ኣብ ጸፍሒ መሪሕነት ዘይ የቃቐሩና ኢልካ ኣንጻር ኤ.ሃ.ዲ. ኪዳን ናይ ኣዕናዊ መልእኽቲ

ዓገብ    ዓገብ     ዓገብ  
  ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ

ዝኸበርኩም ክብራት ተኻታተልቲ ብመፍተል ሰኪዔት ሓበሬታ ነዚ ኣርእስቲ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዕምቖቱን ሓቅነቱን ህዝቢ ክፈልጦ ካብ ዝብል ተበግሶ ነቂለ ኢየ ዘቕርቦ ዘለኩ ንዝኮነ ይኩን ኣንጻር ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ክዳን ካብ ሓቂ ዝውጸ ጹሕፍ ኣንቢብካ መልሲ ከይ ሃብካ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ዘይ ሓላፍነታዊ ስለ ዝኾነ ነቲ ሓርበኛታት ውድባት ድኻሞም  ጉልበቶም ገንዘቦም ከይጸብጸቡ ከይ ቆጦቡ ምእንቲ ሃገሮምን፥ህዝቦም፥ንፍትሕን፥ራህዋን፥ሰላምን፥ ቅሳነትን ክብሉ ብዓቕሞም ዘፍቁዶ ተቓዉሞ ኣንጻር ባርበራዊ እከይ ስርዓት ኣስመራ እና ተቓለሳ ከለዋ ኣብ ስልጣን ዘይ መጹ ወገናት ኣንጻር ጥርናፌ መንገዲ ዓወት ተቓውሞ ንምግታእ ሓለይቲ ህዝብን ተቓወምቲ ናይ ህግደፍን ተመሲሎም  ፍሹል ፈተነ ዘየካየድዎ ኣይነበረን።

                      መርበብ ደቀባትን ዓማዊላን 

መርበብ ደቀባት ቁኑዓት ተቓለስቲ ዓማዊል ከሲራ መጋበርያ ደለይቲ ስልጣን ካብ ትኾውን እኖሆ ናብ ካላኣይ ዓመት ትሳጋገር መርበብ ሓበሪታ ደቀባት ኣቕጣጭኣ ምስ ቀየረት ደለይቲ ለውጢ ዓማዊል መርበብ ሓበሪታ ደቀባት ዝነብሩ እዚ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ዝብል ሽም ኣካል ተቓውሞ ደምበ ከም ዘይ ኮኑ ተረዲኦም ንመርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኩቦ ደርቤም እስስሮም ምስ ካሎኦት ኣካል ተቓውሞ ደምበ ዝኾና መርበባት ተኣሳሲሮም ተቓውሞዊ ግዕዞኦም ከይ ተሓለሉ ይቕጹሉ ኣለዉ።

                          መርበብ ደቀባት ምስ ባዓል መን ተሪፋ

መርበብ ደቀባት ምስቶም ክሽምጉሉን ክዓርቁን ዝግቦኦም ዓበይቲ ተባሂሎም ኣንጻር ጥርናፌን ኣንጻር ሓድነትን ዝዓተቑ ተሪፋ ተሓጽረት። እታ መርበብ ሓቤሪታ ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ተባሂላ እምንቶ ተገይሩላ ዝነበረት መርበብ ደቀባት ዓማዊል በጻሕታ ናብ ጠፈሻ ምስ ኣተወት ከም ተፈልተት ምስ ፍለተጥ ምፍላጥ ምፍላጡስ ምፍልጥላጡ ኢላም ንስእሊ መራሕቲ ውድባት ምስ መለስን ኢሳያስን ጠቂዖም ኣዕናዊ ዝኾነ መግለጺ ኣውጺኦም ንህዝቢ ሞራል ምቅላሱን ሞራል ምቅዋሙን ክበትኩ ዕንቅፋት ናይ ቃልሲ ባይታ ንምንጻፍ ፈተነታት ተራኣዩ።

      ኣብዚ ሓደ ሓቂ ክጠቕሶ ዝደሊ እዚ ተቓውሞ ደምበ በቲ መርበብ ደቀባት ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ዕንቅፋት ፈተነ ንምሳሌ ፈተነኦም እንተ ትዕወት መን ምረብሔ ንዝብል ሕቶ ክንምልሶን ክድህስሶን ኣገዳሲ ኢዩ።

               እቲ ዘየካትዕ ሓቂ ንረብሓ ዕድመ መናውሒ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ የለን ኣብዚ ብኣተኩሮ ክንመዝኖን ክንግንዘቦን እንተ ዄና እምብዓር ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእቲ ኢሳያሳዊ ስርዓት ግደፍዶ ንዝተናውሔ መግዛእቱስ ንዝሓለፈ መግዛኣቱ ህልቀቱ ክጻወሮ ኣይካለን እሞ እዚ እናፈለቱ መርበብ ደቀባት ስለምንታይ ኣብዚ ጥሒሎም ስለምንታይ ፈትውቲ ከሲሮም ጸላእቲ የብዙሑ ፈተውቲ ከሲርካ ኣብ  ጸላእቲ ምብዛሕ ተቕሚ ኾይኑ ዝመረጹሉ ምኽንያት ሑሩመይ ገለስ ኣላቶም

                         ሕጂውን  ኲነታት ሃገርን ህዝብን

ዝብል ኣርእስቲ ሂቦም  ኣዕናዊ ዝኮነ መልእኽቲ ኣንጻር ኤ.ሃ.ዲ.ክዳን ኣብ መርቦቦም ተለጢፉ ምስ ርኣኹ ነቶም ዝጻሓፉ ኣብ ስልጣን ዘይ ተቓቕሩ ኮርዮም ጠቅሞም ተተንኪፎም ናብ ህዝቢ ኣንጻር ቃልሲ ኣዕናዊ ዝኾነ መልእኽቲ ዘማሓላለፉ ናቶም ንታሪኽ እኳ እንተ ተገደፈ ዓገብ ካብ ምባል ግን ኣይ ንቑጠብን ምኽንያቱ ብሙሉእ ሕልናን ዓቕምናን ግልበትናን ገንዘብናን ንሃገርናን ህዝብናን ንፍትሕን ራህዋን ሰላምን ርጋትን ቅሳነትን ንሓድሽ መቐይሮ ለውጢ ኣትሪርና እና ተቓለስና ንህዝብና ኣብ ጎንና ተሰሊፉ ጉብእ ናይ  እጃሙ ከብርክት እናጸዋዕና ኣዳዕዲዕም ኣንጻር ኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ዘመተ ከካይዱ ንሳቶም ከም ገስገስቲ ዝውንንዎ ውድብን ዓቕምን ዘይብሎም ከም መተካእታ ናይቲ ዝኽስዎ ዘለዉ ኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ዘየዳለዉ ኣልዕል ኣቢልካ ንህዝቢ   ኣይ   ትስዓብዎም  ክብሉ  ከለዉ      ዓገብ      ዓገብ      ዓገብ        ዓገብ        

በሉ ሽማግለ ዓበይቲ ዓዲ ተባሂልኩም ትጽውዑ ሎሚ ኣብዚ ዕድሜኹም እዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኹዎ ሎምስ እስኻትኩም ሲ ምሸምገልኩምን ምዓረቕኩምን ምኣረምኩምን እምበር ሎሚ ምስቲ ዕድሜኹም ዘይቃዶ ናብ ምዝራግ ቃልስን ኣብ ሞንጎ ህዝብን ተቓውሞን ላምባ ምድፋእ ገዲፍኩም ናብ ቁርባንኩም እንተ ተምርሑስ ንኻልእ ክሕሾ ዘይኾነስ ንዓኻትኩም ምሓሸኩም ኣብዚ ንዕድሚኹም ኣኽብሮት ግን ካብ ሕማቅ ምዝራብ እና ተቖጠብኩ ንእከይ መልእኽትኹም ግን ካብ ምክልኻሉ ኣይቅጠብን።

             እቲ ዘገርም ንኹለን ውድባት እና ሃረምኩም ንነብስኹም እውን ውድብ ክንሰርሕ

ዓቕሚ የብልናን ኣብ መሪሕነት እውን ኣካፉሉና ኣይበልናን ኢልኩም ተጋራጨዊ ፍልሰፋ ከተቕርቡ ኣብ ኣኼባ ቃልኩም ተሰሚዑ ነይሩ ነተን ውድባት  ኣባላት ኤ.ሃ.ዲ.ክዳን ጉጉያት ካብ በልኩም ንባዕልኹም እውን መሪሕነት ኣይደለናን ውድብ እውን ኣይኮናን ውድብ እውን ክንምስርት ዓቕሚ የብልናን ካብ በልኩም ብደይ መንጸፍ ኣዛራርባ ትክ ኢልኩም ንደመኛ ስራዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት ምእንቲ ኒሳያስ ድጉፉ እንተትብሉ ኮለል ምሓጸረልኩም ደጋፊኽምን ዝኽንነኩምን ዓቕን መለኪዒ ምጠቐመኩ ነይሩ።

         እቲ መልስና እንብዓር  እምብልና ንደመኛ መግዛኣታዊ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲ ኪዳን እና ተቓለስና ኣብቲ ዘይ ተርፍ ስልጣን ንህዝቢ ዝብል ዕላማና ንስርዓት ኢሳያሳዊ ናብ ጓሓፍ ደርብና ናይዝሓለፉ/ለፋ ብጾትና ህድሪ ከም ነመዝግብ ንዓኹምን ንኸምዚ ናትኩምን ዘለዎም ኣታሓሳስባ ከብርሃኩም ይፈቱ።

  ዝክርን ክብርን ንዘላኣለም ንስውኣትና

   ዓወት ንመስርሕ ኤ.ሃ.ዲ ኪዳን

  ውድቀት ንደመኛ ስርዓት ህግደፍ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2196

Posted by on Oct 25 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net