ንወድሰብ እንተ ሃብካዮ ናቱ እዝጊ ይሕጎስ ክሩስቶስ ይፈቱ መልሲ ንኣያና ኣቶ ቀለታ ክዳነ

ኩቡር ኣያና ኣቶ ቐለታ ኪዳነ ካብ ኤርትራውነት ሕውነትና ተበጊሰ ቅድሚ ናብቲ ዋና ሕመረት ናይዚ ጹሑፈይ ምእታወይ ብጥዕናኻ ይኹን መናባቡርኻ  ጹብካ እምነ። ብምቕጻል ኣቶ ቐለታ እታ ብዕለት 22-5-05 ዝጻሓፍካያ ህርፋን ጸባ ዘለዎስ ጓጉድ ማይ ወድኤ እትብል ኣምቢበያ ብትሕዝቶኣ ብጣዕሚ ኽኣ ተገሪመ ደንጽዩንን ኣስደሚሙንን ምኽንያቱ ኣብዚ ግዝየ እዚ ብምጥርናፍ ሃ.ዲ ኪዳን ስርዓት ህግደፍ ራዕዲ ሕጂዎ ነዚ ሙቹእ ክነታት ናብ ጠቕሚ ተቓውሞ ደንበ ዛዝዩ ዘሎ ናብ ጠቕሞም ክቕይሩ ላዕልን ታሕትን ዝብሉሉ ዘለዉ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ እምባስታቶም ንኤርትራ ንኽኣትዉ ንስልጣኖም ዘንውሕ ውዲት ክምህዙ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ፈሪሑ ንርክብ ሃ.ዲ ኪዳን ኣብ   መንጎ ሱዳን ዘሎ ርክብ በቲኹ ርክብ ንኽገብር ፉሹል ፈተነ ልብያ ከም ተገብረ ኣጽቢካ ትፈልጥ ኢኻ። ኩነታት ህግደፍ ኣብ ከምዚ እንከሎ ነቶም ምኩራት ዲብሎማሲታት መራሕቲ ኪዳን ኣብ ግዜ ቓልሲ ብብቕዓቶም ዝምድና ፈተውቲ ሃገራት ኣጥሬዮም ንሰራዊት ሓርነት ካብ ፈኪስ መሳርያ ክሳብ ዝዓበየ ክቢድ ብረት ዘዕጠቁ ምዃኖም ከመይ ኢልካ ስሒትካዮ ኣያ ቐለታ። ኣብ ጹሑፍካ ካብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ምርጫ ክካየድ ዝቐነየ ተዋዳደርቲ ሰልፌ ሰራሕተኛ (ለይበር ፓርቲን)ካላኣይቲ ክኣ ኮንሰርቫቲቭ ዝተባህላ ማሕበር  እየን ኢልካ ነቲ ኣብ ምርጫ ዘይ ተዓወተ ሰልፌ ኮንሰርቫቲቭ መራሒኦም ነታ  ሰልፉ ኣይተ ዓወትኩን ዕብየት ክኣ ኣሎኒ ስለዚ ሓላፍነተይ የውርድ ኣለኹ ተቐበሉኒ ኢሉ ሓላፍነቱ ኣረኪቡ ኢልካ ምሳልየ መረዳእታ ገሊጽካ እዚ ምሳሌ እዚ  ንምኩራት መራሕቲ ኪዳን ንተመኩሮኦም ዋጋ ከይ ሃብካ ንኽወርዱን ሕድሪ ስዉኣቶም ከየመዝገቡ ኣላሽ በሉ ምባልካ ኣብ ምጥርናፍ ሃገራውያን ጸገም ዘለካ ኮይኑዶ ኣይስምዕን??? ኣብ ምጥርናፍ 4+1 ብንግሁኡ ተማዓዒትካዮም ኣብ ምስምማዕ 6 ውድባት እውን ኣይተሃጎስካን ኣብ ምጥርናፍ 16 ውድባት ብሓደ ቻርተር ተቐይደን ብሓደ ኮይነን ክሰርሓ  እውን ኣይተሓጎስካን  እኩብ ድምር እዚስ እንታይ ከስምዕ ይኽእል ኣብ መደቀሲኻ ክልተ ግዝየ ተማራመረሉ ሓደራ። ዝኸርምን ዘይ ከርምንስ ማይ ይልምን ብዛዕባ ስልጣን ሓላፍነትን ዕብየትን ከይ ተዛረብና ብዛዕባ ምቕልጣፍ ንህግደፍ ምጉሓፉ ዘይ ንዛረብ ኩቡር ኣያና ኣቶ ቐለታ ኪዳነ ብዕብየት እስኻ ትመርሓኒ ንዕብየትካ ክኣ ብሓቂ የክብሮ እንተኾነ እዛ ጽሕፍቲ ዝዘርጋሕካያ ብሚዛን ክትልካዕ ከላ መንዩ ዝግልገለላ ንመንከ ሞራሉ ትደቁስ ስሒትካዮ ኣይመስለንን። 

           ህዝብና ከምዛ ዝጻሓፍካያ ጽሕፍትን ተማሳሰሊ ከምኣ ዝጽሕፉን ነዝን ከምዝን ዝኣምሰለ ኣምቢቡ ነቲ ተቓዉሞ ደንበ ክስዕቦ ዘይክእል ዘሎ ተቓውሞ ደንበ ክኣ ካብቲ ተሓጺሩዎ ዘሎ ዓቐን ክወጽእ ኣይ ክኣለን ንሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ንምብታን ብመሪሕነቱ ምጂማርዶ ዘስምዕ ኣይ ኮነን!!!

    ሕጂ ውን ክበርሃልካ ኣነ ከም ኣባል ተ.ሓ.ኤ ሃጉ ብውድብና ጥራሕ ኢዩ ለውጢ ዝመጽእ ኢለ ኣይ ኣምንን ኢየ እምነተይ ምስኩለን ውድባት ሓቢርካን ሰሚርካን ተጠርኒፍካን ጥራሕ ኢዩ ለውጢ ጽመጽእ ዝብል መርገጽ እዩ ዘለኒ።ነዚ ስለ ዝኣመንኩሉ ክኣ ንመሪሕነተይ ካብ መስመር ሓድነት ክእለዩ እንድሕሪ ሪኤ መርገጸይ ንጹሩን ብርሁን እዩ ቅድሚ ሕጂውን መርገጽ ወሲደ ካብቶም ዝፈትዎም ብጾትን ቀረበይን ምእንቲ ሓድነት ካብኦም ተፍልየ እየ ስለዚ ንሓድነት ክንሕሉን ክንጣባበቕን ድኣ ምስ ተገበኤ እምበር ንኣዋጅ ሓድነት መርእን መልቀስን ቀብርን ጌርካ ምትርጓም ካብ መንፈስ ሓቅን ሓድነትን ዝራሓቐ ኢዩ ኣያ ቐለታ ተናሳሓሉ እዞም ናይ ሕጂ መራሕቲ ሃ.ዲ ኪዳን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ኣርእስቲ ዝጠቕስኩዎ ክረዲቶም ኣይንኽላኣዮም ስንቅናን ዕጥቅናን ማዕረ መንግስቲ ኣብጺሖምና ዝነበሩ እዮም ብሽዓብያን ውያነን ዝወርዶም ዝወረደና ነቲ ኩነታት ውዲት ብጉቡእ እንተ መዘናዮ ዝሓሸ ኢዩ ምኽንያቱ ካብ ኣብ ርእሴኦም ሓቂ ዘይቡሉ ምቁንጻብ ጽለመን ክንቁጠብ ምሓገዘ ነይሩ መራሕቲ ክኣ የዕጥቑን የስኑቑን ንሰራዊት ሓርነት ብብቕዓቶም ፈተውቲ ሃገራት ኣጥሬዮም ዝመስል ዝኣክል ኣይዕጠቕዎን ዝብል እንተሎ ከተማታት ናጻ ዝወጽኣሉ ዝነበረ ኣብ 1977  መን ዘምጾኦ መሳርያታትን መካይንን ስንቅን  ኣዚ ዝለ ዝቐረቡ ድዮም ንተመኩሮኦም ነናእሶ  እቶም ምስኦም ዝመርሑ ዝነበሩ ገሊኦም ኣብ ህግደፍ ድኣ ከይ ህሉዉ እዚኦም ግን ክስብ ሕጂ ሕድሪ ተሰኪሞም ይቃለሱ ኣለዉ ስለዚ ሓደራ ንሰላምን ፍቕርን ንቓለስ ምክብባር ክኣ ልዕሊ ኹሉ ስለዚ ኣቶ ቐለታ ብርዕኻ ናብ ህግድፍ ጥራሕ ኣቕንዕ ከም ቀደምካ ፍትው ክትከውን ኢለ ሕውነታዊ ዝመልኦ ምኽረይ ይልግሰልካ።

 ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትናን ንስንኩላትናን      

  ካብ ኣዝየ ዘኽብረካ ኤርትራዊ ሓውኻ

ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

   ዕለት 22/5/2005

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2190

Posted by on May 22 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net