ቅልዕቲ መልእኽቲ ንላዕሎዎት መርሕነት ኤ.ዲ ኪዳን ብዝያዳ ክኣ ንጀነራል ሰክርተርያ ኤ..ዲ. ኪዳን ሓው ኣቶ ሕስየን ከሊፋ

ክቡራት ብጾት መራሕቲ ኤ.ዲ.ኪ ብፍላይ ክኣ ዝላዓለ ሓላፊ ጀነራል ሰክርተርያ ብጻይ ሕስየን ከልፋ ብቐዳምነት ብጥዕናኹም ጹቡቕ ንኽትህሉው ብጻያዊ ትምኒተይ ይገልጸልኩም ብምቕጻል በቲ ብሙሉእ እምነት ተሰኪምኩሞ ዘለኹም ሓላፍነት ብፍላይ ክኣ ጠቕላላ ጀነራል ሰክርተርያ ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ማዓልታዊ ቓልስኹም ብዓወት ክትስነዩ ዘለኒ ባህግን ትምኒን የራጋግጸልኩም። ክብራት መራሕቲ ብኣቦወንበርነት ጀነራል ሰክርተሪ ኤ.ዲ ኪዳን ኣቶ ሕስየን ከሊፋ ነዚ ዝስዕብ ጹሕፈይ ተገዲስኩም ኣቓልቦ ንኽትህበሉ የማሕጽነኩም።

ኩቡራት መራሕቲ  ኤ..ዲ.ኪ  ብመሰረት ኣኼባ ካርቱም ሱዳን ናይ 16 ውድባት ስምምዕ ሓቢርካ ኣንጻር ጨኳኒ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኪዳን ቆይሙ ከም ምስክር ጋዜጠኛታትን ወጻእተኛታትን ተዓዘብትን መስከርትን ንኹኾኑ ከም ተኻፈልዎ ብጹሑፋት መርበብ እንተርኔጥ ንዓለም ተዘርጊሑ ነይሩ በዚ መሰረት እዚ ድማ ኤ.ዲ.ኪዳን መሪሕነቱ ብዕሊ ኣቚሙ ኣዋጅ እውን ተዘርጊሑ ቡኡ መሰረት ድማ መራሕቲ ኪዳን ንውድባዊ ስራሕ ራሕሪሕኩም ን ኤ.ዲ.ኪዳን ወኪልኩም ንናይ ሓባር ዕዮ ናብ ህዝብና  ሰፊሕ ጎስጓስ ሰሚናራት ከተካይዱ ጽኒሕኩምን፥ ኣለኹምን፥ በቲ ተታሓሒዝኩሞ ዘለኹም ኣጃማምራ ዕውት ስራሓት ክኣ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓጎሱ ወሰን የቡሉን።

  ከምኡ ውን ተ.ሓ.ኤ  ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ፖለቲካዊ መቃለሲኣ ዓመታዊ ባዓላ ፈስቲቫል ካስል ብትብዓትን፥ብቖራጽነትን ካብ ሓቢርካ ምስራሕን፥ ሓቢርካን ምቅላስ፥ ዘልዋ እምንቶን፥ መርገጽን፥ ተበጊሳ ፈስቲቫል ካስል ን ኤ..ዲ ኪዳን ኣወፊያቶ ኤ..ዲ ኪዳን ክኣ በቲ ዕላዊ መሪሕነቱ ላዕለዋይ ጀነራል ሰክርተርያ  መርሓባ ኢሉ ተቐቢሉ ካብዚ ንቕሎዚ ተበጊሱ ናብ ኣባላት ኤ.ዲ ኪዳን ፈስቲቫል ካስል ብ ኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ንኽውዕል ትእዛዝ ዘማሓላለፈ። ኣባላት ኪዳን ብላዕለውይ ጽፍሒ መትሪሕነት ኪዳን ዝተማሓላለፈ ክምእዘዞኦን ናብ ተግባራቱ ሸንኽ ክኣ ንምዕዋት ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ሓሊፍካ ንዝተማሓላለፈልካ ትእዛዝን መምርሕን ነጺካ ካብ ሓቢርካ ምስራሕ ዳግመ እግርኻ ምስሓብ ካብ ኣባልነት ኤ.ዲ ኪዳን ዎክ ኣዉት ክረኤ ምህቃንን ፋሕጠርጠር ምባል ንህዝብና ካዕበታዊ ረብሓ ኣይክኾኖን እዩ። ብኣንጻሩ እኳድኣ ካብ ሓቢርካ ተሳማማዕካሉ ክታምካ ዘምበርካሉ ናይ ጥልመትን በበይንኻ ምስራሕ ናብ ህዝብና ዘሕድሮ ሃሰየታን ንቓልሲ ተቓውሞ ድማ ንድሕሪት ካብ ምግታት ካብ ምኻን ሓሊፉ ካልእ ከስምዕ ኣይክእልን እዩ።ካብዚ ተረዶኦ እዚ ተበጊስኩም ነቶም ንበይኖም ፈስቲባል ክገብሩ ዝእምቱ ዘለዉ ናብ ህዝብና ሕማቕ መልእኽቲ ስለ ዝኾነ እንተ ሰምዕኹም ናብ ጌጋ ውዕል ሓቢርካ ምስራሕ ቀይዲ ከይ በተኹ ከለዉ  ናይ ማዕዳን ምእላይን ክትገብሩ ኣጥቢቀ  ይላቦን ይታሓሳስብን።

ኣብዚ ንእግረ መገደይ ናብ ኩሎም ኣካል ኤ.ዲ.ኪዳን ውድባትን መሰረታትን መልእኽተይ  ክማሓላልፍ ኣፍቕዱለይ ምእንቲ ዕላማና ክወቅዕን ሽግር ህዝብና መፍቲሒ ክረክብን ልዕሊ ኹሉ እንኮ ምርጫና ሓቢርካ ምስራሕ ጥራሕ ኢዩ ከዔውተና ዝኽእል። ካብዚ ተረዶኦ ኣዚ ተበግስና ናይ ተነጽሎ ስራሓት ኣብ ውሽጥና ምስ ዝቃላቐል ተኣዛዝቲ ጥራሕ ኮይኮና ከይተ ሓጸርና ማዕረቲ ንጽዕሮን፥ ንደኽሞን፥ነዎፍዮን፥ ማዕሪኡ ድማ ኣረምቲ ግደን ታራን ክህልወና ከምዘለዎ ክንዝንግዕ የብልናን እናልኩ ናይ ኣረምትን ኣለይትን መሰልና ባዕልና ኣይንንፈጎ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ኤ.ዲ.ኪዳን  ትልሚ ንኸነዕውት በቢ ዘለናዮ ሓቢርና ንቃለስ እናበልኩ የታሓሳስብ።

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና

ዓወት ንትልሚ ሓቢርካ ቃልሲ  ኤ.ዲ.ኪዳን

 ዕንወት ንመግዛእቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ 

  ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2202

Posted by on Jun 30 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net