ህግደፍ ምጥፋእ ምጥፋኣናስ

ሃገር ኣጽኒትና ንጥፋእ ካብ ዝብል

እከይ ውዲት ተበጊሶም ንዳግመ

ኲናት ይውጣወጡ ኣለዉ ኤርትራዊ

ዚጋ ንህላዌኻ ተቓወም  ስመር

 

 

ዝኸበርኩም/ክን ኣቦታት ኣያታት ኣብሻታት ደቅናን ኤርትራና ፍጥር ክትብል ኣብ መግዛእቲ ካብ ትቑረን ኣትሒዛ ጭራ ሰላምን ራህዋን ካብ ዘይ ትሪኢ ካብ ዎሎዶ ናብ ወለዶ ብሕሰመ መከራን ህልቀትን ከም ውርሻ ርስቲ ኾይኑ እና ተማሓላለፈ ክሳብዚ ዘለናዮ መዋእል ክፍለ ዘመን ብፍላይ ህግደፍ  ትባሃል መንግስቲ ኣብ ኤርትራ መግዛኣታ ምልኪ ካብ ዝጀመረቱሉ ኣትሒዛ ዕድመ ስልጣኖም ንምናሕ ክብሉ ንሃገር ኣብ ብተራእዩ ዘይ ፈልጥ ዘስካሕክሕ ዕንወትን ክሳራን ህልቀትን ከም ዝደቅደቑዋ በጀካ ሓደ ክልተ ዑሱባቶም እንተዘይ ኮይኑ ዝስሕቶ ኤርትራዊ ዜጋ ኣሎ ኢለ ኣይ ኣምንን።

ብዝሓለፈ ህልቀት ሓላፍነት ንምስካሞም ምቹእ ግዜ እኳ ንጸበ እምበር ካብ ምጽብጻቦምሲ ለቐቕናዮም ማለት ዘበት ንስልጣኖም ክቡሉ ኣብ ሃገርና ናይ ዲሞክራሲ ሕቶ ንኸይ ምልሹ ክብሉ ሃገር ኣብ ዝኸፍኤ ሓደጋን ጎንጽን ህልቀትን ደቕዲቖም  ገበን ዘይ ብሎም ዜጋታትና ንኣዕናዊ መገዲ ስርዓቶም ስለ ተቓወሙ ሎሚ ኤርትራና ብኡሱራት ደቃ ኣዕለቕሊቓቱሉ ኣብ ዘላ ወቕቲ ፥ ህዝባ ብስርዓቶም ጉሁይ ዘይ ሕጉስ ኣብ ዘለወሉ ፥ ሰራዊት ኣብ ዘይ ዕግበት ናብ ህድማ ንስደት ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ ግዜ ፥ ካብ ደጋፊኡ ተቃዋሚኡ ኣብ ዝበዝሓሉ ግዜ ፥ ስርዓት ህግደፍ ብዶብ ኣሳቢቡ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ንውግእ ዝቃራረብ ዘሎ ንዳግመ ንህልቀትና እምበር ንረብሓና ኣይ ኮነን።

 እንተ ብቕንዕና ኣንተ ብተንኮል ኢትዮጵያ ድሕሪ ክንደይ ምስምስ ናይ ዶብ ብይን ኮምሽን ውሳኔ ተቐቢለዮ ኢላ ግን ክንራዳዳእሉ ዘሎና ግዳይ ኣሎ ኢላ 5 ነትብታት ገሊጻ ነይራ  ህግደፍ ነቶም ህዝቢ ምስ ትካሎምን ንብረቶምን መርየት ኢርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘሎ መርየትስ ኣትፊኡዎ ንዜግነቶምን ንብረቶምን ከ ኢሂን ሚሂን ኢሉ ንፍታሕ ዘይ የዛቲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ጸገሙ? ኢትዮጵያ ነቲ ተፈርደ ዘሳሕሕብ ዝነበረ ዶብ ናብ ምዝታይ ከተኣትዎ ብማንም ተኣምር ተቀባልነት የቡሉን ተቐቢለዮ ኽኣ ትብል ኣላ ስለዚ እቲ ሕቶ  ብሰንኪ ህግደፍ ኢሂን ሚሂን ምሕራሙ እነሆ ናብ ዳግመ ህልቀት ክሳጣሓና ይቃራረብ ኣሎ።

 ዝኸበርካ ህዝበይ ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን ሰላምን ራሕዋን ንኽነብር ሃገርና ተታሓሒዝና ንዕብየታ ከይ ንዋፈር ክብኡ ሓሊፉ ድማ ንህልቀትና ዝዓጠቐ ሳኽራም ስርዓት ብናቱ ሓሶትን ብናቱ ፕሮባጋንዳን ክንደሻዕ ክንታለል ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ

ክሳብ ሎሚ ዘተለለና ውጽኢቱ ኣይተማሃርናን ዲና ንተ.ሓ.ኤ ሓላይ ክርስትያን ተመሲሉ ጠፋእካ ከበሳዊ ክርስትያን ጀብሃ ከተጥፍኣካ ተበጊሳ ዕጠቕ እናበለ ሓቂ ከምስል ኣንጻር ጀብሃ ዝነፍሖ ዝነበረ መናፍሕ ኣይ ሃሰየካን ድዩ ህዝበይ ዋጋ ሓሶቱ  ደቅኻን የሕውትካን እኮ እዮም ተኸፊልሞ እቲ ሓቂ ናይ ጀብሃ ከምቲ መናፍሕ ናይ ኢሳያስ ንህዝቢ ከበሳ ክትጥእ ዘይኮነትስ ብተግባር ንህዝቢ ከበሳ  ኣብ ዶብ ዓሪዳ ትካላኸለሉ ከም ዝነበረት ሰነድ መርትዖ ሬሳ ጀጋኑ ስዋኣት ኣብ ዶብ ከምዘሎው ኢሳያስ ድኣ ይኽሓዶ እምበር መን ኢዩ ክኽሕዶ??? ኢሳያስ ንጠቕሙ ዋላ ዝተኸፍለ ሂወት ይከፈል ንሃገራውያን ጥራይ ኣይኮነን ዘታልል። ኲኖ  ሃገር ሰጊሩ ኣብ ዘበን ብርታዊ ቃልሲ ኣብ1980 ንውያነ ኣታሊሉ ንባድመ ዕርቡን ሂቡ ንሜዳ ኤርትራ ንምብሓት ንውያነ  ንጀብሃ ኣታሃርምኒ ምስ በላ ወያነን ሽዓብያን ኮይኖም ንጀብሃ ኪናት ኣጒዶም ኣሻሓት መንእሰይ ዘሕለቑ ህግደፍ እኮዮም ተርሲዑ ድዩ ??? እዚ ታሪኽ ኣዚ ከም ውጺት ሸፈጥ ክኣ ህዝብና ሃሊቑ ኢሳያስ ግን ኣብ ስልጣኑ ኣሎ።

         ሕሰብ ህዝበይ ንጀብሃ ከጥፍኡ ዎዮ ዕርቡን ከፊሎማ ዝነበሩ ባድመ ካብ1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም.ህ.ፍ ዝተኻየደ ውግእ ምስ ወያነ ውጺቱ ሪኢኻዮ እኻ ሃዝበይ ንውልቓዊ ስልጣኑ ባይታ ከንጽፍ ክብል ኦርቡን ዝተኸፍለት ባድመ ከቢድ ህልቀት ተኸፊልዎ ሃገር ናብ ውርደት ኣሳጥሑዋ። ሕጂኸ እንታይ ንጽበ ኣሎና ነዚ ንስልጣኑ መናውሒ ክኣግዶ ተዳልዩ ዘሎ ኲናት ኮፍ ኢልና ዶ ንጽናሓዮ??? ኣይዋጻጻኣናን ኢዩ ን ኢሳያስ ግን ንዕላሙኡ መናውሒ ስልጣኑ ስለ ዝኾነ የዋጻጽኦ ኢዩ ሃገር ኣብ ውግእ ስለ ዘላ ሃገራዊ ሕጊ ኣይ ትግበርን ምርጫ ውን ኣይግበርን ክነታትና ኣየፍቕዶን ኢዩ መበሊ ቅጠቕሞ ካብ ውግእን ጽልእን ምጽሕታር ሓሊፉ ንድሕነት ኤርትርራውያን ሓልዩ ኣይፈልጥን ንቢሂል ኢሳያስ ዝደግሙ ውን ከም ቀደሞም ኣገር ኣብ ውግእ ከላ ምቅዋም ጌጋ መበሊ መገዲ ክኽፍተሎም ኢዩ።

  ሃገር ናይ ታሓለቕታ ዜጋታታ ተሰከምቲ ሕድሪ ስዋታ ድኣ እምበር ናይ ካዳዓት ተላማት ስለ ዘይኮነት ነቶም ከዳዓት ጠላማት ረሲዕና ነቶም ንሃገር ንሕለቐላን ሕድሪ ስዋትና ክትግበር ኣሎዎ እንብል ወትሩ ሓደራ ንሓድነትና ነቓላጥፍ ሃገር ከነድሕን ዘሎ ፍልልያት ሕድገታት ተገይሩ ሁጹጽ (እመርጀንሲ) ድሕነት ሃገር ኣብዚ መድረኽ እዚ ንጥለብ ኣሎና

ክብርን ዝኽርን ንዘላኣለም ንስዉኣትና

ካብ ራህዋ ህዝበይ ክሪኢ ዝህንጠ ዘለኹ

ገብሪሂይወት (ኣቡዓሰራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2182

Posted by on Oct 21 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net