ብሞት ኣቶ ዓሊ ሰዒድ ኣብደላ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ መስቀላዊ ሕቶ

ካላኣይ ክፋል

ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ሕግን ናጻ ቤት ፍርድን ተጽዕኖ ዘይቡሉ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እንተ ትህሉ ሞት ናይ ወጻኢ ሚንስተር ኣቶ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ተጻርዩ መሞቲኡ ብርግጽ ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝጥርጥሮ ዘሎ ኣቶ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ግደ ባዓል ኢሳያስን ኮራኾሮን ከም ዝኾነ ፖሊስ ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ተኸቲላ ነቲ ሓቂ ማዓንጡኡ መውጻሃቶ ነይራ።

         መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ካብ በረንቱ መን ጸዊዕዎ ነስመራ ኣትዩ?

መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ንፍርቂ ስዓት ዝኾውን ቅድሚ ናይ ወጻኢ ሚንስተር ኣቶ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ምማቱ ተራኺቡዎ ከም ዝነበረ ኣብታ ባዕሎም ዝቋጻጸሩዋ እንኮ ተለቪዥን ኤርትራ ክሕተት ኮሎ ሰንቢደ ተራኺበዮ ነይረ ንፍርቂ ስዓት ድኻም ስለ ዝነበረኒ ከዕርፍ ከይደ ካብኡ ሞቱ ምስ ሰማዕኩ ብሓንሳእዶ ኣይ ነበርናን ኢለ ሰንቢደ ይብል መጀር ጀነራል ፍሊጶስ።

         መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ስለምንታይ እታ መገዲ ካብ በረንቱ ነስመራ ምስታ ፈጽሚ ሞት ናይ ወጻኢ ምኒስተር ሓደ ኮይና??? ምስተር ፕረሲደንት ኢሳያስ ከ ንመጀር ጀነራል ፍሊጶስ ካብ በረንቱ ክጽውዖ ከሎ ስለምንታይ ኣቐድም ኣቢሉ ሓደ ክልተ ሰለስተ ምዓልቲ ቅድሚ ምማቱ ዘይ ጸዎዖ??? ስለምንታይ በታ ምዓልቲ ፈጽሚ ሞት ክጽውዖ ዝተገደደ  እንታይ ህጹጽ ነይርዎ ኢዩ???

    መዋቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ኣቶ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ሕራይ ብሕማም ልቢ ብሃርተታክ መይቱ ኢሎምና ብደክቶር መመቲኡኸ ተመርሚሩዶ??? እንተ ተመርሚሩ እቲ ደክቶር ዝምድኑኡ ምስዞም ብዓይኒ ጠርጠራ ዝራኣዩ ከመዩ ብደቂቕ ምክትታል ተገይርዎ ዶ???

   ብድሕሪ ናይ ኣቶ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ቐብሪ እታ እንኮ መሳርሒት ተለቪዥን ህግደፍ ሓርያ ነቶም ዓይኒ ናይ ኢሳያስ እትብሎም ብሞት ኣቶ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ብኸመይ ትፈልጥዎ ን ኣቶ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ካብ ብዛዕባ መዋቲ ዝመለሽዎ መልሲ ናብ ምሕደራ ህግደፍ ሰጊሮም ክንእዱን ክምጉሱን ክውድሱን ኣብ ዘይ ተሓተቱዎ ናእዳ ህግደፋዊ ምምሕዳር ትራሕ ዝበዝሖ መልሲ እንታይ ንምሽፋን ኢዩ???።

            ኩቡራት ኤርትራውያን ዘጋታተይ

ንእንስሳ ድኣ መንደፍ ቅቲሉዎ ሓሊቑ (ፈጢስ) ኢልካ ትግሕፎ እምበር ንሰብ  ዝኣክል ብጥዕኑኡ ብድሮ ሞቱ ኣጋይሽ ዝቕበል ዝነበረ ባዓል ሙሉእ ጥዕና  መይቱ ሓዲሩ ኢልካ ጅግና ኸሲርና እናበልካ ደክቶር ከየመርመርካ መመቲኡ ኣብ መቓብር ሓርብኛታት ንኸተምስል ብኽብሪ የዕጅብካ ምቕባሩ ሃገረ ኤርትራ መታሓሳሰብን መቛጻጸርን ሕጊ ዘይብላ ነቲ ኣረሚናዊ ተግባራቶም መሸፈኒ ኩኾኖም ካብዚ ተበጊሶም ብሓቂ  ኤርትራ ሃገርና ብሕጊ ክትምራሕ ኣይደልዩን እዮም።ከም ፍረ ውጺት ናይዚ ዓማጽን ደቛስን ስርዓቶም ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጹሕፈይ ዝገለጽኩዎ ኤርትራውያን ብጃምላዊ ህልቅት ይኹን በብሓደ ምቕንጻልን ብናህሪ ዝበዝሖ ስደትን ቡኡስራት መርየት ምዕልቕላቅን ዶ ኣይኮነትን ዘላ ሃገርና ኤርትራ። 

     ንህግደፋዊ ምሕደራ ክንእዱ ዝተራእዩ ሰባት ከም ሰነድ ቀዲሕናዮም ኣሎና ብናቶም መጋበርያ ተደጊፉ ብኢሳያስ ህዝብና ይሃልቕን ይጠፍእን ይእሰርን ይቕንጸልን ይስደድን ሩስቱ ይዝረፍን ከምዘሎ ደይ ፈልጥዎ ኮይኖም ዘይ ኮኑስ ጸጋ ሃገረ ኢርትራ ንበይኖም ኮይኖም ክልሕሱ ንህዝቢ ኤርትራ ግደ ሕሰም ስቃይ መከራ ኣግልቢቦም ብሕታዉን ግላውን ጠቕሞም ስለ ዘቕደሙ ብህዝብና ምጽዋት ጥራሕዩ

እዚ ኽኣ ኣነ 100/100 ህግደፍ ወዲቑስ ምትሕስሳብ ክመጽእ ምኻኑ ኣይጣራጠርን ኢየ ።

   ግደ ጃምላዊ ህልቀትን በብሓደ ቀንጸላን ግደ ሕሰመ መከራን ስቓይን ግደ ምዕልቕላቅ እስርቤት ምስ ስቓይ ዝተሓውሶ ግደ ሃላኽ ስደት ዝኾነን ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ንዝፈትዋ ዓዱ ሕድሪ ስዉኣት ይተግበር ስለ ዝበለ ግደ ናፍቖት ዓዱን ምስ ስድራቤቶም ከይ ተራኣኣዩ ብናፍቆቶም ብሞት ዝተፈለይዎም ኡኹብ ድምር ናይዚ ኤርትራና ሓራ ኾይና ሃገራዊ ሕጋ ኣቚማ ናብ ሕጊ በብእዝኖም ወወጢጥካ ምስ ታሪኾምን ስእሎምን ፋይሎም ናብ ሕጊ ዝቐርቡላ ማዓልቲ  ኣላ እሞ ማዓልትኹም ቅጸሩ ጥራሕ ንብሎም።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2168

Posted by on Sep 1 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net