ጸላእትና እንታይ ይሕልሙ ኣለው

ንሕናኸ ንዳለወሉ ኣለናዶ? 

ህልኽ ንህዝብና መፍትሒ ኣይኮነን

ኩብራት ኤርትራውያን ኣቦታት ኣድታትን የሕዋት/ሓት ከም ኡ እውን ብዕድመ ካባይ ዝናኣስኩም ደቅናን ኤርትራ ሃገርና ድሕሪ መሪርን ጽንኩርን ሓያል ዘስካክሕ መስዋእትን ብናይ ኩሉ ህዝብና ቓልሲ ብዘይ ጾታ ፍልልይ ብውሽጢ ይኹን ብወጻኢ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዘርኣናዮ ኣበርኩቶ እጃም ከም ፍረ ውጺቱ መርየት ኤርትራ ከም  ሃገር ብቕልጽም ካብ ባዕዳዊ ጸላኢ ሳላ ብርቱዕ ኣበርክቶና ሳላ እቶም ኩቡራት ስዉኣትናን መርየት ሃገርና ናጻ ከነውጻኣ በቒዕና ናጻነት ናይ ሰብ ድኣ ተሪፍና እምበር ናጽነት መርየት ሃገርናስ ተራጋጊጹስ ኣብቂዑ ኢዩ።

     ኩቡራት ዜጋታተይ ኤርትራውያን ኣፈርኩሙ ናይ ድሕነት ብዘይ ውዓል ሐድር ማዕረቲ ብጸላእትና ንጥፋትና ዝእለመልና ዘሎ ብመንጽር እዚ ማዕሪኡ ከም ሃገር ኤርትራ ሓድነትና ዓቂብና ሓያልነትን ድልውነትን ዝኣክል ምቕርራብን ፥ምሽብሻብን ጌርና ድሕነትናን ህላዌናን ከነውሕስ ምእንቲ ነዚ ናይ ሓደጋ ማዕበል ክንሪኦን ክንመዝኖን ይግባእ። እሱ ኽኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምንቅስቓሳት ኩሉ ብናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሉ ኢዩ ኣብ ኢተየጵያ ብናጽነት ኤርትራ ዝኣምን ሓይሊ በጀካ ህ.ወ.ሓ.ት ካልእ ኣካል ሕብረተሰብ ኢትዮጵያያ ወይ ተቃወምቲ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብናጽነት ኤርትራ ኣይ ኣመነን ዘሎ።  መንግስቲ ኤርትራ ኽኣ ነቶም ብናጽነት ኤርትራ ዘይ ኣምኑ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ወያነ ኽብል ህዝብና ብጥሙዩ ንተመሊሶም ናብ ውግእ ዝዕድሙና ደገፉ የራጋግጸሎም ኣሎ።

  ኩብር/ቲ  ኤርትራውያን ዜጋታት ውሕጅ ከይ መጽኤ መገዲ ውሕጅ ጽረግ ንስለቲ ኽብረትናን ድሕነትናን ንድሑር ፈላለይ ዝምባሌ  ስዓብቲ  ህግደፍየ ስዓብቲ ተቓዉሞየ እናበልካ ምስ ቅርሕንትኻ ተፋላሊኻ ኩድጭ ኢልካ ምጽናሕ ነዚ ዝመዝእ ዘሎ ናይ ጥፋትና ማዕበል ህቦብላ ተወሰኾ ንሳዓብቲ ህግደፍ ኣይ ገድፍ ንሳዓብቲ ተቃውሞ ኣይ ገድፍ  ክልክመና ምዃኑ ንርኣዮ።

                 እዚ ክንሪኦ እንድሕሪ  ኪኢልና ኸ እቲ ፍታሕ እንታዩ?

  1. ቅድሚ ኹሉ እዚ ገበነኛ ዝኾነ ብደይ ሃገራዊ ሕጊ ዝኸይድ ዘሎ  ስርዓት እሞ ኽኣ ነቶም ብናጽነት ኤርትራ ዘይ ተዋሓጠሎም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ንኤርትራ ናብ ትሕቲ ግዛቶም ንምምላስ ዝልገሰሎም ዘሎ ሓገዝ ሓላይ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይ ኮነ ተገንዚብና ሓቢርና መርየት ብዳሓኑ ኤርትራና ምስ ናጽነታ ኸላ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዘለዎ

 

2.     ቅድም ቀዳድም ልዕሊ ኹሉ ቀዳምነት ሰሪዕካ ብህጹጽ  ኣብ ፉሉይን ድሩት ግዜ ሃገራዊ ሕጊ ምቛም ሕጊ ምስ ቆመ ካብቲ ድላዓለ መራሕ ሃገር ጀሚርካ ክሳብቲ ድታሃተ ታራ ገባር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምስራሕ መራሕ ሃገር እውን እንተኾነ ከምቲ ዝጠቕስኩዎ ልዕሊ ሕጊ ኾይኑ ክሰርሕ  ከምዘይ የቡሉ።  ንምሳሌ ከም ፕረሲደንቲ ኢሳያስ  ኣፈወርቂ  ልዕሊ ሕጊ ኾይኑ ኣሳራርሓ ናቱ ንሃገርና ኣብ ምንታይ ሃደጋ ከም ዘእተዋ ሃብታም ተሞኩሮ እኹል ኢዩ።

  1. ከም መተካእታ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ስልጣን መን ይረከቦ ? እታ እንኮ ፍትሓዊት መልሲ ንፍቶ ንጽላእ  ስልጣን ንህዝቢ ክኸውን ኣሎዎ።

 

  1. ኣብ ስልጣን ዝዋዳደር ኣካል ኣብ ሕጸ ክቐርብ ኮሎ ሑሉፍ ታሪኹ ምድህሳስ የድሊ ነዚ ዝስዕብ ዘማልኤ ክኾውን ኣለዎ።

    ሀ. ብትውሉዱ ኤርትራዊ

 ለ. ብቕዓቱ  ምስኩር

 ሓ.  ካብ ቅትለት ገበን ናጻ ዝኾነ

    መ.  ተመሪዑ ዘይ ተፋትሔ

 ነዘን 4 (ኣርባዕተ) ካብ   ሀ  ክሳብ  መ  ዘለዋ  ዘማልኤ ናብ ሕጸ ቀሪቡ ናብ ናይ ስልጣን ምርጫ ሃገር ክዋዳደር መሰሉ ሕሉው ኮይኑ ብህዝቢ ወይ ክምረጽ ውይ ክተርፍ ውሳኔ ድምጺ ምርጫ ህዝቢ ኢዩ።

 ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ  ክንገብር እድሕሪ ቁርባት ዘይኮና ነዚ ብናጽነት ኤርትራ ዘይ ኣምን ድጉል ተንኮል ማዕበል ጥፍኣትና መገዲ ዝጸርግ ዘሎ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ

 ከም ሃገር ሓድነትና ዓቂብና ሓይልና ደልዲልና እንድሕሪ ዘይ ጸናሕናዮም ክሙሕርና ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራሕ ኢዩ። እዚ ኣብ ርእሲ ሃገርና ተወጢኑ ዘሎ ሓስቦም ክቕይሩ እንድሕሪ ኾይኖም ሓድነት ሃገረ ኢርትራ ምስ ዘራጋጉጹ ጥራሕ ኢዩ።

 ኩቡራት ዜጋታተይ ኣቦታትና ሳኣን ስምምዕ ኣብ ቃልስን ስድትን በልዮም ንሕና እውን እንተ ኾነ ከም ውርሻ ሳኣን ስምምዕ ኣብ ቃልስን ስደትን በሊናስ ዝመጽእ ዘሎ ዎሎዶኸ ከማና  ዶ  ስኣን ስምምዕ ናብ ቃልስን ስደትን  ክበሊ   ዓገብ  ጥቕሚ ገበነኛ ውልቀሰብ  ኢሳያስን ገለ ውሕዳት መሳርሕቱን ክንሕሉ ክንብል ሃገር ኣይነጥፍእ

 ተዳሊና ንጽናሕ እንድሕሪ ተዳሊና ጸኒሕና ዝመጸ ይምጻእ ኣብ ቅድሚ ጥሙር ሓይሊ  ኤርትራ በታ ዝመጽእዋ ከይተመልሱ ድኽዒ ኤርትራ ኮይኖም ክተርፉ ኢዮም

እናበሉኩ  ንስርዓት ኢሳያስ ኣልቂቕና

 ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስኩዎ ኣማሊእና

 ቅሰኑ ክንብሎም ንዝሓለፉ ጀጋኑና

ቁሩባት ክንጸንሕ የማሓላልፍ ምሕጸና

  ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትናን ስንኩላትናን

  ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2158

Posted by on Jun 11 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net