ኪ ክዋራዘዩ ኣብ ቅድሚ ንናጽነት ሃገሩ ዘወፈዮም ጀጋኑ ደቁን የሕዋቱን ተቃላሳይ ህዝብና ብናቶም ስብከትን ምትላልን ንህዝቢ ከነታሉሎ ኢና ብጽሑፍና ክብሉ ከለዉ ደምበር ንህዝብና ይፈልጥዎ እዮም ???

                         ኩቡራት ተቓለስቲ

 ከምዚ ሕጂ ተቓወምቲ መሲሎም ካብ ህግደፍ ብላዕ በሊዖም ኣንጻር ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ዝጽሕፍዎ ዘለው ኣብ ቃልሲ ኩሉ ግዜ ዓንቀፍቲ ከም ዘለዉ መጠን ተረዲእና በቢ ወገና ንሓድነት ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ክንሕሉ ክንበቅ ኣሎና ተቃላስቲ መሲሎም ኣብ ሞንጎና ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘለዉ ከነለሊ ይግባኣና።

ኣብ ግዜ ቃልሲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኣድሓርሓሪ በለጹ ከዔዉት መሓውር ሰለላ ኣብ ተ.ሓ.ኤ

ኣዋፊሩ ተ.ሓ.ኤ ኣካቢት ኩሉ ምሳኺ ክንጋደል ኢና ምስበሉዋ ከም ሃገራውያን ተቐቢላ ካኪ

ኢኒፎርም ከዲና ብረታ የዕጢቓ ኣሚና ኣብ ማእከላ ከም ዝጸንበረቶም ትዝኩሩዶ?????

ምሓውር ሰለላ ኢሳያስ ኣፈወቒ  ንጀብሃ እንታይ ፈድዮማ እስከ ንመልከት ጂግና ተጋዳላይ ስዉእ

ዓብደል ቃድር ሮምዳን ኣባል መርሕነት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ጂግና ተጋዳላይ ስዉእ ዓሊ

ምሓመድ ኢብራሂም ኣባል መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ብመን ኢዮም ጠፊኦም።

           ንታዓዘብ ጀጋኑ ተቓለስቲ

ሰራም ባርባራዊ ኣረሚናዊ ከዳዕ ዝኾነ ኣድሓርሓሪ ኢሳያስ ንዝዋዳደሮ ውድብ ከፍርስ ብመራሕቲ ውድብ ኢዩ ዝጅምር ብመርበብ ሰለላ ናቱ ገይሩ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ፈጽሚ ብብጫ ተቐቢኡ ዘሎ መርትዖ ኢዩ። እታ ኣምቢብካ የሕልፍ ትብል ዝነበረት መልእኽቱ ታርጌታ ናብ መራሕትና ሃሪማ። ሎሚ ድማ ብናቕፋ ድዩ ብደላር ከፊሉዎም እንድዒ ን ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ከፍሩሱ ኣብ ርእሲ መራሕቲ ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ከኩፉኡን ሔሕማቕን እና ጠቐንካ ዝጽሕፍዎ ዘለዉ ካብ ህዝቢ ክንጽሉ እሞ ቡኡኡ ኣቢልካ ነቲ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከልምሱ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ለውቲ ቀቢጸ ተስፋ ክሓክኽ ዝግበር ኣረሚናዊ ውዲት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የቡሉን።

         ኩብራት ተኻታተልቲ ጽሑፈይ

ኣብዚ ክትሩዱኡኒ ዘለኩም ሃናጺ ሪኢቶን፥ ሃናጺ ምኽርን፥ ሃናጺ ወቐሳን፥ ንመርሕነት ኣየድልን ማለተይ ኣይኮንኩን ከምዚ ኣነ ዝካታተሎ ዘለኹ ንኹሉ ጽሑፋት ንካታተሎ እቲ ንዕላማናን ሓድነትናን ደይ መደይ ኢሉ ዝሃርም በእዳው ዑሱባት እተጻሕፈ ሸለል ኢልና ኣይንሕለፎ በቢ ወገና በቢ ኩርናዕና በቢ ዕርድና በቢ ውድብና በቢ ዓቕምና ብቖራጽነት ጉቡእ መልሱ እናሓብና

ስለቲ ኩቡር ዕላማና ንሓድነት ኤ.ሃ.ዲ.ኪ ንካላኸል  ሓደራኣ   ሓደራ  ሓደራ

 

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን

ዓወት ንመስርሕ ኤ.ሃ.ዲ.ኪ

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2153

Posted by on Jun 16 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net