ቲኽ ቲኽ ተባራበር ህዝበይ

ዝኸበርኩም/ክን ክቡራት ኤርትራውያን ዘጋታተይ መጀመርያ ቅድሚ ናብ ዋና ሕመረት ሓሳበይን ቁጣዔይን ምግላጽ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ፍትሕን የውርደልና እናበልኩ ሉዕል ሃገራዊ ሰላምታ ይብጻህኩም።

    ኩቡራት ዜጋታተይ ብደይ ጾታ ፍልልይ ንሕና ከም ኢርትራውያን መጠን ካብ ዓለምና ፍሉይ ቑንጭልን ኣቢሉ ዝፈልየና መለለይ ሕላገትና ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዘለና ኣኽብሮትን ሓልዮትን ዝያዳዩ ዝያድነት ዘለና ምዃና ድማ ንሃገርናን ህዝብናን ንሙሉእ ናጽነት ካልእ መተካኣታ የቡሉን ዝብል ደምና ዘፍሰስናሉን ብኣሻሓት መስዋእትን ስንክልናን  እዚ ዘይባሃል ሃላኽ ጉልበትን ርሃጽን ዝተኸፍሎ ቓልሲ ከም መርትዖ ፍረ ውጽኢቱ ነቲ ብዓቐኑ ዘይ ተኣደነ ብዕጥቂ ኣጽዋሩ መዋዳድርቲ ዘይቡሉ ትምክሕተኛ ስርዓት ደርጊ ደምሲሱ ናጻ ሃገሩ ዘራጋገጸ ጂግና ህዝብና እዚ ሎሚ ግፍዒ ኣብ ርእሲ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ብስርዓት ኣድሓርሃሪ ህ.ግ.ደ.ፍ  በኮንቱ መስዋእትነትን በኮንቱ ስንክልናን ኴና ተሪፍና ማለት ድዩ    ዓሕ   ዓሕ  ድርብ መልቀስ ንሕሰብ ኩልና 

         ካብኡ ሓሊፉ ድማ ወያነ ነቲ ንውዕል ኣልጀርስ ዝተሳማማዓሉ  ጥሒሱ ነቲ ወሳንን ቀያድን ብይን ኮምሽን ዶብ ጥሒሱ ኣብዚ ግዜዚ ሰራዊቱ ኣብ ዶብ ኤርትራ ዘይ ኮነስ ኣብ ውሽጢ መርየት ኤርትራ ኣትዩ ልምምድ ወታሃደራዊ ወፍሩ ብምክያዱ ንዕቀት ናይ ህግደፍ ዘይኮነስ ንዕቀት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ምስ ኢትዮጵያ ብግዳይ ዶብ ንዝምልከት ኩንዮ ዶብ ሓሊፍካ ዝግበር ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ርእሲ ኢትዮጵያ ኑጹር ኤርትራዊ ውሳኔ ምስ ዘይ የሕልፋ ኩሉ ግዜ ብህዝቢ ተቀባልነት ኣይ ክረኽባን እየን።

      ነዚ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ርእሲ ተቓውሞ ደምበ ዘቅርቦ ዘሎ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ዝዓይነቱ ክስታት ይስመረካ ከይከውን ሕጂውን ነዚ ናብ ህዝቢ እነቕርቦ ኩቡር ዕዳጋታትና ንመርገጽ ኢትዮጵያ ብኣብያ ናይ ዶብ ኮምሽን ውዕል ካብ ዘይ ተቐየድኪ ኣብ ልዑልነት ሃገርና ደይ ምእማን ጥራሕ ምኳኑ ኢዩ ተረዶኦና ነዚ ውዕል ናይ ዶብ እንተዘይ ተቐቢልኪዮ ዋላውን ስርዓት ህግደፍ ይፍረስ ንሕናውን ውሳንየ ናይ ዶብ ብይን ኮምሽን ኢና ዶው ክንብል ስለዚ በዚ ካብ ዘይ ኣመንኪ ዊዒሉ ሓዲሩ ውን ንሕናን ንስኹምን ውግእ ኣይክተርፍን ኢዩ ኢልካ ዲብሎማስያዊ ዝምድና ብኣዋጅ ምሕካክ ንህዝብኻ ምሕባር ዝግበር  መርገጽ እስዩ ናብ ህዝቢ ከም ዕዳጋ ዝወርድ።

        ህዝቢ ኽኣ ኣየናይ ዕዳጋ የርብሖ እቲ ናይ ጸለመ ክሲ ኢሳያስ

ድዩ ክሽምት ዋላ እቲ ቁኑዕ ሃገራዊ መርገጽ ተቃውሞ ደንበ ብግዳይ ሃገሩን ዶቡን ተሓሊቑ ንመርገጽ ወያነ ኮኒኑ ኣብ ውሳንን ቀያድን ብይን ናይ ዶብ ኮምሽን ደው ኢሉ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምስ ወያነ ዝበተኸ ህዝቢ ነቲ ዘርብሖ የልዕል።

     ተጻኢ ጽላኢ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስስቲ ሑሱር ዕዳጉኡ ተቓወምቲ ኩቡር ዕዳጎኦም ከዋዳድሩ ኣቲ ጉዳይ መን ከሰረ መን ረብሔ

ስለ ዝኾነ፣ ንኢሳያስ ዘውድቅ ዕዳጋ ምቕራብ መድረኻዊ እዋናዊ ኮይኑ እኖሆ ኣብ ቅድሜና ኩድጭ ኢሉ ይጽበየና ኣሎ።

    ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ኢሳያስ እንተ ኽሃድም እንተ ክቕተል እንተ ክግምጠል ኮታስ ብዝተፋላለየ መልክዕ ኣብ ስልጣኑ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይ የጽኑሖ ንባዕሉ ኢሳያስ እውን እንተኾነ ፈሊጡስ እተን መረርቲ ከይ ኣርክቦኦ ከለዋ ናይ ምህዳም ምርጩኡ ቐዳምነት ሰሪዑ ዝኣክል ደላር ኣሕሊፉን ኣኪቡን ከም ዘሎ ዓው ኢሉ ህዝቢ ዝዛረበሉ ዘሎዩ ዝፈርሔ እንተዘይ ኮይኑ።

           ናቱ ንውሱን መድረኽ ገዲፍና ጉዳይ ደብ ናይ ውሉድ ዎሎዶ ምዓርፎ ሰላም ስለ ዝኾነ ናብዚ ስነ ሞጎት እዚ ስጋብ ምዓሉቡኡ ዝግቦሮ ዋላውን ኤርትራ ዘየካትዕ መርየታ ከሲራ ስለዘላ ግን ፍርድኻ ዝሃበካ ተቐበል ስለዝኾነ መርየትና ከሲርና ነቲ ፍርድና ተበየነልና ብይን

ንዑ ደው ክንብለሉን ክንካላኸለሉን ግን ሃገራዊ ግዴታና እዩ ውያነ ውን ኣብዚ ደው ከም ንብል ቡሩህ ክኾነሉ ኣለዋ ብኣዋጅ።

ዝምድናና ኣብዚ ዝተመርኮሰ ኩኾውን ኣለዎ ስለምንታይ ምስ ወያነ ዝምድና ይግበር ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኩ ዝምድናና ብኣዋጅ ምስዚ ሕጂ

ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ ምንቅስቓስ ዶብ ሓሊፍካ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ወታሃደራዊ ልምምድ ትገብር ዘላ ደረት ዝሓለፈት ሃገር ኣብ ርእሲኣ ውሳኔና እንታዩ???

              ተባራበር ህዝበይ ስርዓት ኢሳያስ ሓላፍነት ዘይ ስሞዖ  መንግስቲ ዝምስርቶ ክሲ ጸለመ ንሃገራውያን በታኒ፥ ዊስኪ ጀሊጡ ዘሕልፎ ናይ ኲናት ትእዛዛት ኣህላቒ፥ ብጉዑዙይ ብልሸዋ ምሕደራ ንህዝቢ ኣሰቃቒ፥ ጸጋታት ናይ ሃገር ንርብሑኡ ዘራፊ፥ ብመስዋእቲ ተረኽበት ሃገር ተስፉኣ ኮሊፉ፥ ነገር ወላዓይ ሓሓሊፉ፥ ነዚ ስርዓት እዚ ኢደኢደይ ኢልካ ሓቢርካ ንምጉሓፉ እንተዘይ ሓቢርካ ህዝበይ ክራኣየካ ኣለዎ መገዲ ጥፋትካ ንህላውዌኻ ተቓለስ።

           መራሕቲ ውድባት ሓድነትኩም ኣውሒስኩም

ወይ ምርሑ ወይ ተመርሑ ሃድነትኩም ብዘይ ምህላው ህዝቢ ተሃስዩ

ሓድነት እንተትህሉ ህዝብና ድፍእ ምበለ ኣብ ጎንና ከመይሲ ብህግደፍ ምረት ምሕደሮኦም ሓምት ሓርማዝ ኮይኑዎም ከም ዘሎ ብኹሉ ክርንዓት ኣዩ ዝስማዕ ውላውን እቶም እሙናት ናይ ህግደፍ ዝነበሩ ሓድነት ብሓደ መሪሕነት ተጓዒዝካ ህዝባዊ መንግስቲ ኣውጅካ ብግዳይ ሃገር ዝምልከት ዝርርብ ህግደፍ ከምዘይ ምልከቶ እዕላንካን ኣዋጃትካን ንዓለም ምፍላት ዝኾነ ይኹን ዲብሎማስያዊ ርኽክብን ዝርርብን ንህግደፍ ክንምንጥሎ እንተዘይ በቒና ታራ ምምራሕ ንኻሎኦት ኣፈቱኑ

እዚ ምግባር ትኽስርዎ ነገር የሎን ስለዚ ምስ ሕልናኹም ካብ ክልተ ሓንቲ ምርጹ።

1.   ወይ ሓድነትኩም ኣደልዲልኩም ብሓደ መሪሕነት ሙርሑና

2.   ኣብ ሓድነታዊ ግዕዞ ምስ ዘይ ሰልጠኩም ንኸስልጡ ዝኽእሉ ቦታ ጉደፉ እብልቓ

      ምምስራት ኪዳን ሓደ ስድሪ ንቅድሚት ድኣ እምበር ኣኻሊ ኣይኮነን ኣብ ኪዳን ብፕሮግራማተን ዝቃራረባ ውድባት ህዝቢ ይሓምየናሎ ኣብ ሓደ ውድብ  ዘይ መጽኣሉ ምኽንያት እንታዩ ሕጂውን ኪዳን ንነብሱ ኣብ ሰለስተ ውድብ ከይ ተጠርነፈ ኩስጉም እዩ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢሳያስ ብሰላም ስልጣን ክርከብ ኢልካ ኣጉል ምጻይ ማለት ኢዩ ።

    ስለዚ ግዚናን ህዝብናን ኣይንህሰ ንዓወትና ዘሳልጥ መገዲ እንተ መረጽና ዝሓሸ ኢዩ እናበልኩ ምረተይን ምረት ህዝበይን እገልጽ።

ኩቡራት ነበብቲ ነዚ ዘናኣእስን ዘቃናጽብን ግን  ምስ  ሪኢቱኡን

  ድልየቱን ኮለል ክብል ኣይመርጽን ምስ ሪኢቶይን ሪኢቶ ህዝበይን ግን ኮለል ክብል ሑቡን ኢየ።

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

ዓወት ንፍትሓዊ ተቓዉሞ

ምእንቲ ህዝብና ክጥዕሞ 

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡ ዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2198

Posted by on Nov 28 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net