ኣጆኹም ምናሕ ኣብ ጎኑኹም ኣለና !! ንብዓትን ኣውያትን፣ ቃልስን መስዋእትን

“ እዚ ሽፍትነት’ዩ ካብ ደርጊ ትሕሹሉ መንገዲ የለን ”

    ቃል ስውኡ ክብሮም ክፍሎም ወዲ-ምናሕ

ነዚ ጹሑፍ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ እዚ ኣብ መስኮት ኢንተርኔት ንሓርነት ኮም ብዕለት 20 ጥቕምቲ 2005 ኣብ ትሕቲ “ ህዝቢ ምናሕ ምስ ወተሃደራት ህግደፍ ብባትርን ብፋስን ውግእ ገጢሙ ውዒሉ” ዝብል ኣርእስቲ፡ ጅግንነትን ተወፋይነትን ኣይግዛእን ኣይንብርከኽን እንቢ ንጭቆናን ሓሳረ-መከራን ብምባል ብባትርን ብፋስን ንመሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ወተሃደራት ዝመከተ ህዝቢ ምናሕ ንከሞጉስን፡ ከም ወዲ-ምናሕ ድማ ኩል ግዜ ኣብ ጎኑ ከምዘለኹ ንምርግጋጽን ስለዝደልኩ’የ፡፡ መርበብ ሓበሬታ ንሓርነትዶት ኮም ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ክትሰምዖን ክትዛረቦን ዘስደምም ፍጻመ ዘጋጠመ ሓደ ወተሃደር ህግደፍ ብሓይሊ ዮርዳኖስ ንዝተባሃለት መርዓት ክጋሰሳ እንከሎ በዓል-ቤታ ተስፋዓለም እያሱ ኣርኪቡ ብበትሪ ቀጥቀጦ፡ ድሕሪ’ዚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ጭፍራ ወተሃደራት ምጺኦም ንተስፋዓለም እናደጉደጉ ናብ መደበሮም ወሰዱዎ፡፡ ሓወቡኡ ኣቶ ክብሮም ክፍሎም ኮበርታ ክብጻሓሉ ናብቲ ተኣሲሩዎ ዘሎ ቦታ ምስ ከደ እቶም ወተሃደራት ክጻረርዎ ጀመሩ፡፡ ተባዕ ስዉእ ክብሮም ክፍሎም’ውን ንሰበይቱ ተጋሲሶም ንሰብኣያ ክኣስሩዎ ካብዝብል ቁጥዓ ነቒሉ “እዚ ሽፍትነት’ዩ ካብ ደርጊ ትሕሹሉ ምኽኒያት ከኣ የለን ” ስለዝበለ እቲ መራሕ ቦጦሎኒ ብጥይት ረሸኖ፡፡ ብርግጽ ከም ያታን ልምድን መርድዕ መዋቲ ምንጋር ክብርን ናይ ባዕሉ ስነ-ስርዓትን ዘለዎ ምዃኑ ትስሐትዎ ኣይመስለንን፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ስለ  ዘይተዓደልና ግና፡ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንሞት ኣኮይ ብመስኮት መርበብ ሓብሬታ ትረዲኤ፡፡ እቲ ኣዝዩ ዘደንጹ ሕሉፍ ታሪኽ ድማ ኣቦ ክብሮም ማለት ኣቦይ ክፍሎም ይመስገን ካብቶም  ቀዳሞት ተቓለስቲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ኮይኖም፡ በቲ ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ዘካይድዎ ዝነበሩ ህዝባዊ ምልዓላትን ቆራጽነትን ኣብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ብወተሃደራት ደርጊ እዮም ተረሺኖም፡፡ ስለዚ ክብሮም ቅድሚ ምርሻኑ ኣብ ዝነበራ ቁሩብ ደቃይቕ ዝተዛረቦ “ንስኻትኩም ህግደፋውያን’ውን ካብ ደርጊ ኣይትሕሹን” ዝበሎ፡ ካብቲ ወተሃደራት ደርጊ ኣብ ልዕሊ ኣቡኡ ዝፈጸምዎ ፍጻመ ተብጊሱ’ዩ፡፡ እቲ ፍልልይ እምበእር ኣቦይ ክፍሎም ብደርጋውያን /ናይ ግዳም ጸላእቲ/ ክብሮም ግን ብህግደፋውያን ዝተረሸኑ ምዃኖም ጥራይ እዩ፡፡

ዋላኳ እቲ ዘጋጠመ ፍጻሜን ኩነታትን ንሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ብፍላይ ካኣ ንህዝቢ የማሓድር ካብ ዝብል መንግስትን መሪሕነትን ዘይጽበዮ እንተኮንኩ፡ ደም ኤርትራዊ ሓወይ ክብሮም ክፍሎም ደም ከልቢ ኮይኑ ከምዘይተርፍን ነዚ ዝስካሕኽሕ ፍጻመ ኣብ ምትግባር ዝተሳተፉ ኩሎም፡ ኣብ መጻኢት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ተሓታትነቶም ኣብ ሕጋዊ መጋባዕያ ክረዐ ምዃኑን ግቡዕ ተመጣጣኒ ዝኮን ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎምን ንሓንቲ ስከንድ’ውን ትኹን ክዝንግዑ ከም ዘይብሎም ከዘካኽር ይፈቱ፡፡ እዚ ብህዝቢ ምናሕ ተወሲዱ ዘሎ ተባዕ ስጉምትን ተወፋይነትን ኣብ ኩሉ ዓድታት ኤርትራ ተበራቲዑ ክቕጽልን ዓቢይ ህዝባዊ ማዕበል ፈጢሩ፡ ነዚ ብውጹእ ቐትሪ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ጎደናታትን ዓድታትን ብዘይገለ ኣስሓኮ /ስክፍታ/ ኣብ ምርሻን፣ ንብረቶም ኣብ ምርሳይን ኣብ ምግሳስን ተዋፊሩ ዘሎ ጃንዳ በላዒ ሂወት ዜጋታት ዝኮነ ህግደፍ ከም ዳይኖስር ንሓንሳብን ንሕዋሩን ካብ ምድረ-ገጽ ኣብ ምጥፋእ ክረባረብ እጽውዕ፡፡ ብፍላይ ድማ ቀንዲ ተጥቓዕቲ ናይቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ረመጽ ዝኾና ኣብ ከባቢ ምናሕ ዝርክባ ዓድታት ኩለን ማለት ከም በዓል ተኾንዳዕ፣ቆሓይቶ፣ ዕምባ ጭላይ፣ ብሆሌ፣ ትገረን፣ ዝባን-መረሮ፣ መዓለውያ፣ ግራመተን፣ ዝባን-ዝግብ፣ ኩሉ ዓድታት ዓረትን ብሙሉዑ ኣብ ዓዲ-ቐይሕን ከባቢኣን ዝርከባ ዓድታት፡ በዚ ኣብ ምናሕን ኣብ ሓውና ክብሮምን ዘጋጠመ ጭካነ ከይተዳሃልኩም ምስቲ ተባዕ ህዝቢ ምናሕ ኣብ ጎኑ ኮይንኩም ቃልስኹምን መኽተኹምን ኣበርቲዕኹም ከምትቅጽልዎ ኣይጠራጠርን፡፡ ካብዚ ውጻኢ ካልእ ኣማራጺ የለን፡፡ ምኽኒያቱ ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ እንከለዉ ኣብ ዓጋም ዝተጸግዓት ቋልቋል ክትነብዕ ትነብር ዝበልዎ’ዩ፡፡

ጽንዓት ንህዝቢ ምናሕ!!

ጽንዓት ንህዝብታት ከባቢ ዓድታት ምናሕ!!

ጽንዓት ንህዝቢ ኤርትራ!!

ጽንዓት ንብሙሉኡ ቤተ-ሰብ ክብሮም ክፍሎም

ብፍልይ ድማ ነዲኡ ድሃብ ተኪኤ ነባሓጉኡ ሰርጌንቲ ተኪኤ ተላ!!

ሙሴ ዜና

20 ጥቕምቲ 2005

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2280

Posted by on Oct 10 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net