ጽንቲ ክብርን ዋጋን ባህሊ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

6

 

 

ለካቲት 2010

ምልካዊ ስርዓት ...ፍ፡ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝፈጸምዎ ኣሉታዊ ተግባራት፡ እንተይዘትበዚሑ ዘይውሕ ብምዃኑ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ብቱርካውያን ዝተፈጸመ ኣዕናዊ ኣረሜናዊ ታሪኽ፡ እዚ ታሪኽ ...ውን ኣብ ማህደር ታሪኽ ምስ ከይተሰርዔ ኣይተርፍንዩ።

 

ምልካዊ ስርዓት ...ፍ፡ መብጽዓ ጥራሕ ኣይኮነን ጠሊሙ፡ መብጽዓ ምጥላምን፡ ተግባራት ባዕድን፡ ካብ ባዕዳውያን ዝፈጸምዎ ተግባራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ፡ እሞ ኣብ ልዕሊ ዝተገፍዔ፡ ዝተጨቆነ፡ ዝተኣሰረ፡ ዝተሰደ፡ ዝተቐትለ፡ ንብረቱ ዝነደደ፡ ስድራ ቤቱ ዝተበታተነት፡ ምስ ኩሉ ከኣ፡ ንሕሰም፡ ጩቆና፡ መግዛእቲ ክስዕር፡ ነታ ዝውንና ሂወቱ ዘይሓልፍ ሰላም ዝሰፈኖ ነጻነት ህቡን ሃገሩን ከረጋግጽ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ተግባራታዩ።

 

እቲ ንህ...ፋውያን ከም ህጻን ዕሸል ውሉዱ ተተይ ኣቢሉ፡ ካብ ኩሉ ባዕዳዊ ተጻብኦ፡ ከም መርዓት ኣብ ውሻጣ ከዊሉ፡ ንዓይ ንደቐይ ይሕሰመኒ ኢሉ፡ እቲ ውህብቲ ነቒጹ፡ ኣብ ጎረሮ ጠጠው ከይብል፡ መሪሩ፡ መጺጹ፡ መቐረት ስኢኑ ጡፍ ከይብልዎ፡ ጨዉ፡ በርበሪኡ ኣለስሊሱ፡ ጸብኡን ልግዔን ዝለገሰ ህዝቢ፡ ሎሚ ዝፍደዮ ዘሎ ሕነ፡ ኣየርእካ ዘብል።

 

ከም ዓይነት መግለጺ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝጸሓፍ፡ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፡ እወ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፡ እዚ ሕሰም ክሳብ ዝውድእ ግን ናይ ዓይነት ተግባራት መግለጺ ክቅጽል ግድነትዩ።

 

ስርዓት ... ወግዒ የብሉ፡ ባህሊ የብሉ፡ ውዕል የብሉ፡ ሓደ ወግዒ ማለት ሕጊ ዘይብሉ፡ ባህሊ ዘይብሉ፡ ንስርሓቱ ብውዕል ዘይፍጽም ሓደ ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ግምት፡ ባህሪ ሰባት፡ ባህሊ ሰባት፡ ድሌት ሰባት ኣብ ግምት ኣብ ጸብጻብ ዘየእቱ እዩ። እዚ ከኣ ዝበልክዎ ስምዑኒ ዝብል፡ ኣረሜናዊ ኣካይዳ እዩ። እንስሳታት ሕጊ ስለ ዘለዎም ምስ ከባቢኦም ምስ ባህሪ ተሓላልዮም ዝዀዱ ስለ ዝዀኑ ወላ ኣይሕሰቡ፡ ልዕሊ ...ዮም።

 

ኤርትራ ወዮ ደኣ ጠገለ ዘይብሉ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ... ባህሪ ሃብታ ይበርስን ይጠፍእን ኣሎምበር፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎና እንተዀነ፡ ምስ ኩሉ ናይ 20 ዓምት ብረታዊ ተጋድሎናን፡ ቅድሚኡ ዝካየድ ዝነበረን ኵናት እንስሳ ዘገዳም ኣዝዮም ብዙሓት ነበሩ።

 

ካብዞም ኩሎም እንስሳ ዘገዳም ጓል በረኻ ወይ ህበይ ብብዝሒ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ሳሕል ትርከብ። ኣህባይ ሕጊ ኣለዎም፡ እቲ ዝሓየለን ዝዓበይን ይመርሕ፡ እቲ ዝመርሕ ከኣ ሓያል ኽኸውን ዘለዎ ኮይኑ፡ ብኣገባቦም ተናጽዮም፡ ተመናጪቶም እቲ ዝሕመቐ ይመርሕ፡ እቲ ክሳብ ሓምሳ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቁጽሪ ዝሓዘት ስድራ ባላ ኩሉ ነቲ ሓያል (ጋውና) ይቕበሎን ይኣምነሉን።

 

እቲ ጉዳይ ግን ናይ ምሕያልን፡ ናይ ተናጺኻን ተመናጪትካን ንስድራ ምምራሕ ኣይኮነን። እተን ኣህባይ፡ ደቂ ኣህባይ ነቲ ሓያል ዝቕበልዎን ዝመርጽዎን፡ ንባዕሉ ሓያል ተቃሊሱ ዘውድቕ፡ ዘሕምቕ፡ ዝነጽን ዝምንጭትን ብምዃኑ ጥራሕ ኣይኮነኑ። እቲ ሓይሊ ነታ ስድራ ብምልእታ ካብ ዝዀነ ይኹን ግዳማዊ ተጻብኦ፡ ካብ ዘገዳም ይኹን ካብ ሰብ ክከላኸለሎምውን እዮም ዝመርጽዎ።

 

ሓቂ ብሓቂ ከኣ ኣቲ መራሒ ስዒሩ፡ በታ ስድራ ተቐባልነት ምስ ረኽበ፡ እቶም ኩሎም ንሓይሉ ከም ዝተቐበልዎ ከረጋግጹ ኣብ ከርባቢኡ ይዓስልዎ። ካብ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ክሳብ ዝከኣሎ ኣብ ክንዲ ምልእቲ ስድራ ዝከላኸልን ዘድሕንን ናይ ዝእትወሉ መብጽዓ ከኣ ይኸውን።

ኣብ ዝዀነ ወፍሪ ከኣ ንኣሽቱ ከይተርፉ፡ ድኹማት ከይተርፉ እንዳኣለየ፡ ኣብ ዝበረኸ ቦታታት ወጺኡ ጸላእቲ እንዳኣማዕደወ፡ እታ ስድራ ጉድኣት ከይረክብ ሓሊዩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ የሰጋግራ። ኣብ ጉዕዞ እቶም ንኣሽቱ ኣህባይ( ዋጭል) ክጻወቱ ካብ መስርዕ እንተወጹ ክንደይ መግናሕቲ ዝወርዶም ምዃኑ ኣህባይ ክጋንሑ ዝረኣየ ብዙሕዩ። ማይ እንተዝየልቦ ናብ ማይ ዝመርሕ፡ ዝምእረር እንተዘይልቦ ናብ ማዕረ ዝመርሕ ሓያል መራሒዩ።

ምእንቲ ንስርዓት ... ኣራዊት እንተበልናዮስ፡ መጸቢቑን መንኣዲኡን እምበር፡ እቲ ልክዕ መግለጺ ኣይከውንን። እቲ ዝቀረበ ኣረሜናዊ ሕልና ዘይብሉ ስርዓት ምባል ይሓይሽን ይቐርብን።

 

... ራእይ የብሉን፡ ራእይ ስለ ዘይብሉ ከኣ ወትሩ ስልጣን ካብ ኢዶም ከይትወጽእ ለይትን መዓልትን፡ ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ዝብልዎ ከኣ ሓቂ ስለ ዘይብሉን፡ ክውንን ምስ ህዝብናን ሃገርና ዝኸይድ መስርዕን ኣገባብ ስለ ዘይሓዘ ይፈሽል፡ ኣብ ዕንኪልል ይነብር።

 

ሓደ መራሒ፡ ነቲ ዝሓዞ መደብ ከዕውት ሓይሊ ሓሳብን፡ ናይ ለውጢ ንምምጻእ ዓቕምን ክእለትን እንተዘይብሉ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ግዜኡ ናብ ዋናታቱ ክመልሶ ኣለዎ። ይትረፍስ ሓይልን ዓቕምን ዘይብሎምስ፡ እቶም ናይ ለውጢ፡ ዕብየት፡ ሓድነት፡ ሰላም ራእይ ኣብ ህዝቦም ዓቕምን ብቅዓትን ዘረጋግጹኳስ ገደብ ስልጣኖም ብሃገራዊ ቅዋም ስለ ዘብቕዕ፡ ስልጣን ንካልኦት ዝገድፉሉ መዋእል ባህሊ ሕብረ ምጣነ ሃብታዊ ቅርጻ ናይ ሎሚ ዓለምና ዘረጋግጾዩ።

 

... ግን ወግዒ የብሉን፡ ማለት ቅዋምን ዝምርሓሉ ሕጊ ባይቶ የብሉን፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ስለ ዘይልቦ ከኣ፡ ባይቶ ክህሉ ኣይክእልንዩ። ባይቶ ስለ ዘየልቦ ከኣ ንመራሕ መንግስቲ ሕጊ ሓጊጉ ወሲኑ ዘቐብል የልቦን፡ መራሕ መንግስቲ ብሕጊ ምስ ዘይቅየድ ዝቆጻጸር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ የልቦን፡ ምእንቲ ንመንግስቲ መቆጻጸሪ ይኹን፡ ናይ ጌጋታት መንግስቲ መዕቀኒ ዓንቐጻት ስለ ዘየለው ብኩሉ መዳያቱ ዝበዀረ ስለ ዝዀነ ባህሊው የብሉን ኣካይዳውውን የብሉን።

 

ስርዓት ... ኣብ ዜጋታት ጥራሕ ኣይኮነን ግፍዒ ፈጺሙ ዘሎ፡ ... ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ ከባቢኦም፡ ኣብ ልዕሊ ባህሎምን ክብርታቶም ድምር ዕንወት ፈጽሚ ዘሎ።

 

መሰል ዜጋታት

 

ኣብ ኤርትራ ጥዕና ዘለዎ መንግስቶ ስለ ዘየልቦ ብሓደ ውልቀ ሰብ ዝካየድ መንግስቲ ከም ድላዩ ዝውስኖ፡ ብኡ መሰረት ከኣ ነቲ ውሳኔ ውልቀ ሰብ ብኢደ በይዛታት ኣብ ተግባራት ዝውዕልን ዝፍጸምንዩ። ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስት ውዕል( ቅዋም) ስለ ዝየልቦ ንመንግስቲ ይኹን ንመራሕ መንስግቲ ዝቆጻጸር የልቦን። ዝቆጻጸር ብዘይምህላው ከኣ እቲ ጉዳይ ጠጠው ኣይበልን ደኣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዝኸፍአ መልክዕ ምሕደራ ዝቅጽል ዘሎ። ሰባት ይእሰሩ ይበሃል ነይሩ ቀደም፡ ሰብ ይስንብድ ይሓዝን፡ ሰብ ተቐቲሉ ይበሃል ሰብ ይሓዝን ይስምብድን፡ ሎሚ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ሰብ ጠፊኡ፡ ሰባት ጠፊኦም ጸኒቶም ዝበሃለሉ ግዜ ምሕደር ... በጺሕና። ሎሚ ሎምስ እቲ ቁጽሪ ናብ ዓድታት ይጠፍኣ ኣለዋ በጺሑ ኣሎ።

መንእሰያት፡ ወለዲ፡ ምሁራት፡ ተቃወምቲ ካብ ... ይሃድሙ ኣለዉ ሕራይ፡ ዓድታት ካብ ... ዝሃድማሉ ደኣ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካይድ ስርዓት ድዩ በለ ሓደ ?

እወ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ቅጥዒ ዘይብሉ ጭካነ ዝመልኦ ወራር ይፍጽም ኣሎ፡ ነቲ ወሪሩ ዝሓዞ ግን ኣይተኻናኸነሉን፡ ብኣንጻሩ ገፊዕዎ፡ ቀቲለኦ፡ ገንዘቡ ዘሚቱ፡ ጉልበቱ መዝሚዙ፡ መሰሉ ዓሚጹ፡ ኣሲሩ መቝሑ፡ ቀጥቒጡ ገሪፉ፡ ቀቲሉ፡ ኣጽኒቱ ከመሓድሮ ፈቲኑ ብኡ ይቕጽል ኣሎ።

 

ምእንት እቲ ዓድታት ካብ ቅሉዕን ሰላሕታ ወራር ... ይሃድምን ይበርርን ይስደድን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣድማሳዊ መሰል ደቂ ሰባት ተባሂሉ ክዛረበሉ ክንደይ ስራሕ ክካየድ ዘለዎዩ። ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲ መሰሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እዚ መሰልካ ቅድሚ ምባል፡ ሓደ ዓብይ ሃገራዊ ናይ ተሓድሶ ጎስጓስ፡ ሓደ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ህንጻት ክካየደሉ ዘለዎ ህዝቢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ቀሊል ስለ ዘይኮነ።

 

ምሕደራውን ከባቢያዊ ብልሽውና

 

ህዝቢ ኤርትራ በታ ዓቕሙ፡ በታ ክእለቱ ብዘገምታ ናብ ሓደ ምዕቡል ሕብረተ ሰብ ንምስግጋር እኹል ጻዕሪ ክካየደሉ ዝብል ራእይ ዘየነብሮ መንግስቲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዓመጽ ተሰጋጊሩ፡ ህዝቢ ከይተሓተተ፡ ዓቕሙ ከይተመዘነን፡ ነቲ ገባር ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ሳሕል ዝነበረ ተጋዳላይ ንምግባሩ ፈተነ ምክያድ፡ ሓደ ኣውራ ብርሰት ባህሊ ጀሚሩ፡ ኣውራጃታት ዝበሃል የልቦን ተባሂሉ ? መሬት ናይ መንግስቲ ተባሂሉ ? ግራት ናይ መንስግቲ ተባሂሉ ? ቆፎ ናይ መንስቲ ተባሂሉ ? እወ ተባሂሉ። ደጊም ኩሉ እቲ ብርሰት ድሮ ጀሚሩስ፡ ነቲ ሱር ሰዲዱ ዝነብረውን በናቝሱ ኣጥፊእዎዩ።

 

... ኣብ ክንዲ ብቀዳምነት ንህዝቢ ዝረድእ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሰዓብቱ ብዝለዓለ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከም ዘርብሕ ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ውሳኔ ዘሕለፈሉ ሰነድ ሓደ ምስክርዩ። እዚ ሰነድ ከኣ ካብ ኣግባቡ ወጺኡ ኣብ ሓላፍነት ሓደ ውልቀ ሰብ ምስ ኣተወ፡ መሬቱ ብሓሊ ገቢቱ ንሰብ ገንዘብ ዓደለ። ነገር ተወዲኡ።

 

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኤርትራ ሃብታማት ጣልያን ነቲ ብዶሚናለ ዝተወርሰ መሬት ድኻታት ሓረስቶታት፡ ተኪኦም ክሳብ ሎሚ፡ ከም ብዒላ በርዕድ፡ ማይ ዓይኒ፡ ሓልሓለ (መረሳኒ) ካልኦት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝነበሩ ንኣቶት ሓረስቶትን ከም በዓል ጕዲቲ፡ ከምኡ ናይ ምግፋፍ ዓሳን ጭውን፡ ንኣሽቱ ፋብሪካታትን ደማሚርካ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ሓራ ዘይወጻሉ ግዜ ዝነበረን፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽንውን ንመንግስቲ ኤርትራ ሓሊዅ ሒዝዎ ዝነበር ቁጠባዊ ዋንነ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ባዕዳውያን ብምንባሩዩ።

ስርዓት ..ዲፍ ከባቢታት፡ ንዲጋታትን ሓጽብን እንዳበለ፡ ንዘይርብሓሉ ጽርግያታት እንዳበለ በዚ ሎሚ ዘይርከቡ ኣግራባትን ካልኦት ተኽልታት መተካእታ ዘይብሎም ጨሪሾም ጠፊኦም ኣለዉ። እቶም ዲጋታት ከኣ ኣይሰሰኑን፡ ሩባ ባርካ ዲጋ ኣየድልዮንዩ። ሩባታት ኤርትራ ወሓይዝ ኤርትራ ንባዕሎም ዲጋታትዮም። ማይ ኣብ ውሽጦም ሒዞም ዝነብሩ፡ ከይሃፍፍ ኣጽሊሎም ዓቝሮም ዘጽንሑዮም። ህዝቢ ኤርትራን ገዲሊ ኤርትራን ከኣ ነዚ መሬት ዝዓቐቦም፡ ባህሪ ዝዓቐቦ ምስጢር ተኸቲሎም ኵነታት ሰጊሮም። ... ማይ እንተዘይሃሪሙ ጥራሕ ክሕመ ዘይክእል። ዝናብ ዘኒቡ ዝገብሮ ተግባራት ግን ኩሉ ዘሕምዮን ዘውቅሶንዩ።

 

ናይ ፍሽለት ኣብ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣህባይ ኣብ መንገዲ ወሪደን ኣብ ጽርግያታት ወሪደን፡ ካብ ሓለፍቲ ገያሾ መግቢ ዝልምናሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ። ጓል በረኻ ኣብ ኤርትራ ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ኣብ ጽርግያ ምውዓላ ምሕዳራ ኮይኑ ክርኢ ንዓይ ዓብይ ናይ ሓንቲ ሃገርን ሃገራዊ ሃብትን ሓደጋን ብርሰትንዩ። ብዛዕባ ናይዘን ኣህባይ ዝምልከት ኣብ www.youtube.com/kerkebet or youtube.com search kerkebet ጌርኩም እተን ኣብ መንጕዳ ወይ ዓርበ/ረቡዕ በጺሐን ዘለዋ ኣህባይ ኣስመራ ከይኣትዋ ዘተሓሳስብዩ። ኣብ ኤርትራ ህበይ ኣብ ቅድሚ ሰብ ብኸም ዓይነት ድፍረት ዓብይ ጽርግያ ኮይና ክትምእርር ክርኢ ንዓይ ንመጀመሪያ ግዜዩ።

 

ባህላዊ ብርሰት

 

ባህሊ ኣብ ኤርትራ ምውርራስ ባህሊ የልቦን። ዝውረስ ባህሊ፡ ከባቢ ካብ ዘሎ ስለ ዝዀነ፡ መንእሰይ ዝዓብየሉን ዝርእዮን ዝሰምዖን፡ ናይ ... ባህሊ እዩ። እቲ ዝወርሶ ባህሊ ከኣ ሕግን ወግዕን፡ ውዕልን ምትሕሳስብን፡ ዝተሰርዔ ዘይምዃኑዩ። ነቲ ክወርሶ ዝቅረበሉ ባህሊውን Mአቕ ይጸብቅ ሚዛን ክገብረሉ ዘይክእል፡ መቆጻጸሪ ክገብረሉ ዘይክእልዩ።

 

ሎሚ መበቆል ሕብረ ብሄራዊ ጉጅለታት ኤርትራ ከጥፍእ ዝተበገሰ ስርዓት፡ ናይ ዕላማታት ልዳት በጺሑ፡ ሎሚ ህጻናት ንመበቆሎም፡ ብዞባ ደቡብ ብዞባ ማእከል ዝገልጹ ናይ ኮምፓስ እንታይነት ከም መንነት ሒዞም ክኸዱ ዝተመሃሩዮም። ድሕሪ ጉዳይ ብዛዕባ ባህሊ ክትዛረብ ትኽእለሉ ኣይኮነን። መንእሰያት ኤርትራ ክምለስሉ ዘይክእሉ ጉዕዞ ብርሰት ይኸዱ ከም ዘለዉዩ።

 

መደምደምታ

ነዚ ስርዓት ንምምካት ሓደን መተካእታ ዘይብሉ፡ ሓድነት ብምርግጋጽ፡ ስምምዓት ብምሕያል፡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ጠመተ ጌርካ፡ ብሓደ ኮይንካ ኣብ ተካይዶ ወፈራ ኣንጻር ምልካዊ ውሳኔታት እዩ።

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ ዝከኣሎ ኩሉ ክዕቅቦ ዝነበሮ ከሲርዎዩ። ካብ ሕጂ ንንየው ግን ክሳራ ዘይኮነስ ኣብ ብርሰትን ምጥፋእን ምጽናት ገጾ ዘምርሓሉ ዘሎ ስለ ዝዀነ ኩሉ ደላይ ሰላም ራህዋን ዲሞክራሲያን ኣብ መስመር ዕቱብ፡ ስጡም ቃልሲ ጠጠው ክብል ዘለዎ ዕድመ ዘይድልዎ መድረኽዩ።

 

ክንዕወት

ሰላምን ፍትሕን ይንገስ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=227

Posted by on Feb 7 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net