ፕ.ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

14 ጥሪ 2009

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት መራሒ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ ማራቶን ቃል መሕተት ኣካይዱ። እቲ ዓመት መጸ ብዋነት ዝሓዞ ካብኡ ዘይሓልፍ ነቓጽ፡ ገታር፡ መጸለሚ፡ ጃህራ፡ ፈኸራ ዝመልኦ ቃል መሕተት ኣካይዱ። ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ጃህራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘይበልዖ በሊዑ፡ ዘይረገጾ ረጊጹን ዘይተኸድኖ ተኸዲኑ ተባሂሉ ዘውርየሉ ፕረሲደንት ሃገር ኤርትራ ባዕሉ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ጥምየት ተቐጺዑ ክነሱ፡ ዓመት መጸ ብዕውት ብሓምላይት ኤርትራን ወፈራ ማእቶት፡ ልምዓትን ጸጋ መወዳእታ ዘይብሉ ዘረባ ዝዛረብ ሓደ ባዕሉ ንሱ’ዩ። ፕ.ኢ.ኣ ብዛዕባ ልምዓትን ማእቶትን ክዛረብ እንከሎ ብዛዕባ ኣየነይቲ ሃገር ይዛረብ ከም ዘሎ ኩሉ’ዩ ነገሩ ኣዝዩ ዘደንጽውን ዝገርምን ዘስደምምን። ሎሚ ኣብ google.com  ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም ብዛዕባ ምድረ ገጽ ኤርትራ እንተረኣኹም፡ እቲ ናይ ሳተላይት ኣበየናይ መሬት ኤርትራ’ዩ ልምዓት ዘሎ ባዕሉ ክሕብረኩም’ዩ።

እወ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ነውራማት እድዮም፡ ነታ ናይ ሳተላይት ካሜራ’ውን ናይ ሲ.ኣይ.ኤ ስለ ዝዀነት ንኤርትራ ከም ሰሃራዊት ምድረ በዳ ገይሮም ከም ዝስእልዋ ኣምሲሎም ክመ ዝዛረብሉ ዘካትዕ ኣይኮነን።

እቲ ፕረሲደንት ኣልሚዕናዮ ዝብሎ እንተዀነ፡ ኣበየናይ ክፋል መሬት ኤርትራ’ዩ ናይ ልምዓት ስርሓት ተፈጺሙ፡ በቲ ዝተፈጸመ ልምዓት ከ ኣየና ህዝቢ ርህይዎ ተዓንጊሉ ሓዲሩ ክትፈልጥ ዘጸግም’ዩ። እዚ ናይ ልምዓት ወፈራ ንረብሓ ጥቅምን ህዝቢ ኤርትራ ውዒሉ ክትብል በዚ ሕጂ ዘለዎ ሃለዋት ዕዳጋ፡ ዋጋ እኽልን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ። ህ.ግ.ዲ.ፋዋውያን ይኹን መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ንህዝብና ዘደናግርሉ ትያትሮ ምስራሕን ምምሃዝን ኣይተዘንግዑን።

ቀደም፡ ወለድና፡ ዝብኢ ክንቒ እንከሎ ሰናይ ዘበን’ዩ ይብሉ ነበሩ፡ ከምይስ ዝብኢ ደድሕሪ ማል ጥሪን ስለ ዝኸይድ፡ ማልን ጥሪትን እንተብዝሓ ከኣ ክሳብ ቅርዓት ዓዲ ደድሕሬኤን ስለ ዝምጽእስ ድምጺ ዝብኢ ሰሚዖም፡ ዝብኢ’ኳ ተስፋ ረኺቡ ኢሎም ዝዛረብሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ህዝቢ ካብ ናይ ዝብኢ ምስላ፡ ናብ ዜታው( ናይ ጽዕነት መካይን) ምስ ተቐየረ’ውን ዘርከብናሉ ደርፊ ነይሩ፡ “ይመጽእ ኣሎ ጠጥዕሙ፡ ዜታው ተጻዒኑ ይባሃል ነይሩ”። እወ እተን ካብ ተሰነይ ዓሊ ግድር፡ ካብ ኣቑርደት፡ ካብ ከረን ዒላ በርዕድ፡ ካብ ዓዲዃላ መንደፈራ፡ ካብ ሃዘሞ ዓላ፡ ካብ ምጽዋዓ ጊንዳዕ፡ ይኹን ካብ ሱዳንን ኢትዮጵትያን ክሳብ ዝኣኸልን ተጻዒነን ዓጠጠ እንዳበላ ንዕዳጋ ዝመጻ ዝነበራ ናይ ጽንዕነት መኻይን፡ ህዝብና ከይበልዔ ዝተዓንገለ፡ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሰናቲም፡ ደርሆ፡ እንቋቝሖ፡ መለሊኽ ጣፍ ፡ ዳጕሻ፡ ዑፍን፡ ማሸላ፡ እንጣጢዕ ዝገዝኣሉ ዝነበረ እዋን’ውን እዩ።

ሎሚ ግን ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝንቒ ዝብኢ ተሪፉስ መዓልካ ኣቦይ/ኣደይ ዝብል ውሉድ ይኹን ዘመድ ተሳኢኑ፡ ፡ ዝዛረብን፡ ደሃይ ዝሓትት ሰብ ተሳኢኑ፡ ዝንቔ ዝብኢ የልቦ፡ ዝብኢ’ውን ዝብላዕ ስኢኑ ተሰዲዱ። ዝተጻዕነት ዜታው የልቦ። ሎሚ ዘርከበ ንሳዋ ወይ ንዒራ ዒሮ ኮይኑ ኣሎ።

ትያትሮ ኢሰያስ ሎሚ ብልክዕ ተፈሊጡ’ዩ። እቲ ሓምላይ ወፍሪ ዝብሎ እንተዀነ ናይ’ቲ ሰማያዊ ኣቦ ዝለገሶ እምበር ጻዕሪ ህ.ግ.ዲ.ፍን መደብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከመይ ዘይኮነ ዘመልክቶን ዝሕብሮን ጉዳይ ኣሎ።

ኣብ ሓምለ ነሓሰ፡ ኣባጅጎ (ፈጣሪ ንህዝቢ ክተዕረቕ) ማይ እንተሃሪሙ ጥራሕ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቲ ባህሪ ዝለገሶ ጠሊ መዝሚዙ ሃገር ኣልሚዔ’ዩ ዝብል። ዝገርም’ዩ። ኣብ መጋቢትን ሚያዝያ ክሳብ መጀመሪያ ግንቦት ንኤርትራ ዝገይሽ ሰብ ሓንቲ’ኳ ቀጠልያ ሳዕሪ ከም ዘይርኢ ዝተረጋገጸ’ዩ።

እቲ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ግዜ ክረምቲ ገዲብናዮ ዝብልዎ ዲጋታት፡ ሓጽብታትን፡ ራህያታትን’ውን እንተዀነ፡ በቲ ብርቱዕ ሃራርሞ ጸሓይ ሃፊፉ፡ ኣብ ግዜ ሓጋይ ጥብ ትብል ማይ ከም ዘይርከቦ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ።

ጉዳይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ህዝብና ሃገርን ብኣንጻሩ እዩ። ብገንዘብ ህዝቢ ይኹን ብናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝተረኽበ ናይ ሕርሻ ናውቲ ማእቶት እንተዀነ፡ ብዘይካ ኣብ’ቲ ግዜ ክራማት፡ ኣብ ሓጋይ ብጸሓይን ንፋስን መከላኸሊ ዘይብሉ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ተደርቢዩ ከም ዝረአ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብና ዝካየድ ዘሎ ናይ ልምዓት ላግጺ ትያትሮ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከመይ ከም ዝካየድ ብጭቡጥ ሓበሬታ ንዝደሊ፡ ብቃል ዘይኮነስ ብስእሊ ዝተሰነደ ሓበሬታ ክወብሃን ክቀረብሉን ይኽእል’ዩ።

ሎሚ እቲ ብሃገራዊ ሃብቲ ልምዓትን ባህርያት ኤርትራ ዝፍለጥ ግርማ ሃገርና፡ ኣውሊዕ፡ ቀላሚጦስ፡ ታህሰስ፡ ዓርኮብኮባይ፡ ጭዓ ዝኣመሰሉ ኣግራብ ኩሎም ዳርጋ እንዳጠፍኡን እንዳበረሱን ይኸዱ ኣለዉ። ቀደም ንዓሽቱ ዓድታት ክሳብ ኣብ’ቲ ደምበ ዓዲ ትበጽሕ ብኣግራብ ተሸፊነን ዘይረኣያሉ ዝነበራ፡ ሎሚ ኣብ ርሕቀት ዓስተርተታት ኪሎ ሜተር ኮይንካ ትርእየን። እተን ዝበረኻ ዓድታት ከኣ’ሞ ኣብ ቃልዕ ወጺኤን’የን። መሬት ኤርትራ ባዲሙ።

ኣብ ግዜ ንእስነተይ ብዙረት፡ ኣብ ሩባ ማይ ዓይኒ፡ ዒላ በርዕድ፡ ጊንዳዕ፡ ከረን ክሳብ ማይ ዳዓሪት፡ ሩባ ገንፈሎን፡ ደቀምሓረ፡ ሓልሓለ መረሳኒ፡ ከባቢ ኣስመራ ከኣ ቤት ገርግሽ፡ ማይ ሑጻ፡ ቤት ምኻእ፡ መንገዲ ወኪ ዱባ ከባቢ ራዳር ዝተባህለ ቦታታት፡ ብፍሉይ ከኣ ኣብ ከባቢ ጸዓዘጋ ዝነበረ ሕዛእቲ ኣውሊዕ ሎሚ ክዛረበሉስ ይትረፍ ብሕሊሚ’ኳ ክገልጾ ዘይክእለሉ፡ ዓመት መጸ ካብ ግዜ ክረምቲ ዘይፈልየሉ ቀጠሊያ ሳዕሪ ዝረኣየሉ ቦታታት’ዩ ነይሩ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ከኣ፡ ከም ምግራሕ፡ ሸበቕ፡ ተኽረረት፡ ሞጎራይብ፡ ከርከበት፡ ሸርዒት፡ ዛራ፡ ከባቢኡን፡ ሓዋን ዓዶብሓ ዓብይን ንእሽቶን፡ ማይ ሰይፍለዮም ቦታታት ሓስታ፡ ሌበብ፡ ሕሽክብ፡ከዋክን፡ መሓርገ፡ ደልሓ፡ ሸንኮሌት ፡ ምስ ጠሉን ወሓዚ ማዩን ከኣ ዓረሪብ፡ በዓቲ፡ ዓምበበብ፡ ሓሊበት፡ ዓራግ ወ.ዘ.ተ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ለሚዑ ዝረአ ቦታታት እንተሃለወ ከም ሓንቲ ከም ባሕቲ ገርሰት’ያ። እቲ ምልካዊ ስርዓት ንፕርፓጋንዳዊ ሃልኪ ክጥቀመሉ ብኽንደይ ክንክን ዘካይዶ ናይ ሕርሻ ቦታ ከኣ’ዩ። እተን ፍሉያት ከም ናይ ፕሮፓጋንዳ ንርኣዩለይ ስምዑለይ ብኽንደይ ክንክን ዝተሓዛ ናይ ሕርሻ ቦታታት ብኽንደይ ቆይቆይ ብዝተዓቁረ ማይ ኣብ ግዜ ዑደት መላኺ ፕረሲደንት ብዕቕን፡ብስሪንጋ ማይ እንዳ ዓደሉ ዘስትይዎን ተኽሊታት፡ ንስልጣን ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምሕላው ዝግበር ትያትሮ’ዩ።

ገርሰት ብፍሉይ ክንክን ዝካየደላ ናይ ልምዓት መደበር ፕርፖጋንዳ ህ.ግ.ዲፍ.’ያ። ገርሰት እታ ሓንቲ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ብልምዓት ዝዛረበላ ቦታታት ኤርትራ’ያ። ነዚ ናይ ሕርሻ ቦታ ንምክያድ ብፍላይ ብህ.ግ.ዲ.ፍ ዝካየደሉ ናይ ሓልዮትን ምትብባዕን፡ ማለት ካብ’ቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰዓብቶም ከይኽዕብዎም፡ ዝላዕል ፍርሒ ዝገብርዎ’ዩ።

ገርሰት ካብ’ተን ኣብ ኤርትራ ዝነብራ ናይ ሕርሻ ቦታታት፡ ነቲ ኩሉ ምሕደራን ፖለቲካዊ ውሳኔ ህ.ግ.ዲ.ፍ ተጻዊራ ትኸይድ ዘላ ዞባ ሕርሻ’ያ። እንተ ኣብ ካልእ እቲ መሬት ናይ ሕርሻ ተባሂሉ ብህ.ግ.ዲፍ. ኣብ ግዜ ክረምቲ ዝፍከረሉ ብደሮና ጥራሕ ከይኣክል፡ እተን ናውቲ ሕርሻ ከም ትራክቶራት፡ ኣብ ጸሓይን ንፋስን ብዘይ ስራሕን ቁም ነገርን ክላድያ፡ ቁምነገረን ከንቱ ኽተፍእ ክትሪኢ፡ ኣብ’ቲ ውሽጠን ዘሎ ሃይሊ ምስ ጥሜት ህዝቢ ኤርትራ ኣወዳዲርካ ክትሪኦ መዓንጣ ከብድኻ ዝዅምትር’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጥሜት ዓለም ከይፈልጦ፡ መንግስቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቢ ጠሚና ከይትብሉ እንዳበለ  ብምፍርራሕ፡ ኩሉ ኣብ ገዝኡ ተዓጽዩ ይነብር ኣሎ። ኣብ ሓደ ናይ ኤርትራ ዝረኣኽዎ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ንኤርትራ ከተለልያ ዘይትኽእል እዩ። እቲ ስእሊ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ኣይነበረን ኣብ ዝተፈላልየ ቦታታት ክንደይ ናይ ኣማኢት ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዝሸፈነ ስእሊ’ዩ። እዚ ጻዕዶ ሕሶት ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ፡ ጻዕዳ ሓሶት ቲቪ ኤረ፡ እዚ ጻዕዳ ሓሶት ስዓብቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝመስክር’ዩ። ተስፋ እገብር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣልሚዔዮ ዝብሎ መሬት ሃገና፡ ህዝብና  ጸሊም ጻዕዳን ሕሶት ብዓይኑ ክምስክር ብስእሊ ክርእዮ ዝከኣለኒ ክጽዕር።

ኣብ መደምደምታ

ኣብ ዕለት 3 ጥሪ 2010 ቃል ፕ.ኢ.ኣ መሕተት ካልኣይ መደብ ርእየ። ኣብ’ቲ ትዕዝብተይ ንሓንቲ ሕቶ ልዕሊ 35 ደቂቕ መልሲ ክወሃበላ ርኤ፡ ገሪሙኒ። እቲ ዝገርመኒ ሓንቲ ሕቶ ዝወሰደቶ ግዜ ዘይኮነስ፡ እቲ ፕረሲደንት ሕቶ ክቀርበሉ እንከሎ ከም’ዚ ይብል…. ብዛዕባ’ዚ’ኳ ጠሊቐ ክዛረብ ኣይደልን’የ…….. እዚ ጉዳይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣይኮነን ክምልሰሉ’ውን ኣይደልን….. እዚ ጉዳይ ‘ኳ ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ’ዩ  ወ.ዘ.ተ እንዳበለ ምጅማሩ’ዩ። ከምኡ እንዳበለ ከኣ መወዳእታ ዘይብሉ ዘረባ ይዛረብ። ዝገርም’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ጠሊቝ፡ ክዛረብ ዘይደሊ፡ ብዛዓብኡ ኣገዳስነት መሊስ ዘይረእየሉ፡ ህዝቢ ዝፈልጦ ጉዳይ ደኣ ስለምንታይ ንሓንቲ ሕቶ ካብ 35 ክሳብ 40 ደቒቕ ግዜ ይወስድ። ነዚ ይትረፍ ዓብየቲ ህጻናት፡ ቋንቋ ትግርኛ’ኳ በቲ ዝግባእ ዘይመለኹ ንኤርትራ ክበጽሑ ምስ ስድረኦም ዝኸዱ ዝተዓዘብዎ ጉዳይ’ዩ።

ሓደ ምስ ስድርኡ ንኤርትራ ክበጽሕ ዝኸደ ህጻን፡ ኣብ ቲቪ ኤረ ብዙሕ ግዜ ዝወሰደ ቃል መሕተት ፕረሲደንት ኢሰያስ ምስ ተዓዘበ ይገርሞ ነበረ። ሓደ እዋን ኣብ ቲቪ ክጻወት ስለ ዝደለየ በቶም ገዛ እቲ ቃል መሕተት ክሳብ ዝውድእ ደገ ክጻወት ተሓበሮ። እቲ ቆልዓ ተተመሊሱ ንገዛ እንዳኣተወ ይሓትት፡ እንተዀነ ከም’ቲ ትፈልጥዎ ቃል መሕተት ቲቪ ኤርትራ ዘይውዳእ ኮነ። ቆልዓ ዓቕሉ ጸቢብዎ፡ እዚ ሰብኣይ ክንድእዚ ዝዛረብ መን’ዩ። ደሓር ከኣ በይኑ ድዩ ዝዛረብ መዛርብቲ ዘይብሉ ክንድ’ዚ ዝዛረብስ ሓቂ ኣለዎ ድዩ ንምዃኑ ክብል ንወለዱ ሓተቶም።

ዝገርም’ዩ፡ ኣብ ህጻናት ትዕዝብቲ ዝኣተወ ፕረሲደንት ሕጂ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላልየ ግዜ ካብ ወጻኢ ንኤርትራ ኣትዮም ኣብ ምሕደራ፡ ኣብ ኣካይዳ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ፡ ኣብ መሰል ደቂ ሰባት ዝሓተቱ ህጻናት ብዙሓት’ዮም። ገገለ ህጻናት ድሕሪ ሕጂ ንኤርትራ ንኸይከዱ ዝወሰኑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ህጻናት፡ ቋንቋና ዘይሰምዑ ንብሂል ምልካዊ መራሒ ኢሰያስ ነቲ ጉዳይ’ውን  ክዕዘቡን ቁም ነገር ከም ዘይብሉ ክፈልጡን ካብ ከኣሉ። ብዋነን ዝተተሓዘ ጉዳይ ኮይኑ ዝተረድኦም ሰባት ናይ ሕልና ተቃውሞ ከስምዑ ዘይፈታትኑ፡ እቶም ጃንዳ ሰዓብ’ቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ሃሞምን ቀልቦምን ኣጥፊኦም ክሰምዑ፡ ኣብ ደገ ወጺኦም ብዘይናቶም ቃላት ክንየቱ፡ ነቲ ኩሉ ዘረባ ሚእቲ ብሚእቲ ሓቂ ገይሮም ክዛረቡን ነታ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ትመሓደር ሃገርን ክጃሃሩላ ክትሰምዕ ልዕሊ ኩሉ ዘሕዝን’ዩ።

እንተዀነ ህዝብና መጣቓዕቲ ጥራሕ ኣይወለደን፡ ብመሬት ዓዶም ክዕቕብ፡ ባህሉን ሕግን ክዕቕብ፡ ብሓሊዮትን ሕውነትን ብዝለዓለ ከኣ ብማዕርነትን ሓድነትን ክነብር ዝደሊን፡ ዝደሊ ጥራሕ ዘይኮነ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝጠልብ ህዝቢ ዝወአለደ ስለ ስዀነ ብዛዕባ ጥፍኣት ህ.ግ.ዲ.ፍ ጥራሕ ክንሓስብ የብላን፡ ነቲ ትንሳኤ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነት ዲሞክራሲን ክብል ክሳብ ሎሚ ዝቃለስ ዘሎ ወገና’ውን ክንሓስብ፡ ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ ክበራታዕ ከም ዘለዎ’ውን ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ኣብ ኣብ ቅድሚ ጻዕረ ሞት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሓድነት ኣርብዕተ ውድባት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸነሉ ዓመት፡ ሕብረተ ሰብ ኦኣለም ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝወሰዶ ናይ እገዳ ውሳኔ ነቲ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ብቀሊሉ ዝርአ ተርኽቦ ኣይኮነን። ኩሉ ምዑትን ንቕሑን ዕቱብን ቃልሲ ዘድልዮ’ዩ።

ፍትሒ ይንገስ

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=225

Posted by on Feb 3 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net