ዓገብ ምውርዛይ ኣብ ዝኾነ ውድብ ዘየለኻ

ዝኸበርኩም ኣምበብትን ጽሓፍትን ሰማዕትን ብመገዲ ሰኪዔት (እንተር ነጥ) ብቐዳምነት ዝላዓለ ሃገራዊ ሰላምታ ይብጻሕኩም ኣብ ዘዘልኹሞ ድማ ፍቕርን ስኒትን ኣውሪዱ ነታ ንፈትዋ ሃገርና ኤርትራን ህዝብናን ድማ ካብ ዘይ ፍትሓዊ ምሕደራ ህግደፍ ኣዋጾኦ ፈጢሩ ንህዝብና ብዝሓለፈ ኣኽለኩ ኢሉ ሰላምን ራህዋን ክርከብ ምሕረቱ የውርደልና።

        ኩቡራት ነበብቲ ጽሑፈይ

ናብ ኣርእስቲ ዋና ሕመረት ዓገብ ምውርዛይ ኣብ ዝኾነ ውድብ ዘየለኻ መበልየይ ካብ ባዶ ተበግሰ ዘይ ኮንኩስ መንቀሊ ኣለዎ ጠዓመልና ክብላስ ጻሕሊ የሕረራ ከም ዝብሃል ድልየት ምግምታል ጭኮናዊ ስርዓት እና ሃለወ እንከሎ ምስ ዝኾነት ውድብ ተሰሪዕካን ተውዲብካን  ኣስተዋጽኦ ጉቡኻ ከይተማልእ ሻርኔራ ጁባኻ ዓጺኻ ክንስኻ ብውድባትን መራሕትን እና ተዋርዘኻ ምዕብልና ከመይ ይኸይድ ኣሎ ደቂቕ ሓበሬታ ዘይብልካ ምዝንጣል መራሕትን ካድራት ውድባትን መሰረታቱን ንምንታይ ኣድልየ።

 

  ከምዚ ዝኣምሰለ ምዝንጣልከ መንዩ ክግልገለሉ  ጣዓምልና ክብላስ ጻሕሊ የሕረራ ዝበልኮዎ ጽሒፍና ክንብል ኣንጻር ጠቕምና ናብ ህዝቢ ነማሓላልፎ መልእኽቲ ናብ ተቓወምቲ ኣብ ክንዲ ዝስዕብ ምግባር ትፈልጦን ትውንኖ ሓበሬታ ዘይብልካ ኣብ ዝኾነ ይኹን ውድብ ዘይ ተሰራዕካ ብውድባትን፥ መራሕቲ ውድባትን፥ ካድራት ውድባትን፥ መሰረታቱን እና ኣቋናጸብካ ንህዝቢ ብትጽቢቱን ብሞራሉን ብኒሑን እና ሃሰኻ ናብ ተቃወምቲ  ውድባት ንኸይስለፍ ንስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕድሚኡ ንምናሕ መገዲ ምስራሕን ብርጅ ቢንቶ እና ሃነጽካ ኣይ ጠቕምናን። ንፍቶ ንጽላእ እዚ እዩ እቲ ሓቂ ክዋሓጠልና ክኣ ክኽእል ኣለዎ።

               ክብራት ተኻታተልቲ ጽሕፈይ

ሓደ ኣብ ስራሕ ዝተወፈረ ጹቡቕን ሕማቕን ክልቲኡ ክህልዎ ባህሪያዊ ኢዩ ምኽንያቱ አብ ስርሕ ስለ ዘሎ እቲ ኣብ ስራሕ ዘየሎ ግን ካብ ክልቲኡ ናጻ ክኸውን ግድነት ኢዩ ስለምንታይ ናብ ስራሕ ስለ ዘይ ተዋፈረ ጽቡቕን ሕማቕን ክርከቦ ኣይክእልን ኢዩ ካበይ ከምጾኦ ዘይተበገሰ ስለዚ ካብዚ ተረዶኦ እዚ ተበጊስና ነማሓልልፎ መልእኽቲ ንቓልሲ ብዘይ ይሃሲ ንህዝቢ ትጽቢቱ ብዘይ የጸንቅቅ ሞራሉ ብዘይ ትንክፍ መገዲ እንተ ተጻሕፈ ሃናጺ እምበር ጎዳኢ ኣይክነን።

  ክብራት ጸሓፍቲ

ኣብዚ ከነስተውዕል ዘለና ምእራምን ምትኽካልን ምውቕቃስን ክህሉ የቡሉን ማለተይ ዘይ ኮንክስ ክንወቅስን ከነታኻኽልን ክንእርምን እንተዄና ንሰራዕ ንወደብ ካባና ዝጥለብ ሃገራዊ ጉብእን ሃገራዊ ጠለብን ነማልእ ተሰርዕና ተውዲብና ብኣኼባ መልኽዕ ግቡእ ሓበሬታ ንቕሰም ናብ ዘይድሊ ካብ ባዕላዊ ግምት ተበግስካ ምህውታት ምስ ኩነታትን ርትዕታትን ጭብጥታትን ምጉዓዝ ተሰሪዕካን ተወዲብካን ኣብገለ ዘይትዓግበሉ ኣሉታዊ ጎንታት ምስ ዘንጻባርቕ ኣብ ክንዲ ምኹራይ ፍንጥሪዕ ብብቅዓት መፍትሒ ምድላይ ሓቢርካ ብ ኣኼባ ምዝታይ ን ኣሉኡታዊ ሸነኻት ዘኮትሎ ሳዕቤንን ጠንቅን በቲ ተራኣየካ ኣብ ባይታ ኣኼባ ኣብሪህካ ምግላጹ ብድሕሪ ክትዕ ኣብ መደምደምታ ምልኣት ኣኼባ ተራእዩ ነቲ ፈላለይ ነጥቢ እንብሎ ኣብቲ ዓራቂ መስርሕ ዲሞክራሲ ድምጺ ንጽጋዕ ብዓብላሊ ድምጺ ድማ ተማእዚዝናን ተቐይድና ጉዕዞና ናብ ምዕላው ስርዓት ውልቀ መላኺ ጭኮና ኢሳያስ ይኸውን።

     ጥቅሲ መራሕ ናይ ቻይና ነብር ማውቲስቶንግ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ 

ማውቲስቶግ ይብል ኣብ መጽሓፉ ኩሉ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ተቃላሳይ ኣየስምዕን ታቓላሳይ ዝባሃል ንቃልሱ ኣብ ማዓርፉኡ ምስ ዘብጽሕ ወይ ድማ ንቃልሱ ዝተሰዋኣሉ ይብል ፈላስፋ ማውቲስቶግ እንደገና መንግስተ ሰማይ የዋርሶ

      ኣብ ተቃውሞ ደንበ ድማ ብመንግስቲ ህግደፍ ተመዊሎም ህግደፍ ምልየናት ደላር ኣስኒቑ ተቓወምቲ ዄንኩም ንዓይ ን ኢሳያስ እና ኣጸለምኩም ኣብ ውሽጢ ተቃወምቲ ኴንኩም ፋሕ ፋሕ የእቲኹም በታቱኑዎም ዕምሪ ግዝኣትና ከነናውሕ ተባሂሎም ኣብ ተቃወምቲ ከም ዘለዉ ኣይንዘንግዕ።

 

        ኣንቱም ጽሓፍቲ ነዚ ኣብ ግምት የእቲና ጽርብቲ ብርዒ እንተርነጥ ተረኺባ ኢልና  ንኹሉ ከይ ኣጻረና ጓል ዘረባ ሕጅና ነገር ምብላሕን ኣብ ዘይ ልዓትና ኣንጻር ጠቕምና ከይ ተረዳኣና ናይ ተቃውሞ ደንበ ሱርዓትን፥ ውድባትን፥ ተዳናገጽትን፥ክንስና ክኣልናዮ ክንብል ንረብሓ ብህግደፍ ተመወሉ ብጀካ ስልጣን ኢሳያስ ካልእ ዘመድን ሓልዮትን ዘይብሎም  ኣደዶም ከይንኾውን ሓደራ ሓደራ    ሓደራ 

 

ብዛዕባ ፈስቲቫል ካስል መበል 20

 ብሓደ ሓውና ናይ ተቓውሞ ደንበ ተዳናጋጺ ኣብ ቀዳመቲ ጹሕፉን ካላኣይቲ ጹሕፉን ኣንቢበ እቲ ዘገርም ኣብ ፈስቲቫል ካስል ምስ ሓርበኛታት ክዝቲ ኾሎን ብድሕሪ ፈቲቫል ካስል ምስተወደኤ ናብ ዝቅመጠሉ ሃገር ምስ ተመልሰ ድሕሪ ክልተ ቅነ ዝዘርግሓ ጹሑፉ ተጋራጫዊ ኮይኑ ረኺበዮ ይተካእ ይለቀብ ክኣ ካላይቲ ጽሑፉ ክሲ ዝትሕዝቶኣ ኣስዒቡ ጺሒፉ ምጽሓፍ ናይ ዝኾነ መሰል ከም ምዃኑ ዘይ የማትእ ሓቂ ኢዩ።

  እንተኾነ ግና ከምቲ ኣቕድም ኣቢለ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስኩዎ ብመሰረት ጽሑፉ መልሲ እንድሕሪ ሂበዮ ነገር ይፈትሕ ኣየለኹን ካብ ዝብል ተበጉሶ ልቢ የዕብየ ሸለል ኢለዮ ሕጂውን

ሓውና ብኽብሪ ከምታ ኣብ ካስል ዘዕለልናያ ክብርኻ ምስቲ ናይ ቅድም ኣበርኩቶኻ ኣዛሚደ

ንኽብርኻ ክዝንጥል ኣይውዕሎን። የግዳስ ናብ ነብስኻ ተመለስ ትጉሽተትካ  ክንማያአጥ ኮሎና ናይ ዝኾነ ውድብ ሱሩዕ ከምዘይ ኮንካ ሓቢርካና እቲ ጸገም ክኣ ካብዚ ኢዩ ዝብገስ

ሕጅውን ካብዘን ኩለን ውድባት መሪጽካ ኣብ ሓንቲ ውድብ ተሰራዕ ተወደብ ማዕረ ናይ መሰረታት ውድባታትና ጉቡኣትካ ኣማልእ ምስ መን ምረጽ ምኽንያቱ ብሓንሳእ ምምጻእና ስለ ይትርፍ  ኩሉ ጹሑፋትካ እተሕልፎ ክኣ ካብ ጭቡጥ ሓበሪታ መርትዖ እተ ሰነየ ኾይኑ ኣፍራይ ምኾነ ሓንቲ ነገር ተርዳኣኒ  ወቃስን ከሳስን ኴንካ ክትቀርብ ጉቡካ ቅዱም ኣማልእ እናበልኩ ሕውነታዊ ምዕዶ የማሓላልፈልካ ኣብ ልብኻ የሕድሮ ፈጣሪ።  ንኽብረትካ ኢለ ሽምካ ክረቁሕ ኣይመረጽኩን።

ካብዚ ዝተረፈ ንዓኻን ንተኻታተልቲ ጽሑፈይን መስቀል ይመጽእ ኣሎ ርሑስ ብራቕ መስቀል ንህዝብና ራህዉኡ ንስርዓት ውልቀ መላኺ ድማ ዕንወቱ ይግብረልና

             ኣምየን ኣምየን ኣምየን   ንሽኣላህ ንሽኣላህ ንሽኣላህ

         ክብርብ ዝኽርን ንስውኣትና

         ካብ ገብሪህይወት ኣቡዓሸራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2155

Posted by on Sep 13 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net